ነዚ ሓጥእ ስጋና ሓጢኣት ከየሸንፎ ምቅላስ
“እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ : እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።” — ሮሜ 8:6
1. ሰባት ንምንታይ ዕላማ ኢዮም ተፈጢሮም ?
“ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም ።” (ዘፍጥረት 1 : 27) መልክዕ ወይ ምስሊ ናይ ሓደ ነገር ወይ ምንጪ ነጸብራቕ ኢዩ ። እምበኣርከስ ሰባት ዝተፈጥሩስ ንኽብሪ ኣምላኽ መታን ከንጸባርቑ ተባሂሉ ኢዩ ። ነቲ ኣምላኻዊ ባህርያት ከም እኒ ፍቕሪ : ሕያውነት : ፍትሕን መንፈሳውነትን ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሶም ብምንጽብራቕ ንፈጣሪኦም ውዳሴን ክብርን ከምጽእሉ ከለዉ : ንገዛእ ርእሶም ድማ ሓጐስን ዕግበትን ይረኽቡ ። — 1 ቈረንቶስ 11 : 7 ፣ 1 ጴጥሮስ 2 : 12
2. ብኸመይ ኢዮም እቶም ቀዳሞት ወለድና ነቲ ዒላማ ወይ ነጥቢ ዝሰሓትዎ ?
2 እቶም ፍጹማት ኰይኖም ዝተፈጥሩ ቀዳሞት ሰብኣውያን ጽምዲ : ነዚ ንምግባር ምሉእ ክእለት ነይርዎም ኢዩ ። ልክዕ ከም ሓደ ብጽቡቕ ዝተሰርሐ መስትያት ኰይኖም : ነቲ ግርማ ናይ ኣምላኽ ብኣዝዩ ድሙቕን ዘደንቕ ልክዕነትን ከንጸባርቕዎ ተኽእሎ ነይሩዎም ኢዩ ። ይኹን እምበር : ነቲ ፈጣሪኦምን ኣምላኾምን ኰነ ኢሎም ንኸይእዘዝዎ ምስ መረጹ እቲ ዘደንቕ ዘንጸባርቕ ፍጥረቶም ደበነ ወይ ሃሰሰ ። (ዘፍጥረት 3 : 6) ካብኡ ንደሓር : ነቲ ክብሪ ኣምላኽ ብልክዕ ከንጸባርቑ ዘይክእሉ ኰኑ ። ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥርሉ ዕላማ ስለ ዝሰሓትዎ : ክብሪ ኣምላኽ ሰኣኑ ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሓጢኦም ማለት ኢዩ ።a
3. እቲ ናይ ሓቂ ትርጉም ሓጢኣት እንታይ ኢዩ ?
3 እዚ : ነቲ ንወዲ ሰብ ንመልክዕን ክብርን አምላኽ ናይ ምንጽብራቕ ክእለቱ ዘጥፍኣሉ : ሓጢኣት ዝተባህለ ናይ ሓቂ ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና ኢዩ ። ሓጢኣት ንሰብ ዘይቅዱስ ማለት ብመንፈሳውን ሞራላውን መገዲ ርኹስን ዝደበነን ወይ ዝሃሰሰ ገይርዎ ማለት ኢዩ ። ኩሎም ደቂ ሰብ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ብምዃኖም ኣብቲ ደባንን ርኹስን ኩነት ስለ ዝተወልዱ : ካብቲ ኣምላኽ ከም ደቁ መጠን ዝጽበዮም ንታሕቲ ኰይኖም ኣለዉ ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ ? መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ እናበለ ይገልጾ :- “ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ : ብሓጢኣትውን ሞት : ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ : ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሓለፈ ።” — ሮሜ 5 : 12 ፣ ምስ ኢሳይያስ 64 : 6 ኣነጻጽርዎ ።
ተጽዕኖ ናይ ሓጢኣት ኣብዚ ሓጥእ ስጋ
4-6. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንሓጢኣት ብኸመይ ይርእይዎ ? (ለ) እዚ ዘመናዊ ኣመለኻኽታ ናይ ሓጢኣትከ እንታይ ወለደ ?
