ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/8 ገጽ 9-14
  • የሆዋ—እቲ ዝምህር ኣምላኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ—እቲ ዝምህር ኣምላኽ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቦ: መምህር: ሰብኣይ
  • ኣድላዪ ትምህርትታት የሆዋ
  • እተማህሩ ዓቢ ጭፍራ
  • የሆዋ ብኸመይ ከም ዝምህር
  • እቲ ዅሎም ነብያት ዝመስከሩሉ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • እታ ናይ ሰላም መንግስቲ ኣምላኽ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ክሳብ እዚ ግዜ እዚ ብየሆዋ እተማህሩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ዘርኢ እቲ ተመን—ብኸመይ ተቓልዐ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/8 ገጽ 9-14

የሆዋ​—⁠እቲ ዝምህር ኣምላኽ

“ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም።”​—⁠ዮሃንስ 6:⁠45

1. የሱስ ኣበይ ኢዩ ተኣምራታት ዝገበረ: ሕጂኸ ኣብኡ እንታይ ኢዩ ዝገብር ዘሎ፧

የሱስ ክርስቶስ ኣቐድም ኣቢሉ ትእምርትታት ገይሩ ኢዩ: ሕጂ ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ቅፍርናሆም: ጥቓ ባሕሪ ገሊላ: ኰይኑ ክምህር ከሎ ተራእየ። (ዮሃንስ 6:​1-21, 59) ብዙሓት ድማ “ካብ ሰማይ ወሪደ” ምስ በለ ዘይምእማኖም ገለጹ። “እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከመይ ኢሉ ደአ፤ ካብ ሰማይ ወረድኩ: ይብል አሎ፧” እናበሉ ድማ ኣጕረምረሙ። (ዮሃንስ 6:​38, 42) የሱስ ድማ እናገሰጾም “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ” ብምባል ገለጸ።​—⁠ዮሃንስ 6:⁠44

2. ነቲ የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝሃቦ ተስፋ ክንኣምኖ እንታይ መሰረት ኣሎና፧

2 በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ: መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ከላ: ክትንስእሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ኰን ኢዩ! እዚ ተስፋ እዚ: :እቲ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እተመባጽዖ ብምዃኑ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። (እዮብ 14:​13-15፣ ኢሳይያስ 26:19) ብርግጽ: የሆዋ እቲ ምዉታት ከም ዝትንስኡ ዝምህር: “ካብ ኵሎም ዝዓበየ መምህር” ኢዩ። (እዮብ 36:​22፣ ቱደይ’ስ ኢንግሊሽ ቨርሽን) ኣብቲ ናይ ኣቦ ትምህርቲ ብምትኳር: የሱስ ቀጺሉ “ኣብ ነብያትውን፤ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም: ዚብል ጽሑፍ አሎ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 6:⁠45

3. ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢና ክንርእዮም ዘሎና፧

3 ብርግጽ: ኣብ መንጎ እቶም ነብዪ ኢሳይያስ “ኵላቶም ደቅኺ [ብየሆዋ እተማህሩ ሰባት ኪዀኑ ትሓዓ ] እዮም” ዝበሎም ክትህሉስ መሰል ኢዩ። (ኢሳይያስ 54:13) ንሕናኸ ክንከውን ንኽእልዶ፧ እቶም ከም ደቁ ዝዀኑን ትምህርትታቱ ዝቕበሉን መን ኢዮም፧ በረኸቱ ምእንቲ ክንቅበል ክንፈልጦምን ክንሰርሓሎምን ዘሎና ቀንዲ ትምህርትታት የሆዋ: ኣየኖት ኢዮም፧ ቀደም የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝምህር ነይሩ: ሎሚኸ ከምኡ ገይሩ ድዩ ዝምህር ዘሎ፧ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ክንርእዮም ኢና።

