ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/02 ገጽ 3
  • ሕውነትና እነፍቅረሉ ምኽንያት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕውነትና እነፍቅረሉ ምኽንያት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንዅሎም ኣሕዋት ኣፍቅሩ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ሓድነት ዘለዎ ሕውነት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም ሕጂ ይህነጽ
    ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል እተወደቡ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 6/02 ገጽ 3

ሕውነትና እነፍቅረሉ ምኽንያት

ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም: ንመንፈሳውያን ኣሕዋትና ዘላትና ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ኽንዕቅባ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ጴጥ. 2:⁠17) ዓለምለኻዊ ሕውነት ብሓቂ ኸም ዘሎና ንኻልኦት ብኸመይ ከነርእዮም ንኽእል፧ (ማቴ. 23:⁠8) በታ ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ (ሕውነትና ) ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኣቢልና ነዚ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ ንምንታይ ንሓድሕድና ኸም እንፋቐር ተገሊጹ ኣሎ። በል እስኪ: ነዚ ሕቶታት ክትምልሶ ፈትን:-

(1) ኣብ መላእ ዓለም ዘሎና ኣሕዋት ብምሉእና ኣብ ምንታይ ሰለስተ ንጥፈታት ኢና ብሓባር እንሳተፍ፧ (2) ኣሕዋትና ንምስባኽ ዘለዎም ቈራጽነት (ሀ) ኣብ ኣላስካ: (ለ) ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝርከብ ዓበይቲ ወደባት: (ሐ) ኣብ ፔሩ ኣብ ዝርከብ ጫካታት: እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧ (3) ብፍላይ ንምስክርነት ኣስላጢ ዝዀነ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (4) ስብከት ከም ተራ ዕዮ ጌርና ኽንርእዮ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (5) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እዋን ጭንቂ​—⁠ንኣብነት ምንቅጥቃጥ መሬት: ህቦብላ ንፋስ: ከምኡውን ውግእ ሓድሕድ ከጋጥም ከሎ​—⁠ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም እተጸናንዑን እተሓጋገዙን ዝገልጽ ኣብነታት ሃብ። (ታካኦ ዝበሃል ሓው ኣብ ናይ 22 ነሓሰ 1995 ንቕሑ! [እንግሊዝኛ] ገጽ 23: ኮቶዮ እትበሃል ከኣ ኣብ ናይ 22 ጥቅምቲ 1996 ንቕሑ! [እንግሊዝኛ] ገጽ 20 ዝሃብዎ ሓሳባት ርአ።) (6) ኵላትና ነታ ቐንዲ መለለዪት ክርስትያናዊ ሕውነት በየናይ ግብራዊ መገድታት ከነንጸባርቓ ንኽእል፧ (ዮሃ. 13:⁠35) (7) ንናይ ጉባኤ ኣኼባታትና ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዝግባእ፧ (8) እቶም ኣቐዲሞም ዝእከቡሉ ኣደራሽ መንግስቲ ዘይነበሮም ኣሕዋት ኣደራሽ መንግስቲ ምስ ተሃንጸ ብኸመይ ኢዮም እተተንከፉ፧ (9) ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳን ኣብ ሩስያን ዝነብሩ ኣሕዋትና ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብመንፈስ ጸኒዖም ዝቐጸሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (10) ሕጂውን ከይተረፈ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምክፋል እንታይ ሓለፍ ዝበለ ጻዕሪ ኢዮም ዝገብሩ: ስለምንታይከ፧ እዚ ንልብኻ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፎ፧ (11) ምስ ኣሕዋትካ ብሓድነት ሓቢርካ ንየሆዋ ንምምላኽ: ኣብ ግዜ ሽግር ንኻልኦት ንምሕጋዝ: ከምኡውን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ብእተኻእለካ መጠን ንምስባኽ ቈራጽነት ዝገበርካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (12) ናይ ብሕቲ ቕዳሕ ናይዛ ቪድዮ እዚኣ ኽትህልወካን ብእተኻእለካ መጠን ንብዙሓት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ከተርእዮምን ሰናይ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