ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/9 ገጽ 14-19
  • ፍቕሪ ነቲ ዘይግቡእ ቅንኢ ትስዕሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍቕሪ ነቲ ዘይግቡእ ቅንኢ ትስዕሮ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅንኢ ኣብ መንጎ ክርስትያናት
  • ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ
  • ኣብ ስድራቤትካ
  • ንቕንኢ ናይ ምቍጽጻር ኣብነታት
  • ኣዝዩ ሓለፍ ዝበለ ኣብነታት
  • ንቕንእኻ ምቍጽጻር
  • ብዛዕባ ቅንኢ እንታይ ክትፈልጥ ከም ዝግብኣካ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ዝቐንእ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ክርስትያናት ቀናኣት ክዀኑ ኣለዎም ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ዮሴፍ ግዳይ ቅንኢ ዀነ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/9 ገጽ 14-19

ፍቕሪ ነቲ ዘይግቡእ ቅንኢ ትስዕሮ

“ፍቕሪ ኣይትቐንእን።”​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠4

1, 2 (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ኢዩ ዝበሎም፧ (ለ) ክልቲኡ ማለት ፈቃርን ቀናእን ምዃን ዝክኣል ድዩ: ስለምንታይከ ከምኡ ኢልካ ትምልስ፧

ፍቕሪ ናይ ሓቀኛ ክርስትና መለለዪት ምልክት ኢያ። የሱስ ክርስቶስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ሃዋርያ ጳውሎስ ፍቕሪ ንክርስትያናዊ ርክባት ብኸመይ ክትትንክፎ ከም ዘለዋ ንኽገልጽ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ። ካብቲ ዝበሎ ካልእ ነገራት “ፍቕሪ ኣይትቐንእን” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠4

2 ጳውሎስ ነተን ቃላት እቲአን ክጽሕፍ ከሎ: ነቲ ዘይግቡእ ቅንኢ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። እንተ ዘይከውን ነታ ጉባኤ እቲኣ “ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ” ኢሉ ኣይምተዛረባን ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠2) ብምኽንያት እቶም ኣብታ ጉባኤ መበላሸዊ ጽልዋ ዝነበሩ ሰባት ኢዩ ‘ኣምላኻዊ ቅንኡ’ እተለዓዓለ። እዚ: ንጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዙሕ ፍቕራዊ ምኽሪ ዝሓዘት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ ካልኣይቲ መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ደፋፍኦ።​—⁠2 ቈረንቶስ 11:​3-5

ቅንኢ ኣብ መንጎ ክርስትያናት

3. ንቕንኢ ዝምልከት ጸገም ኣብ መንጎ ጉባኤ ቈረንቶስ ተላዒሉ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧

3 ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቱ: ጳውሎስ ነዞም ሓደስቲ ክርስትያናት ንሓደ ኣብ ንሓድሕዶም ከይሰማምዑ ዝኽልክል ዝነበረ ጸገም ክቈጻጸሮ ነበሮ። ‘ንጥቕሚ እቲ ሓደ: ንጕድኣት እቲ ኻልእ ኢሎም ብንምፋሕ’ ንእተወሰኑ ሰባት ክብ ኣቢሎም ይርእይዎም ነበሩ። እዚ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ” “ኣነ ናይ ኬፋ” ብምባል ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ናብ ምፍልላይ ኣምርሐ። (1 ቈረንቶስ 1:12፣ 4:⁠6) ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ነቲ ሱር ናይቲ ጸገም ተረዲእዎ ነይሩ ኢዩ። ሰብ ቈረንቶስ ከም “መንፈሳውያን” ዘይኰነስ ከም ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኢዮም ዝመላለሱ ነይሮም። ስለዚ: ጳውሎስ “ቅንእን ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ: ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየሎኹምን፧” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ቈረንቶስ 3:​1-3

4. ጳውሎስ እቶም ኣሕዋቱ ንሓድሕዶም ብዝምልከት ኣብ ቅኑዕ ኣረኣእያ ምእንቲ ክበጽሑ ንምሕጋዞም እንታይ ምሳሌ ኢዩ እተጠቕመ: ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