ኣቦ: መምህር: ሰብኣይ

4. እቶም መጀመርያ ትምህርትታቱ እተቐበሉ ውሉዳት የሆዋ መን ኢዮም፧

4 የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ: ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ: ምስ ፈጠረ ብመጀመርያ ኣቦን መምህርን ኰነ። ናይ የሆዋ ቀንዲ ኣፈኛ ስለ ዝነበረ ድማ “እቲ ቓል” ተባሂሉ ተጸውዐ። (ዮሃንስ 1:​1, 14፣ 3:16) እቲ ቃል ‘ሰራሕተኛ ኰይኑ ምስኡ [ኣቦ]’ ኣገልገለ: ካብቲ ናይ ኣቦኡ ትምህርቲ ድማ ብዙሕ ተማሂሩ ኢዩ። (ምሳሌ 8:​22, 30) ብርግጽ ኸኣ: ኣቦ ብእኡ ገይሩ ካልእ ኵሉ: እቶም መንፈሳውያን “ደቂ ኣምላኽ” ሓዊስካ: ንምፍጣር እተጠቕመሉ ፈጻሚ ወይ ድማ መሳርሒ ኰነ። ብኣምላኽ ክማሃሩስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ክዀኑ ኣለዎም! (እዮብ 1:​6፣ 2:1፣ 38:7፣ ቈሎሴ 1:​15-17) ጸኒሑ: እቲ ናይ መጀመርያ ሰብ: ኣዳም: ተፈጥረ። ንሱውን “ወዲ ኣምላኽ” ኢዩ ነይሩ: የሆዋ ከም ዝማሃሮ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 3:⁠38፣ ዘፍጥረት 2:​7, 16, 17

5. ከመይ ዝበለ ክቡር መሰል ኢዩ ብኣዳም ዝጠፍአ: ገና ግን የሆዋ ንመን ኢዩ ዝማሃረ: ስለምንታይከ፧

5 ዘሕዝን ግን ኣዳም: በቲ ኰነ ኢሉ ዘርኣዮ ዘይምእዛዝ: ከም ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ክቕጽል ዝነበሮ መሰል ኣጥፈአ። ስለዚ: ዘርኡ በቲ ዘለዎም ትውልዲ ጥራይ ደቂ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ክዛረቡ ኣይክእሉን ኢዮም። እንተዀነ ግና: የሆዋ ነቶም ካብኡ መምርሒ ዝደልዩ ዘይፍጹማት ሰባት ምሂርዎም ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ‘ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ’ ኖህ “ጻድቕ” ምንባሩ ኣረጋጊጹ ኢዩ: በዚ ኸኣ የሆዋ ንኖህ እውን ምሂርዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:​9, 13–ዘፍ 6:13 ኽሳዕ 7:⁠5) ኣብርሃም እውን ብምእዛዙ “ዓርኪ የሆዋ” ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ: ስለዚ ድማ ንሱውን ብየሆዋ ተማሂሩ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 2:23 ትሓዓ፣ ዘፍጥረት 12:​1-4፣ 15:​1-8፣ 22:​1, 2

6. የሆዋ ከም “ደቁ” ገይሩ ዝረኣዮም ንመን ኢዩ: ንዕኦምከ ከመይ ዝበለ መምህር ኢዩ ነይሩ፧

6 ብዙሕ ጸኒሑ: ኣብ ግዜ ሙሴ: የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ናይ ኪዳን ርክብ ገበረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: እቲ ህዝቢ እተሓርየ ህዝቡ ኰነ: ከም ‘ወዱ’ ድማ ተራእየ። ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “እስራኤል . . . ወደይ እዩ።” (ዘጸኣት 4:​22, 23፣ 19:​3-6፣ ዘዳግም 14:​1, 2) ብመሰረት እዚ ናይ ኪዳን ርክብ እዚ ድማ: እስራኤላውያን ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ተጻሒፉ ዘሎ ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም:- “ዎ [የሆዋ ትሓዓ ]: ንስኻ ኢኻ ኣቦና።” (ኢሳይያስ 63:16) የሆዋ ነዚ ኣባታዊ ሓላፍነቱ ብምሓዝ ንደቁ: እስራኤል: ብፍቕራዊ መገዲ መሃሮም። (መዝሙር 71:17፣ ኢሳይያስ 48:​17, 18) አረ: ዘይእሙናት ምስ ኰኑ እውን “ኣቱም ጠለምቲ ደቂ . . . ተመለሱ” ብምባል ብምሕረት ለሚንዎም ኢዩ።​—⁠ኤርምያስ 3:⁠14