4 ሎሚ ብዙሓት ሰባት ከም ዝረኸሱ : ዝደበኑ ወይ ሓጢኣተኛታት ከም ዝኾኑ ገይሮም ንርእሶም ኣይወስድዋን ኢዮም ። አረ ሎምስ እታ ሓጢኣት እትብል ቃል ካብ ናይ ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ ዘረባ ጠፊኣ ኢያ ዘላ ። ምናልባት ብዛዕባ ጌጋ : ሸለልትነትን ግጉይ ገምጋምን ይዛረቡ ይኾኑ ኢዮም ። ብዛዕባ ሓጢኣትከ ይዛረቡዶ ? ኣይ ፈጺሞም ! ሓደ ኣላን ዎልፍ ዝተባህለ ፕሮፈሰር ናይ ማሕበራዊ ናብራ : ትዕዝብቱ ክገልጽ ከሎ : ዋላ እቶም ጌና ብኣምላኽ ንኣምን ኢና ዝብሉ : “እቲ ትምህርትታት ናይ ኣምላኽ ናይ ሞራል እምነታት ደኣ እምበር ሞራላዊ ሕጊ ገይሮም ኣይወስድዎን ኢዮም : ነቲ 10 ትእዛዛት ድማ ከም 10 ርእይቶታት ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ” ይብል።
5 እዚ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንታይ ኣፍረየ ? ህልውና ናይ ሓጢኣት ምኽሓድ ወይ ድማ እንተወሓደ ሸለል ምባል ኣፍርዩ ኣሎ ። እዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ስነ – ምግባር ስርዓት ከውጽእ ናጻ ኰይኑ ዝስምዖን በቲ ክገብርዎ ዝመርጽዎ ከኣ ብዋላ ሓደ ብሓላፍነት ዘይሕተቱ ኰይኑ ዝስምዖም ብዛዕባ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ድማ ቄናን ኣመለኻኽታ ዘለዎ ወለዶ ኣፍርዩ ይርከብ ። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት : እቲ ናይ ሓደ ነገር ቅኑዕ ምዃኑን ወይ ዘይምዃኑን እንኰ መዐቀኒ እቲ ኣብ ውሽጦም ዝስመዖም ስምዒት ኢዩ ። — ምሳሌ 30 : 12, 13 ፣ ምስ ዘዳግም 3 : 5, 20
6 ንኣብነት ኣብ ሓደ ሓሳብካ ብናጻ እትገልጸሉ ናይ ተለቪዥን መደብ : መንእሰያት ብዛዕባ እተን ሸውዓተ ውጉዛት ናይ ሓጢኣት ተግባራት ተባሂለን ዝጽውዓ ርእይቶኦም ክገልጹ ተሓቲቶም ነበሩ ። b ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ “ትዕቢት ሓጢኣት ኣይኰነን” በለ ። “ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ልዑል ግምት ክህልወካ ይግባእ” ይብል ። ሓንቲ ካልእ ድማ ብዛዕባ ትህኪት ክትዛረብ ከላ : “ሓደ ሓደ ግዜ ህኩይ ምዃን ጽቡቕ ኢዩ : . . . ሓደ ሓደ ግዜ ስቕ ኢልካ ኰፍ ምባልን ንነፍስኻ ድማ ናይ ብሕቲ ግዜ ክትህባን ጽቡቕ ኢዩ” ትብል ። ዋላ እቲ ነቲ ዛንታ ዘቕርብ ዝነበረ ሰብውን ከምዚ ዝስዕብ ንጹር መግለጺ ሃበ :- ‘እዘን ሸውዓተ ውጉዛት ናይ ሓጢኣት ተግባራት ዝበሃላ ከቖጥዓኻን ኣዝየን ድማ ዘሕጉሳን ክኰና ዝኽእላ ሓፈሻዊ ናይ ወዲ ሰብ ግዴታታት ወይ ግቡኣት ደኣ እየን እምበር እኩይ ተግባራት ኣይኰናን ።’ እወ : ምስቲ ናይቲ ሓጢአት ዝብል ቃል ወይ ጽንሰ–ሓሳብ ምጥፍኡ ምስኡ ድማ እቲ ናይ ሕልና ምውቃስ ወይ በቲ ዝገበርካዮ ጓሂ ክስምዓካ ዝበሃል እውን ጠፊኡ ኢዩ : ከመይሲ ወቐሳ ናይ ሕልና ኣንጻር ናይ ጽቡቕ ስምዒት ስለ ዝኾነ ኢዩ ። — ኤፌሶን 4 : 17 – 19
7. ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ብኸመይ ኢዮም ብሓጢኣት ዝተነኽኡ ?
