“ንዅሎም ኣሕዋት ኣፍቅሩ”
እዘን ኣብዛ ኣርእስቲ ዚርከባ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት፡ ክልተ ሽሕ ዓመይ ይገብር እየን ተጻሒፈን። (1 ጴጥ. 2:17) ኰይኑ ግና፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኽንትግብረን ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትና ኸነፍቅሮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም፡ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ኸይትዝሕል እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ማቴ. 24:12) ነታ ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ (ዓለምለኻዊ ሕውነት) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ፈትን።
(1) ብወግዒ ኣባላት ክርስትያናዊ ሕውነትና እንኸውን መዓስ ኢና፧ (2) ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ኣብ ምንታይ ሰለስተ ንጥፈታት ኢና እንካፈል፧ (3) ኣሕዋትና ንምስባኽ ዘለዎም ቈራጽነት፡ (ሀ) ኣብ በረኻ ኣላስካ፡ (ለ) ኣብ ዓበይቲ ወደባት ኤውሮጳ፡ ከምኡውን (ሐ) ኣብ ጫካታት ፐሩ፡ ዜርእዩ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ (4) ንስብከት ከም ተራ ዕዮ ጌርና ኽንርእዮ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (5) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዚስዕብ እዋን ጭንቂ፡ ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም እተጸናንዑን እተሓጋገዙን ኣብነት ሃብ፦ (ሀ) ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ (ለ) ድሕሪ ህቦብላ ንፋስ፡ ከምኡውን (ሐ) ኣብ እዋን ውግእ ሓድሕድ (6) ኵላትና ነታ ቐንዲ መለለዪት ክርስትያናዊ ሕውነት፡ በየናይ ግብራዊ መገዲ ኸነንጸባርቓ ንኽእል፧ (ዮሃ. 13:35) (7) ናይ ገዛእ ርእስና ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽ ሓቢርና ምዕያይና እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧ (8) ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳን ኣብ ሩስያን ዚነብሩ ኣሕዋትና፡ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብመንፈስ ኪጸንዑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ (9) ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምክፋል፡ እንታይ ሓለፍ ዝበለ ጻዕሪ እዮም ዚገብሩ፧ ስለምንታይከ፧ (10) እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ (ሀ) ምስ ኣሕዋትካ ብሓድነት ሓቢርካ ንየሆዋ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኸተምልኾ፡ (ለ) ኣብ ግዜ ጸገም ንኻልኦት ንኽሕግዞም፡ ከምኡውን (ሐ) ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ብእተኻእለካ መጠን ንኽትሰብኽ፡ ቈራጽነትካ ዘደልደለትልካ ብኸመይ እያ፧ (11) ነዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ብኸመይን መዓስን ኢና ኣብ ኣገልግሎት ክንጥቀመላ እንኽእል፧
ክፋል ክርስትያናዊ ሕውነትና ዝዀንናሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ እዩ። ብዛዕባኡ ኽንምሃር ከለናን ብዛዕባኡ ንኻልኦት ክንምህር ከለናን ንሕጐስ ኢና። ነቶም የሆዋ ዜፍቅሮም እውን ነፍቅሮም ኢና። ኣብ እዋን ጸገም ክንሕግዞም ከለና፡ ኣምላኽ ኬመስግነና ኣይንጽበን እና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንክርስትያናዊ ሕውነትና ኻብኡ ኸም ዝመጸ ኽቡር ውህበት ጌርካ ስለ እንርዮ፡ ንዕኡ ነመስግኖ ኢና። ዳሕሮት መዓልትታት እዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ይጽንቀቓ ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ንዓለምለኻዊ ሕውነት ዘሎና ፍቕሪ ነርኢ።