7. እስራኤል ምስ የሆዋ ከመይ ዝበለ ርክብ ኢዩ ነይርዎም፧

7 ብምኽንያት እቲ ምስ እስራኤል ዝነበሮ ናይ ኪዳን ርክብ: የሆዋ ብምሳልያዊ መገዲ ናይቲ ህዝቢ ሰብኣይ ኰነ: እቲ ህዝቢ ድማ ምሳልያዊት ሰበይቱ ኰነ። ብዛዕባኣ ነብዪ ኢሳይያስ “ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ: ስሙ [የሆዋ ትሓዓ ] ጐይታ ሰራዊት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳይያስ 54:5፣ ኤርምያስ 31:32) የሆዋ ከም ሰብኣይ መጠን ግዴኡ ብግቡእ እኳ እንተ ፈጸመ: ህዝቢ እስራኤል ግና ዘይእምንቲ ሰበይቲ ኰነ። የሆዋ ከምዚ በለ:- “ግናኸ ኣቱም ቤት እስራኤል: ከምታ ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ ጠለምኩምኒ።” (ኤርምያስ 3:20) የሆዋ ንደቂ እታ ዘይእምንቲ ሰበይቱ ምልማን ከየቋረጸ ‘ዓቢ መምህሮም’ ምዃን ቀጸለ።​—⁠ኢሳይያስ 30:⁠20 ትሓዓ፣ 2 ዜና መዋእል 36:15

8. እስራኤል ከም ህዝቢ መጠን ኣብ ቅድሚ የሆዋ እኳ እንተ ተነጽገት: ከመይ ዝበለት ተምሳል ናታ ዝዀነት ምሳልያዊት ሰበይቲ ኢያ ገና ዘላቶ፧

8 እስራኤል ንወዱ: የሱስ ክርስቶስ: ምስ ነጸገቶን ምስ ቀተለቶን: ኣምላኽ ድማ ኣብ መወዳእታ ነጸጋ። ስለዚ ድማ: እቲ ኣይሁዳዊ ህዝቢ ምሳልያዊት ሰበይቱ ካብ ምዃን: የሆዋ ድማ ናይቶም ደረቐኛታት ደቃ ኣቦን መምህርን ካብ ምዃን ኣቋረጸ። (ማቴዎስ 23:​37, 38) ይኹን እምበር: እስራኤል ጽላሎት ወይ ምሳልያዊት ሰበይቲ ጥራይ ኢያ ነይራ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ እታ ካብታ ‘ምርዕውቲ’: ስጋውያን ህዝቢ እስራኤል: እተፈልየትን ዝበለጸትን “መኻን” ሰበይቲ ዝዛረብ ኢሳይያስ 54:​1 ጠቒስዎ ኣሎ። ጳውሎስ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ደቂ እታ “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ “መኻን” ሰበይቲ ምዃኖም ገሊጹ ኢዩ። እዛ ተምሳል ናይታ ምሳልያዊት ሰበይቲ እዚኣ: ነታ ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ናይቶም መንፈሳውያን ፍጡራት ዝሓዘት ኢያ።​—⁠ገላትያ 4:​26, 27

9. (ሀ) የሱስ ‘ደቅኺ ብየሆዋ እተማህሩ ክዀኑ ኢዮም’ ክብል ከሎ ንመን ኢዩ ዘመልክት ነይሩ፧ (ለ) ሰባት: መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ በየናይ መሰረት ኢዮም፧

9 ስለዚ: የሱስ ኣብቲ ቤት ጸሎት ቅፍርናሆም ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ጠቒሱ “ኵሎም ደቅኺ ብየሆዋ እተማህሩ ሰባት ኪዀኑ ኢዮም” ክብል ከሎ: ብዛዕባ እቶም “ደቂ” ናይታ ከም ሰበይቲ ኣምላኽ ተመሲላ ዘላ ሰማያዊት ማሕበር: “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም”: ክዀኑ ዘለዎም ሰባት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን: ነቲ ትምህርትታት ናይቲ ወኪል ናይ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ብምቕባል ውሉዳት ናይታ ኣቐዲማ መኻን ዝነበረት ሰማያዊት ሰበይቲ ኣምላኽ ክዀኑ ይኽእሉ: “ቅዱስ ህዝቢ” ማለት መንፈሳዊ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ከኣ የቝሙ። (1 ጴጥሮስ 2:​9, 10፣ ገላትያ 6:16) ሃዋርያ ዮሃንስ: ነቲ የሱስ መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ንምዃን ዝኸፈቶ ዓቢ ኣጋጣሚ ብምግላጽ “ናብቶም ናቱ መጸ: እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም” በለ።​—⁠ዮሃንስ 1:​11, 12