4 ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ ተውህቦን ክእለትን ናይቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ እተፈላለዩ ሰባት: ነቲ ቅኑዕ ኣረኣእያ ክግንዘብዎ ሓጊዝዎም ኢዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ሓተቶም:- “ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና: ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧” (1 ቈረንቶስ 4:⁠7) ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 12: እቶም ናይታ ጉባኤ ኣባላት: ከም ኢድ: ዓይኒ: ከምኡውን እዝኒ: እተፈላለዩ ክፍልታት ኣካል ሰብ ምዃኖም ገለጸ። ኣምላኽ ነዞም እተፈላለዩ ክፍልታት ኣካል ሰብ ዝፈጠሮም ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ኣብ ንሓድሕዶም ምእንቲ ክተሓላለዩ ምዃኑ ሓበረ። ጳውሎስ “ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ: ኵሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ” ኢሉ እውን ጸሓፈ። (1, ቈረንቶስ 12:26) ሎሚ ዘለዉ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ርክብ ነዚ መምርሒ እዚ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣለዎም። በቲ ካልእ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘለዎ መዝነት ወይ ዝፍጽሞ ዕዮ ኣብ ክንዲ እንቐንእ: በቲ ሰብ እቲ ክንሕጐስ ኣሎና።

5. ኣብ ያእቆብ 4:​5 እንታይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: ቅዱሳት ጽሑፋትከ ንሓቅነት ናይዚ ቃላት እዚ ብኸመይ ኢዮም ዘጕልሕዎ፧

5 ብርግጽ: እዚ ካብ ክትገብሮ ክትዛረበሉ ይቐልል። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ያእቆብ “ናይ ቅንኢ ዝንባለ” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣተኛ ሰብ ከም ዘሎ የዘኻኽረና። (ያእቆብ 4:⁠5 ትሓዓ ) እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ሞት ዝመጸ ቃየል ምስቲ ዘይግቡእ ቅንኡ ስለ እተሰማምዐ ኢዩ። ፍልስጤማውያን ንይስሃቅ ዘሳደድዎ በቲ ዝውስኽ ዝነበረ ሃብቱ ስለ ዝቐንኡ ኢዩ። ራሄል ሓፍታ ወላድ ብምንባራ ቀኒኣ ነይራ ኢያ። ደቂ ያእቆብ በቲ ንእሽቶ ሓዎም: ዮሴፍ ዝረኸቦ ስምረት ቀኒኦም ነይሮም ኢዮም። ሚርያም በታ እስራኤላዊት ዘይነበረት ሰበይቲ ሓዋ ብርግጽ ቀኒኣ ነይራ ኢያ። ቆራሕ: ዳታን: ከምኡውን ኣቢራም ብቕንኢ ተላዒሎም ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ውዲት ኣለሙ። ንጉስ ሳኦል በቲ ናይ ዳዊት ወተሃደራዊ ዓወት ቀንአ። ነቲ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መን ከም ዝዓቢ ንምፍላጥ ዝነበረ ተደጋጋሚ ክርክራት ዘስዓበ ረቛሒ ቅንኢ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ሓቂ እምበኣር እዚ ኢዩ: ካብዚ ሓጢኣተኛ “ናይ ቅንኢ ዝንባለ” ጨሪሱ ናጻ ዝዀነ ዘይፍጹም ሰብ የሎን።​—⁠ዘፍጥረት 4:​4-8፣ 26:14፣ 30:1፣ 37:11፣ ዘሁልቍ 12:​1, 2፣ 16:​1-3፣ መዝሙር 106:16፣ 1 ሳሙኤል 18:​7-9፣ ማቴዎስ 20:​21, 24፣ ማርቆስ 9:​33, 34፣ ሉቃስ 22:⁠24

ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ

6. ሽማግለታት ነቲ ናይ ዘይግቡእ ቅንኢ ዝንባለ ብኸመይ ኢዮም ክቈጻጸርዎ ዝኽእሉ፧

6 ኵሎም ክርስትያናት ካብ ምንቀኝነትን ዘይግቡእ ቅንእን ክሕለዉ የድልዮም ኢዩ። እዚ ነቶም ንጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ክጓስዩ እተመዘዙ ኣካል ሽማግለታት ዘጠቓልል ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ናይ ኣእምሮ ትሕትና እንተድኣ ኣለዎ: ካብ ካልኦት ክበልጽ ኢሉ ብህጥዮት ኣይክፍትንን ኢዩ። በቲ ኻልእ ወገን ድማ: ሓደ ሽማግለ ከም ኣመሓዳሪ ወይ ከም ህዝባዊ ተዛራቢ መጠን ብሉጽ ክእለታት እንተድኣ ኣለዎ: እቶም ካልኦት ነታ ጉባኤ በረኸት ምዃኑ ብምውሳድ በዚ ክሕጐሱ ኢዮም። (ሮሜ 12:​15, 16) ሓደ ሓው ናይ ኣምላኽ ፍረ መንፈስ ኣብ ናብራኡ ፍረ ይፈሪ ከም ዘሎ መርትዖ ብምሃብ: ጽቡቕ ምዕብልና የርኢ ይህሉ። ሽማግለታት ነቲ ብቕዓታቱ ክርእዩ ከለዉ: ከም ድያቆን ወይ ሽማግለ ምእንቲ ከይምዘዝ ንምምኽናይ ኢሎም ንገለገለ ደቀቕቲ ጕድለታት ኣጕሊሖም ከይርእዩ ጥንቁቓት ክዀኑ ኣለዎም። ከምዚ ምግባር ፍቕርን ምኽንያታዊ ምዃንን ከም ዘየሎ ዘርኢ ኢዩ።

7. ሓደ ክርስትያን ገለ ቲኦክራቲካዊ መዝነት ክቕበል ከሎ እንታይ ጸገም ኢዩ ክለዓል ዝኽእል፧

7 ሓደ ሰብ ቲኦክራቲካዊ መዝነት ወይ መንፈሳዊ በረኸት እንተድኣ ተቐቢሉ: ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካብ ምንቀኝነት ክሕለዉ ኣለዎም። ንኣብነት: ሓንቲ ክኢላ ሓፍቲ ካብ ካልኦት ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተዋስኦታት ትህብ ትኸውን። እዚ ብወገን ገለ ገለ ኣሓት ቅንኢ ከም ዝለዓል ገይሩ ይኸውን ኢዩ። ኣብ መንጎ እተን ኣብ ጉባኤ ፊልጲ ዝነበራ ኤዎድያን ስንጥኬን እውን ተመሳሳሊ ጸገም ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚኣተን ዝበላ ሎሚ ዘለዋ ኣንስቲ ትሑታትን “ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ” ክኸውንን ካብ ሽማ⁠ግለታት ሕውነታዊ ምት​ብባዕ ከድልየን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 2:​2, 3፣ 4:​2, 3

8. ቅንኢ ናብ ከመይ ዝበለ ሓጥእ ተግባራት ኢዩ ክመርሕ ዝኽእል፧

8 ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ኣብታ ጉባኤ መሰላት ብምርካቡ ሕጂ ተባሪኹ ዘሎ ሰብ ዝነበሮ ናይ ቅድም ጕድለታት ይፈልጥ ይኸውን። (ያእቆብ 3:⁠2) ካብ ቅንኢ እተላዕለ: ንኻልኦት ብዛዕባ እዚ ክዛረቦምን ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎ መዝነት ድማ ክቃወሞን ይፍተን ይኸውን። እዚ ኣንጻር እታ ‘ብዝሒ ሓጢኣት እትኸድን’ ፍቕሪ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 4:⁠8) ቀናእ ዘረባ ንሰላም ናይታ ጉባኤ ክዝርግ ይኽእል ኢዩ። ወደ መዝሙር ያእቆብ “መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና: ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሓስዉን። . . . እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር: ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን” ብምባል ኣጠንቀቐ።​—⁠ያእቆብ 3:⁠14, 15

ኣብ ስድራቤትካ

9. ናይ መርዓ ብጾት ናይ ቅንኢ ስምዒታት ክቈጻጸርዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

