ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • od ምዕ. 16 ገጽ 162-168
  • ሓድነት ዘለዎ ሕውነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድነት ዘለዎ ሕውነት
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣተሓሳስባ ዜድሊ ለውጢ
  • ዓለምለኻዊ ሓድነትና ምዕቃብ
  • ንሓድሕድና ምትሕልላይ
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተፈለኻ ምዃን
  • ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም ሕጂ ይህነጽ
    ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሓድነት ብኸመይ እዩ ዝርከብ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • “ንዅሎም ኣሕዋት ኣፍቅሩ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
od ምዕ. 16 ገጽ 162-168

ምዕራፍ 16

ሓድነት ዘለዎ ሕውነት

ንኣስታት 1,500 ዓመት፡ የሆዋ ኣምላኽ ምስ ህዝቢ እስራኤል ጥራይ እዩ ርክብ ነይርዎ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ‘ኻብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንኣህዛብ ቈላሕታ ገይሩሎም’ እዩ። (ግብ. 15:14) እቶም ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ፡ መሰኻኽሩ እዮም ዚዀኑ፣ ኣብ ዝዀነ ዅርናዕ ምድሪ ይሃልዉ ድማ፡ ብሓሳብን ብግብርን ሓድነት ይህልዎም እዩ። ንስም ኣምላኽ ዝቘመ ሓድነት ዘለዎ ህዝቢ ኺህሉ ዝኸኣለ፡ ከም ውጽኢት እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ከምዚ ዚብል መዝነት እዩ፦ “ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም።”—ማቴ. 28:19, 20።

ክፍሊ እቲ ብሃገራዊ፡ ብቐቢላዊ፡ ወይ ብቝጠባዊ ፍልልያት ዘይከፋፈል ሓድነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ሕውነት ኢኻ

2 ርእስኻ ንየሆዋ ብምውፋይካን ብምጥማቕካን፡ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ኴንካ ኢኻ። ክፍሊ እቲ ብሃገራዊ፡ ብቐቢላዊ፡ ወይ ብቝጠባዊ ፍልልያት ዘይከፋፈል ሓድነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ሕውነት እውን ኢኻ። (መዝ. 133:1) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያን ብጾትካ ተፍቅሮምን ተኽብሮምን ኢኻ። ገሊኣቶም እተፈልየ ዓሌት፡ ዜግነት፡ ወይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ምናልባት እውን ብሰንኪ እዚ ፍልልያት እዚ ኣይትሕወሶምን ኔርካ ትኸውን። ካብ ዝዀነ ኻልእ ዝምድናታት፡ ማለት ካብ ማሕበራዊ ዀነ፡ ሃይማኖታዊ ዀነ፡ ወይ ስጋዊ ዝምድና እትድልድል ሕውነታዊት ፍቕሪ ኣላትካ።—ማር. 10:29, 30፣ ቈሎ. 3:14፣ 1 ጴጥ. 1:22።

ኣብ ኣተሓሳስባ ዜድሊ ለውጢ

3 ገሊኦም ሰባት ንዓሌታዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ወይ ካልእ ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ኼሰንፍዎ እንተ ዘይክኢሎም፡ ብዛዕባ እቶም ነቲ ንኻልኦት ኣህዛብ ዝነበሮም ሃይማኖታዊ ጽልኢ ኼወግዱ ዜድልዮም ዝነበረ ቐዳሞት ኣይሁድ ክርስትያናት ኬስተንትኑ ይኽእሉ እዮም። ጴጥሮስ ናብ ቤት እቲ ቆርኔሌዎስ ዚብሃል ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ኪኸይድ መምርሒ ኣብ እተዋህበሉ እዋን፡ የሆዋ ኣቐዲሙ ብለውሃት ነቲ ዕዮ እቲ ኣዳልይዎ እዩ።—ግብ.፡ ምዕ. 10።