ኣድላዪ ትምህርትታት የሆዋ

10. ብድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን እተገብረ ዕልወት ሽዑ ንሽዑ የሆዋ ብዛዕባ እቲ “ዘርኢ” እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝማሃረ: እቲ ዘርኢኸ መን ምዃኑ ኢዩ እተረጋገጸ፧

10 የሆዋ ከም ፈቃር ኣቦ መጠን: ንደቁ ብዛዕባ ዕላማታቱ የፍልጦም ኢዩ። ስለዚ ድማ: እቲ ዓለወኛ መልኣኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን ጽምዲ ዘይእዙዛት ከም ዝዀኑ ምስ ገበሮም: የሆዋ ሽዑ ንሽዑ ነቲ ንምድሪ ገነት ንምግባር ዝነበሮ ዕላማ ንምፍጻም እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኣፍለጠ። ኣብ መንጎ “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ሰይጣን ድያብሎስን እታ “ሰበይትን” ጽልኢ ክተክል ምዃኑ ተዛረበ። ቀጺሉ ድማ ‘ዘርኢ’ ናይታ ሰበይቲ ንሰይጣን ከም ዝመውት ገይሩ ‘ርእሱ’ ክጭፍልቖ ምዃኑ ገለጸ። (ዘፍጥረት 3:​1-6, 15፣ ራእይ 12:9፣ 20:​9, 10) ከምቲ ዝርኣናዮ: እታ ሰበይቲ​—⁠ጸኒሓ ከም “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” እተፈልጠት​—⁠ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ናይቶም መንፈሳውያን ፍጡራት ኢያ። እቲ “ዘርኣ” ግን መን ኢዩ፧ እቲ ካብ ሰማይ እተላእከን ኣብ መወዳእታ ድማ ንሰይጣን ከጥፍኦ ዘለዎን የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ።​—⁠ገላትያ 4:4፣ እብራውያን 2:14፣ 1 ዮሃንስ 3:⁠8

11, 12. የሆዋ ነዚ ብዛዕባ እቲ “ዘርኢ” ዝምልከት ኣድላዪ ትምህርቱ ብኸመይ ኢዩ ዘስፍሖ፧

11 የሆዋ ንኣብርሃም “ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ . . . ኣዝየ ከብዝሖ እየ። . . . ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ መብጽዓ ምስ ኣተወሉ: ነቲ ‘ዘርኢ’ ዝምልከት ኣድላዪ ትምህርቲ ኣስፍሒዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:​17, 18) እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣብርሃም የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ: እንተዀነ ግና ካልኦትውን ክፍሊ ናይቲ “ዘርኢ” ከም ዝዀኑ ንምግላጽ: የሆዋ ንሃዋርያ ጳውሎስ ተጠቒሙሉ ኢዩ። ጳውሎስ “ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም: ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም: ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠ገላትያ 3:​16, 29

12 ብተወሳኺውን የሆዋ: ክርስቶስ: እቲ ዘርኢ: ካብ ንጉሳዊ መስመር ይሁዳ ክመጽእ ምዃኑ ከምኡውን ‘ህዝብታት ክእዘዝዎ’ ምዃኖም ገሊጹ ኢዩ። (ዘፍጥረት 49:10) የሆዋ: ብዛዕባ እቲ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት “ዘርኡ ድማ ንዘለኣለም: ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ። ዘርኡ ንዘለኣለም: ዝፋኑውን ከም ጸሓይ ኣብ ቅድመይ ኪነብር እዩ” ኢሉ ተመባጽዐ። (መዝሙር 89:​3, 4, 29, 36) ገብርኤል መልኣኽ ምውላድ የሱስ ክእውጅ ከሎ: እቲ ቈልዓ ናይ ኣምላኽ እተቐብአ ገዛኢ: ካብ ዘርኢ ዳዊት: ከም ዝዀነ ገለጸ። ገብርኤል ከምዚ በለ:- “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። . . . መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።”​—⁠ሉቃስ 1:​32, 33፣ ኢሳይያስ 9:​6, 7፣ ዳንኤል 7:​13, 14

