ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 10 ገጽ 28-ገጽ 29 ሕ.ጽ. 7
  • የሱስ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተጓዕዘ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተጓዕዘ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጕዕዞ ናብ የሩሳሌም
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ብንእስነቱ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • መንእሰይ የሱስ ኣብ ቤት መቕደስ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሱስ ተኣዛዝነት ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 10 ገጽ 28-ገጽ 29 ሕ.ጽ. 7
ወዲ 12 ዓመት የሱስ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ንመምህራን ኣይሁድ ይሓትቶም

ምዕራፍ 10

የሱስ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተጓዕዘ

ሉቃስ 2:40-52

  • የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ ንመምህራን ሓተቶም

  • የሱስ ንየሆዋ፡ “ኣቦይ” ኢሉ ጸውዖ

ዮሴፍን ስድራ ቤቱን ምስ ኣዕሩኽቶምን ኣዝማዶምን ዓመት ዓመት ናብ የሩሳሌም ዚጓዓዝሉ ግዜ በጽሐ። ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዚእዝዞ፡ ፋስጋ ኼብዕሉ እዮም ናብኡ ዚኸዱ ዝነበሩ። (ዘዳግም 16:16) ካብ ናዝሬት ናብ የሩሳሌም ኣስታት 120 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ይኸውን ነይሩ። ኵሉ ሰብ ሸበድበድ ዚብለሉን ዚሕጐሰሉን እዋን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ወዲ 12 ዓመት እዩ ዀይኑ ነይሩ፣ ነቲ በዓልን ነቲ ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ ናይ ምዃን ኣጋጣምን ከኣ ፍልይ ብዝበለ ተገዳስነት እዩ ዚጽበዮ ነይሩ።

በዓል ፋስጋ ንየሱስን ንስድራ ቤቱን፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ጕዳይ ጥራይ ኣይነበረትን። ጽባሕ ፋስጋ፡ እቲ ሸውዓተ መዓልቲ ዚወስድ በዓል ቅጫ ይጅምር ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 14:1) ንሱ ኸኣ ክፍሊ እቲ ቕነ ፋስጋ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ዓዶም ናዝሬት ነቒሎም ዚገብርዎ ጕዕዞን ኣብ የሩሳሌም ዚቕንዩሉ ግዜን ናብ ዓዶም ዚምለሱሉ ግዜን ተደሚሩ ዳርጋ ክልተ ሰሙን እዩ ዚወስደሎም ነይሩ። ኣብታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ዓመት እቲኣ ግና፡ ብሰንኪ የሱስ ካብኡ ንላዕሊ እዩ ወሲዱሎም። ካብ የሩሳሌም ኪምለሱ ኸለዉ እዮም ብዛዕባ እቲ እተፈጥረ ነገር ፈሊጦም።

ዜሐጕስ ጕዕዞታት

የሱስን ስድራ ቤቱን ናብ የሩሳሌም ይጓዓዙ

እቲ ዓመታዊ ንዚብዓል ሰለስተ በዓላት ተባሂሉ ናብ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞታት፡ ንዅሎም ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 16:15) ኣብቲ ጕዕዞታት እቲ፡ የሱስ እተፈላለየ ኽፋላት እታ ምድሪ ይርኢ፡ ብዛዕባ ቕርጺ መሬታ ይፈልጥ፡ ካብ ካልእ ዞባታት ዝመጹ ኣምለኽቲ እውን ይረክብ ነይሩ እዩ። ከመይ ዝበለ ዘይርሳዕ ጕዕዞታት ኰን እዩ ነይሩ!

ዮሴፍን ማርያምን ኪጕዓዙ ኸለዉ፡ የሱስ ምስቶም መኻይዶም ዝነበሩ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ናብ ሰሜን ገጹ ዚጐዓዝ ዘሎ መሲልዎም ነበረ። ኣብቲ ኺሓድሩ ዘዕረፉሉ ቦታ ግና ሰኣንዎ። ምስቶም ብጾቶም ደልዮም እውን ሰኣንዎ። እወ፡ ወዶም ኣይተረኽበን! ሽዑ፡ ዮሴፍን ማርያምን ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።

ምሉእ መዓልቲ ደልዮም ኣይረኸብዎን። ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ እውን ኣይረኸብዎን። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብታ ብዙሕ ኣዳራሻት ዘለዋ ቤተ መቕደስ ረኸብዎ። ኣብኡ ኣብ ማእከል መምህራን ኣይሁድ ተቐሚጡ ይሰምዖን ይሓትቶምን ብምስትውዓሉ የስተንክሮምን ነበረ።

ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ይረኽብዎ

ሽዑ፡ ማርያም፡ “ወደየ፡ ስለምንታይ ከምዚ ጌርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን ተሻቒልና ኽንደልየካ ጸኒሕና” በለቶ።—ሉቃስ 2:48።

የሱስ ኣበይ ከም ዚኸውን ብዘይምፍላጦም ከም እተገረመ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንምንታይ እሞ ትደልዩኒ፧ ኣብ ቤት ኣቦይ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።—ሉቃስ 2:49።

የሱስ ምስ ዮሴፍን ማርያምን ምስ ተራኸበ፡ ምሳታቶም ናብ ናዝሬት ተመልሰ፡ ይእዘዞም እውን ነበረ። ብጥበብን ብኣካልን እውን ይዓቢ ነበረ። ገና እኳ ንእሽቶ እንተ ነበረ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስ ነበሮ። እወ፡ የሱስ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ፡ ብመንፈሳዊ ነገራት ግዱስ ብምዃን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንወለዱ እውን ኣኽብሮት ብምሃብ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ እዩ።

  • የሱስ ምስ ስድራ ቤቱ ኣዘውቲሩ እንታይ ጕዕዞ እዩ ዚገብር ዝነበረ፧ ስለምንታይከ፧

  • የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዮሴፍን ማርያምን ካብ የሩሳሌም ኪምለሱ ኸለዉ እንታይ እዮም ዝፈለጡ፧ እዚኸ ናብ ምንታይ መርሐ፧

  • የሱስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ገዲፉሎም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