4 ጴጥሮስ ኣብቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ኣይሁድ ርኹስ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ እንስሳታት ሓሪዱ ኺበልዕ ተነግሮ። ምስ ኣበየ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ” ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጾ። (ግብ. 10:15) ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ጣልቃ ብምእታዉ፡ ጴጥሮስ ኣተሓሳስባኡ ኣዐርዩ ነቲ ኺውሃቦ ተዳልዩ ዝነበረ ዕዮ ኺዓዪ፡ ማለት ናብ ሓደ ኻብ ኣህዛብ ኪኸይድ ክኢሉ እዩ። ንመምርሒ የሆዋ ምስ ተኣዘዘ ድማ፡ ነቶም ተኣኪቦም ዝጸንሕዎ ሰባት፡ “ኣይሁዳዊ ምስ ካልእ ዝዓሌቱ ኺሕወስ ወይ ኪቐርብ ከም ዘይተፈቕደ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም፣ ግናኸ፡ ንሓደ ሰብ እኳ ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ እዩ። ስለዚ፡ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ሰገጥ ከይበልኩ እየ መጺአ” በሎም። (ግብ. 10:28, 29) ድሕሪኡ፡ ጴጥሮስ፡ የሆዋ ንቆርኔሌዎስን ንቤተ ሰቡን ከም ዝሰመሮም ዚሕብር መርትዖ ረኣየ።

5 እቲ ምሁር ፈሪሳዊ ዝነበረ ሳውል ብዓል ጠርሴስ፡ ርእሱ ትሕት ኣቢሉ ምስቶም ኣቐዲሙ ብማሕበራዊ መዳይ ዘይቅበሎም ዝነበረ ሰባት ኪሓብር ነይርዎ። ካባታቶም እውን መምርሒ ኪቕበል ነይርዎ። (ግብ. 4:13፣ ገላ. 1:13-20፣ ፊል. 3:4-11) እኒ ሰርግዮስ ጳውሎስን ድዮኒስዮስን ደማሪስን ፊልሞንን ኦኔሲሞስን ካልኦትን ነቲ ብስራት ተቐቢሎም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ኣብ ኣተሓሳስባኦም ምትዕርራይ ኪገብሩ ኣድልይዎም ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 13:6-12፣ 17:22, 33, 34፣ ፊሞ. 8-20።

ዓለምለኻዊ ሓድነትና ምዕቃብ

6 ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘላ ፍቕሪ፡ ናብ የሆዋን ውድቡን ከም ዝሰሓበትካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነቲ የሱስ ክርስቶስ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ብምባል ዝሃቦ ንናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ብንጹር መለለይኦም ዝዀነት ፍቕሪ ተዓዚብካ ኢኻ። (ዮሃ. 13:34, 35) እታ ኣብ ጉባኤኻ ዝረኸብካያ ፍቕሪ፡ ነጸብራቕ እታ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዘላ ፍቕሪ ምዃና ምስ ፈለጥካ ድማ፡ ንየሆዋን ንውድቡን ኣኽቢርካ ኽትርእዮም ጀሚርካ ኢኻ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንየሆዋ ብሰላምን ብሓድነትን ዜምልኹ ህዝቢ ኸም ዚእከቡ ዚነግር ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ከሎ ትርኢ ኣለኻ።—ሚክ. 4:1-5።

7 ነቲ ሎሚ ዘሎ ብዙሕ ከፋፋሊ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” እተኣከቡ ሰባት ሓድነት ኪህልዎም ኢሉ እሞ መን ምሓሰበ፧ (ራእ. 7:9) ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ልዑል ተክኖሎጂ ዘለዎም ሕብረተሰብን ጥንታዊ ባህልታት ዚስዕቡ ሰባትን ዘሎ ፍልልይ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ተመሳሳሊ ዓሌትን ዜግነትን ዘለዎም ሰባት ብሃይማኖት ይቀናቐኑ እዮም። ሃገራውነት እናተጐሃሃረ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝገደደ ብፖለቲካ ይከፋፈሉ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ቍጠባዊ ፍልልይን ታእላው ዘይብሉ ኻልእ ዚኸፋፍል ረቛሒታትን ኣሎ። እዚ እናሃለወ ኽነሱ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ጕጅለታትን ደርብታትን ዝመጹ ሰባት ዘይብጠስ ማእሰር ፍቕርን ሰላምን ሓድነት ኪህልዎም ዚኽእል፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብዚገብሮ ተኣምር ጥራይ እዩ።—ዘካ. 4:6።

