ቅንኢ ንህይወተይ ዳርጋ ኣዕንዩዋ ነይሩ
ነቲ ካልኣይ ሰብኣየይ: ማርክ: ምስ ተመርዓኹ: ቅንኢ ናይ ሓቂ ኣዝዩ ክትንክፈኒ ጀመረ።a ክልቴና ብሓባር ነቶም በብወገንና ዝወለድናዮም ቈልዑ ክንሓሊ ምስቶም ናይ ቅድም ናይ መርዓ ብጾትና ኸኣ ዘራኽብ ጉዳይ ነበረና። ሓድሓደ ግዜ እቲ ኵነታት ክትጸሮ ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ። ናይ ስድራቤት ምጕንፋጥ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን: ማርክ ዘይድግፈኒ ይመስል ነበረ። ጌና ነታ ናይ ቅድም ሰበይቱ የፍቅራ ከም ዝዀነ ኰይኑ ክስምዓኒ ጀመረ። ንቕንአይ ኣብ ክንዲ ዝቈጻጸሮ: ንህይወተይ ክቈጻጽራ ኣፍቀድክሉ። ናይ ቅድም ሰበይቲ ማርክ ኣብ ዘላትሉ ፍርሂ ይስማዓኒ ነበረ።
ንማርክ ብቐጻሊ እዕዘቦ: ኣዒንቱ ናበይ ይጥምታ ከም ዘለዋ እውን ከይተረፈ እዕዘቦ ነበርኩ። ነቲ ኣጠማምታኡ ንእኡ ኣብ ኣእምሮኡ ዘየሎ ትርጕም እህቦ ነበርኩ። ሓድሓደ ግዜ ነታ ናይ ቅድም ሰበይቱ ጌና የፍቅራ ምዃኑ ብግልጺ እወቕሶ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ በዚ ኣዝዩ ስለ እተጨነቐ ክርስትያናዊ ኣሰምብሊ ሓዲጉ ተንሲኡ ኸደ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ገበን ተሰማዓኒ። ኣብ መወዳእታ እቶም ቈልዑ እውን ስለ እተተንከፉ: ንናብራ ስድራቤተይ ቅዙን ገበርክዎ። በቲ ዝገብሮ ዝንበርኩ ንገዛእ ርእሰይ ጸላእክዋ: ይኹን እምበር ዝፈተንኩ እንተ ፈተንኩ: ንቕንአይ ክቈጻጸሮ ኣይከኣልኩን።
ኣብ ክንዲ ዝሕግዘኒ: ማርክ ድማ ሕነ ክፈዲ ጀመረ። ክወቕሶ ከሎኹ: “ቀናእ: ንስኺ ቀናእ ኢኺ” ብምባል ይጭድረለይ ነበረ። ከቕንኣኒ እውን ኰነ ኢሉ ይፍትን ነበረ። እዚ ነቲ ቕንአይ ክፍውሶ ኢዩ ኢሉ ይሓስብ ነይሩ ይኸውን: ግናኸ እዚ ነቲ ኵነታት ኣግደዶ። ክሳዕ ክንደይ ምልኩዓት ምዃነን ርእይቶ ብምሃብ: ንኻልኦት ኣንስቲ ምጥማት ጀመረ። እዚ ዝያዳ ትሕትን ዘይድለን ምዃነይ ከም ዝስማዓኒ ገበረኒ። እዚ ካልእ ስምዒት—ጽልኢ—ክሳዕ ዝስማዓኒ ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጃኡ በጽሐ። ኣብቲ ደረጃ እቲ ካብኡን ካብ ስድራቤቱን ክፍለ ክሳዕ ዝደሊ ድንግርግር በለኒ።
መጽሓፍ ቅዱስ “ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ” ክብል ልክዕ ከምኡ ኢዩ። (ምሳሌ 14:30) ሕጂ ጥዕናይ ክትንከፍ ጀመረ። ክሓዊ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ናይ ጨጐራ ቝስሊ ኣጥሬኹ። ንነፍሲ ወከፍ ማርክ ዝገበሮ ነገር ብዓይኒ ጥርጠራ እናረኤኹ ንህይወተይ ዘሕዝን ምግባር ቀጸልኩ። ንጁባታቱ እፍትሽ: ናይ ቴለፎን ቝጽርታት እንተድኣ ረኺበ: መን ከም ዝምልሽ ምእንቲ ክፈልጥ እድውል ነበርኩ። ብውሽጠይ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ እሓፍር: በቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝገበርክዎ ነውሪ ኸኣ እበኪ ነበርኩ። እንተዀነ ግን ገዛእ ርእሰይ ደው ከብል ኣይከኣልኩን። ነታ ነብሰይ ዝኸፍአት ጸላኢት ኰንኩ።
ፈጺመ ክጽሊ ምኽኣል ክሳዕ ዝስእን መንፈሳውነተይ ተሳቐየ። ንየሆዋ ኤፍቅሮ ብሓቂ ድማ እቲ ቅኑዕ ዘበለ ክገብር ደለኹ። ንዅሎም እቶም ንሰብኣይን ሰበይትን ዝምልከቱ ቅዱሳት ጽሑፋት እፈልጦም ኢየ: ይኹን እምበር ኣብ ግብሪ ከውዕሎም ኣይከኣልኩን። ሽሕ’ኳ ዘደንቑ ውሉዳት እንተ ነበሩኒ: ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ምንባር ጸላእኩ።
እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሽማግለታት ንኣይ ዓቢ ምጽንናዕ ኢዮም ነይሮም: ንኽሕግዙኒ ድማ ዝከኣሎም ፈቲኖም ኢዮም። ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ ቅንአይ ምስ ኣልዓሉ: ካብ ሕፍረት እተላዕለ: ከምዚ ዝበለ ጸገም ከም ዘሎኒ ክእመን ኣይደሌኹን።