7 ምስ እዚ ኹሉ ብምንጽጻር መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ከምዚ ይብል :- “ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም ።” (ሮሜ 3 : 23) ሃዋርያ ጳውሎስ ንባዕሉ ከምዚ እናበለ ይእመን :- “ፍቓድሲ ኣሎኒ : ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣሎኹ እሞ : ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር : ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ : ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ : ሰናይ ከም ዜልቦ እፈልጥ ኣሎኹ ።” (ሮሜ 7 : 18, 19) ኣብዚ ጳውሎስ የስተማስል ኣይኰነን ዘሎ : ኣብ ክንድኡስ : ኩሎም ሰባት ካብ ክብሪ ኣምላኽ ኣዝዮም ሪሒቖም ከም ዘለዉ ስለ ዝፈልጥ : ሓጢኣት ኣብዚ ሓጥእ ስጋና ክሳዕ ክንደይ መሊኹ ከም ዘሎ ጓሂኡ ንምግላጽ ደኣ ኢዩ ከምኡ ዝበለ ። ንሱ ከምዚ በለ “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ : ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ ?” — ሮሜ 7 : 24
8. ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢና ንገዛእ ርእስና ክንሓታ ዘሎና ? ስለምንታይከ ?
8 ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ናይ ብሕትኻ ርእይቶ እንታይ ኢዩ ? ከም ሓደ ካብቶም ዘርኢ ናይ ኣዳምን ሄዋንን : ከም ሰብካ ዘይፍጹም ምዃንካ ምናልባት ትኣምነሉ ትኸውን ። ግናኸ እዚ እምነት እዚ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ንኣተሓሳስባኻን ነቲ እትኽተሎ መገዲ ህይወትን ዝትንክፎ ? ንዘይፍጽምና ከም ባህርያዊ ተርእዮ ናይ ህይወት ጌርካ ወሲድካዶ በቲ ባህርያዊ ዝንበሌታትካ ትኸይድ ኢኻ ? ወይስ ኣብ ኩሉ ትገባራትካ ዓቕምኻ ክሳዕ ዝፈቕዶ ነቲ ክብሪ ኣምላኽ መታን ከተንጻባርቕ ክትብል ሓጢኣት ኣብዚ ሓጥእ ስጋኻ ከይዕወት ኣበርቲዕካ ብቐጻሊ ትቃለስ ኣሎኻ ? ብመሰረት እቲ ጳውሎስ ኢሉዎ ዘሎ : እዚ ነፍሲ ወከፍና ኣርዚንና ክንሓስበሉ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ : ከምዚ ይብል :- “ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሓስቡ : መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሓስቡ ። ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ : እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ ።” — ሮሜ 8 : 5, 6
ሓሳብ ስጋ
9. እቲ “ሓሳብ ስጋ ሞት” ዝኾነስ ስለምንታይ ኢዩ ?
9 “እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ” ክብል ከሎ : ጳውሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ? መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ “ስጋ” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ‘ብሓጢኣት ዝተጠንሰ’ ናይቲ ዓለወኛ ኣዳም ዘርኢ ዝኾነ ሰብ ነቲ ዘይፍጹም ኩነታቱ ንምግላጽ እትዝውተር ኢያ ። (መዝሙር 51 : 5 ፣ እዮብ 14 : 4) ስለዚ እምበኣር : ጳውሎስ ክርስትያናት ሓሳቦም ናብቲ ሓጥእ ዝንባሌታትን ድፍኢታትን ከምኡውን ናብ ባህግታት ናይዚ ዘይፍጹም ሓጥእ ስጋኦም ገጾም ከየዘንብሉዎ ኢዩ ዝምዕዶም ዘሎ ። ስለምንታይ ኢዩ እዚ ክገብሩ ዘይብሎም ? ምኽንያቱ ኣብ ካልእ ቦታ ጳውሎስ እቲ ግብሪ ስጋ እንታይ ምዃኑ ምስ ገለጸልና ወሲኹ ከምዚ ዝስዕብ መጠንቀቕታ ሂቡና ስለ ዘሎ ኢዩ :- “እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ . . . እብለኩም ኣሎኹ ።” ገላትያ 5 : 19 – 21
10. “ሓሳብ” ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ?
