ክሳብ እዚ ግዜ እዚ ብየሆዋ እተማህሩ
“[የሆዋ “ትሓዓ”] ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ።”—ኢሳይያስ 50:4
1, 2. (ሀ) የሆዋ ነቲ ዝበለጸ ተማሃራዩ ንምንታይ ኢዩ ዘዳለዎ: እቲ ፍረኸ እንታይ ነበረ፧ (ለ) የሱስ ምንጪ ናይ ትምህርቱ ካበይ ምዃኑ ኣፍልጦ ዝሃበ ብኸመይ ኢዩ፧
የሆዋ ኣምላኽ: ካብቲ ኣቦ ዝዀነሉ ግዜ ኣትሒዙ መምህር ኢዩ። ድሕሪ ገለ እዋን ገለ ካብቶም ፍጡራቱ ምስ ዓለዉ: ነቲ ዝበለጸ ተማሃራዩ: ቦዅሪ ወዱ: ኣብ ምድሪ ንኸገልግል ኣዳለዎ። (ምሳሌ 8:30) ኢሳይያስ ምዕራፍ 50 ብትንቢታዊ መገዲ ነዚ ተማሃራይ እዚ ከምዚ እናበለት ትገልጾ:- “ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ።” (ኢሳይያስ 50:4) የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ናይ ኣቦኡ ትምህርትታት ኣብ ተግባር የውዕሎም ስለ ዝነበረ: ንዅሎም እቶም ‘ዝደኸሙን ጾር ዝኸበዶምን’ ምንጪ ናይ ዕረፍቲ ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 11:28-30
2 የሱስ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ሓያለይ ዓበይቲ ዕዮታት ፈጺሙ ኢዩ። ኣዒንቲ ዕዉራት ከፊቱ: ከምኡውን ምዉታት ከይተረፈ ኣተንሲኡ ኢዩ: ልዕሊ ዅሉ ግን በቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ከም መምህር ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ሰዓብቱ ይኹኑ ተቓወምቱ: መምህር ኢሎም ጸውዕዎ። (ማቴዎስ 8:19፣ 9:11፣ 12:38፣ 19:16፣ ዮሃንስ 3:2) የሱስ በቲ ዝምህሮ ዝነበረ: ክብሪ ኽረክብ ፈጺሙ ኣይደለየን: ኣብ ክንዳኡስ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን።” “ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ከም ዝነግር” ብምባል ብትሕትና ኣፍልጦ ሃበ።—ዮሃንስ 7:16፣ 8:28፣ 12:49
ሓሳባዊ ዝዀነ ናይ መምህርን ተማሃራይን ርክብ
3. ትንቢት ኢሳይያስ የሆዋ ኣብቶም ዝምህሮም ተገዳስነት ከም ዘለዎ እተርኢ ብኸመይ ኢያ፧
3 ሓደ ብሉጽ መምህር ኣብ ተማሃሮኡ ብሕታዊ: ልባዊ: ከምኡውን ፈቃር ተገዳስነት ኢዩ ዘለዎ። ኢሳይያስ ምዕራፍ 50: የሆዋ ኣምላኽ ኣብቶም ዝምህሮም ከምኡ ዓይነት ተገዳስነት ከም ዘለዎ ኢያ እትገልጽ። እቲ ትንቢት “ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ: ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ: ንእዝነይ የንቅሖ” ብምባል ይገልጽ። (ኢሳይያስ 50:4) ኣብዚ እቲ ኣገላልጻ ሓደ መምህር ንተማሃሮኡ ምእንቲ ክምህሮም ኣንጊሁ ዘተንስኦም ምዃኑ ኢዩ ሓሳባት ዝህብ ዘሎ። ንኣወዓዕላ ናይቲ ትንቢት ኣመልኪቱ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ሓሳባት ክህብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “እቲ ሓሳባት: እቲ ተበጃዊ . . . ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣምላኽ ዘሎ: ከምኡውን ንኻልኦት መምርሒታት ከመሓላለፍ ብቕዓት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። . . . እቲ መሲሕ ድማ ናይ ወድሰብ መምህር ንክኸውን በቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣዝዩ ብቝዕ ኰይኑ ኢዩ።”
4. የሱስ ንናይ ኣቦኡ ትምህርቲ ብኸመይ መለሰሉ፧
4 ከም ሓሳብ: ተማሃሮ ነቲ ናይ መምህሮም ትምህርቲ መልሲ ይህቡ ኢዮም። የሱስ ነቲ ናይ ኣቦኡ ትምህርቲ ብኸመይ ኢዩ መሊስሉ፧ መልሱ ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 50:5 ዘሎ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ:- “እግዚአብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ: ኣነውን ኣይአቤኹን: ኣየድሓርሓርኩን።” እወ: የሱስ ንኽማሃር ህንጡይ ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ቀጺሉ ዝብሎ: ኣዝዩ ጥንቁቕ ሰማዒ ኢዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ኣቦኡ ዝበሎ ዘበለ ክገብር ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። ዓለወኛ ኣይነበረን: ኣብ ክንዳኡስ: “ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” ኢዩ ዝበለ።—ሉቃስ 22:42
