ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/12 ገጽ 24-25
  • “ኣነ ንየሆዋ ክቡር ኢየ!”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣነ ንየሆዋ ክቡር ኢየ!”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ኢኻ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ዚኽእል የልቦን
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/12 ገጽ 24-25

“ኣነ ንየሆዋ ክቡር ኢየ!”

ኣብዚ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ:” ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ስምዒታት ናይ ዋጋ ዘይብልካ ምዃን ኣብ ዝገብርዎ ቀጻሊ ቃልሲ ይጽመሙ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1 ትሓዓ ) እዚ ዘገርም ኣይኰነን: ምኽንያቱ ሓደ ካብቲ ናይ ሰይጣን “ጕርሒ ዘለዎ ተግባራት” ብፈጣሪና እውን ከይተረፈ ከም ዘይንፍቀር ኰይኑ ከም ዝስምዓና ዝገብር ኢዩ። (ኤፌሶን 6:​11 ትሓዓ እግረ-ጽሑፍ) ምስ እዚ ዝሰማማዕ ድማ: እታ ናይ 1 ሚያዝያ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ “ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ክቡር ኢኻ!” ከምኡውን “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንነቓቓሕ​—⁠ብኸመይ፧” ዝብል ኣርእስቲ ዘለወን ንናይ ጉባኤ መጽናዕቲ ዝዀና ክልተ ዓንቀጻት ሒዛ ኣላ። እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን የሆዋ ንጻዕርታትና ከም ዝምዝግቦ ከዘኻኽራና እተዳለዋ ኢየን። እዚ ስዒቡ ዘሎ ገለ ካብቲ እተቐበልናዮ ናይ ምስጋና መግለጺታት ኢዩ:-

“ኣብዘን ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ዝጸናሕኩለን 27 ዓመታት: ከምዚኣ ገይራ ዝተንከፈትኒ መጽሔት ፈጺማ የላን። ምንባዕ እንተ ዘይኰይኑ ምንም ክገብር ኣይከኣልኩን​—⁠እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ዕረፍቲ ኣምጺአናለይ ኢየን። ሕጂ ብየሆዋ ኣዝየ ከም እተፈቐርኩ ኰይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ካብ መንኩበይ ዓቢ ጾር ከም ዝለገሰለይ ኰይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ።”​—⁠ሸ. ኤች.

“ነዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ኣርባዕተ ግዜ ኣንቢበያ። ዋጋ ከም ዘይብልካ ትኣምን እንተድኣ ኰይንካ: ሓሶት ኢኻ ተማሂርካ ዘሎኻ ዝብል ኣገላልጻ ናይታ ዓንቀጽ ተሓጒሰሉ ኢየ። ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ጕስነትን ኣብ ናይ ቤተ-ቤት ስብከትን ክጥቀመላ ኢየ።”​—⁠ኤም. ፒ.

“ሰይጣን: እቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ እውን ከይተረፈ ዋጋ ዘይብሎምን ዘይፍቅሩን ኰይኑ ከም ዝስምዖም ብምግባር ብሉጽ ስራሕ ኢዩ ዝሰርሕ። የሆዋ ኣዝዩ ከም ዘፍቅረና: ንዅሉ እቲ ንዕኡ ኢልና እንገብሮ ናእሽቱ ነገራት ድማ ከም ዘማስወሉ በቲ ክፍሊ ‘እሙን ባርያ’ ክንዘኻኸር: ሓደ ካብቲ ዘንበብክዎ ኣዝዩ ዘተባብዕ ነገራት ኢዩ። ንብዙሕ ዓመታት እቲ ኣብተን ዓንቀጻት እተዛረብኩምሉ ስምዒታት ነይሩኒ ኢዩ። ንፍቕሪ የሆዋ ከም ዝበቅዕ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ድማ ነቲ ፍቕሪ እቲ ንምርካብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ክሰርሕ ፈተንኩ። እንተዀነ ግን: ብጸጸትን ሕንከትን ኢየ ዝለዓዓል ነይረ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ኣገልግሎት ክንደይ ሰዓታት አሕልፍ: ወይ ክንደይ ሰባት እሓግዝ ብዘየገድስ: እኹል ከም ዘይኰነ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ኣብ ርእሰይ ጕድለት ጥራይ ኢየ ዝርኢ ነይረ። ሕጂ ንየሆዋ ካብ ፍቕሪ ተላዒለ ከገለግሎ ከሎኹ: ንሱ ፍሽኽ ከም ዝብለንን ብኣይ ድማ ከም ዝዀርዕን ገይረ ኢየ ዝሓስብ። እዚ ድማ እቲ ናብኡ ዘሎኒ ፍቕሪ ዝያዳ ከም ዝዓብን አረ ዝያዳ ክዓዪ ከም ዝደልን ገይሩኒ ኢዩ። ሕጂ ካብቲ ንየሆዋ ምግልጋለይ ዓቢ ሓጐስ አሕልፍ ኣሎኹ።”​—⁠ኣር. ኤም.