8 እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ሓድነት ብሓቂ ኣሎ፣ ንስኻ እውን ርእስኻ ዝወፈኻን እተጠመቕካን ምስክር የሆዋ ኽትከውን ከለኻ፡ ኣብኡ ኣቲኻ ኢኻ። ካብቲ ሓድነት እቲ ትጥቀም ስለ ዘለኻ፡ ንምዕቃቡ ሓላፍነት ኣሎካ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ምእንቲ ኽንስከም ድማ፡ ነቲ ኣብ ገላትያ 6:10 ዚርከብ፡ “ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዘሎና፡ ንዅሉ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ፡ ሰናይ ንግበር” ዚብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ “ካብ ንግርምና ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ። ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” ንዚብል ምኽሪ እውን ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ኢና። (ፊል. 2:3, 4) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ኽንርእዮም ንርእስና እንተ ኣሰልጢንና፡ ምሳታቶም ሰላማውን ዜሐጕስን ርክብ ኪህልወና እዩ።—ኤፌ. 4:23, 24።

ንሓድሕድና ምትሕልላይ

9 ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምሳሌ ገይሩ ዝገለጾ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ንሓድሕዶም ይተሓላለዩ እዮም፣ ኣብ መንጎኦም ድማ ፍልልይ የብሎምን። (1 ቈረ. 12:14-26) ካብቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ብኣካል ኣዚና ርሒቕና ንህሉ ንኸውን፣ እዚ ግና ነቲ ብዛዕባ ድሕንነቶም ዘሎና ሓልዮት ኣይንክዮን እዩ። ገሊኦም ኣሕዋትና መስጐጕቲ ይወርዶም እንተ ኣልዩ፡ እቶም ዝተረፍና ብዙሕ ንጕሂ ኢና። ገሊኦም እንተ ተሸጊሮም ወይ ኣደዳ ዕንወት ወይ ውግእ ወይ ናዕቢ እንተ ዀይኖም፡ እቶም ዝተረፍና መንፈሳውን ስጋውን ደገፍ ንምሃብ መገዲ ንምርካብ ንጽዕር ኢና።—2 ቈረ. 1:8-11።

10 ኵላትና መዓልቲ መዓልቲ ንኣሕዋትና ኽንጽልየሎም ኣሎና። ገሊኦም ሕማቕ ኪገብሩ ፈተናታት የጋጥሞም እዩ። ገሊኦም ብግህዶ ዘይፍለጥ መከራ የሕልፉ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ካብ መሳርሕቶምን ካብ እተኸፋፈለ ቤተ ሰቦምን ተቓውሞ የጋጥሞም እዩ። (ማቴ. 10:35, 36፣ 1 ተሰ. 2:14) ዓለምለኻዊ ሕውነት ስለ ዘሎና፡ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ የተሓሳስበና እዩ። (1 ጴጥ. 5:9) ብዘይካዚ፡ ኣብ ጉባኤታትን ኣብ ዕዮ ስብከትን ዚመርሑ ንየሆዋ ንምግልጋል ኣበርቲዖም ዚዓይዩ ኣለዉ። ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብሓላፍነት ኪመርሑ እተመዘዙ እውን ኣለዉ። ንዅላቶም ክንጽልየሎም ኣሎና፣ በዚ ኸምዚ፡ ንኣሕዋትና ንምድጋፍ ብብሕቲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር እኳ እንተ ዘይሃለወ፡ ከም እነፍቅሮምን ብሓቂ ኸም እንግደሰሎምን ነርኢ ኢና።—ኤፌ. 1:16፣ 1 ተሰ. 1:2, 3፣ 5:25።

11 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ምድሪ ትናወጽ ስለ ዘላ፡ ህዝቢ የሆዋ ንሓድሕዶም ንምድግጋፍ ድሉዋት ኪዀኑ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ምንቅጥቃጥ ምድርን ምዕልቕላቕ ማይን ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ ረድኤትን ብዙሕ ስጋዊ ደገፍን ንምሃብ ሰፊሕ ጻዕርታት ክንገብር ኣሎና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ሰናይ ኣብነት ሓዲጎምልና እዮም። እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ብምዝካር፡ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ብታሕጓስ ስጋዊ ረድኤት ሰዲዶምሎም እዮም። (ግብ. 11:27-30፣ 20:35) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ጸኒሑ ንሰብ ቈረንቶስ፡ ነቲ ብስርዓት ዚዕየ ዝነበረ ዕዮ ረድኤት ኪድግፉ ኣተባቢዕዎም እዩ። (2 ቈረ. 9:1-15) ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ፡ ኣሕዋትና ግዳያት ኣጸጋሚ ዅነታት ምስ ዚዀኑ እሞ ስጋዊ ረድኤት ምስ ዜድልዮም፡ እቲ ውድብን ክርስትያናት ውልቀ ሰባትን ነቲ ዜድልዮም ቀልጢፎም የማልኡሎም እዮም።

ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተፈለኻ ምዃን

12 እቲ ሓድነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕውነትና፡ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እዩ ተወዲቡ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ የሆዋ ኺግበር ዚደልዮ ዘሎ ነገር ከኣ፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ምድሪ ምስባኽ እዩ። (ማቴ. 24:14) ነዚ ዕዮ እዚ ኽንዓዪ ኸለና እውን፡ በቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ክንመላለስ ይደልየና እዩ። (1 ጴጥ. 1:14-16) ኵላትና ንሓድሕድና ተገዛእቲ ንምዃንን ንምስፋሕ እቲ ብስራት ክንዓይን ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። (ኤፌ. 5:21) እዚ ግዜ እዚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እንህበሉ ደኣ እዩ እምበር፡ ናይ ብሕቲ ጥቕምና እንደልየሉ እዋን ኣይኰነን። (ማቴ. 6:33) ነዚ ኸይረሳዕና፡ ምእንቲ እቲ ብስራት ኢልና ብሓድነት ምስ እንዓዪ፡ ሕጂ ሓጐስን ዕግበትን፡ ኣብ መጻኢ ድማ ናይ ዘለኣለም በረኸት ንረክብ።

13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ካብ ካልኦት ሰባት እተፈለና፡ ንኣምላኽ ድማ ብቕንኣት ኣገልግሎት እነቕርብ ንጹህ ህዝቢ ኢና። (ቲቶ. 2:14) ኣምልኾ የሆዋ ኸኣ ካብ ካልኦት እተፈለና ኸም እንኸውን ይገብረና እዩ። ምስቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከቡ ኣሕዋትና ብሓባር ንዓዪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደ ቛንቋ ሓቂ ንዛረብን ምስቲ እንዛረቦ ሓቂ ተሰማሚዕና ንነብርን ኢና። እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ብነብዪ ጸፎንያስ ኣቢሉ፡ “ኵላቶም ስም የሆዋ ምእንቲ ኺጽውዑ፡ ብሓድነት ድማ ምእንቲ ኼገልግልዎሲ፡ ንቛንቋ ህዝብታት ናብ ጽሩይ ቋንቋ ኽልውጦ እየ” ኢሉ ተነብይዎ ዝነበረ እዩ።—ጸፎ. 3:9።

14 ኣስዕብ ኣቢሉ የሆዋ ንጸፎንያስ፡ ነቲ ሎሚ ዘሎ ዓለምለኻዊ ሕውነት ከምዚ ኢሉ ኺገልጾ ብመንፈሱ ገይሩ ደሪኽዎ እዩ፦ “እቶም ተረፍ እስራኤል ኣይኪዕምጹን እዮም፣ ኣይኪሕስዉን እዮም፡ ኣብ ኣፎም እውን መታለሊት ልሳን ኣይክትርከብን እያ፣ ኪበልዑን በጥ ኪብሉን እዮም፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።” (ጸፎ. 3:13) ኣብ ቃል የሆዋ ዘሎ ሓቂ ስለ እተረድኣናን ንኣእምሮና ብምሕዳስ ስለ እተለወጥናን ህይወትና ምስ መለክዒታት የሆዋ ኣሰማሚዕና ስለ እንመላለስን፡ ብሓድነት ክንዓዪ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ ቅድሚ እቶም ብሰብኣዊ ኣረኣእያ ዚርእዩ ሰባት ዘይከኣል ዚመስል ነገር ንገብር ኢና። እወ፡ ብሓቂ ንኣምላኽ ኣብ ኵላ ምድሪ ኽብሪ እነምጽእ ፍሉይ ህዝቢ፡ ማለት ህዝቢ ኣምላኽ ኢና።—ሚክ. 2:12።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