13. በረኸት የሆዋ ምእንቲ ክንቅበል ንትምህርትታቱ ብኸመይ ኢና ክንምልሸሉ ዘሎና፧

13 በረኸት የሆዋ ምእንቲ ክንቅበል: ነዚ ኣድላዪ ዝዀነ ትምህርቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክንፈልጦን ክንሰርሓሉን ኣሎና። የሱስ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ: ናይ ኣምላኽ እተቐብአ ንጉስ​—⁠እቲ ኣብ ምድሪ ገነት ንምምላስ ዝዕዘብ ንጉሳዊ ዘርኢ​—⁠ምዃኑ: ንምዉታት ከኣ ከተንስኦም ምዃኑ ክንኣምን ይግባኣና። (ሉቃስ 23:​42, 43፣ ዮሃንስ 18:​33-37) የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ብዛዕባ ንምዉታት ምትንሳእ ክዛረብ ከሎ: ሓቂ ከም እተዛረበ ነቶም ኣይሁድ ርግጽ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት: ምናልባት ኣብ ቅፍርናሆም ክኸውን ይኽእል: ነታ 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ዝነበረ ኣተንሲእዋ ኢዩ! (ሉቃስ 8:​49-56) ብርግጽ: ንሕናውን ነቲ ብዛዕባ መንግስቱ ዝምልከት ተስፋ ዝህብ ትምህርትታት የሆዋ: ክንኣምኖን ምስኡ ብምስምማዕ ድማ ኣብ ተግባር ከነውዕሎን እኹል ምኽንያት ኣሎና!

14, 15. (ሀ) መንግስቲ የሆዋ ንየሱስ ክሳዕ ክንደይ ኢያ ኣገዳሲት ነይራ፧ (ለ) ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ክንርዳእን ክንገልጽን ምእንቲ ክንክእል እንታይ የድልየና፧

14 የሱስ ምድራዊ ህይወቱ ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ኣብ ምምሃር ኢዩ ወፍይዎ። ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ኣገልግሎቱ ኢዩ ገይርዋ: ከምኡውን ንሰዓብቱ ብዛዕባኣ ክጽልዩ እውን ምሂርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:​9, 10፣ ሉቃስ 4:43) ብትውልዲ ኣይሁዳውያን “ደቂ መንግስቲ” ንምዃን ኣብቲ መስመር ኢዮም ነይሮም: እንተዀነ ግና: እምነት ብዘይምርኣዮም መብዛሕትኦም ነቲ መሰል እቲ ሰኣንዎ። (ማቴዎስ 8:12፣ 21:43) የሱስ “ደቂ መንግስቲ” ናይ ምዃን መሰል እቶም “ሒደት መጓሰ” ጥራይ ከም ዝቕበሉ ገለጸ። እዞም “ደቂ” እዚኣቶም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ “ንክርስቶስ መዋርስቱ” ክዀኑ ኢዮም።​—⁠ሉቃስ 12:32፣ ማቴዎስ 13:38፣ ሮሜ 8:​14-17፣ ያእቆብ 2:⁠5

15 ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስኡ ኽገዝኡ ክንደይ ዝዀኑ ወረስቲ ናይታ መንግስቲ ኢዩ ንሰማይ ዝወስድ፧ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: 144,000 ጥራይ ኢዮም። (ዮሃንስ 14:​2,3፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:12፣ ራእይ 5:10፣ 14:​1-3፣ 20:⁠4) ይኹን እምበር: የሱስ ኣብ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ: ምድራውያን ተገዛእቲ ክዀኑ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ከም ዘለውዎ ተዛሪቡ ኢዩ። እዚኣቶም ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ፍጹም ጥዕናን ሰላምን ንዘለኣለም ከስተማቕሩ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ መዝሙር 37:29፣ ራእይ 21:​3, 4) እቲ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዘሎ ትምህርቲ የሆዋ ክንርድኦን ክንገልጾን ክንክእል ከድልየና ኢዩ።

16. ከመይ ዝበለ ኣድላይ ትምህርቲ የሆዋ ኢና ክንማሃሮን ክንትግብሮን ዘድልየና፧

16 ሃዋርያ ጳውሎስ ካልእ ኣድላዪ ትምህርቲ የሆዋ ሓቢሩ ኣሎ። ከምዚ በለ:- “ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም።” (1 ተሰሎንቄ 4:⁠9) ንየሆዋ ከነሐጕሶ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ከነርኢ ከድልየና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል: ንሕናውን ነቲ ፍቕሪ ናይ ምርኣይ ኣብነቱ ክንቀድሖ ይግባኣና። (1 ዮሃንስ 4:8፣ ኤፌሶን 5:​1, 2) ዘሐዝን ግን: ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣምላኽ ክንገብሮ ዝማሃረና: ንብጾቶም ካብ ምፍቃር: ሰኒፎም ኢዮም። ንሕናኸ፧ ነዚ ትምህርቲ ናይ የሆዋ ንምልሰሉዶ ኣሎና፧