ኣብ መወዳእታ: ጥዕናይ እናጐደለ ብምኻዱ መጥባሕቲ ክገብር ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ነበረኒ። ኣብኡ ከሎኹ ህይወት ከምቲ ቀደም ዝነበሮ ከም ዘይቅጽል ተረዳእኩ። ኣነን ማርክን ስምዒትና ከይተተንከፈ ኵነታትና ምእንቲ ክንምርምር ንሰለስተ ኣዋርሕ ክንፋላለ ወሰንና። ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ዘደንቕ ነገር ተፈጸመ። ኣብ ንቕሑ! መጽሔት “ወልፊ ኣልኮል ንዘለዎም እኹላት ቈልዑ ዝኸውን ሓገዝ” ዘርእስቱ ሓደ ዓንቀጽ ወጸ።b
ርኢኻ: ኣደይ ወልፊ ኣልኮል ነይሩዋ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ኣካላዊ ማህሰይቲ እንተ ዘይበጽሓኒ: ወለደይ ኣብ ንሓድሕዶም ወይ ንዓይ ብኣካል ዝግለጽ ምፍታው ኣርእዮምኒ ኣይፈልጡን ኢዮም። ኣደይ በእዳዋ ዝሓቘፈትኒ ወይ ከም እተፍቅረኒ ዝነገረትኒ መዓልቲ ክዝክሮ ኣይክእልን ኢየ። ስለዚ ብርግጽ ናይ ሓቂ ከመይ ገይርካ ከም እተፍቅርን: ወይ ድማ ብኸመይ ከም ዝፍቀርን ከይፈለጥኩ ኢየ ዓብየ።
ኣደይ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ኣቦይ ዝነበሮ ውሽምነትን ንሳ ድማ ክትኣምኖ ከም ዘይከኣለትን ትነግረኒ ነበረት። ስለዚ ከም ዝመስለኒ ንሰብኡት ብሓፈሻ ከይኣመንኩ ኢየ ዓብየ። ብምኽንያት ኣተዓባብያይ: ኵሉ ግዜ ካብ ካልኦት ብፍላይ ድማ ካብ ካልኦት ኣንስቲ ዝተሓትኩ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ነታ ናይ ንቕሑ! ዓንቀጽ ምንባበይ ትርጕም ናይዞም ነገራት እዚኣቶም ንኽርዳእ ሓገዘኒ። ንመጀመርታ ግዜ: ነቲ ናይ ቅንኢ ጸገመይ: ሱር ጠንቁ ተረዳእኩ።
ንሰብኣየይ: ማርክ: እታ ናይ ንቕሑ! ዓንቀጽ ኣርኣኹዎ: ብዝበለጸ ንኽርድኣኒ ኸኣ ሓገዘቶ። ሽዑ ንሽዑ ኣነን ንሱን ነቲ ክፈላለዩ ንዝሓስቡ ምርዑዋት ዝምልከት ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክንስዕቦ ከኣልና። ተዓረቕና ድማ። (1 ቈረንቶስ 7:10, 11) ሓዳርና ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ዝበለጸ ኰይኑ ኣሎ። መብዛሕትኦም ነገራት: ብፍላይ ንክርስትያናዊ ንጥፈታት ዝምልከት: ብሓባር ኴንና ንገብሮም። ማርክ ዝያዳ ድንጋጽ ኣርኣየ። ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅረኒ ይነግረኒ: ኣነ ድማ ሕጂ ናይ ሓቂ ኢየ ዝአምኖ።
ምስታ ናይ ቅድም ሰበይቲ ማርክ ክንራኸብ ምዃንና ኣብ ዝፈልጠሉ እዋን: ብሱል ክርስትያናዊ ጠባይ ከርኢ ምእንቲ ክሕግዘኒ ብምሕታት: ሓይሊ ክህበኒ ናብ የሆዋ እጽሊ። ይዓዪ ድማ ኢዩ። እቲ ናብኣ ዘሎኒ ናይ ጽልኢ ስምዒት እውን ከይተረፈ ይንኪ ኣሎ። ድሕሪዚ ኣብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ኣይነብርን ወይ ድማ ስእለ ኣእምሮይ ካብ ቍጽጽረይ ክወጽእ ኣየፍቅደሉን።
ጌና ግን ገለ ገለ ዘይግቡእ ናይ ቅንኢ ስምዒታት ይስምዓኒ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ዓለም ዝርከብ ፍጹም ህይወት ጥራይ ኢዩ ካብዚ ፈጺሙ ዝገላግለኒ። ክሳዕ ሽዑ: ቅንኢ ኣብ ክንዲ ክቈጻጸረኒ ዘፍቅደሉ ክቈጻጸሮ ተማሂረ ኣሎኹ። እወ: ቅንኢ ንህይወተይ ዳርጋ ኣዕንይዎ ነይሩ ኢዩ: ይኹን እምበር የሆዋን ማሕበሩን ይመስገን: ሕጂ ዝያዳ ሕጕስቲ ሰብ ኰይነ: ጥዕናይ ከኣ ናብ ቀደሙ ተመሊሱለይ ኣሎ። እንደገና: ምስ ኣምላኸይ: የሆዋ ጽኑዕ ርክብ ኣሎኒ።—እተበርከተ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ ስም ተቐይሩ ኢዩ።