“እዚኣተን ምሉእ ብምሉእ እተን ዝጸበቓ: ኣዝየን ሃነጽቲ: እወ: ካብ ዘንበብክዎ ኵሉ ንኣልባብና ዝትንክፋ ብሉጻት ዓንቀጻት ኢየን! ንግምቢ ዘብዐኛ ን55 ዓመታት ዝኣክል ኣንቢበዮ ኢየ: ብዙሓት ፍሉያት ሕታማት ድማ ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: እዛ ሕታም እዚኣ ካብቲ ነቲ ዘሎና ምጥርጣራትን ምሽቓልን: ‘ዋጋ ከም ዘይብልና’ን ‘ዘይንፍቀርን’ ከምኡውን ፍቕሪ የሆዋ ን‘ምርካብ’ እቲ ዝኣክል ከም ዘይንገብር ኰይኑ ዝስማዓና ፍርህን ንኸነሰንፎ ዝድግፍ ካብ ዝነበረና ዝዀነ ነገር ሕልፍ ዝበለት ኢያ። እዛ ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ እቲ ኣሕዋትና ኣዝዮም ዝደልይዎ ዓይነት መንፈሳዊ ሓገዝ ዝሓዘት ኢያ። ነዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ኣብ ጕስነት ደጋጊመ ክጥቀመለን መደበይ ኢዩ።”​—⁠ኤፍ. ከይ.

“ነቶም ምስ ነፍስኻ ኣትሒትካ ናይ ምርኣይ: ወይ ምስ ንነፍስኻ ናይ ምጽላእ ስምዒት እውን ከይተረፈ እንቃለስ ዘሎና ሰባት: ሓይልና ኣኻኺብና ኣብ ሓቂ ንኽንቅጽል ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓሚቝ ድንጋጽን ምርዳእን እተንጸባርቕ ኢያ: ከምቲ ዘህድእን ዘጸናንዕ መሕወይን ናብ ልቢ ዝበጽሕን ኣገባብ ኢያ ነይራ። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ዝኣመሰሉ ቃላት ከተንብብን ብዘይጥርጥር ድማ የሆዋ ዝርዳእ ምዃኑ ክትፈልጥን ኣየ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! የሆዋ ብመገዲ ጸጸት: ሕንከት: ወይ ፍርሂ ኣቢሉ ንህዝቡ ከለዓዕል ከም ዘይፍትን ስለ ዘዘኻኸርኩምና አመስግነኩም። ሽሕ’ኳ እቲ ኣብ ናይ ስብከት ዕዮ ዝነበረኒ እጃም ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ስድራቤትና ዝወረደ ናይ ገንዘብ ሕጽረትን ናይ ጥዕና ግድላትን ኣዝዩ እንተ ተሓጽረ: ጌና ግን በቲ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ዕግበት እረክብ ኣሎኹ። ዝድርኸኒ ሓይሊ ፍቕሪ ከም ዝኸውን ክገብሮ ምስ ፈተንኩ: ነብሰይ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ሕጕስቲ ኰይና ረኸብክዋ።”​—⁠ዲ. ኤም.

“ነታ ‘ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ኢኻ!’ እትብል ሕጂ ሕጂ ኢየ ኣንቢበ ወዲአያ። ነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ ከም ዝነብዕ ገይሩኒ። ካብ ሓደ ውሑድ ፍቕሪ ዘርኢ ስድራቤት ኢየ መጺአ። ብምንኣስ ዝርአ: ዝላገጹለይ: ከምኡውን ዝስሕቁለይ ኢየ ነይረ። ስለዚ: ጌና ብንእሽቶይ ዋጋ ከም ዘይብለይ ኰይኑ ተሰማዓኒ። ጌና ድማ ሽግር ከጋጥመኒ ከሎ ዝጸቕጠኒ ካብ ቅድም ዝጸንሐ ሱር ዝሰደደ ስምዒታት ኣሎኒ። ከም ናይ ጉባኤ ሽማግለ ኴንካ ምግልጋል ምስ ኣቋረጽኩ ድማ ከምቲ ልሙድ​—⁠ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ: ስድራቤተይ: ከምኡውን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት​—⁠ሰነፍ ዝዀንኩ ኰይኑ ተሰመዓኒ። እዞም ስምዒታት እዚኣቶም ብሓንቲ ለይቲ ዝጠፍኡ ኣይኰኑን: እንተዀነ ግን: እዛ እዋናዊት ዝዀነት ዓንቀጽ እዚኣ ብመጠኑ ሚዛነይ ክሕሉ ሓጊዛትኒ ኢያ። ነቲ ዘሎኒ ኣረኣእያ ኣብሪሃቶ ኢያ።”​—⁠ዲ. ኤል.