17. ናይ መን ኣረኣእያ ኢና ክንቀድሕ ዘሎና፧

17 ንዅሉ ትምህርትታት የሆዋ ተቐበልቲ ክንከውን ኣድላዪ ኢዩ። ኣረኣእያና ከምቲ “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ። . . . ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን።” “ስርዓታትካ ምሀረኒ። . . . ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ . . . ፍርድታትካ ምሀረኒ” ኢሉ ዝጸሓፈ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍ መዝሙር ይኹን። (መዝሙር 25:​4, 5፣ 119:​12, 66, 108) ስምዒታትካ ከም ናይቲ ጽሓፍ መዝሙር እንተደኣ ኰይኑ: ኣብ መንጎ እቶም ብየሆዋ እተማህሩ ብዙሓት ሰባት ክትህሉ ትኽእል ኢኻ።

እተማህሩ ዓቢ ጭፍራ

18. ነብዪ ኢሳይያስ እንታይ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ነገር ኢዩ ኣቐዲሙ እተዛረበ፧

18 ነቢዪ ኢሳይያስ ኣብዚ ግዜና እንታይ ከም ዝፍጸም ተነብዩ ኢዩ:- ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ: ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና ኢዩ ድማ ኪብሉ ኢዮም።’ (ኢሳይያስ 2:​2, 3፣ ሚክያስ 4:⁠2 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እዞም ብየሆዋ እተማህሩ ሰባት መን ኢዮም፧

19. ሎሚ ኣብ መንጎ እቶም ብየሆዋ እተማሃሩ እትዋት ዝዀኑ መን ኢዮም፧

19 ብዘይካ እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ክገዝኡ ዘለዎም: ካልኦት ዘጠቓልሉ ኢዮም። ኣቐድም ኣቢሉ ከም እተገልጸ: የሱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይታ መንግስቲ ወረስቲ “ሒደት መጓሰ”: “ካልኦት ኣባጊዕ”​—⁠ምድራውያን ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ⁠—​ከም ዘለውዎ ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 10:16፣ ሉቃስ 12:32) እቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝድሕኑ “ዓቢ ጭፍራ:” ካብቲ ክፍሊ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኢዮም: ከምኡውን ብመሰረት እቲ ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ስምረት ዘለዎ ኣቃውማ ከስተማቕሩ ኢዮም። (ራእይ 7:​9, 14) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ: ዋላ እኳ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኢሳይያስ 54:​13 ተዘሪቡሎም ዘሎ ‘ደቂ’ ብቐጥታ እቱዋት እንተ ዘይኰኑ: ብየሆዋ እተማህሩ ብምዃን ይባረኹ ኢዮም። ስለዚ: ኣምላኽ በቲ “ኣቦ ዘለኣለም” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኣባሓጎኦም ክኸውን ስለ ዝዀነ: ብልክዕ “ኣቦ” ኢሎም ይጽውዕዎ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 6:9፣ ኢሳይያስ 9:⁠6

የሆዋ ብኸመይ ከም ዝምህር

20. የሆዋ በየናይ መገድታት ኢዩ ዝምህር፧

20 የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ኢዩ ዝምህር። ንኣብነት: በቲ ህላዌኡን እቲ ዓቢ ጥበቡን ዘረጋግጽ ናይ ፍጥረት ዕዮታቱ ገይሩ ይምህር ኢዩ። (እዮብ 12:​7-9፣ መዝሙር 19:​1, 2፣ ሮሜ 1:20) ብተወሳኺ: ልክዕ ከምቲ ነቲ ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ ገይሩ ዝምህሮ ዝነበረ ብቐጥታ ብምዝርራብ ይምህር ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ሰለስተ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣጋጣሚታት: ካብ ሰማይ ብቐጥታ ምስቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ሰባት ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 3:17፣ 17:5፣ ዮሃንስ 12:⁠28

21. የሆዋ ኣምላኽ ነየናይ መልኣኽ ኢዩ ብፍላይ ከም ወኪሉ እተጠቕመሉ: እንተዀነ ግን: ካልኦትውን ከም እተጠቕመ ብኸመይ ንፈልጥ፧

