ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 23 ገጽ 60-ገጽ 61 ሕ.ጽ. 5
  • የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ዓበይቲ ግብርታት ገበረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ዓበይቲ ግብርታት ገበረ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቅፍርናሆም እተገብረ ተወሳኺ ተኣምራት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝሰበኹሉ ምኵራብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣብ ገሊላ ኣገልግሎቱ ኣስፍሐ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 23 ገጽ 60-ገጽ 61 ሕ.ጽ. 5
ዝሓመሙ ሰባት ናብ እንዳ ጴጥሮስ ይመጹ፡ የሱስ ከኣ የሕውዮም

ምዕራፍ 23

የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ዓበይቲ ግብርታት ገበረ

ማቴዎስ 8:14-17 ማርቆስ 1:21-34 ሉቃስ 4:31-41

  • የሱስ፡ ጋኔን ኣውጽአ

  • ሓማት ጴጥሮስ ሓወየት

የሱስ ነቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ፡ ማለት ንጴጥሮስን ንእንድርያስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ፡ ብሰንበት ኵላቶም ኣብ ቅፍርናሆም ናብ እትርከብ ምኵራብ ከዱ። የሱስ ኣብታ ምኵራብ ኪምህር ጀመረ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ከምቶም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ከም ሓደ ስልጣን ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ስለ ዝነበረ፡ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ።

በታ ሰንበት እቲኣ፡ ጋኔን ዝሓደሮ ሰብ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ድማ፡ “ኣታ ናዝሬታዊ የሱስ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ መን ምዃንካ ብልክዕ ፈሊጠካ ኣለኹ፣ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ኢኻ!” ኢሉ ጨደረ። የሱስ ግና ነቲ ኣብቲ ሰብኣይ ዝሓደረ ጋኔን፡ “ስቕ በል፡ ካብኡ እውን ውጻእ!” ኢሉ ገንሖ።—ማርቆስ 1:24, 25።

ሽዑ፡ እቲ እኩይ መንፈስ ነቲ ሰብኣይ ናብ ምድሪ ደርብዩ ኣንፈርፈሮን ዓው ኢሉ ጨደረን። ድሕሪኡ ግና፡ “ከይጐድኦ ኻብኡ ወጸ።” (ሉቃስ 4:35) እቶም ኣብታ ምኵራብ ዝነበሩ ሰባት ተደመሙ! “እዚ እንታይ እዩ፧ . . . ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዝዎ” ድማ ተባሃሃሉ። (ማርቆስ 1:27) እዚ ወረ እዚ ድማ ኣብ ብዘሎ ገሊላ ተዘርግሐ።

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብታ ምኵራብ ወጺኦም ናብ ቤት ስምኦን ወይ ጴጥሮስ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ ሓማት ጴጥሮስ ብርቱዕ ረስኒ ነበራ። ንየሱስ ድማ ኪረድኣ ለመንዎ። ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ ብኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ ሓውያ ኸኣ ንየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ኣገልገለቶም፣ ምናልባት እውን ምግቢ እያ ኣዳልያትሎም እትኸውን።

ጸሓይ ክትዓርብ ከላ፡ ዝሓመሙ ሰባት ሒዞም ናብ ቤት ጴጥሮስ መጹ። ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ብምልእታ እታ ኸተማ፡ ኣብቲ ኣፍ ደገ ተኣከበት። ስለምንታይ፧ እቶም ህዝቢ ኺሓውዩ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ እዮም። “ኵሎም እቶም እተፈላለየ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ዘለውዎም፡ ናብኡ ኣምጽእዎም። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኣእዳዉ ኣንቢሩ ኣሕወዮም።” (ሉቃስ 4:40) እወ፡ ሕማማቶም ብዘይገድስ፡ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ የሱስ ረዲእዎም እዩ። (ኢሳይያስ 53:4) ኣጋንንቲ ንዝሓደርዎም እኳ ኣውጺኡሎም እዩ። እቶም እኩያት መናፍስቲ ድማ፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ኢሎም እናጨደሩ ወጹ። (ሉቃስ 4:41) የሱስ ግና ገንሖም፡ ኪዛረቡ እውን ኣይፈቐደሎምን። ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ፣ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዜምልኹ መሲሎም ኪርኣዩ ድማ ኣይደለዮምን።

ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ

ጋኔን ወይ ኣጋንንቲ ኣብ ሰብ ምስ ዚሓድሩ፡ ነቲ ሰብ ብዙሕ እዮም ዜሳቕይዎ። (ማቴዎስ 17:14-18) ካብ ኣጋንንቲ ሓራ ምስ ኰነ ግና፡ ኣእምሮኡን ሰብነቱን ጥዕና ይረክብ እዩ። የሱስ ንኣጋንንቲ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኬውጽእ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ።—ሉቃስ 8:39፣ 11:20።

  • ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ እትርከብ ምኵራብ እንታይ እዩ ዝዀነ፧

  • የሱስ ካብታ ምኵራብ ምስ ወጸ፡ ናበይ እዩ ዝኸደ፧ ኣብኡኸ እንታይ እዩ ዝገበረ፧

  • ሰብ እታ ኸተማ፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ምስ ሰምዑ እንታይ ገበሩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