“ነታ ‘ኣብ አዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ኢኻ!’ እትብል ዓንቀጽ ብምድላውኩም አመስግነኩም። ምስቲ ናይ ብቍልዕነት ምዕማጽ እተተሓሓዘ ሱር ዘለዎ ጽዑቕ ነፍስኻ ምጽላእን ዓሚቝ ዋጋ ዘይብልካ ናይ ምዃን ስምዒትን ኢየ ዝቃለስ። ነዚ እተዛናበለ ኣተሓሳስባ እዚ ናይ ሰይጣን ጐራሕ ተግባራት ከም ዝዀነ ገይርካ ክትርእዮ ብሓቂ ግቡእ ኢዩ። ነቲ ሓደ ሰብ ንኽነብር ዘለዎ ድሌት ከይተረፈ እውን ከጥፍእ ዝኽእል ኢዩ። ብሓቂ ድማ ነቲ ከም ዘይፍቀር ዝነግር ሓሶት መዓልቲ መዓልቲ ክቃወሞ ይግባኣኒ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዓይ ካብቲ ንስኻትኩም ክትፈልጥዎ እትኽእሉ ንላዕሊ ኢያ።”​—⁠ከይ. ኤፍ.

“ሎሚ ኣሕዋት: የሆዋ ነቲ ብግዴታ ወይ ብጸቕጢ እተለዓዓለ ተግባራት ዘይኰነስ ነቲ ብፍቕሪ እተለዓዓለ ተግባራት ኢዩ ዘማስወሉ ዝብል ሓሳባት ብፍላይ መሊሶምሉ ኢዮም። ነቲ ናይ የሆዋ ምዉቕ ባህርያትን: ብደረጃ ውለቀ-ሰብ ኣብ ህዝቡ ዘለዎ ተገዳስነትን: ከምኡውን እቲ ዝልግሰሉ ፈቃር ኣገባብ ኣብ ግምት ምእታው: ዘሐድስን ዘለዓዕልን ኢዩ። ብመንጽር ናይዚ ድማ: ነታ ‘ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ክቡር ኢኻ!’ እትብል ዓንቀጽ ትቕብል ምስ ኣበልናያ ብዙሓት ምስጋናኦም ገለጹ። ንብዙሓት ምስ የሆዋ ዝያዳ ብሕታዊ ዝዀነ ርክብ ንኽገብሩ መገዲ እትኸፍት ኢያ እትመስል። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ድማ ነቲ ኣብዘን ናይ ቀረባ ግዜ መጽሔታት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ተጻሒፉ ዘሎ ኣገባብ ኣገላልጻን ንናይ ካልኦት ስምዒት ኣብ ግምት ዘእቱ ብምዃኑን ምስጋናና ክንገልጽ ንፈቱ። ነተን ጉባኤታት ክንበጽሐን ከሎና ድማ ብዙሓት ካብዞም ነጥብታት እዚኣቶም ኣብ ተግባር ከነውዕሎም ንሰርሕ ኢና ዘሎና።”​—⁠ካብ ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ።

“ዳርጋ ን30 ዓመታት ናይ ወትሩ ኣንባቢ ኢየ: እንተዀነ ግን ከምዚ ዝበለ ኣዝዩ መንፈስ ዝህብን: ኣዝዩ ሞራል ክብ ዘብልን ፈጺመ ኣንቢበ ኣይፈልጥን ኢየ። እቲ ሓያልን ብብልሓት ኣትዩ ዘሎ ጥቕስታትን: ናብ የሆዋ ዝያዳ ከም ዝቐርብ ብምግባር ነቲ ኣብ ስምዒታተይ ተሓቢኡ ዝነበረ ሓሶት ክምሕዎ ሓጊዙኒ ኢዩ። ንብዙሕ ዓመታት ንየሆዋ ካብ ጸጸት ተለዓዒለ ኢየ ኣገልጊለዮ። ብዛዕባ በጅነትን ፍቕሪ ኣምላኽን ኣእምሮኣዊ ፍልጠት ጥራይ ኢዩ ነይሩኒ። ከምዚኦም ዝበሉ ዓመቝትን ዘተሓሳስቡን ዓንቀጻት ምድላውኩም አመስግን። ከምኣቶም ዝመሰሉ ብዙሓት ከንብብ ድማ ተስፋ እገብር።”​—⁠ኤም. ኤስ.

“ኣብዚ ዅሉ ኣብ ሓቂ ዝጸናሕኩሉ 29 ዓመታት: ከምዚ ዝበለ ናይ ምስጋናን ዓሚቝ ስምዒትን ዘለዎ መል⁠ሰ​-ግብሪ ከርኢ ዝገበረኒ ዓንቀጽ ክዝክር ኣይክእልን ኢየ። ሽሕ’ኳ ብዓቢ ፍቕርን ብሓለይቲ ስድራቤትን ዝዓበኹ እንተዀንኩ: ኣይኰነንዶ ንየሆዋ ከገልግል ብቑዕ ኰይኑ ክስምዓንስ ብህይወት ክነብር እውን ዝበቅዕ ኰይኑ ኣይስማዓንን ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ግን: ተንበርኪኸን ኣዕሚቘ እናተነኽነኽኩን ንየሆዋ ኣመስ​ገ⁠ንኩ። ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዘለኣለም ኣኽቢረ ክሕዛ ኢየ። ሕጂ ንየሆዋ ክብርቲ ምዃነይ ምርዳእ ስለ ዝረኸበኩ: ንገዛእ ርእሰይ ብእተፈልየ ኣገባብ ክርእያ ኢየ።”​—⁠ዲ. ቢ.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