5. (ሀ) የሱስ እቲ ኣብ ምድሪ ክወርዶ ዘለዎ ፈተና ኣቐዲሙ ይፈልጦ ከም ዝነበረ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ኢሳይያስ 50:6 ዘሎ ትንቢት ብኸመይ ኢዩ እተፈጸመ፧
5 እቲ ትንቢት: እቲ ወዲ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባሩ ክረኽቦ ዝኽእል ሳዕቤን ተሓቢሩ ምንባሩ ዝገልጽ ኢዩ። እዚ ድማ በቲ እቲ እተማህረ “ዝባነይ ንገረፍቲ: ምዕጕርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጕሪ ሀብኩ: ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን” ዝበሎ ተራእዩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 50:6) እቲ ትንቢት ከም ዝሕብሮ የሱስ ኣብ ምድሪ ብጭከና ኢዩ ተታሒዙ። ማቴዎስ “ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ማቴዎስ 26:67) እዚ ኣብ ፋስጋ ምሸት ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ኢድ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከሎ ተፈጺሙ ኢዩ። ኣብታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ: ንኽመውት ኣብቲ ዕንጨይቲ ቅድሚ ምስቃሎም: እቶም ሮማውያን ወታሃደራት ብዘይ ምሕረት ምስ ሃረምዎ የሱስ ዝባኑ ንገረፍቲ ሃበ።—ዮሃንስ 19:1-3, 16-23
6. የሱስ ኣብ መምህሩ ዝነበሮ ምትእምማን ፈጺሙ ከም ዘየጥፍአ እንታይ የርኢ: ተኣማንነቱኸ ብኸመይ ኢዩ ዓስቢ ዝረኸበ፧
6 እቲ ወዲ: ኣቐዲሙ ብጽቡቕ ስለ እተማህረ: ኣብ መምህሩ ዝነበሮ ተኣማንነት ፈጺሙ ኣየጥፍአን። እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ትንቢት: ኣብቲ ቀጺሉ ዝበሎ ተራእዩ ኣሎ:- “እግዚአብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ እዩ እሞ: . . . ከም ዘይሐፍር ከኣ ፈለጥኩ።” (ኢሳይያስ 50:7) የሱስ ኣብቲ ካብ መምህሩ ዝረኽቦ ሓገዝ ዘርኣዮ ተኣማንነት ብዙሕ ተባሪኹ ኢዩ። ኣቦኡ ክብ ኣበሎ: ካብ ናይ ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ልዕል ዝበለ ቦታ ብምሃብ ድማ ባረኾ። (ፊልጲ 2:5-11) ንሕናውን ብምእዛዝ ናብቲ ትምህርትታት የሆዋ ምስ እንለግብ ከምኡውን ‘ምስ ዘይነድሓርሕር’ ዓቢ በረኸት ተዓቚሩልና ኣሎ። እቲ ትምህርቲ ክሳብ ኣብዚ ግዜና ከመይ ኢሉ ይቕረብ ከም ዘሎ እስከ ንርአ።
ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም
7. የሆዋ ትምህርቱ ኣብ ምድሪ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ፧
7 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: የሆዋ ነቲ ምድራዊ ወኪሉ: የሱስ ክርስቶስ: ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ነቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ንምትሕልላፍ ተጠቒምሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 16:27, 28) የሱስ ነቶም ዝማሃሮም ሰባት ኣብነት ብምግዳፍ: ንቓል ኣምላኽ ከም ቀንዲ በዓል ስልጣን ናይ ትምህርቱ ገይሩ ብቐጻሊ ኣመልኪቱ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:4, 7, 10፣ 21:13፣ 26:24, 31) ብድሕሪኡ: ትምህርቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ብኣገልግሎት ናይቶም እተማህሩ ኣቢሉ ይፍጸም ነበረ። የሱስ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቂ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ከም ዝኣዘዞም ዘክር። (ማቴዎስ 28:19, 20 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ክመጹ ከለዉ ድማ ክፍሊ ናይ “ቤት ኣምላኽ: . . . ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ይዀኑ ነበሩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) ብየሆዋ ዝማሃሩለን ዝነበሩ ንጽል ጉባኤታት እውን ኣቚሞም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 14:23፣ 15:41፣ 16:5፣ 1 ቈረንቶስ 11:16) እሞ መለኮታዊ ትምህርቲ በዚ መገድ’ዚ ክሳብ ኣብዚ ግዜና ቀጺሉ ድዩ፧