9 ብምኽንያት ዘይግቡእ ቅንኢ ብዙሕ መርዓታት ኢዩ ዝፈርስ። ኣብ ናይ መርዓ ብጻይካ ጕድለት እምነት ምርኣይ ፍቕራዊ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 13:⁠7) በቲ ኻልእ ወገን ድማ: ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ነቲ ብወገን ብጻዩ ዝርአ ናይ ቅንኢ ስምዒታት ዘይስምዖ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: በዓልቲ ቤት በቲ በዓል ቤታ ንኻልእ ኣንጻር ጾታ ዝህቦ ቈላሕታ ትቐንእ ትኸውን። ወይ ድማ በዓል ቤት በቲ በዓልቲ ቤቱ ንስኡናት ኣዝማድ ንምሕላይ እተሕልፎ ግዜ ይቐንእ ይኸውን። ኸምዚ ዝበለ ስምዒታት ስለ ዘሕፍሮም: ናይ መርዓ ብጾት ስቕ ክብሉን ጭንቀቶም ከኣ ነቲ ጸገም ብዝሓላልኽ መገድታት የርእይዎ ይዀኑ። ናይ መርዓ ብጾት ከምዚ ኣብ ክንዲ ዝገብሩ: ክዘራረቡን ንስምዒቱ ወይ ስምዒታ ብዝምልከት ቅኑዓት ክዀኑ ኢዩ ዘድልዮም። እቲ ካልእ ብጻይ ድማ ብግዲኡ: ምስትውዓል ከርእን ናይ ፍቕሩ መረጋገጺ ክህብን የድልዮ። (ኤፌሶን 5:​28, 29) ክልቲኦም ነቲ ከለዓዕሎ ዝኽእል ኵነታት ብምእላይ ናይ ቅንኢ ስምዒት ከቃልሉ የድልዮም ይኸውን። ሓደ ክርስትያን ተዓዛቢ ነቲ ከም ጓሳ ናይ መጓሰ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ሓላፍነት ምእንቲ ክመልኦ: ነተን ኣንጻር ጾታ ዝዀና ኣባላት ናይታ ጉባኤ ድሩትን ግቡእን ቈላሕታ ከም ዝህበን በዓልቲ ቤቱ ምእንቲ ክትርድኦ ምሕጋዛ የድልዮ ይኸውን። (ኢሳይያስ 32:⁠2) ርግጽ ኢዩ: ሓደ ሽማግለ ከቕንእ ዝኽእል ዝዀነ ብቑዕ ምኽንያት ፈጺሙ ከይህብ ክጥንቀቕ ኣለዎ። እዚ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ መርዓ ዝምድና ንምሕያል ግዜ ከም ዘሕልፍ ብምርግጋጽ: ሚዛናዊ ምዃን ኢዩ ዝሓትት።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:5፣ 5:​1, 2

10. ወለዲ ደቆም ናይ ቅንኢ ስምዒታት ምእንቲ ኸሰንፉ ብኸመይ ክሕግዝዎም ምኸኣሉ፧

10 ወለዲ እውን ነቲ ናይ ዘይግቡእ ቅንኢ ኣምር ምእንቲ ክርድእዎ ንደቆም ክሕግዝዎም ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ቈልዑ ኣብቲ ናብ ባእሲ ዝቕየር ቈየቛ ይኣትዉ ኢዮም። ብተደገጋሚ እቲ ሱር ጠንቂ ቅንኢ ኢዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ድልየት ፍሉይ ስለ ዝዀነ: ቈልዑ ሓደ ገይርካ ክረኣዩ ኣይክእሉን ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ቈልዑ ነፍሲ ወከፎም እተፈላለየ ሓይልን ድኻማትን ከም ዘለዎም ምርዳእ የድልዮም። ሓደ ቈልዓ ከምቲ ካልእ ቈልዓ ዝገብሮ ክገብር እንተድኣ ተተባቢዑ: እዚ ኣብቲ ሓደ ቅንኢ ኣብቲ ሓደ ድማ ኵርዓት ከዕቢ ይኽእል። ስለዚ: ወለዲ ንደቆም ምስ ካልእ ብምውድዳር ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ኣብነታት ኣብ ግምት ብምእታው: ንዕብየቶም ክመዝኑ ከለማምድዎም ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ: ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ” ይብል። ኣብ ክንድኡ “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።” (ገላትያ 5:26፣ 6:⁠4) ዝያዳ ዘገድስ ድማ: ክርስትያን ወለዲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጽቡቕን ሕማቕን ኣብነታት ብምጕላሕ: ንደቆም ብስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ክሕግዝዎም የድልዮም ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠15