21 የሆዋ: ንኽምህር ነቶም ወኪላት መላእኽቱን ነቲ “ቃል” ተባሂሉ ዘሎ በዅሪ ወዱን ይጥቀም ኢዩ። (ዮሃንስ 1:​1-3) የሆዋ ኣብ ገነት ኤደን ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ወዱ: ኣዳም: ብቐጥታ ክዛረቦ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ ኣብ ክንዳኡ ክዛረብ ከም እተጠቕመሉ ፍሉጥ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:​16, 17) እዚ ምናልባት “እቲ ብቕድሚ ሰፈር እስራኤል ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ ኣምላኽ” ከምኡውን እቲ የሆዋ ብዛዕባኡ “ድምጹ ኸኣ ስማዕ” ኢሉ ትእዛዝ ዝሃበ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዘጸኣት 14:19፣ 23:​20, 21) እቲ ንእያሱ ከበርትዖ ኢሉ እተራእዮ “ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር” እውን ብዘይጥርጥር እቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ ኢዩ ነይሩ። (እያሱ 5:​14, 15) የሆዋ: ከምቲ ሕጉ ንሙሴ ንምሃብ እተጠቕመሉ: ትምህርትታቱ ንምትሕልላፍ ካልኦት መላእኽቲ እውን ይጥቀም ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 20:1፣ ገላትያ 3:19፣ እብራውያን 2:⁠2, 3

22. (ሀ) የሆዋ ኣብ ምድሪ ንምምሃር ንመን ኢዩ ዝጥቀም፧ (ለ) የሆዋ ሎሚ ንሰባት ዝምህረሉ ቀዳማይ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

22 ብተወሳኺ: የሆዋ ኣምላኽ ንኽምህር ሰብኣውያን ወኪላት ይጥቀም ኢዩ። ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ወለዲ ንደቆም ክምህሩ ነበሮም፣ ነብያት: ካህናት: መሳፍንቲ: ከምኡውን ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ ሕጊ የሆዋ ምሂሮምዎ ኢዮም። (ዘዳግም 11:​18-21፣ 1 ሳሙኤል 12:​20-25፣ 2 ዜና መዋእል 17:​7-9) የሱስ ኣብ ምድሪ እቲ ቀንዲ ኣፈኛ ናይ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 1:​1, 2) የሱስ ብዙሕ ግዜ: እቲ ዝምህሮ ዝነበረ ብልክዕ ካብ ኣቦኡ እተማህሮ ምዃኑ ይዛረብ ነበረ: ስለዚ ኸኣ ሰማዕቱ ብየሆዋ ኢዮም ዝማሃሩ ነይሮም። (ዮሃንስ 7:16፣ 8:28፣ 12:49፣ 14:​9, 10) የሆዋ እቲ ዝበሎ ዅሉ ከም ዝምዝገብ ገይሩ ኢዩ: ኣብዚ ግዜና ኸኣ ንሰባት ልዕሊ ዅሉ በዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ኢዩ ዝምህሮም ዘሎ።​—⁠ሮሜ 15:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

23. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢዮም ኪሕሰበሎም፧

23 ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት [እዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና] ብዙሓት ሰባት ጐደናታት [የሆዋ ትሓዓ] ክማሃሩ’ ምዃኖም ተስፋ ስለ ዝህብ: ኣብተን ኣገደስቲ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። (ኢሳይያስ 2:​2, 3 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እዚ ትምህርቲ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝወሃብ፧ ካብዚ ሕጂ ዝወሃብ ዘሎ ዓቢ ናይ የሆዋ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም: ክንጥቀም ከምኡውን ኣብኡ ክንካፈል እንታይ ኢና ክንገብር ዝግበኣና፧ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮም ኢና።

ብኸመይ ምመለስካ፧

◻ የሆዋ ኣቦ: መምህር: ከምኡውን ሰብኣይ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ብዛዕባ እቲ “ዘርኢ” የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝምህር፧

◻ ከመይ ዝበለ ብኣምላኽ ዝወሃብ ኣድላዪ ትምህርቲ ኢና ክንሕልዎ ዘሎና፧

◻ የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዝምህር፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ምትንሳእ ጓል ያኢሮስ: ነቲ ናይ የሱስ ተስፋ ትንሳኤ ንምእማን መሰረት ሃበ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