8. የሱስ መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ እቲ ናይ ስብከት ዕዮ ኣብ ምድሪ ክዝርጋሕ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ዝሓበረ፧
8 ብርግጽ: ቀጺሉ ኢዩ! ሰለስተ መዓልትታት ቅድሚ ሞቱ: የሱስ ቅድሚ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዓቢ ናይ ስብከት ዕዮ ክህሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። ንሱ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። የሱስ ቀጺሉ እዚ ዓለምለኻዊ ናይ ስብከትን ትምህርትን ፕሮግራም ብኸመይ ከም ዝካየድ ገለጸ። ብዛዕባ እቲ ንኣገልገልቱ መንፈሳዊ መግቢ ንምቕራብ ከም መትረብ ወይ መሳርሒ ዘገልግል “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ተዛረበ። (ማቴዎስ 24:14, 45-47 ትሓዓ ) የሆዋ ኣምላኽ ነዚ “ባርያ” እዚ: ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ረብሓታት ናይታ መንግስቲ ንኽዕዘብ ይጥቀመሉ ኢዩ ዘሎ።
9. ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዘቝሙ መን ኢዮም፧
9 ሎሚ: እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ: በቶም ተረፍ ናይታ መንግስቲ ወረስቲ ዝቘመ ኢዩ። እዚኣቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም 144,000: “ናይ ክርስቶስ” ከምኡውን ክፍሊ “ዘርኢ ኣብርሃም” ኢዮም። (ገላትያ 3:16, 29፣ ራእይ 14:1-3) ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ከመይ ገይርካ ኢኻ ከተለልዮ እትኽእል፧ ብፍላይ: በቲ ዝሰርሖ ስራሕን በቲ ምስ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዘለዎ ጥብቂ ርክብን ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።
10. እቲ ክፍሊ ባርያ ናይ የሆዋ ትምህርትታት ንምቕራብ እንታይ መሳርሒታት ኢዩ ዝጥቀም፧
10 የሆዋ: ነዚ “ባርያ” እዚ ኢዩ ሎሚ ንሰባት ከም መምሃሪ መገዲ ዝጥቀመሉ ዘሎ። እዞም ናይቲ ባርያ ክፍሊ ብ1931 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ሓዙ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ሚልዮናት ሰባት ይሓብርዎምን ነቲ ስም እቲ ይቕበልዎን: ከምኡውን ኣብ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ይሓብርዎም ኢዮም ዘለዉ። እዚ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ: ዝበሃል መጽሔት እዚ: እቲ “ባርያ” ኣብቲ ናይ ምምሃር ዕዮ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሳርሒ ኢዩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍቲ: ንኣሽቱ ጽሑፋት: ብሮሹራት: ትራክት: ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔት ሓዊስካ ካልኦት ጽሑፋት እውን ይጥቀም ኢዩ።
11. እቲ ባርያ ነየኖት ቤት ትምህርትታት ኢዩ ብሓላፍነት ዘካይድ: ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲኸ ንምንታይ ዕላማ ኢያ እተገልግል፧
