ናይ ሓቂ ድሕንነት ሕጅን ንዘለኣለምን
የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቡ ድሕንነት ከምጽኣሎም ከም ዝኽእል ኣየተሓታትትን ኢዩ። ንሱ “እቲ ዅሉ ዚኽእል” ኢዩ። (መዝሙር 68:14) እቲ ፍሉይ ዝዀነ ስሙ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣድማስ ንሱ በይኑ ጥራይ መብጽዓታቱን ፍቓዱን ምእንቲ ክፍጽም ንዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ከሰነፍ ዝኽእል ምዃኑ ዝገልጾ ስም ኢዩ። ኣምላኽ ባዕሉ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።”—ኢሳይያስ 55:11
ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ ድሕንነት የምጽኣሎም ኢዩ። ብዛዕባ እዚ: ቃሉ ውሕስነት ይህበና ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ብመለኮታዊ መሪሕነት ተደሪኹ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” ትሓዓ ] ጽኑዕ ግምቢ እዩ: ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ኢሉ ገለጸ። ወሲኹውን “ብእግዚኣብሄር ዚእመን . . . ኣብ ደሓን ይነብር” በለ።—ምሳሌ 18:10፣ 29:25
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘለዎም ድሕንነት
የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ ኵሉ ሳዕ ድሕንነት ምስ ኣዳለወሎም ኢዩ። ንኣብነት ነብዪ ኤርምያስ ናይ ኣምላኽ ዕቝባ ኣስተማቒሩ ኢዩ። ሰራዊት ባቢሎን ነታ ከዳዕ የሩሳሌም ምስ ከበቡዋ: እቶም ህዝቢ “ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪበልዕዎ” ነበሮም። (ህዝቅኤል 4:16) እቲ ኵነታት ኣዝዩ ጽንኩር ብምንባሩ: ገለ ኣንስቲ ደቀን ኣብሲለን በልዓ። (ድጕዓ ኤርምያስ 2:20፣ 4:10) ሽሕ’ኳ ኤርምያስ ከይፈርሐ ብምስባኹ ኣብ ቤት ማእስርቲ እንተ ነበረ: የሆዋ “ክሳዕ ኣብታ ኸተማ እንጌራ ዚሰአን: ካብ ዕዳጋ ጋገርቲ ሓንቲ እንጌራ [ከም ዝወሃቦ]” ገበረ።—ኤርምያስ 37:21
የሩሳሌም ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ምስ ወደቐት: ኤርምያስ ኣይተቐትለን ወይውን ከም እሱር ኰይኑ ተጐቲቱ ናብ ባቢሎን ኣይተወስደን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ: “እቲ [ናይ ባቢሎን] ሓለቓ ዘብዔኛታት . . . ስንቅን ህያብን ሂቡ ኣሰናበቶ።”—ኤርምያስ 40:5
ዘበናት ጸኒሑ: የሱስ ክርስቶስ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ “እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ: ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢሉ ኣረጋገጸሎም።—ማቴዎስ 6:31-33
እዚ ክበሃል ከሎ ግን: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ኵሉ እዚ ሕጂ ዘሎ መዓት መለኮታዊ ዕቝባ ክረኽቡ ኢዮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከምኡ ማለት ኣይኰነን። እቶም ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ብዘይምቍራጽ ዝፍጽሙ ጕድኣት ዘይትንክፎም ኣይኰኑን። ሓቀኛታት ክርስትያናት ይሓሙ: ይስደዱ: ግዳይ ገበን ይዀኑ: ብሓደጋታት ይሞቱ: ብኻልእ መገድታትውን ይሳቐዩ ኢዮም።
ሽሕ’ኳ የሆዋ ክሳዕ ሕጂ ካብ ጕድኣት ናጻ ዝገብር ምሉእ ድሕንነት እንተ ዘይሃበ: ንኣገልገልቱ ድሕንነት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ነገር ከዳልወሎምን ከዕቍቦምን ሓይሉ ከም እተጠቕመ ጸብጻባት ይነግረና ኢዩ። ክርስትያናት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራኦም ስለ ዘውዕልዎውን ካብ ብዙሕ ግድላት ተዓቚቦም ኢዮም። (ምሳሌ 22:3) ብተወሳኺ: ነቲ ብዓለምለኻዊ ሕብረት ናይቶም ኣብ ዝድለየሉ ግዜ ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙ: ፈቃራት መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝርከብ ድሕንነት የስተማቕርዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ ሮሜ 8:28) ንኣብነት: ካብቶም ኣብታ ብውግእ እተናወጸት ሩዋንዳ ዝርከቡ ኣሕዋቶም ዝመጸ ተስፋ ዘቝርጽ ጸገማት ምስ ሰምዑ: ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀልጢፎም ዘድልዮም ነገራት ወፈዩሎም: ከምኡውን 65 ቶን ክዳውንትን 1, 600, 000 ዶላር ዝዋግኡ ኣፋውስን መግብን ካልእ ነገራትን ለኣኹሎም።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 11:28, 29 ኣረኣእዮ።
ሽሕ’ኳ የሆዋ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ፈተናታት ክወርዶም ዘፍቅድ እንተዀነ: ንኽጽመሙ ዝሕግዞም ሓይልን ደገፍን ጥበብን ክህቦም ምዃኑ ርግጸኛታት ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ ክጽሕፈሎም ከሎ ከምዚ በለ:- “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።”—1 ቈረንቶስ 10:13
