ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/6 ገጽ 16-17
  • ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ—ህይወት ኣኮኡ ኣድሓነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ—ህይወት ኣኮኡ ኣድሓነ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ተባዕ ነበረ
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • “ኣጆኻ!”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ብትብዓት ምሉእ ምስክርነት ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/6 ገጽ 16-17

ንደቅኻ ምሃሮም

ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ—ህይወት ኣኮኡ ኣድሓነ

ሃዋርያ ጳውሎስ ሰዓብቲ የሱስ ዝዀኑ ኣዝማድ ከም ዝነበርዎ ትፈልጥዶ፧a— ሓብቱን ወዳን ሰዓብቲ የሱስ እዮም ነይሮም። እዚ ወዲ ሓብቱ ኸኣ ንህይወት ጳውሎስ ኣድሓነ። ስሙን ስም ኣዲኡን ዘይንፈልጦ እኳ እንተ ዀንና፡ እንታይ ከም ዝገበረ ግን ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ እዚ ኽትሰምዕ ትደሊዶ፧—

ጳውሎስ ካብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ተመሊሱ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። እዋኑ ድማ ብ56 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ተኣሲሩ ፍርዱ ይጽበ ነበረ። ጸላእቱ ግን ኣብ ቤት ፍርዲ ኪቐርብ ዘይኰነስ፡ ኪቐትልዎ እዮም ደልዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ንጳውሎስ ኣብ መገዲ ተጸብዮም ዚቐትልዎ ኣስታት 40 ሰብኡት ኣዳለዉ።

ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ብገለ መገዲ ብዛዕባ እቲ ውዲት ፈለጠ። እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧— ከይዱ ንጳውሎስ ነገሮ። ጳውሎስ ከኣ ንሓደ ኻብቶም ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ “እዚ ወድዚ ንሓለቓ ሽሕ ዚነግሮ ዘረባ አለዎ እሞ፡ ናብኡ ዀታ ኣእትወለይ” በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቲ ወዲ ናብቲ ቅላውዴዎስ ሊስያስ ዝስሙ ሓለቓ ሽሕ ወሲዱ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኸም ዘለዎ ነገሮ። ቅላውዴዎስ ነቲ ወዲ ንበይኑ ወሰዶ፡ እቲ ወዲ ኸኣ ኵሉ ነገር ነገሮ።

ቅላውዴዎስ ነቲ ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ፡ “እዚ ንኣይ ከም ዘፍለጥካኒ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣጠንቀቖ። ድሕሪኡ፡ ንኽልተ ሓላቑ ሚእቲ ጸዊዑ፡ ናብ ቂሳርያ ዚኸዱ 200 ዓቀይታይ፡ 70 ፈረሰኛ፡ ከምኡውን 200 ሰብ ኲናት ኬዳልዉ ነገሮም። ለይቲ ሰዓት ሰለስተ እቶም 470 ዝዀኑ ሰብኡት ንጳውሎስ ሒዞም ናብቲ ኣብ ቂሳርያ ዝነበረ ፌሊክስ ዝስሙ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ብደሓን ኣብጽሕዎ። ቅላውዴዎስ ኣብታ ናብ ፌሊክስ ዝጸሓፋ ደብዳበ ብዛዕባ እቲ ንጳውሎስ ንምቕታል ተኣሊሙ ዝነበረ ውዲት ገለጸ።

ስለዚ፡ እቶም ኣይሁድ ንጳውሎስ ኣብ ቤት ፍርዲ ቂሳርያ ኪኸስዎ እዮም ተገዲዶም። ይኹን እምበር፡ ንጳውሎስ ዚኸሱሉ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኣይነበሮምን። ኰይኑ ግን፡ ጳውሎስ ንኽልተ ዓመት ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኣስረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ሮሜ ኣብ ቤት ፍርዲ ኪቐርብ ይግባይ በለ፣ ናብኡ ኸኣ ተላእከ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:16–24:27፣ 25:8-12።

ካብዚ ብዛዕባ ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧— ቅኑዕ ዘበለ ኽንዛረብ ትብዓት ከም ዚሓትትን ከምኡ እንተ ጌርና ህይወት ሰባት ከነድሕን ከም እንኽእልን ኢና እንመሃር። የሱስ፡ ጸላእቱ “ኪቐትልዎ ይደልዩ” ምንባሮም እናፈለጠ ኽነሱ፡ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ምቍራጽ ይነግሮም ነበረ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ነጊሩና ኣሎ። ከምኡ ኽንገብር ዲና፧ ልክዕ ከም ወዱ ሓብቱ ንጳውሎስ ትብዓት እንተ ኣልዩና፡ እወ ኸምኡ ኽንገብር ኢና።—ዮሃንስ 7:1፣ 15:13፣ ማቴዎስ 24:14፣ 28:18-20።

ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ብጻዩ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” በሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ወዱ ሓብቱ ንጳውሎስ ነዚ ኣኮኡ እተዛረቦ ዜተባብዕ ቃላት ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓሎ ኣየጠራጥርን እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ዲኻ፧

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዑ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቶም ቈልዑ ኽትሓቶም ከም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት፦

  • ካብ ኣዝማድ ጳውሎስ ንመን ትፈልጥ፧ ካብኦምከ እንታይ ትመሃር፧

  • ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ንህይወት ኣኮኡ ንምድሓን እንታይ ገበረ፧

  • ሎሚ ንትእዛዝ የሱስ ብምፍጻም ህይወት ሰባት ምእንቲ ኸነድሕን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