11 ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: እቲ “ባርያ” ንእተፈላለያ ቤት ትምህርትታት ብሓላፍነት የካይድ ኢዩ። እዚኣተን ከኣ ንመንእሰያት ኣገልገልቲ ኣብ ወጻኢ ከይዶም ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ክዓዩ ዘዳልዎም ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ትምህርቲ ዝህብ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: ከምኡውን ንዘይተመርዓዉ ሽማግለታትን ድያቆናትን ንፍሉይ ቲኦክራቲካዊ ሓላፍነት ዘለማምዶም ናይ ክልተ ወርሒ ልምምድ ዝህብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ዘጠቓልል ኢዩ። ከምኡውን ንክርስትያናት ሽማግለታትን ድያቆናትን ኣገልገልቲ ኣብቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነቶም ዝሕግዞም ኣብ እተወሰነ ግዜያት ዝወሃብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: ንናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ኣብቲ ናይ ስብከት ንጥፈታቶም ዝያዳ ኣስለጥቲ ንኽዀኑ ዘዕጥቆም ናይ ፓይነራት ቤት ትምህርቲ እውን ኣሎ።
12. ሰሙናዊ ክፍሊ ናይቲ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም እንታይ ኢዩ፧
12 እቲ ካልእ ገጽ ናይቲ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ድማ እቲ በተን ካብ 75,500 ዝበዝሓ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ናይ ህዝቢ የሆዋ ዝግበር ሓሙሽተ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኢዩ። ካብዞም ኣኼባታት እዚኣቶም ብዝከኣለካ መጠን መሊእካ ትጥቀም ዲኻ፧ ኣብቲ ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ብምቕላብካ: ብሓቂ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣምላኽ ከም ዘሎኻ እትኣምን ምዃንካ ተርኢ ዲኻ፧ እቲ እትገብሮ መንፈሳዊ ዕቤት ናይ ብሓቂ “ናይ ምሁራት ልሳን” ከም ዘሎካ ንኻልኦት ብግልጺ ዘርእዮም ድዩ፧—ኢሳይያስ 50:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:15, 16
ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እተማህሩ
13. (ሀ) እቲ የሆዋ ሎሚ ንህዝቡ ዝምህረሉ ዘሎ ቀንዲ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንግምቢ ዘብዐኛ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧
13 የሆዋ ንህዝቡ ንግምቢ ዘብዐኛ ከም ናይ መምሃሪ ሓገዝ ብምጥቃም ብፍላይ በቲ ሰሙናዊ መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኢዩ ዝምህሮም። እዚ ኣኼባ እዚ ብየሆዋ እትማሃረሉ ቦታ ከም ዝዀነ ገይርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ኢሳይያስ 50:4 ብመጀመርያ ደረጃ ኣብ የሱስ እኳ ትውዕል እንተ ዀነት: ንዅሎም እቶም “ናይ ምሁራት ልሳን” ንምቕባል ካብቲ ናይ ኣምላኽ ምድላዋት ዝጥቀሙሉ እውን ትውዕል ኢያ። ሓደ ካብቲ ንግምቢ ዘብዐኛ ከም መዝገብ እትገብረሉ መገዲ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ምስ ተቐበልካያ ሽዑ ንሽዑ ብምንባብ ኢዩ። ድሕሪኡ: እታ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ጉባኤ ክትጽናዕ ከላ ኣብኡ ብምህላውን ናይ ተሰፋኻ ህዝባዊ ምስክርነት ንምግባር ድማ ብምድላውን ንየሆዋ ዘሎካ ሞሳ ከተርኢ ትኽእል ኢኻ።—እብራውያን 10:23
14. (ሀ) ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ምሃብ ኣገዳሲ መሰል ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ብናእሽቱ ዝወሃብ ሓሳባት ኢዩ ኣዝዩ ዘተባብዕ ዝኸውን፧
14 በቲ ኣብ ጉባኤ እትህቦ ሓሳባት: ኣብቲ ናይ የሆዋ ዓቢ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ግደ ክህልወካ ብምኽኣሉ ተመስግንዶ፧ ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ምሃብ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ንሓድሕድና ንምምቕቓሕ ዝሕግዘና እቲ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ሕቶ ዘድልዮ ኣይኰነን። (እብራውያን 10:24, 25) ቈልዑትከ ኣብዚ ናይ ምምሃር ፕሮግራም ግደ ክህልዎም ይኽእልዶ፧ እወ: ይኽእሉ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ልቢ ዝወጽእ ብቈልዑት ዝወሃብ ሓሳባት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዘተባብዕ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ: እቶም ኣብ ኣኼባታትና ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት በቲ ቈልዑት ዝህብዎ ሓሳባት ተነቓቒሖም ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝያዳ ተገዳስነት ከም ዘርእዩ ኰይኖም ኢዮም። ገለ ናእሽቱ ሓሳባቶም ካብቲ ዓንቀጽ ብቐጥታ ብምንባብ ወይ ካብቲ ዓቢ ሰብ ኣብ እዝኖም ኰይኑ ዘሕሾኽሽኾ ብምድጋም መልሲ ምሃብ ልምዲ ኢዮም ዝገብርዎ። ይኹን እምበር: እቲ ዝህብዎ ሓሳባት ኣጸቢቖም እተዳለዉሉ ምስ ዝኸውን ኣዝዩ ዘተባብዕ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ድማ ብሓቂ ነቲ ዓቢ መምህርናን ነቲ ዝለዓለ ናይ ምምሃር ፕሮግራሙን ክብሪ ኢዩ ዘምጽእ።—ኢሳይያስ 30:20, 21
15. ቈልዑ ብዝበለጸ ሓሳብ ክህቡ: ወለዲ ንኽሕግዝዎም እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
15 ቈልዑት ንኣምላኽና ኣብ ምምስጋን ክካፈሉ ክደልዩ ክትርእዮም ዘሐጕስ ኢዩ። የሱስ ነቲ ካብ ቈልዑት ዝወጸ ናይ ምስጋና መግለጺታት ሞሳ ሂቡሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 21:15, 16) ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ከምዚ ይብል:- “ቈልዓ ከሎኹ ኣብቲ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሓሳባት ክህብ እደሊ ነበርኩ። ኣቦይ: ሓሳባት ከዳሉ ምስ ሓገዘኒ: ነቲ ሓሳባት እንተ ወሓደ ሸውዓተ ግዜ ክደግሞ ይደልየኒ ነበረ።” ኣቱም ወለዲ: ኣብቲ ናይ ስድራቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ግዜ: ንውሉዳትኩም ኣብ እተወሰነ ቍጽሪ ናይቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ገይሮም ሓሳባት ከዳልዉ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ናይ የሆዋ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ናይ ምክፋል ዘለዎም ዓቢ መሰል ከማስውሉ ሓግዝዎም።
16. ጥቕሚ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እንታይ ኢዩ: ኣብቲ ቤት ትምህርትኸ መን ኢዩ ክካፈል ዝኽእል፧
16 ነቲ ኣብ ካልእ ናይ ክርስትያን ኣኼባታት ዝወሃብ ትምህርቲ እውን: እቶም ነቲ መምርሒ ከመሓላልፉ መሰል ዘለዎምን ነቲ ዝቐርብ ትምህረቲ ዝሰምዑን: ክልቲኦም ዕቱብ ቈላሕታ ክገብርሉ ይግባእ። ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝኸውን: የሆዋ ነቲ ሰሙናዊ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ንሚልዮናት ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ዝያዳ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ከብጽሕዎ ምእንቲ ከለማምዶም ይጥቀመሉ ኢዩ ዘሎ። እቶም ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብንጥፈት ዝተሓባበሩ: እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣኼባታት ክካፈሉ ዝጀመሩ እውን ከይተረፉ: ምስቲ ክርስትያናዊ ስርዓታት ዝሰማማዕ ናብራ እንተደኣ ኣልይዎም ኣብቲ ትምህርቲ ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም።
17. (ሀ) እቲ ህዝባዊ ኣኼባ ብፍላይ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ዝቘመ፧ (ለ) ህዝባዊ ዝርርብ ዝህብ ኣብ ኣእምሮኡ ክሕዞ ዘለዎ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
