ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/8 ገጽ 30
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ፡ ጋኔን ንዝሓደሮ ወዲ ኣሕወዮ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣጋንንቲ ዝሓዝዎ ወዲ ሓወየ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ዓበይቲ ግብርታት ገበረ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/8 ገጽ 30

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ብመሰረት ማቴዎስ 17:⁠20 እቶም ሃዋርያት ‘እምነት ስለ ዝጐደለቶም ’ ንሓደ እተሳቐየ ወዲ ከሕውይዎ ኣይከኣሉን። ይኹን እምበር: ኣብ ማርቆስ 9:⁠29 ድማ እቲ ዘይምኽኣሎም ምስ ናይ ጸሎት ኣድላይነት ተተሓሒዙ ኣሎ። ኣብ እተፈላለየ ናይ ወንጌል ጸብጻባት እተፈላለየ ምኽንያት እተዋህበ ደኣ ስለምንታይ ኢዩ፧

ብሓቂ እዚ ክልተ ጸብጻባት እዚ ንሓድሕዱ ዝደጋገፍ እምበር ዝጋጮ ኣይኰነን። መጀመርታ: ማቴዎስ 17:⁠14⁠-⁠20 ርአ። ሓደ ሰብኣይ ወዱ ሕማም ባርያ ከም ዘለዎ እሞ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ግን ከሕውይዎ ከም ዘይከኣሉ ነገረ። ድሕ​ርዚ የሱስ ነቲ ዘሳቕዮ ዝነበረ ጋኔን ብምውጻእ ነቲ ወዲ ኣሕወዮ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ጋኔን ስለምንታይ ከውጽእዎ ከም ዘይከኣሉ ሓተቱ። ብመሰረት ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ: የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “እምነትኩም ስለ ዝጐደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፤ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትአክል እምነት እንተ አልያትኩም: ነዚ ኸረን ድማ፤ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ: ትብልዎ: ንሱ ኸኣ የግልስ: ዚሰአነኩምውን የልቦን።”​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ሕጂ ናብቲ ዝያዳ ዝርዝር እንረኽበሉ ማርቆስ 9:⁠14-29 ገንጽል። ንኣብነት: ማርቆስ 9:⁠17 ኣብዚ ጕዳይ እዚ እቲ ዘውድቕ ዓይነት ሕማም ባርያ ዝመጸ ብምኽንያት እኩይ መንፈስ ከም ዝዀነ ይዝርዝር። ኣብ ካልእ ቦታውን መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ሕማም ባርያ ከምኡውን ኣጋንንቲ ዝነበሮም ሰባት ከም ዘሕወየ ይነግር ምዃኑ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:⁠24) ኣብዚ ፍሉይ ጕዳይ እዚ: እቲ ምውዳቕ “ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ” ዘምጽኦ ኢዩ ነይሩ: እዚ ድማ ከምቲ ሓኪም ሉቃስ ዘረጋገጾ እኩይ መንፈስ ኢዩ። (ሉቃስ 9:⁠39፣ ቈሎሴ 4:⁠14) ነቲ ኣብ ማርቆስ 9:⁠18 ዘሎ “[እቲ ጋኔን] ኣብ ዝሐዞ” ዝብል ሓረግ ኣስተብህለሉ። ስለዚ እቲ ወዲ በቲ ጋኔን ብቐጻሊ ዘይኰነስ ጸጸኒሑ ጥራይ ኢዩ ዝተሓዝ ነይሩ። ገና ግን: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ጋኔን ብምውጻእ ነቲ ወዲ ከሕውይዎ ኣይከኣሉን። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ስለምንታይ ኢሎም ምስ ሓተቱ የሱስ ‘እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎት ክወጽእ ኣይከኣልን እዩ’ ብምባል መለሰ።

ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ማርቆስ ጸብጻብ ብጥንቃቐ ምንባብ: ምስቲ ማቴዎስ መዝጊቡዎ ዘሎ ጸብጻብ ዝጋጮ ኸም ዘይብሉ ኢዩ ዝሕብር። ኣብ ማርቆስ 9:⁠19 የሱስ ብዛዕባ ኣብቲ ወለዶ እቲ ዝነበረ እምነት ምጕዳል ጓሂኡ ከም ዝገለጸ ኢና እነንብብ። ኣብ ቍጽሪ 23 ከኣ: ንኣቦ እቲ ቘልዓ “ንዚአምን ኵሉ ይክአል እዩ” ኢሉ ከም ዝነገሮ ተመዝጊቡ ኣሎ። ስለዚ ማርቆስ እውን ናይ እምነት ኣድላይነት የጕልሕ ኢዩ። ማርቆስ ኣብ ቍጽሪ 29 ተወሳኺ ዝርዝር ጥራይ ኢዩ ሂቡ። ማርቆስ: ነቲ ማቴዎስን ሉቃስን ዘይገለጽዎ የሱስ ብዛዕባ ጸሎት እተዛረቦ ይውስኽ።

እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም እንኽእል፧ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እቶም 12 ሃዋርያትን እቶም 70 ደቀ መዛሙርትን እኩያት መናፍስቲ ኣውጺኦም ኢዮም። (ማርቆስ 3:⁠15፣ 6:⁠13፣ ሉቃስ 10:⁠17) ኣብዛ ጕዳይ እዚኣ ግን እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ጋኔን ከውጽእዎ ኣይከኣሉን። ስለምንታይ፧ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ጸብጻባት እተጠቕሰ ዝርዝር ኣብ ሓደ እንተድኣ ጠርኒፍናዮ: ኣብዚ ጕዳይ እዚ ከምኡ ንምግባር ድሉዋት ኣይነበሩን ኢልና ኢና እንድምድም። ኣጋንንቲ ብባህሪ: ዝንባለ: ከምኡውን ብኽእለት ከይተረፈ ዝፈላለዩ ስለ ዝመስል: ምናልባት ክፋል ናይቲ ግድል ዓይነት ናይቲ ጋኔን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ጋኔን እዚ ንምውጻእ: ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ብፍላይ ብርቱዕ እምነትን ዓሚቝ ጸሎትን ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ከምዚ ዝበለ እምነት ከም ዝነበሮ እተረጋገጸ ኢዩ። ናይቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ ኣቡኡ ደገፍ እውን ነይርዎ ኢዩ። (መዝሙር 65:⁠2) የሱስ ነቲ ጋኔን ብምውጻእ ነቲ እተሳቐየ ወዲ ከሕውዮ ይኽእል ነይሩ ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ ኣሕውይዎ እውን ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