ብዛዕባ ቅንኢ እንታይ ክትፈልጥ ከም ዝግብኣካ
ቅንኢ እንታይ ኢዩ፧ ንሓደ ሰብ ጭንቀት: ሓዘን: ወይ ሓርቖት ከም ዝስምዖ ክገብር ዝኽእል: ዓሚቝ ስምዒት ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ስራሕ ካባና ዝያዳ ዕዉት ኰይኑ ኣብ ዝረኣየሉ ግዜ ቅንኢ ተሰሚዑና ይኸውን ኢዩ። ወይ ድማ ሓደ ዓርክና ካባና ንላዕሊ ምስጋና ክቕበል ከሎ ቅንኢ ተሰሚዑና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ምቕናእ ኵሉ ግዜ ጌጋ ድዩ፧
ብቕንኢ እተዓብለሉ ሰባት ነቶም ክእለት ዘለዎም ተወዳደርቶም ብኽፉእ ዓይኒ ናብ ምጥማት የዘንብሉ። ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ሳኦል ሓደ ኣብነት ናይዚ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ነቲ ጋሻ-ዛግሬኡ: ዳዊት: ፈተዎ: ሓለቓ ሰብ ውግእ ክኸውን እውን ክብ ኣበሎ። (1 ሳሙኤል 16:21፣ 18:5) ድሕርዚ ሓደ መዓልቲ ንጉስ ሳኦል ኣንስቲ ንዳዊት በተን “ሳኦል ሽሑ: ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ” ዝብላ ቃላት ገይረን ክውድስኦ ሰምዐ። (1 ሳሙኤል 18:7) ሳኦል እዚ ነቲ ምስ ዳዊት ዝነበሮ ጽቡቕ ርክብ ክትንክፎ ከፍቅደሉ ኣይነበሮን። ይኹን እምበር: ተቐየመ። “ሳኦል ከኣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ጠመቶ።”—1 ሳሙኤል 18:9
ቀናእ ሰብ ካልእ ጕድኣት ከጋጥሞ ኣይደልን ይኸውን። ንሱ ወይ ንሳ ነቲ ናይ ብጻዮም ዓወት ይጸልእዎ እሞ ተመሳሳሊ ባህርያት ወይ ኵነታት ክህልዎም ይህንጠዩ ይዀኑ። በቲ ኻልእ ወገን ድማ ምንቀኝነት ኣሉታዊ ዓይነት ቅንኢ ኢዩ። ሓደ ምንቀኛ ሰብ ካብቲ ቅንኢ ዘለዓዐለሉ ሰብ ጽቡቕ ነገር ብምስጢር ይሓብእ ወይ ድማ ነቲ ሰብ እቲ ጕድኣት ከጋጥሞ ይምነ። ሓድሓደ ግዜ: ምንቀኛ ሰብ ስምዒቱ ብምስጢር ክሓብእ ኣይክእልን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ክቐትሎ ዝፈተነ: ንኻልእ ሰብ ብግልጺ ንምጕዳእ ይደፋፋእ ይኸውን። ሳኦል ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: “ንዳዊት ምስቲ መንደቕ ኬላግቦ” ደልዩ ኲናት ወርዊርሉ ኢዩ።—1 ሳሙኤል 18:11፣ 19:10
‘ኣነ ግን ቀናእ ሰብ ኣይኰንኩን’ ትብል ትኸውን። ሓቂ ኢዩ: ቅንኢ ንህይወትካ ኣይቈጻጸሮን ይኸውን። ይኹን እምበር: ኵልና ብገለ ደረጃ ብቕንኢ ንትንከፍ ኢና—ብናትና ናይ ቅንኢ ስምዒት ከምኡውን ብናይ ካልኦት። ሽሕ’ኳ ንቕንኢ ኣብ ካልኦት ከነስተብህለሉ ቅልጡፋት እንተዀንና: ኣብ ገዛእ ርእስና ክንርእዮ ግን ንድንጒ ንኸውን።
“ናይ ቅንኢ ዝንባለ”
እቲ ጸብጻብ ናይ ሓጥእ ሰብኣዊ ተፈጥሮ: ከምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ተገሊጹ ዘሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ቅንኢ ሓጢኣት ዘጕልሕ ኢዩ። እቲ ናይ ቃየልን ኣቤልን ጻብጻብ ትዝክሮዶ፧ ክልቲኦም እዞም ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ መስዋእትታት ኣቕረቡ። ኣቤል ናይ እምነት ሰብ ስለ ዝነበረ ኢዩ ከምኡ ዝገበረ። (እብራውያን 11:4) ኣብቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝምልከት ዓቢ ዕላማኡ ንምፍጻም ዘለዎ ክእለት እምነት ነበሮ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 3:15፣ እብራውያን 11:1) ኣቤል: ኣምላኽ ንእሙናት ሰባት ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ህይወት ብምሃብ ዓስቢ ክህቦም ምዃኑ እውን ይኣምን ነይሩ ኢዩ። (እብራውያን 11:6) ስለዚ: ኣምላኽ በቲ ናይ ኣቤል መስዋእቲ ባህ ከም ዝበሎ ኣርኣየ። ቃየል ብሓቂ ንሓዉ የፍቅሮ እንተ ዝነብር: ኣምላኽ ንኣቤል ስለ ዝባረኾ ምተሓጐሰ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ: ቃየል “ኣዝዩ ዀረየ።”—ዘፍጥረት 4:5