17 ካልእ ናይ ነዊሕ እዋን ክፍሊ ናይቲ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ድማ ህዝባዊ ኣኼባ ኢዩ። እቲ ስሙ ከም ዝሕብሮ: እዚ ኣኼባ እዚ ብፍላይ ነቶም መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ምስቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምልላይ ዝዓለመ ኢዩ። ስለዚ እቲ ነቲ ዝርርብ ዝህብ ሰብ: ነቶም ነቲ መልእኽቲ ንመጀመርያ ግዜ ዝሰምዕዎ ዘለዉ ርዱእ ምእንቲ ክኸውን ነቲ ሓሳባት ከቕርቦ ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ከም “ካልኦት ኣባጊዕ” “ኣሕዋት” ከምኡውን “ተረፍ” ዝኣመሰሉ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ክርድእዎም ዘይክእሉ ስያመታት ምግላጽ የድሊ ማለት ኢዩ። እቶም ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ዝካፈሉ ሰባት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጻረር—ኣብ ናይ ሎሚ ማሕበረሰብ ቅቡል እኳ እንተዀነ—እምነታት ወይ ናይ ናብራ ኣገባባት ክህልዎም ስለ ዝኽእል: እቲ ተዛራባይ ክኢላ ከምኡውን ንኸምዚኦም ዝበሉ እምነታት ወይ ናይ ናብራ ኣገባባት መሳሓቒ ከይገብሮም ክጥንቀቕ ኣለዎ።—ምስ 1 ቈረንቶስ 9:19-23 ኣነጻጽሮ።
18. እንታይ ካልኦት ናይ ጉባኤ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኢዮም ዘለዉ: ንምንታይ ዕላማ ኢዮምከ ዘገልግሉ፧
18 ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ብመሪሕነት ናይቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዝዳሎ ጽሑፋት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ገይርካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝግበር ናይ መጽናዕቲ ኣኼባ ኢዩ። እታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ እትበሃል ናይ እግሊዝኛ መጽሓፍ ሕጂ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እትጽናዕ ዘላ ኢያ። እቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንህዝቢ የሆዋ ኣብቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ምሉእ ተሳትፎ ንኽህልዎም ምእንቲ ከዕጥቖም ተባሂሉ እተዳለወ ኢዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20፣ ማርቆስ 13:10
ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት እተማህሩ
19. እቲ “ባርያ” ከመይ ዝበሉ ዓበይቲ ኣኼባታት ኢዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዘዳሉ፧
19 ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝኸውን: እቲ ‘እሙን ባርያ’ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ንምምሃርን ፍሉይ መተባብዒ ንምሃብን ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን የዳሉ ኢዩ ዘሎ። ሎሚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሰለስተ ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ኣኼባታት ይግበሩ ኢዮም። በተን ሓደ ወረዳ ዘቍማ ጕጅለ ጉባኤታት ዝግበር ናይ ሓደ መዓልቲ ኣሰምብሊ ኣሎ። ኣብታ ዓመት ከኣ: ነፍሲ ወከፍ ወረዳ ክልተ መዓልቲ ዝወስድ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ዝበሃል ኣኼባ ኣለዋ። ብተወሳኺ ድማ: ብዙሓት ወረዳታት ዝካፈልኦ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ኣሎ። ኣብ ገለ ዓመታት ድማ ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ይህሉ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽ መሰኻኽር ዘለዎ ኣኼባታት ንህዝቢ የሆዋ ብሓቂ እምነት ዘበርትዕ ኢዩ!—ምስ ዘዳግም 16:16 ኣነጻጽሮ።
20. ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዝጋነን እንታይ ኢዩ፧