ኣምላኽ ንህዝቡ እንታይ ከም ዝገብረሎም
ሎሚ: ሚልዮናት ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ባህ ኢዩ ዝብሎም። ንኣምላኽ ተገዲዶም ኣይኰኑን ዘገልግልዎ፣ ስለ ዝፈልጥዎን ስለ ዘፍቅርዎን ኢዮም ዘገልግልዎ። የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ስለ ዘፍቅሮም ድማ: እዙዛት ደቅሰብ ስላምን ጥዕናን ድሕንነትን እናስተማቐሩ ንዘለኣለም ምእንቲ ክነብሩላ ነዛ ምድሪ እዚኣ ናብ ገነት ንኽልውጣ ዕላማ ገይሩ ኣሎ።—ሉቃስ 23:43
ኣምላኽ ነዚ ዝገብሮ: በቲ እተሾመ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ: ገዛኢኡ ዝዀነ ሰማያዊ ምምሕዳር ገይሩ ኢዩ። (ዳንኤል 7:13, 14) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ምምሕዳር እዚ “መንግስቲ ኣምላኽ” ከምኡውን “መንግስተ ሰማያት” ኢሉ ይጠቕሶ። (1 ቈረንቶስ 15:50፣ ማቴዎስ 13:44) መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብኣዊ ምምሕዳራት ክትክኦ ኢያ። ኣብ ምድሪ ኣብ ክንዲ ብዙሕ ምምሕዳር: ሓደ ምምሕዳር ጥራይ ኢዩ ክህሉ። ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኸኣ ብጽድቂ ክገዝእ ኢዩ።—መዝሙር 72:7, 8፣ ዳንኤል 2:44
የሆዋ ንዅሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ናይ ምንባር ዕድመ ኣቕሪቡሎም ኢዩ። ነዚ ዝገብረሉ ሓደ መገዲ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሑ ከም ዝዝርጋሕ ብምግባር ኢዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ እታ መንግስቲ ንደቅሰባት እትገብረሎም ነገራት ዝገልጽ መጽሓፍ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ዓለም ካብ እተሓትሙ መጻሕፍቲ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ዘሎ መጽሓፍ ኢዩ: ሕጂ ድማ ብምሉኡ ወይ ብኸፊሉ ካብ 2,000 ንላዕሊ ብዝኸውን ቋንቋታት ተዘርጊሑ ኣሎ።
የሆዋ ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እንታይ ከም ዝምህር ንኽርድኡ ንሰባት ብፍቕራዊ መገዲ ይሕግዞም ኣሎ። ነዚ ድማ: ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኻልኦት ምእንቲ ክገልጹሎም ንሰባት ብምምራሕን ብምልኣኽን ኢዩ። ሎሚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን መሰኻኽር የሆዋ: ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ይእውጅዎ ኣለዉ።
ናይ ሓቂ ድሕንነት ንዅሎም ሰባት ድዩ፧
ነፍሲ ወከፍ ሰብ: ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ተሰማሚዑ ብምኻድ ነቲ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ቀሪቡ ዘሎ ዕድመ ክቕበሎ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ምኽንያቱ ብዙሓት ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምግባር ተገዳስነት የብሎምን። ናብርኦም ንምምሕያሽ ዝሕግዞም ጻዕርታት ይነጽግዎ ኢዮም። ብርግጽ: ከምቶም የሱስ እተዛረበሎም ሰባት ምዃኖም ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ:- “በእዛኖም ከይሰምዑ: በዒንቶም ከይርእዩ: ኣእዛኖም ኣጽመሙ: ኣዒንቶም ዐመቱ: ብልቦም ከየስተውዕሉ: ከይምለሱ: ኣነውን [ኣምላኽ] ከየሕውዮምሲ: ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ።”—ማቴዎስ 13:15
ኣብ ማእከል እቶም ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ክነብሩ ዘይደልዩ ሰባት: ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ድሕንነት ክህሉ ዝኽእል ከመይ ገይርካ ኢዩ፧ ክህሉ ኣይኽእልን ኢዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ንድሕንነት ናይቶም ንየሆዋ ከገልግሉ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ስግኣት የውድቕዎ ኢዮም።
ኣምላኽ ሰባት ንኽልወጡ ኣይግድዶምን ኢዩ: ይኹን እምበር ንረሲእነትውን ንዘለኣለም ኣይክጻወሮን ኢዩ። ሽሕ’ኳ የሆዋ ንሰባት ብዛዕባ መገድታቱን ዕላማታቱን ንኽምህርዎም ብትዕግስቲ መሰኻኽሩ ምልኣኹ ይቕጽል እንተሎ: ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ከምኡ ምግባር ኣይክቕጽልን ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ከምዚ በለ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”—ማቴዎስ 24:14
ነቶም ንስርዓታት ኣምላኽ ዝነጽግዎ “መወዳእታ” እንታይ ማለት ኢዩ፧ ናይ ኵነኔ ፍርዶምን ጥፍኣቶምን ማለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን . . . ሕነ ኺፈድዮም እዩ። . . . ንሳቶም ብመቕጻዕቲ: ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት . . . ኪቕጽዑ እዮም” ኢሉ ይዛረብ።—2 ተሰሎንቄ 1:6-9
ኣብ መወዳእታ ናይ ሓቂ ድሕንነት ንዘለኣለም ክህሉ ኢዩ!