10 ግናኸ : ኣብ መንጐ ንሓደ ነገር ምሕሳብን ምግባሩን ዓቢ ፍልልይዶ ኣየሎን ኢዩ ? ሓቂ’ዩ ንሓደ ነገር ስለ ዝሓሰብካዮ ትገብሮ ኢኻ ማለት ኣይኰነን ። ይኹን እምበር : ሓሳብ ክበሃል ከሎ ካብቲ ኣብ ኣእምሮኻ ምጽእ ዝብለካ ሓላፊ ሓሳባት ንላዕሊ ኢዩ ። እታ ጳውሎስ ዝተጠቕመላ ቃል ፍሮነማ ዝተባህለት ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ : ትርጉማ ድማ : “ኣገባብ ኣተሓሳስባኻ : ናይ ሓሳብካ መርገጽ . . . ሸቶ : ባህጊ : ፋሕተርተር ምባል” ዝብል ኢዩ ። ስለዚ እምበኣር : “ሓሳብ ስጋ” ምህላው ማለት ብባህግታት ናይዚ ሓጥእ ስጋና ክትምለኽ : ክትድረኽ : ክትዕብለልን ክትኩብኮብን ማለት ኢዩ ። — 1 ዮሃንስ 2 : 16
11. ብኸመይ ኢዩ ቃየል ናይ ስጋ ዝሓሰበ ? እዚኸ እንታይ ኣስዓበሉ ?
11 እቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘሎ ቀንዲ ነጥቢ ካብቲ ቃየል ዝተኸተሎ መገዲ ክርአ ይከኣል ኢዩ ። ቅንእን ኩራን ኣብ ልቢ ቃየል ክዓቢ ምስ ጀመረ : የሆዋ ኣምላኽ ከጠንቅቖ ከሎ ከምዚ በሎ :- “ስለምንታይ ኰሬኻ ? ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ ? ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ : ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን : ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ : ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ : ሃረርትኣውን ናባኻ እዩ : ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ ።” (ዘፍጥረት 4 : 6, 7) ኣብ ቅድሚ ቃየል ሓደ ምርጫ ነበረ ። ሕጂ ናብ ‘ጽቡቕ ግብሪ’ ማለት ንሓሳቡ : ዕላምኡን ትምኒቱን ናብ ሰናይ ተግባራት ድዩ ክልውጦ ? ወይስ በቲ ሓሳብ ስጋን በቲ ኣብ ልቡ ሰፊሩ ዘሎ ክፉእ ዝንባሌታትን ምምልላሱ ክቅጽል ኢዩ ? ከምቲ የሆዋ ዝበሎ “ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸዎ” ነበረት : ማለት ቃኤል ንሓጢኣት እንተደኣ ኣፍቂዱላ ክትጐብጦን ክትውሕጦን ትጽበዮ ነይራ ማለት ኢዩ ። ኣብ ክንዲ ዝቃለስን ኣብ ልዕሊ ስጋዊ ባህግታቱ ‘ዝገዝእን’ ቃየል ክትገዝኦ ኣፍቀደላ እሞ መወዳእትኡ ድማ ጥፍኣት ኰነ ።
12. “ብመገዲ ቃየል” መታን ከይንኸይድ እንታይ ከንገብር ኣሎና ?