ኣምላኽ ንሱውን በረኸት ምእንቲ ክቕበል ጽቡቕ ክገብር ንቃየል ኣተባቢዕዎ ኢዩ። ድሕርዚ ኣምላኽ “ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ: ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ አላ: ሃረርታኣውን ናበኻ እዩ: ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ” ብምባል ኣጠንቀቖ። (ዘፍጥረት 4:7) ዘሕዝን ግን: ቃየል ነቲ ቝጡዕ ቅንኡ ኣይተቘጻጸሮን። ነቲ ጻድቕ ሓዉ ክቐትል ደፋፍኦ። (1 ዮሃንስ 3:12) ካብ ሽዑ ኣትሒዙ: ባእስን ውግእን: ናይ ኣማእታት ሚልዮናት ህይወት ወሲዱ ኢዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኤንሳይክሎፐድያ “ገለ ካብቲ ናይ ውግእ መሰረታዊ ጠንቅታት ባህጊ ንዝያዳ መሬት: ባህጊ ንዝያዳ ሃብቲ: ባህጊ ንዝያዳ ሓይሊ: ወይ ባህጊ ንዝያዳ ድሕንነት ኢዩ” ብምባል ይገልጽ።
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብዚ ናይ ዓለም ውግኣት ኣይካፈሉን ኢዮም። (ዮሃንስ 17:16) ዘሕዝን ግን: ክርስትያን ውልቀ ሰባት: ሓድሓደ ግዜ ኣብ ናይ ቃላት ባእሲ ኣትዮም ኢዮም። ካልኦት ኣባላት ናይቲ ጉባኤ ወገን እንተድኣ ሒዞም ድማ: እዚ ባእስታት እዚ ናብ ጐዳኢ ናይ ቃላት ውግኣት ክቕየር ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ: ያእቆብ: ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ “እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ያእቆብ 4:1) ነቲ ኣፍቃሪ-ንዋይ ስሰዐኦም ብምቅላዕ ነቲ ሕቶ መለሾ: ወሲኹ ድማ “ትምነዩ” ወይ “ትቐንኡ” ይብል። (ያእቆብ 4:2፣ ትሓዓ እግረ-ጽሑፍ) እወ: ፍቕረ-ንዋይ በቶም ዝሓሸ ኵነታት ዘለዎም ዝመስሉ ናብ ምምናይን ምቕናእን ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ: ያእቆብ ኣንጻር ሰብኣዊ “ናይ ቅንኢ ዝንባለ” ዘጠንቀቐ።—ያእቆብ 4:5
ነቲ ናይ ቅንኢ ጠንቅታት ምምርማሩ እንታይ ጥቕሚ ኢዩ ዘለዎ፧ እዚ ቅኑዓት ንኽንከውንን ምስ ካልኦት ድማ ዝሓሸ ርክብ ከነዕብን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ዝያዳ እንርዳእ: ተጻወርቲ: ከምኡውን ይቕረ በሃልቲ ክንከውን እውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ካብ ኵሉ ዝበለጸ ድማ: ንሰብ ካብ ኣምላኽ ፍቕራዊ ናይ ድሕነት ምድላዋትን ካብ ሓጥእ ሰብኣዊ ዝንባለታት ምድሓንን የድልዮ ምዃኑ: ዘጕልሕ ኢዩ።—ሮሜ 7:24, 25
ሓጢኣተኛ ቅንኢ ዘይብላ ዓለም
ብናይ ሰብ ኣረኣእያ: ሓጢኣተኛ ቅንኢ ዘይብላ ዓለም ዘይትርከብ ትመስል ትኸውን። ደራሲ ራም ላንደው “እቲ ንብዙሕ ወለዶታት እተኣከበ ጥበብ ምስ ኵሎም እቶም ፍላስፋታት . . . ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ እቲ እተዛረቡ ስነ-ኣእምሮኛታት: ነቲ ብቕንኢ እተሳቐየ ሰብ መምርሒ ኣይሃቡን። . . . ቅንኢ ንዘለዎ ሰብ ኣሕውዩ ዝፈልጥ ሓኪም ኣሎዶ፧” ብምባል ተኣመነ።
ይኹን እምበር ቃል ኣምላኽ ኣብታ ዝዀነ ሰብ ፈጺሙ በቲ ዘይኣምላኻዊ ቅንኢ ወይ ምንቀኝነት እንደገና ዘይሳቐየላ ሓዳስ ዓለም ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ሓቂ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። ብተወሳኺ: እቲ ናይታ ሓዳስ ዓለም ሰላም በቶም ከምዚ ዝበለ እኩይ ጠባያት ዘርእዩ ሰባት ኣይክዝረግን ኢዩ።—ገላትያ 5:19-21፣ 2 ጴጥሮስ 3:13
እንተዀነ ግን: ኵሉ ቅንኢ ኣይኰነን ዘይግቡእ። አረ: መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ “ቐናእ ኣምላኽ” ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። (ዘጸኣት 34:14) እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ ግቡእ ቅንኢ እንታይ ይብል፧ ምስናይዚኸ: ሓደ ሰብ ንዘይግቡእ ቅንኢ ብኸመይ ክቈጻጸሮ ምኸኣለ፧ ነዘን ዝስዕባ ዓንቀጻት ርአ።