እቶም ናይ የሆዋ መገድታት ሰላም ዝነጸጉ ሰባት ምስ ጠፍኡ: መንግስቲ ኣምላኽ ንጥቕሚ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ጻድቃን ናይ ድሕንነት ግርማዊ መዋእል ከተምጽእ ኢያ። (መዝሙር 37:10, 11) እታ ሽዑ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ምስ እዛ ሕጂ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን ኢዩ ክህልዋ!—2 ጴጥሮስ 3:13
ጥሜት ኣይክህሉን ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዙሕ ዝብላዕ ክህልዎ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኵሎም ህዝብታት ብስቡሕ ብልዒ’ እተዳለወ “ምሳሕ” ከስተማቕሩ ምዃኖም ይነግረና። (ኢሳይያስ 25:6) ዋሕዲ መግቢ ዝበሃል ኣይክህሉን ኢዩ: ከመይሲ ሽዑ “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር [“ምድሪ” ትሓዓ ]: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን: ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖሰ ዘዘው ኪብል” ኢዩ።—መዝሙር 72:16
ሰባት ኣብ ኣጓዱን እተጨቓጨቐ ኣባይቲ ዘለዎ ከባቢታትን ኣይክነብሩን ኢዮም። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኵሎም ጽቡቕ ኣባይቲ ክህልዎም ኢዩ: ኣብ ግራውቶም ብዝፈረየ መግቢ ኸኣ ክምገቡ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም” ኢሉ ይመባጻዕ።—ኢሳይያስ 65:21
ስራሕ ምስኣን ኣብ ኵሉ ኣብ ክንዲ ዘስፋሕፍሕ: ፍረ ዘለዎ ስራሕ ክህሉ ኢዩ: ሰባት ከኣ ሰናይ ፍረ ክረኽብሉ ኢዮም። ቃል ኣምላኽ “ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ. . . ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን . . . እዮም” ይብል።—ኢሳይያስ 65:22, 23
ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ: ሰባት ብሕማም ተሳቕዮም ኣይክሞቱን ኢዮም። ቃል ኣምላኽ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” ትሓዓ ] እየ: ኣይብልን” ብምባል የረጋግጸልና።—ኢሳይያስ 33:24
ኣብታ ድሕሪ ቀረባ ግዜ እትህሉ ምድራዊት ገነት: ስቓይን ቃንዛን: ሓዘንን ሞትን: ከልግስ ኢዩ። እወ: ሞትውን ከይተረፈ ኣይክህሉን ኢዩ! ሰባት ንዘለኣለም ኣብ ገነት ክነብሩ ኢዮም! መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብለና።—ራእይ 21:4
ኣብ መወዳእታ: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ እቲ “መስፍን ሰላም:” ህይወት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ሓቂ ድሕንነት ዘለዎ ኰይኑ ክርከብ ኢዩ። ብርግጽ: ኣብ ትሕቲ እቲ ጽድቃውን ፍቕራውን ሓደ ምምሕዳር—ናይ መንግስቲ ኣምላኽ—ዓለምለኻዊ ድሕንነት ክህሉ ኢዩ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ራእይ 7:9, 17
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ናይ ደቅሰብ ድሕንነት ንጽባሕ እምነት ምሕዳር . . . ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኵነታት ርግኣት ንኽህሉ [እምነት ምሕዳር ] ኢዩ ዝሕብር።”—ኣብ እስያ እትነብር ሰበይቲ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ልዕሊ ዅሉ ድሕንነት ዘይብልካ ክገብረካ ዝኽእል ዓመጽን ዘይእሩም ጠባይን ኢዩ ”—ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝነብር ሰብኣይ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ኣብ እዋን . . . ወራር ድሕንነት ኣይስመዓንን ኢዩ። ሓንቲ ሃገር ኣብ ውግእ እንተድኣ ኣልያ ከመይ ኢሉ ’ዩ ሰባት ድሕንነት ክስምዖም ዝኽእል፧”—ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተማሃሪት
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ከይተዓመጽኩ ለይቲ ኣብ ጎደናታት ክዛወር ከም ዝኽእል እንተድኣ ፈሊጠ ድሕንነት ክስምዓኒ ኢዩ።”—ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሓንቲ ተማሃሪት