12 ንሕናኸ ሎሚ ? ብርግጽ : ከምቶም ይሁዳ ዘልቀሰሎም ‘ብመገዲ ቃየል ዝኸዱ ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሓደ ሓደ ክርስትያናት ክንከውን ፈጺምና ኣይንደልን ኢና ። (ይሁዳ 11) ሓደ ሓደ ግዜ ቕሩብ ባህግታትካ ምርዋይ ወይ ጸጸኒሕካ ቆቍሩብ ነቲ ሕጊ ምጥሓሱ ደሓን ኢዩ ኢልና ንነፍስና ከነተዓሻሹን ክንሓስብን ፈጺምና የብልናን ። ብኣንጻሩስ ነቲ ዘይኣምላኻውን ብልሽውን ጽልዋ ናብ ልብኻን ሓሳብካን ዝመጽእ ነቒሕካ ብምልላይ ሱር ከይሰደደ ተቓላጢፍካ ክትውግዶ ኣሎካ ። ሓጢኣት ኣብዚ ሓጥእ ስጋኻ መታን ከይዕወት እትገብሮ ቃልሲ ካብ ውሽጥኻ ኢዩ ዝጅመር ። — ማርቆስ 7 : 21
13. ብኸመይ ኢዩ ሓደ ሰብ “ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሓቢሉን” ዝፍተን ?
13 ንኣብነት : ሓደ ዘሰንብድ ወይ ግናይ ትርኢት ወይ ድማ ብፍላይ ጾታዊ ስምዒት ዝቕስቅስ ስእሊ ወይ ምርኢት ጐፍ ክብለካ ይኽእል ይኸውን ። እዚውን ምናልባት ኣብ ሓደ መጽሓፍ ወይ መጽሔት : ኣብ ሲነማ ወይ ተለቪዥን : ናይ ንግዲ ምልክታ ኣብ ዝልጠፈሉ ወይ ናይ ብሓቂ ሰባት ዝገብርዎ : ክኸውን ይኽእል ። እዚ ንርእሱ ዘገርም ኣይኰነን : ከመይሲ እዚ ዘጋጥምን ከጋጥም ዝኽእልን ኢዩ ። ይኹን እምበር : ሽሕኳ እታ ስእሊ ወይ ምርኢት ናይ ውሑዳት ካልኢታት (ሰከንድ) ፍጻሜ እንተኾነት : ኣብ ኣእምሮ ከተዕገርግርን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ ክትመላለስን ግና ትኽእል ኢያ ። ከምዚ እንተዘጋጥመካስ እንታይ ምገበርካ ? ነቲ ሓሳብ ክትቃለሶን ካብ ኣእምሮኻ ድማ ከተውጽኦን ኢልካዶ ብኡንብኡ ስጉምቲ ምወሰድካ ? ወይስ ነቲ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኻ ንኽሰፍር : ምናልባትውን ነቲ ዘጋጠመካ ነገር ኣብ ኣእምሮኻ በብዝመጽኣሉ ግዜ ክሕደስ ተፍቅደሉ ኢኻ ? ተፍቅደሉ እንተደኣ ኰይንካ ነፍስኻ ንሓደጋ ናይቲ ያዕቆብ ዝገለጾ ተኻታታሊ ፍጻሜታት ተቃልዓ ኣሎኻ ማለት ኢዩ : ከምዚ ዝብል :- “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍትን ። ደሓር : ትምኒት ምስ ጠነሰት : ንሓጢኣት ትወልዶ : ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ : ንሞት ይወልዶ ።” በዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ “እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ” ዝበለ ። — ያእቆብ 1 : 14, 15 ፣ ሮሜ 8 : 6
14. መዓልታዊ ምስ እንታይ ኢና ክንጋጠም ንውዕል ዘሎና ? ብኸመይከ ክንምልሸሉ ይግብኣና ?