ንቕንኢ ናይ ምቍጽጻር ኣብነታት

11. ንቕንኢ ብምቍጽጻር ዝመጸ ሙሴ ሰናይ ኣርኣያ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ከምቶም ጽምኢ ስልጣን ዘለዎም ናይዛ ዓለም መራሕቲ ዘይኰነስ: “ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።” (ዘሁልቍ 12:⁠3) ሙሴ በይኑ ንእስራኤላውያን ምምራሕ ምስ ከበዶ: የሆዋ ንሙሴ ክሕግዝዎ ሓላፍነት ብምሃብ: ኣብ ልዕሊ ካልኦት 70 እስራኤላውያን መንፈሱ ከም ዝዓዪ ገበረ። ካብዚኣቶም ክልተ ከም ነብያት ኰይኖም ክዓዩ ምስ ጀመሩ: እያሱ እዚ ካብ መሪሕነት ሙሴ ብዘይግቡእ ምጕዳል ኰይኑ ተሰምዖ። እያሱ ነቶም ሰባት ክኽልክሎም ደለየ: ሙሴ ግና ብትሕትና “ንስኻዶ ስለይ ቀኒእካ ኢኻ፧ እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር: ኵሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከኣ ነብያት እንተ ዚዀኑ መን ምሀበ:” ብምባል ገለጸሉ። (ዘሁልቍ 11:29) እወ: ሙሴ ካልኦት ናይ ኣገልግሎት መሰላት ምስ ተቐበሉ ሕጉስ ኢዩ ነይሩ። ብቕንኢ ተላዒሉ ንገዛእ ርእሱ ክብሪ ኣይደለየን።

12. ዮናታን ናይ ቅንኢ ስምዒታት ከወግድ ዘኽኣሎ እንታይ ኢዩ፧

12 ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ከጋጥም ዝኽእል ዘይግቡእ ስምዒት ናይ ቅንኢ ከም እትዕወት ዘርኢ ጽቡቕ ኣብነት ዝህበና ድማ ዮናታን ወዲ እስራኤላዊ ንጉስ ሳኦል ኢዩ። ዮናታን ኣብቲ ናይ ኣቦኡ ዝፋን መስመር ውርሻ ዝስዕብ ኢዩ ነይሩ: ይኹን እምበር የሆዋ ንዳዊት ወዲ እሴይ እቲ ዝስዕብ ንጉስ ክኸውን መረጾ። ብዙሓት ኣብ ከም ናይ ዮናታን ኵነታት ዝርከቡ: ንዳዊት ከም ተወዳዳሪ ብምርኣይ ብእኡ ምቐንኡ ነይሮም። ይኹን እምበር: ዮናታን ኣብ ዳዊት ዝነበሮ ፍቕሪ ከምዚ ዝበለ ስምዒት ፈጺሙ ከይዕብልሎ ተኸላኸለሉ። ዳዊት ሞት ዮናታን ምስ ሰምዐ “ዎ ዮናታን ሓወይ: ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ: ብኣኻ እጭንነቕ አሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ: ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ” ክብል ከኣለ።​—⁠2 ሳሙኤል 1:⁠26

ኣዝዩ ሓለፍ ዝበለ ኣብነታት

13. ብቕንኢ ዝመጸ እቲ ዝበለጸ ኣብነት መን ኢዩ: ስለምንታይከ፧

13 የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ግቡእ ቅንኢ እውን ከይተረፈ ብምቍጽጻር ዝመጸ እቲ ኣዝዩ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልከት ይዕቅቦ። ዝዀነ ይኹን ናይ መሎኮታዊ ቅንኢ ብርቱዕ መግለጺ ኵሉ ግዜ ምስ ናይ ኣምላኽ ፍቕርን ፍትሕን ጥበብን ዝሰማማዕ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 42:​13, 14

14. ምስ ሰይጣን ብምንጽጻር የሱስ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኢዩ ዝሓደገ፧

14 ኣብ ልዕሊ ቅንኢ ምልኪ ብምርኣይ ዝመጸ እቲ ካልኣይ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት: ፍቑር ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። የሱስ “ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ: ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን።” (ፊልጲ 2:⁠6) ምስቲ ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ ህሩፍ መልኣኽ ዝወሰዶ ስጕምቲ ብምንጽጻር ክርአ ኸሎስ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን ኢዩ! ሰይጣን ከም ተወዳዳሪ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ኣንጻር የሆዋ ብምምዕርራይ ከም “ንጉስ ባቢሎን” ብቕንኢ “ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል” በሃገ። (ኢሳይያስ 14:​4, 14፣ 2 ቈረንቶስ 4:⁠4) ሰይጣን የሱስ ‘ፍግም ኢሉ ከም ዝሰግደሉ’ ንኽገብር እውን ፈቲኑ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:⁠9) ይኹን እምበር ንየሱስ ካብቲ ንሉዓላውነት የሆዋ ብትሕትና ናይ ምግዛእ ስጕምቱ ዝዀነ ነገር ክነንዎ ኣይከኣለን። ምስ ሰይጣን ብምንጽጻር: የሱስ “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ።” የሱስ ነቲ ናይ ትዕቢትን ቅንእን ስጕምቲ ሰይጣን ጨሪሱ ብምንጻግ: ንቕንዕና ግዝኣት ኣቦኡ ደገፈ። ንተኣማንነት የሱስ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ: ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ: ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።”​—⁠ፊልጲ 2:​7-11

ንቕንእኻ ምቍጽጻር

15. ናይ ቅንኢ ስምዒታት ንምዕጋት ጥንቁቓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ክርስትያናት ከም ኣምላኽን ክርስቶስን ፍጹማት ኣይኰኑን። ሓጢኣተኛታት ብምዃኖም ሓድሓደ ግዜ ብሓጢኣተኛ ቅንኢ ይደፋፍኡ ይዀኑ። ቕንኢ: ንኣማኒ ብጻይና ብደቂቕ ጕድለት ወይ ግምታዊ በደል ንምንቃፍ ክደፋፍኣና ኣብ ክንዲ እንፍቅደሉ እምበኣር: በዘን መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት ከነስተንትን ኣገዳሲ ኢዩ:- “እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን: ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር: ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፧”​—⁠መክብብ 7:⁠16

16. ኣብ ናይ ቅድም ሕታም ናይዚ መጽሔት እዚ ብዛዕባ ቅንኢ እንታይ ጽቡቕ ምኽሪ ኢዩ ተዋሂቡ ዝነበረ፧

16 ንቕንኢ ብዝምልከት ሓሳብ: ናይ 15 መጋቢት 1911 ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐት:- “ብዕላማ ጐይታ ዝመጸ ኣዚና ቀናኣት ክንከውን እኳ እንተሎና: ብሕታዊ ጕዳይ ከም ዘይኰነ ግን ኣዚና ርግጸኛታት ንኹን፣ ከምኡውን ‘ወጣማት’ ምዃንናን ዘይምዃንናን ክንሓስበሉ ኣሎና። ድሕርዚ እውን እንተዀነ: ሽማግለታት ክዓይሉ ግቡእ እንተ ዀይኑ ከምኡውን ናብ ሽማግለታት ምኻድ ስራሕና ምዃኑን ዘይምዃኑን ክንሓስበሉ ኣሎና። ኵልና ነቲ ናይ ጐይታ ዕላማን ዕዮን ብርቱዕ ቅንኢ ክህልወና ኣለዎ: ይኹን እምበር መሪር ዝዓይነቱ ከይከውን ኣዚና ንጠንቀቕ . . . ብኻልእ ኣበሃህላ: ንኻልእ ሰብ ንረብሕኡን ዝበለጸ ድሕንነቱን ክንቀንእ እምበር: ብኻልእ ሰብ ከይንቐንእ ኣዚና ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና።”​—⁠1 ጴጥሮስ 4:15

