ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/10 ገጽ 4-7
  • ኵነታት ናይቶም ምዉታት እንታይ ኢዩ?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኵነታት ናይቶም ምዉታት እንታይ ኢዩ?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሞት ንደቂ ሰብ ኣይተመደበን
  • እንታይ ዓይነት ተስፋ?
  • ካብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዝመጸ መልእኽትታት
  • የሆዋ: ኣምላኽ ሓቅን ፍቕርን
  • ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ኢዮም ዝዀኑ፧
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት—ብኸመይ: ኣበይ: መዓስ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ዘይመውት መንፈስ ኣሎካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧
    ብስራት ኣምላኽ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/10 ገጽ 4-7

ኵነታት ናይቶም ምዉታት እንታይ ኢዩ?

ንምዉታት ምፍራሕ ካብ ሓደ መበገሲ ኢዩ ዝነቅል:- ንሱ ድማ ምዉታት ድሕሪ ሞት ህያው ኰይና እትቕጽል ነፍሲ ወይ መንፈስ ኣላቶም ዝብል ኢዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ጌጋ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ዝገልጽ እንተደኣ ኾይኑ: እቲ ምዉታት ክጕድኡኻ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ዝብል ሕቶ ተመሊሱ ማለት ኢዩ። እሞኸ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝብል?

ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ኵነታት ናይ ምዉታት ከምዚ ይብል:- “ህያዋንሲ ከም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ ኢዩ እሞ: ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን። ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ: ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ኹሉ ኸኣ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።”​—⁠መክብብ 9:​5, 6

በዚ መሰረት እዚ: እቶም ምዉታት ክሕግዙኻ ወይ ክጐድኡኻ ክእለት ኣለዎም ድዩ? ቅዱሳት ጽሑፋት: ኣይፋሎምን ኢዩ ዝብል። እቶም ምዉታት ኣይፈልጡን ኢዮም: ኣብ ስቕታ ከኣ ኢዮም ዘለዉ። ምስቶም ህያዋን ክራኸቡ ወይ ዝኾነ ይኹን ከም እኒ ፍቕሪ ወይ ጽልኢ ዝኣመሰለ ስምዒት ከመሓላልፉ ወይ ዝኾነ ይኹን ተግባር ክፍጽሙ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዚ ንኽትፈርሖም ምንም ምኽንያት የብልካን።

ገለ ሰባት ግን ‘እወ መቸም እዚ ኣዘራርባ እዚ ብዛዕባ እቲ ስጋዊ ሞት ጥራይ ትዛረብ እንተ ኣሊኻ ሓቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተኾን ግን ስጋዊ ሞት መወዳእታ ናይ ህይወት ኢዩ ማለት ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ መንፈስ ካብቲ ኣካል ዘፋኑ ደኣ ኢዩ። እቲ መንፈስ እቲ ኸኣ ነቶም ህያዋን ክሕግዞም ወይ ክጐድኦም ይኽእል ኢዩ’ ይብሉ ይኾኑ። ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ከምኡ ኢዩ ዝስምዖም።

ንኣብነት ኣብ ማዳጋስካር ህይወት ከም ሓንቲ መሰጋገሪት ጥራይ ኢያ እትሕሰብ: ስለዚ’ኳ ናይ ቀብርን ሬሳ ምፍሓርን ስነ–ስርዓት ካብ መርዓ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎም ገይርካ ይሕሰቡ። እቲ ሰብ ካብ ኣቦሓጐታቱ ከም ዝመጸ እሞ ብሞቱ ድማ ናባታቶም ይምለስ ከም ዘሎ ኢዩ ዝሕሰብ። በዚ ምኽንያት እዚ ናይቶም ህያዋን ገዛውቲ በቲ ድሕሪ ገለ እዋን ፈርከሽከሽ ዝብል ናውቲ ዕንጨይትን ሕጡብን ክስራሕ ከሎ እቲ ከም “ኣባይቲ” ናይቶም ምዉታት ዝሕሰብ መቓብራት ብሓፈሻ ብጥንቃቐ ዝተሰርሐን ጽኑዕን ኢዩ። ኣብቲ ሬሳ ካብ መቓብር ተፋሒሩ ዝወጸሉ ግዜ ስድራቤትን ኣዕሩኽን በረኸት ዝረኽቡ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዖም: ኣንስቲ ድማ ኣዕጽምቲ ናይቲ ዝሞተ ዘመድ እንተደኣ ተንኪፈን ፈረይቲ ክኾና ከም ዝኽእላ ይኣምና። ይኹን እምበር: እስከ ሕጂኸ ቃል ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ዝብል?