14 ኣብዛ ሕጂ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ኣብ መጻሕፍቲ : መጽሔታት ሲነማታት : ናይ ተለቪዥን መደባት : ከምኡውን ኣብቲ ዝውቱር ሙዚቃታትን ጾታዊ ብዕልግና : ዓመጽን ፍቅረ – ንዋይን ብግልጽን ብናጻን ይውደሱ ብምህላዎም : ብሓቂ መዓልቲ መዓልቲ ቃል ንቓሉ ብኹፉእ ሓሳብን ኣረኣእያታትን ንድብደብ ኢና ዘሎና ። ኣብዚ እትወስዶ ዘሎኻ ግብረ – መልሲ እንታይ ኢዩ ? በዞም ነገራት እዚኣቶም ዝተዛናጋዕካን ግዜ ዘሕለፍካን ኰይኑዶ ይስምዓካ ? ወይስ ከምቲ ናይቲ ጻድቕ ሎጥ “ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ . . . ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም : እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት” ዝተባህለሉ ኢዩ ዝስመዓካ ? (2 ጴጥሮስ 2 : 7, 8) ኣብዚ ሓጢኣት ነዚ ሓጥእ ስጋና ዓትዒቱ መታን ከይሕዞ እንገብሮ ቃልሲ ክንዕወት እንተደኣ ኰይንና ከምቲ እቲ ዘማሪ ዝወሰዶ ቆራጽ መርገጽ ክንወስድ ይግብኣና ። እቲ ዘማሪ ከምዚ ይበል :- “ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን : ንግብሪ ብልያል እጸልኦ ኣሎኹ : ኣይኪጠብቀንን እዩ ።” — መዝሙር 101 : 3
ሓሳብ መንፈስ
15. ሓጢኣት ኣብ ልዕሌና መታን ከይዕወት ክንቃለስ ዝሕግዘና እንታይ ኣሎ ?
15 ኣብዚ ሓጢኣት ኣብቲ ሓጥእ ስጋና መታን ከይዕወት እንገብሮ ቃልሲ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ነገር እቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ጠቒስዎ ዘሎ ኢዩ :- “እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ ።” (ሮሜ 8 : 6) ስለዚ እምበኣር ኣብ ክንዲ ብስጋዊ ነገራት እንዕብለል : ንኣእምሮና ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ መንፈስ ከነእትዎን በቲ ናይ መንፈስ ዘበለ ነገራት ድማ ክንስስን ይግብኣና ። እዞም ናይ መንፈስ ዘበሉ ነገራት እንታይ ኢዮም ? ጳውሎስ ኣብ ፊልጺ 4 : 8 ዘርዚርዎም ኣሎ :- “ብዝተረፈስ ኣሕዋተየ : ሓቂ ዘበለ : ርዝነት ዘለዎ ዘበለ : ቅኑዕ ዘበለ : ንጹህ ዘበለ : ተፈታዊ ዘበለ : ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ : ገለ ደግነት እንተኾይኑ : ገለ ንእዶውን እንተኾይኑ : ብእኡ ሕሰቡ ።” እስከ እምበኣር ነዘን ብቐጻሊ ክንሓስበለን ዘሎና ነገራት መታን ብጽቡቕ ክንርድአን ብደቂቕ ንርኣየን ።
16. ጳውሎስ ንኸመይ ዝበላ ባህርያት ኢዩ ብቐጻሊ ክንሓስበለን ዘተባብዓና ? ነፍሲ ወከፍና እንታይ ዘጠቓለላ እየን ?
16 ብመጀመርታ ኣብዚ ጳውሎስ ሾሞንተ ሞራላዊ ባህርያት ምዝርዛሩን ንነፍሲ ወከፈን ድማ “ዘበለ” ዝብል ቃል ወሲኹለን ከም ዘሎ ንርአ ። እዚ ቃል እዚ ክርስትያናት ኩሉ ግዜ ኣብ ጥቕሳውን ወይ ሰረተ – እምነትን ጥራይ ንኣተሓሳስብኦም ክቕይድዎ ከም ዘይብሎም ኢዩ ዘመልክት ። ኣእምሮና ክሓስበሎም ዝኽእል ሰፋሕቲ ጉዳያት ወይ ኣርእስትታት ኣለዉ ። እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ዝኰነ ነገር ግን እቶም ሰፋሕቲ ነገራት እቲኣቶም ምስቶም ጳውሎስ ጠቒስዎም ዘሎ ሞራላዊ ባህርያት ዝበቕዑ ወይ ዝሰማምዑ ክኾኑ ይግባእ ። እስከ ሓደ ብሓደ ንርኣየን ።