20 ብ1922: ዳርጋ 10,000 ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ሰዳር ፖይነት ኦሃዮ ሕ.መ.ኣ. ምስ ተኣከቡ: እቲ ተዛራባይ “እዚኣ ካብ ኵለን መዓልትታት እታ ዝበለጸት መዓልቲ ኢያ። ርኣዩ እቲ ንጉስ ነጊሱ! ንስኻትኩም እትርኣዩ ወከልቱ ኢኹም። ስለዚ ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስቱን ኣውጁ: ኣውጁ: ኣውጁ:” ኢሉ ምስ ኣተባብዖም: እቶም ልኡኻት ተነቓቒሖም ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓበይቲ ኣኼባታት ብተደጋጋሚ ነቲ ናይ ምስባኽ ዕዮ ኢዩ ምግናን ዝግበረሉ። ንኣብነት: ብ1953 ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ: ኣብ ኵለን ጉባኤታት ካብ ቤት ናብ ቤት ኣገልግሎት ናይ ምልምማድ ፕሮግራም ከም ዝቘመ ተገልጸ። ምትእትታው ናይዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብቲ ናይታ መንግስቲ ስብከት ኣወንታዊ ውጽኢት ነበሮ።
ንኽምህሩ ብየሆዋ እተማህሩ
21. ዕላማኡ ከይሰሓትና ክንቅበሎ እንደሊ መሰል እንታይ ኢዩ፧
21 ብርግጽ: የሆዋ ሎሚ ኣብ ምድሪ ሓደ ዘደንቕ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ኢዩ ዘለዎ! ኵሎም እቶም ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ዝጥቀሙሉ ብየሆዋ እተማህሩ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም፣ እወ: ኣብ ሞንጎ እቶም “ናይ ምሁራት ልሳን” እተዋህቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ቤት ትምህርቲ ክትህሉስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! እንተዀነ ግና: ነዚ መሰል እዚ ክንቅበሎ ከሎና ዕላማኡ ክንስሕቶ የብልናን። የሆዋ ንየሱስ ዝማሃሮ ንኻልኦት ንኽምህር ኢዩ: ከምኡውን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝማሃሮም ብዝሰፍሐ ደረጃ ከም ናቱ ንኽገብሩ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ንሕናውን ኣብዚ ዓቢ ናይ የሆዋ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ምልምማድ እተዋህበና ንኻልኦት ንኽንምህር ኢዩ።—ዮሃንስ 6:45፣ 14:12፣ 2 ቈረንቶስ 5:20, 21፣ 6:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:2
22. (ሀ) ሙሴን ኤርምያስን እንታይ ጸገም ኢዩ ዝነበሮም: እንተዀነ ግን ብኸመይ ተፈትሐ፧ (ለ) ኣምላኽ ነቲ ናይ መንግስቲ ስብከት ተፈጺሙ ክርእዮ ምዃኑ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎና፧
22 ከምቲ ሙሴ ዝበሎ “ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን” ወይ ከምቲ ኤርምያስ ዝበሎ “እንሆ: ክዛረብ ኣይክእልን እየ” ትብል ዲኻ፧ ከምቲ ንዕኦም ዝሓገዞም የሆዋ ክሕግዘካ ኢዩ። ንሙሴ ‘ኣነ ምስ ኣፍካ ክኸውን ኢየ’ በሎ። ንኤርምያስ ድማ “ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍርሃዮም” በሎ። (ዘጸኣት 4:10-12፣ ኤርምያስ 1:6-8) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንደቀ መዛሙርቱ ስቕ ከብልዎም ምስ ፈተኑ: የሱስ “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ: እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም” በሎም። (ሉቃስ 19:40) እንተዀነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣእማን ክጭድሩ ኣየድለየን: ሎሚውን የሆዋ ነቲ መልእኽቲ ናይ መንግስቱ ንምብጻሕ ልሳን ናይቶም ምሁራቱ ይጥቀም ስለ ዘሎ ኣእማን ክጭድሩ ኣየድልን ኢዩ።
ክትምልስዶ ምኸኣልካ፧
◻ እንታይ ሓሳባዊ ዝዀነ ናይ ተማሃራይን መምህርን ርክብ ኢዩ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 50 ጐሊሑ ዘሎ፧
◻ የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ዘካይድ ዘሎ፧
◻ ኣብቲ ናይ የሆዋ ናይ ምምሃር ፕሮግራም ተራእዮም ዘለዉ ገለ ኣገባባት እንታይ ኢዮም፧
◻ ኣብቲ ናይ የሆዋ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ክትካፈል ዓቢ መሰል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ካብ ውሽጢ ዝወጸ ብናእሽቱ ዝወሃብ ሓሳባት: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዘተባብዕ ኢዩ