ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 61 ገጽ 146-ገጽ 147 ሕ.ጽ. 4
  • የሱስ፡ ጋኔን ንዝሓደሮ ወዲ ኣሕወዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ፡ ጋኔን ንዝሓደሮ ወዲ ኣሕወዮ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣጋንንቲ ዝሓዝዎ ወዲ ሓወየ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ዓበይቲ ግብርታት ገበረ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ብናይ መን ሓይሊ እዩ ተኣምራት ዝገበረ፧
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 61 ገጽ 146-ገጽ 147 ሕ.ጽ. 4
ሓደ ኣቦ፡ ጋኔን ንዝሓደሮ ወዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ይልምኖ

ምዕራፍ 61

የሱስ፡ ጋኔን ንዝሓደሮ ወዲ ኣሕወዮ

ማቴዎስ 17:14-20 ማርቆስ 9:14-29 ሉቃስ 9:37-43

  • ንሓደ ጋኔን ዝሓደሮ ወዲ ንምሕዋይ ሓያል እምነት ኣድለየት

የሱስን ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ካብ ከረን ምስ ወረዱ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኸቦም። ሓደ ጸገም ተፈጢሩ ነይሩ። ጸሓፍቲ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸቢቦም ይከራኸርዎም ነበሩ። እቶም ህዝቢ ንየሱስ ምስ ረኣይዎ፡ ተገረሙ፡ ሰላም ኪብልዎ ድማ ናብኡ ጐየዩ። ንሱ ድማ፡ “ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ትከራኸርዎም ዘለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።—ማርቆስ 9:16።

ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ የሱስ ተምበርኪኹ፡ “መምህር፡ ንወደይ ዓባስ መንፈስ ስለ ዘለዎ ናባኻ ኣምጺአዮ። ኣብ ዝሓዞ ዘበለ ድማ የውድቖ፣ ንሱ ኸኣ ይዓፍርን ኣስናኑ ይሕርቅምን ይደክምን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ሓቲተዮምሲ፡ ኣይከኣሉን” በሎ።—ማርቆስ 9:17, 18።

እቶም ጸሓፍቲ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ነቲ ወዲ ኼሕውይዎ ብዘይምኽኣሎም ይነቕፍዎም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም፣ ምናልባት እውን የላግጹሎም ነይሮም ይዀኑ። ሽዑ፡ የሱስ ነቲ እተጨነቐ ኣቦ ኣብ ክንዲ ዚምልሰሉ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣታ ዘይኣምንን ቄናንን ወለዶ፡ ክሳዕ መዓስ እየ ምሳኻትኩም ክነብር፧ ክሳዕ መዓስከ እየ ኽዕገሰኩም፧” በሎም። እዘን ሓያላት ቃላት እዚአን ብርግጽ ነቶም ንደቀ መዛሙርቱ ኼሸግርዎም ዝጸንሑ ጸሓፍቲ ዚምልከታ እየን ነይረን። ቀጺሉ፡ የሱስ ናብቲ እተጨነቐ ኣቦ ግልጽ ኢሉ፡ “ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ” በለ።—ማቴዎስ 17:17።

እቲ ወዲ ናብ የሱስ ምስ ቀረበ ግና፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጋኔን ናብ ምድሪ ኣውደቖ፡ ኣመና እውን ኣንፈርፈሮ። እቲ ወዲ ኸኣ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረን ዓፈረን። የሱስ ድማ ንኣቦኡ፡ “ከምዚ ኻብ ዚኸውን ክንደይ ግዜ ገይሩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ካብ ቍልዕነቱ እዩ፣ ኬጥፍኦ ኢሉ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን የውድቖ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ገለ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን” ኢሉ ለመኖ።—ማርቆስ 9:21, 22።

እቲ ኣቦ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እኳ ኺረድእዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ ዓቕሉ ጸቢብዎ እዩ ነይሩ። የሱስ ነቲ እቲ ሰብኣይ ብዓቕሊ ጽበት ዘቕረቦ ልማኖ ምስ ሰምዐ፡ “‘ትኽእል እንተ ዄንካ’ እምበኣር ኢልካ! ንዚኣምን፡ ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ። ኣቦ እቲ ቘልዓ፡ ብኡብኡ ዓው ኢሉ፡ “እኣምን እየ! እምነት ኣብ ዚጐድለኒ ድማ ርድኣኒ!” በሎ።—ማርቆስ 9:23, 24።

የሱስ፡ ጋኔን ንዝሓደሮ ወዲ የሕውዮ

የሱስ፡ ህዝቢ ናብኡ ኺጐይዩ ረኣየ። ኵሎም እናረኣዩ ኸኣ ነቲ ጋኔን፡ “ኣታ ዓባስን ጸማምን መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣለኹ፡ ካብኡ ውጻእ፡ ደጊም እውን ኣይትእተዎ!” ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ኪወጽእ ከሎ፡ ነቲ ወዲ ኣግዓሮን ብዙሕ ኣንፈርፈሮን። ድሕሪኡ፡ እቲ ወዲ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ኸይተንቀሳቐሰ ጸንሐ። ብዙሓት ነዚ ምስ ረኣዩ፡ “ሞይቱ!” በሉ። (ማርቆስ 9:25, 26) ግናኸ፡ የሱስ ነቲ ወዲ ብኢዱ ምስ ሓዞ እሞ ምስ ተንስአ፡ “ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣትሒዙ ሓወየ።” (ማቴዎስ 17:18) እቶም ህዝቢ ድማ በቲ የሱስ ዝገበሮ ተገረሙ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ምስ ለኣኾም፡ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ ኽኢሎም ነይሮም እዮም። ስለዚ ኸኣ ኣብ ቤት ብሕት ኢሎም፡ “ስለምንታይ ደኣ ንሕና ኸነውጽኦ ዘይከኣልና፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ፡ “እዚ ዓይነት እዚ፡ ብዘይካ ብጸሎት፡ ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ” ብምባል ብሰንኪ ጕድለት እምነቶም ምዃኑ ገለጸሎም። (ማርቆስ 9:28, 29) ሓያል ጋኔን ንምውጻእ ሓያል እምነትን ካብ ኣምላኽ ሓይሊ ንምርካብ ዚሕግዝ ጸሎትን የድሊ ነበረ።

ድሕርዚ፡ የሱስ፡ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ካብዚ ናብቲ ግዓዝ’ ትብልዎ፡ ይግዕዝ ከኣ፡ ዘይከኣለኩም እውን ኣይህሉን” ኢሉ ደምደመ። (ማቴዎስ 17:20) እምነትሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እያ ሓያል ክትከውን እትኽእል!

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕቤት ከይንገብር ዜጋጥመና ዕንቅፋታትን ጸገማትን ከም ዓብዪ ኸረን ክንሰግሮ ወይ ከነልግሶ ዘይከኣል መሲሉ ይርኣየና ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እምነት እንተ ኣማዕቢልና፡ ከም ከረን ዝበለ ዕንቅፋታትን ጸገማትን ክንሰግር ንኽእል ኢና።

  • የሱስ ካብ ከረን ምስ ተመልሰ፡ እንታይ ኵነታት እዩ ዘጋጠሞ፧

  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ጋኔን ኬውጽእዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

  • እምነትና ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ክትከውን ትኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