▫“ሓቂ ” ክብል ከሎ ንሓደ ነገር ሓቂ ወይ ሓሶት ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኢዩ ። ሓቀኛ : ቅኑዕን እሙንን ኣምሰሉ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ከምኡ ምዃን ማለት እውን ኢዩ ። — 1 ጢሞቴዎስ 6 : 20
▫“ርዝነት ዘለዎ ” ክብል ከሎ ከኣ ንሓደ ኣዝዩ ግሩምን ክቡርን ነገር ኢዩ ዘመልክት ። እዝስ ኣብ ክንዲ ነውራምን ሕሱርን ወይ ፈኲስን እትኸውን ናይ ኣኽብሮት ስምዒት ኣብ ካልኦት እትቕስቅስ ሕፉር : ወረጃን ክቡርን ምዃን ማለት ኢዩ ።
▫“ቅኑዕ ” ማለት ናይ ሰብ ዘይኰነስ ነቲ ናይ ኣምላኽ ስርዓታት ምፍጻም ማለት ኢዩ ። ዓለማውያን ሰባት ንኣእምሮኦም በቲ ዘይጽድቃዊ ውዲታት ኢዮም ዝመልእዎ : ንሕና ግና በቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጻድቕ ዝኾነ ነገራት ብቀጻሊ ክንሓስብን ብእኡ ድማ ባህ ክብለናን ኢዩ ዝግባእ ። — ምስ መዝሙር 26 ፣ ኣሞጽ 8 : 4 – 6 ኣነጸጽርዎ ።
▫“ንጹህ ” ማለት ብተግባርና (ጾታዊ ወይ ካልእ ነገር) ጥራይ ዘይኰነስ ብኣተሓሳስባናን ድራኼናን ጽሩያትን ቅዱሳትን ምዃን ማለት ኢዩ ። ያዕቆብ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ” ይብል ። የሱስ እቲ “ንጹህ” ክንስዕቦ ዘሎና ፍጹም ኣብነት ኢዩ ። ያእቆብ 3 : 17 ፣ 1 ዮሃንስ 3 : 3
▫“ተፈታዊ ” ክበሃል ከሎ ፍቕሪ ኣብ ካልኦት ዝቕስቅስን ዘስርጽን ማለት ኢዩ ። ንሕናስ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” እምበር ንሓሳብና ናብ ጽልኢ : ቁጥዓን ባእስን ዘለዓዕሉ ነገራት ከነዘንብሎ ፈጺሙ የብልናን ። — እብራውያን 10 : 24
▫“ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ” ማለት “ጽቡቕ ስም ዘሎካ” ወይ “ጽቡቕ ዝዝረበልካ” ጥራይ ዘይኰነስ : ባዕልኻ ተበግሶ ወሲድካ ንኻልኦት እትሃንጽን እትንእድን ምዃንካ እውን ማለት ኢዩ ። ንኣእምሮና ኣብ ክንዲ ናብ ሕስራንን ጽዩፍ ዝኾኑ ነገራት እነዘንብሎ ናብ ሰናይን ሃናጽን ነገራት ከነቃንዖ ኣሎና ማለት ኢዩ ። — ኤፌሶን 4 : 29
▫“ገለ ደግነት ” ማለት ብመሰረቱ “ለውሃት” “ውርዝና” ወይ “ሞራላዊ ብሉጽነት” ማለት ኢዩ : ይኹን እምበር : ኣብ ኩሉ ነገራት ብሉጽ ምዃን እውን ክትርጐም ይከኣል ኢዩ ። እምበኣርከስ : ምስቲ ስርዓታት ናይ ኣምላኽ ዝቃዶ ዘበለ ክቡር ባህርያት : ብቕዓታትን ዓወታትን ናይ ካልኦት ከነማስወሉ ኢና ማለት ኢዩ ።
▫“ገለ ንእዶ ” ክበሃል ከሎ እቲ ንእዶ ካብ ኣምላኽ ወይ ካብ ብኣምላኽ ዝተፈልጠ በዓል ስልጣን ክመጽእ ከሎ : እቶም ነገራት ብሓቂ ንእዶ ዝግብኦም ተግባራት ኢዮም ማለት ኢዩ ። — 1 ቈረንቶስ 4 : 5 ፣ 1 ጴጥሮስ 2 : 14
ናይ ህይወትን ሰላምን ተስፋ
17. ካብቲ “ሓሳብ መንፈስ” ከመይ ዝበለ በረኸት ዝመልኦ ፍረ ኢዩ ዝርከብ ?