ሞት ንደቂ ሰብ ኣይተመደበን

የሆዋ ንሰብ ክነብር ኢሉ ኸም ዝፈጠሮን: ብዛዕባ ሞት ከኣ ሳዕቤን ናይ ዘይምእዛዝ ከም ዝኾነ ገይሩ ጥራይ ይዛረበሉ ምዃኑ ከተስተውዕልሲ ዝምስጥ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:​17) እቲ ዘሕዝን: እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ሓጢኣት ገበሩ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓጢኣት ከም ሞት ዘምጽእ ውርሻ ኰይኑ ኣብ ኵሎም ደቅሰብ ተዘርግሐ። (ሮሜ 5:​12) ስለዚ ካብቲ እቶም ቀዳሞት ጽምዲ ዝዓለዉሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ሞት መናብርትና: እወ ስቓይ ዘምጽእ መናብርቲ ኢዩ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ብህይወት ምእንቲ ክንነብር ኢና ተፈጢርና: እዚ ኸኣ ቍጽሪ ዘይብሎም ሚልዮናት ሰባት ሞት ከም መወዳእታ ገይሮም ክጋጠምዎ ስለምንታይ ከም ዝኸብዶም ብኸፊል ዝገልጽ ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ: ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣዊ ጽምዲ: ነቲ ኣምላኽ ሳዕቤን ናይ ዘይምእዛዝ ሞት ምዃኑ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ብምጽራር: ብዛዕባ ሞት ዝምልከት ከታልሎም ፈተነ። (ዘፍጥረት 3:​4) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን: ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ: ደቅሰብ ከም ዝሞቱ ብሩህ ኰይኑ ተረኽበ። ስለዚ ኸኣ ሰይጣን ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ገና ካልእ ሓሶት ገይሩ ምላሽ ሃበ:- እዚ ኸኣ ገለ መንፈሳዊ ክፋል ናይ ሰብ ድሕሪ ሞት ናይቲ ኣካል ህያው ኮይኑ ይቕጽል ኢዩ ዝብል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትላል ምስቲ የሱስ “ንሓሶት ኣቦኣ” ኢሉ ዝገለጾ ሰይጣን ድያብሎስ ዝሰማማዕ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:​44) ብኣንጻሩ ግን ኣምላኽ ሓደ ዘተባብዕ ተስፋ ብምሃብ ኢዩ ንሞት ዝምልሸሉ።

እንታይ ዓይነት ተስፋ?

እዚ እቲ ንብዙሓት ዝኸውን ተስፋ ናይ ትንሳኤ ኢዩ። እታ “ትንሳኤ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ኣናስታሲስ ኢያ። ቃል ንቓሉ ኸኣ “እንደገና ደው ምባል” ማለት ኢያ። ካብ ሞት ምትንሳእ ኢያ ከኣ እተመልክት። እወ ሰብ ብሞት ይድቅስ ኣምላኽ ግን ብሓይሉ እንደገና ከተንስኦ ይኽእል ኢዩ። ሰብ ህይወት ይስእን ኣምላኽ ግን እንደገና ህይወት ክህቦ ይኽእል ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ “ኵሎም እቶም ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ ድምጹ ሰሚዖም ዝወጹላ ሰዓት ክትመጽእ ኢያ” በለ። (ዮሃንስ 5:​28, 29 ትሓዓ) ሃዋርያ ጳውሎስ “ንጻድቃንን ሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ” ከም ዘለዎ ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:​15) እዮብ እቲ ኣብ እዋን ቅድሚ ክርስትና ዝነብር ዝነበረ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ’ውን ኣብ ትንሳኤ ተስፋ ከም ዝነበሮ ገሊጹ ኢዩ:- “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ? ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ: ዘመን ሰልፈይ ኵሉ ምተጸቤኹ። [ንስኻ [ኣምላኽ] ክትጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰልካ እየ። ትሓዓ ]”​—⁠እዮብ 14:​14, 15

እቲ ንጹር ዝኾነ ተስፋ ናይ ትንሳኤስ: ነቲ ምዉታት መንፈሳዊ ቅርጺ ሒዞም ህያዋን ኮይኖም ኣለዉ ዝብል ሓሳብ: ሓሶት ከም ዝኾነ ኣየረጋግጽንዶ? እቶም ምዉታት ህያዋን ኮይኖም ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ገለ መንፈሳዊ ዓለም ብህይወት ይነብሩ እንተደኣ ኣልዮምሲ ዕላማ ናይ ትንሳኤ እንታይ ምኾነ? ዓስቦም ወይ ብጽሒቶም ድሮ ረኺቦም እዮምዶ ኣይምተባህለን? መጽናዕቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ዘረጋግጾ እቶም ምዉታት ብሓቂ ዝሞቱን ዘይሰምዑን ኢዮም: ክሳዕ ኣብታ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ዘተስፈዋ ገነት ዝኾነት ሓዳስ ዓለም ብዓቢ ትንሳኤ ዝበራበሩ ኸኣ ደቂሶም ኢዮም ዘለዉ። እንተኾነ ግን ሞት ትርጕሙ ናይ ኣካልን መንፈስን ምፍልላይ ማለት ካብ ዘይከውን: እታ መንፈስ ድማ ንበይና ብህይወት እትቕጽል ካብ ዘይትኸውን ብዛዕባ እቲ ካብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዝመጸ ዝመስል መልእኽትታትከ እንታይ ኪበሃል ኢዩ?

ካብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዝመጸ መልእኽትታት

ካብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ዝመጹ ዝመስሉ ቍጽሪ ዘይብሎም መልእኽትታት ከም ዘለዉ ብጸብጻብ ይግለጽ ኢዩ። ምንጮም ግን ብሓቂ ካበይ ኢዩ? መጽሓፍ ቅዱስ “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ . . . ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ ዓብዪ ነገር ኣይኮነን” ኢሉ የጠንቅቐና። (2 ቈረንቶስ 11:​14, 15) እወ: ኣጋንንቲ (ዓለወኛታት መላእኽቲ) ንሰባት ምእንቲ ከታልልዎምን ከስሕትዎምን ምስቶም ህያዋን ተራኺቦም ኢዮም: ሓድ ሓደ ግዜ ኸኣ ደገፍቲ ከም ዝኾኑ ኢዮም ዘምስሉ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ቀጺሉ ብዛዕባዚ ናይ ምትላል ወፈራ እዚ ከጠንቅቕ ከሎ ‘ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ክስዕቡ እዮም’ ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 4:​1) ስለዚ ዝኾነ ይኹን ካብ ምዉታት ዝተዋህበ ዝመስል ግብረ መልሲ: ካብቶም ርእሶም “ኣገልገልቲ ጽድቂ” ዘምስሉን ሃይማኖታዊ ሓሶት ኣማዕቢሎም ንሰባት ካብ ሓቂ ናይ ቃል ኣምላኸ ከርሕቖም ብዝኽእል ማሪት ገይሮም ኣብ ባርነት ዘእትውዎምን ኣጋንንቲ ኢዩ ዝመጽእ።

መዝሙር 146:​3, 4 እቶም ምዉታት ገለ እኳ ክብሉን ክገብሩን ክስምዖምን ከም ዘይክእል ከረጋግጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ብመሳፍንቲ በቲ ኺረድእ ዘይከኣሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ: [መንፈሱ ትሓዓ ] ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ [ሓሳባቱ ትሓዓ ] ይጠፍእ።” እቲ “ዝወጽእ” መንፈስ እንታይ ኢዩ? እዚ እቲ ብእስትንፋስ ዝጸንዕ ናይቲ ሰብ ሓይሊ ህይወት ኢዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዝሞተ ምስትንፋስ እንተደኣ ኣቋሪጹ: እቶም ህዋሳቱ ደጊም ኣይዓዩን ኢዮም: ኣብ ፍጹም ዝኾነ ናይ ስቕታ ኵነታት ከኣ ይኣቱ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ህያዋን ምልኪ ወይ ቍጽጽር ክህልዎ ዘይከኣል ኢዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ሞት ናይ ደቅሰብ ምስቲ ሞት ናይ እንስሳታት ከመሳስሎ ኸሎ ምስ ሞቱ ኵሎም ኣብ ስቕታ ከም ዝኣትዉ ናብቲ ዝተሰርሕሉ ሓመድ ከኣ ከም ዝምለሱ ዝገልጽ። መክብብ 3:​19, 20 ከምዚ ይብል:- “ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ ሓደ ኢዩ ብጽሒቶም ከምቲ እዚኣቶም ዝሞቱ እቲኣቶም ከኣ ይሞቱ። ንኹሎም ሓንቲ [መንፈስ ትሓዓ ] ኣላቶም። ኵሉ ኸንቱነት እዩ እሞ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። ኵሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ: ኵሎም ካብ መሬት ኰኑ: ኵሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።”

ኣጋንንቲ ንሰባት ምስቶም ምዉታት ክራኸቡ ከም ዝኽእሉን ብእኦም ድማ ክጽለዉ ከም ዝኽእሉን ንኽሓስቡ ከታልልዎም ከም ዝፍትኑ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ የሆዋ ንህዝቡ: ነቶም ጥንታውያን እስራኤል: ከምዚ ኢሉ ዘጠንቀቖም:- “. . . መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበና ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ ወይ ተራጋሚ: መናፍስቲ ዚጥይቕ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ።”​—⁠ዘዳግም 18:​10–12