17. ናይ ቅንኢ ሓጢኣተኛ ተግባራት ብኸመይ ከነወግድ ንኽእል፧

17 ንሕና ከም ክርስትያናት መጠን ብኸመይ ኢና ትዕቢት: ቅንኢ: ከምኡውን ምንቀኝነት ከነወግድ እንኽእል፧ እቲ ፍታሕ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናብራና ናጻ ኰይኑ ክዓዪ ኣብ ምፍቃድ ኢዩ ዝርከብ። ንኣብነት: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ክንረክብን ጽቡቕ ፍሪኡ ከነርኢ ምእንቲ ክሕግዘናን ክንጽሊ የድልየና ኢዩ። (ሉቃስ 11:13) ነቶም ብጸሎት ዝኽፈቱ ከምኡውን ናይ ኣምላኽ መንፈስን በረኸትን ዘለዎም ክርስትያን ኣኼባታት ክንካፈል የድልየና ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ: መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ድማ የድልየና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ከምኡውን ኣብቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ የሆዋ ዝግበር ናይታ መንግስቲ ዕዮ ስብከት ክንሳተፍ የድልየና። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) ብገለ ሕማቕ ተመኵሮታት ንእተደቝሱ ክርትያናት ብጾት ምሕጋዝ: ሓደ ካብቲ ንጽቡቕ ጽልዋ መንፈስ ኣምላኽ እንሰማምዓሉ መገዲ ኢዩ። (ኢሳይያስ 57:15፣ 1 ዮሃንስ 3:​15-17) ነዚ ዅሉ ክርስትያናዊ ግዴታታት ብቕዱስ ቅንኢ ምፍጻም ካብቲ ናይ ቅንኢ ሓጥእ ተግባራት ንምክልኻል ክሕግዘና ኢዩ: ከመይሲ ቃል ኣምላኽ “ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም” ብምባል ኢዩ ዝገልጽ።​—⁠ገላትያ 5:⁠16

18. ኵሉ ግዜ ምስ ዘይግቡእ ናይ ቅንኢ ስምዒታት ክንቃለስ ዘየድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧

18 ፍቕሪ ካብተን ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ መጀመርታ ኢያ ተሰሪዓ ዘላ። (ገላትያ 5:​22, 23) ፍቕሪ ምርኣይ ሕጂ ሓጥእ ዝንባለታት ንምቍጽጻር ክሕግዘና ኢዩ። ብዛዕባ መጻኢኸ፧ ሚልዮናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ንምብጻሕ ብተስፋ ዝጽበይሉ: ኣብታ እትመጽእ ዘላ ምድራዊት ገነት ናይ ህይወት ተስፋ ኣለዎም። ኣብታ ሓዳስ ዓለም እቲኣ: ፍቕሪ ክሰፍን ኢዩ: ነቲ ዘይግቡእ ናይ ቅንኢ ስምዒት ዝምብርከኽ ሰብ ድማ የለን: ከመይሲ “እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።”​—⁠ሮሜ 8:⁠21

ንምስትንታን ዝዀኑ ነጥብታት

◻ ጳውሎስ ቅንኢ ንምክልኻል ዝሕግዝ እንታይ ምሳሌ ኢዩ እተጠቕመ፧

◻ ቅንኢ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንሰላም ናይታ ጉባኤ ክዝርግ ዝኽእል፧

◻ ወለዲ ደቆም ንቅንኢ ምእንቲ ከሰንፉ ብኸመይ ከለማምድዎም ምኸኣሉ፧

◻ ናይ ቅንኢ ሓጥእ ተግባራት ከነወግድ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ቅንኢ ንሰላም ናይታ ጉባኤ ክዝርግ ኣይተፍቅድ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ንደቆም ናይ ቅንኢ ስምዒታት ንኸሰንፉ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