17 ነቲ ናይ ጳውሎስ ምዕዶ እንተስዒብናን ‘በዞም ነገራት እዚኣቶም ከየቋረጽና ንሓስብ’ እንተደኣ ኰይንናን ኣብቲ “ሓሳብ መንፈስ” ብርግጽ ክንዕወት ኢና ። እቲ እንረኽቦ ፍረ በረኸት ናይ ህይወት ማለት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብታ ተስፋ ዝተገብረላ ሓዳስ ዓለም ጥራይ ዘይኮነስ ሰላምውን ጭምር ኣለዎ ። (ሮሜ 8 : 6) ከመይ ኢሉ ? ከመይሲ ኣእምሮና ካብቲ እኩይ ጽልዋ ናይ ስጋዊ ነገራት ዑቕባ ስለ ዝረክብን : ከምቲ ጳውሎስ ኢሉዎ ዘሎ : ድማ በቲ ዘሳቒ ቓልሲ ናይ ስጋን መንፈስን ደጊም ኣጸቢቕና ኣይንህሰን ስለ ዝኾንና ኢዩ ። ንጽልዋ ናይ ስጋ ብምቅዋምና : ምስ ኣምላኽ ሰላም ንረክብ : ከመይሲ “እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ” ኢዩ ።
18. ሰይጣን ኣብ ከመይ ዝበለ ውግእ ኢዩ ተጸሚዱ ዘሎ ? ብኸመይ ኢናኸ ዕዉታት ክንከውን እንኽእል ?
18 ሰይጣንን ልኡኻቱን ነቲ ኽብሪ ኣምላኽ ዘሎና ነጸብራቕ ደባን መታን ክኸውን ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ ኣለዉ ። እቲ ስጋዊ ባህግታት መጨረሽታኡ ምስ ኣምላኽ ዘጻልእን ናብ ሞት ዝወስድን ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ : ንሓሳብና በዞም ባህግታት እዚኣቶም ደብዲቦም ምሉእ ብምሉእ ክቋጻጸርዎ ይጽዕሩ ኣለዉ ። ይኹን እምበር ኣብዚ ግጥም እዚ ዕዉታት ክንከውን ንኸእል ኢና ። ልክዕ ከም ጳውሎስ : ንሕናውን ሓጢኣት ኣብዚ ሓጥእ ስጋና መታን ከይዕወት መቃለሲ ዝኾነና ኩሉ ስለ ዝሃበና “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” ክንብል ንኽእል ኢና ። — ሮሜ 7 : 25
[እግረ-ጽሑፋት]
a መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጢኣት ንኸመልክት ነታ ቻታ እትብል ናይ እብራይስጢ ግስን ሃማርታኖ እትብል ናይ ግሪኽ ግስን ኢዩ ዘዘውትር ። ክልቲአን እዘን ቃላት እዚኣተን ትርጉመን “ምስሓት” ኢዩ : ምስሓት ማለት ኣብ ዕላማኻ ዘይምብጻሕ : ንሓደ ነጥቢ ወይ ዒላማ ካብ ምጭማት ምስናፍ ማለት ኢዩ ።
b እተን ብልምዲ ሸውዓተ ውጉዛት ተግባራት ናይ ሓጢኣት ዝበሃላ : ስስዐ : ህርፋን : ቅንኢ : ብዙሕ ምብላዕ : ቍጥዓ : ትህኪት እየን ። እዚ ዝርዝር እዚ ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ብፈለስቲ ካቶሊክ ዝተኣከበ ኢዩ ነይሩ ።
ክትገልጽዎምዶ ምኸኣልኩም
◻ ሓጢኣት እንታይ ኢዩ ? ኣብቲ ሓጥእ ስጋናኸ ተጽዕኑኡ ብኸመይ ክዓቢ ይኽእል ?
◻ ነቲ “ሓሳብ ስጋ” ብኸመይ ክንቃላሶ ምኸኣልና ?
◻ ነቲ “ሓሳብ መንፈስ” ምእንቲ ከነማዕብሎ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና ?
◻ እቲ “ሓሳብ መንፈስ” ህይወትን ሰላምን ዘምጽእ ብኸመይ ኢዩ ?
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ቃየል ስጋዊ ዝንባሌታቱ ክገዝኦ ብምፍቃዱ ንጥፍኣቱ ኮነ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ሓሳብ መንፈስ ህይወትን ሰላምን ኢዩ