እቲ ምዉታት ክጐድኡና ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ሓሳባት ብርግጽ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኣይኮነን። ንሱ ኣምላኽ ሓቂ ኢዩ። (መዝሙር 31:​5፣ ዮሃንስ 17:​17) ነቶም “ብመንፈስን ብሓቅን” ዘምልኽዎ አፍቀርቲ ሓቂ ኸኣ ሓደ ዘደንቕ መጻኢ ህይወት ዓቊሩሎም ኣሎ።​—⁠ዮሃንስ 4:​23, 24

የሆዋ: ኣምላኽ ሓቅን ፍቕርን

እቲ “ክሕሱ ዘይክእል” ፈቃር ሰማያዊ አቦና: ቃሉ ሂቡ ኣሎ:- ሚልዮናት ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ሰባት ሞይቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ኣብታ ጽድቂ ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ሒዞም ክትንስኡ ኢዮም! (ቲቶስ 1:​1, 2፣ ዮሃንስ 5:​28) እዚ ፍቕራዊ ተስፋ ናይ ትንሳኤ: የሆዋ ብብልጽግና ናይቶም ሰብኣውያን ፍጡራቱ ዓሚቍ ተገዳስነት ከም ዘለዎን ንሞትን ሓዘንን ስቓይን ከኣ መወዳእታ ኪገብረሉ ልባዊ ባህጊ ከም ዘለዎን ዝገልጽ ኢዩ። ስለዚ ንምዉታት ምፍራሕ ወይውን ብዛዕብኦምን ብዛዕባ እቲ ዝጽበዮም ነገራትን ካብ መጠን ንላዕሊ ምጭናቕ ኣየድልን ኢዩ። (ኢሳይያስ 25:​8, 9፣ ራእይ 21:​3, 4) እዚ ፈቃርን ፍትሐኛን ዝኾነ ኣምላኽና የሆዋ ቓንዛ ናይ ሞት ኣልጊሱ ከተንስኦም ይኽእል ኢዩ። ኪገብሮ ድማ ኢዩ።

ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብታ እተተስፈወት ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ኣብ ምድሪ ከመይ ዝበለ ኵነታት ክህሉ ምዃኑ ዝገልጽ ብዙሕ መግለጫታት ሒዙ ኣሎ። (መዝሙር 37:​29፣ 2 ጴጥሮስ 3:​13) እቲ ግዜ እቲ ሰላምን ሓጐስን ፍቕሪ ናይ ኵሎም ብጾትካን ዝህልወሉ ግዜ ኪኸውን ኢዩ። (መዝሙር 72:​7፣ ኢሳይያስ 9:​7፣ 11:​6–9፣ ሚክያስ 4:​3, 4) ኵሎም ቅሳነት ዘለዎን ጽቡቕን ኣባይቲ: ከምኡውን ዘሐጕስ ዕዮ ኪህልዎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:​21–23) ኵሎም ዝበልዕዎ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ኪህልዎም ኢዩ። (መዝሙር 67:​6፣ 72:​16) ኵሎም ድማ ጽቡቕ ጥዕና ረኺቦም ኪሕጐሱ ኢዮም። (ኢሳይያስ 33:​24፣ 35:​5, 6) መጽሓፍ ቅዱስ: ሃዋርያትን ሓደ ተወሳኺ ውሱን ቍጽርን ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪነግሱ ምዃኖም እኳ ዝገልጽ እንተኾነ: ናይ ካልኦት ነፍሳት ድሕሪ ሞት ኣብ ሰማይ እተባረኸ ኵነታት ከሕልፋ ዝብል ሓሳብ ግን ኣይጠቅስን ኢዩ። (ራእይ 5:​9, 10፣ 20:​6) እቶም ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ሞይቶም ዘለዉ ድሕሪ ሞት ብህይወት ዚነብሩ እንተደኣ ኾይኖም እዚ ጊንጢ ምኾነ ነይሩ።

እቲ ንጹር ዝኾነ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ምዃኑ ምስ እንፈልጥ ግን ጊንጢ ኣይኮነናን ኢዩ:- እቶም ምዉታት ከም ህያዋን ነፍሳት ኮይኖም ካብ ምንባር ኣቋሪጾም ኢዮም። ክጐድኡኻ ኣይክእሉን ኢዮም። እቶም ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ክሳዕ ዝትንስኡ: ዘይሰምዑ ኮይኖም ኢዮም ዓሪፎም ዘለዉ። (መክብብ 9:​10፣ ዮሃንስ 11:​11–14፣ 38–44) ስለዚ ተስፋናን ባህግናን ኣብ ኣምላኽ እተመክሐ ኢዩ። “ብምድሓኑ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና።”​—⁠ኢሳይያስ 25:​9

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ኣነጺሩ ከም ዝገልጾ: እቶም ምዉታት ክሳዕ መዓልቲ ትንሳኤ ፈጺሞም ስምዒት የብሎምን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