ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/6 ገጽ 8
  • “ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ቃል ኣምላኽ ኣንብብ ብሓቂ ድማ ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ኣብነት ነገስታት ስዓብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/6 ገጽ 8

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

“ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ”

ሙሴ ቀቅድሚ ሞቱ ንህዝቢ እስራኤል ንነፍሲ ወከፍ ትእዛዛ የሆዋ ክፍጽሙ መዓዶም። ከምዚ በለ:- “እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘሎኹ ዅሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎም: ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እምበር: ከንቱ ነገር ኣይኰነን።”​—⁠ዘዳግም 32:46, 47

ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣድላይነት ኵሉ ትምህርትታት ኣምላኽ ብምጕላሕ ከምዚ በለ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ቀረባ ኢኻ: ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ።” (መዝሙር 119:151) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን የሱስ እውን ንኣድላይነት ናይቲ ‘ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ኵሉ ቓል’ ጠቒስዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:4) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ ኰይኑ ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ’ ብምባል ጽሒፉ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​16 ትሓዓ

ብርግጽ: የሆዋ ኣምላኽ ኣምለኽቱ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ መልእኽቲ ብምሉኡ ኣርዚኖም ክሓስብሉ ኢዩ ዝጽበ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ሓሳብ እውን ትኹን ዋጋ ዘይብላ የላን። ከምቲ ኣብዚ ቀጺሉ ካብ ማውሪሸስ እተረኽበ ተመኵሮ ተገሊጹ ዘሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢዩ ዝስምዖም።

ኣቶ ዲ​—​— ኣብቲ ናይ ለይቲ ሓላዊ ኰይኑ ዝሰርሓሉ ርሕቕ ዝበለ ዓዲ ኢዩ ዝነብር። ንነዊሕ ግዜ: ብቕንዕና ንኣምላኽ በቲ ቅኑዕ መገዲ ንኸምልኾ ሃለው ይብል ነይሩ ኢዩ። ለይቲ እናሓለወ ከሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣንበቦ። ስም ኣምላኽ ድማ: እቲ ኣብ ናይ ሂንዲ መጽሓፍ ቅዱሱ ብተደጋጋሚ ዝጥቀስ: የሆዋ ምዃኑ ፈለጠ። ብፍላይ መጽሓፍ ራእይ ባህ እተብል ኰይና ረኸባ።

ዳሕራይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ እትስዕብ ሃይማኖት ምህላዋን ዘይምህላዋን ንገዛእ ርእሱ ሓተተ። እተን ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጠን ሃይማኖታት: ከድልየን ከሎ ገለ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ከም ዝስዕባ ተገንዘበ። ገለ ሃይማኖታት ንናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ተቐቢለን ንናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ግን ይነጽጋኦ። ካልኦት ሃይማኖታት ድማ ተግባራዊ ዝዀነ ጥቕሚ ዘለዎ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኢዩ ብምባል: ንናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ይነጽጋኦ።

ሓደ መዓልቲ ኣቶ ዲ​—​— ሰብኣይ ሰበይትን ብማይ ጀብጂቦም ርኣየ እሞ: ናብ ገዝኡ ኣትዮም ከዕቕሉ ሓተቶም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ነይሮም። እታ ሰበይቲ ራእይ⁠—​­እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!a እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ሒዛ ነበረት። ኣቶ. ዲ​—​—ድማ ነታ መጽሓፍ ክህብዎ ቀልጢፉ ሓተቶም። እቶም መሰኻኽር እቲ ኣብ ናይ ራእይ ትንቢት ዘሎ ትሕዝቶ ንኽርድኦ ኣዝዩ ዓሚቝ ኢዩ ኢሎም ብምሕሳብ ካልእ ሕታም ሃብዎ። ኣቶ. ዲ​—​—ግን ንመጽሓፍ ራእይ ኢየ ዝደሊ በለ።

ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዳሕ ምስ ረኸበ ድማ: ነታ መጽሓፍ ቀልጢፉ ኣንበባ። ድሕርዚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ተሰማምዐ። ቀልጢፉ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝለዓለ ክብሪ ከም ዝህብዎ ምስ ፈለጠ ተመሰጠ። ኣብቲ ክልቲኡ ማለት ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋትን ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን ብጥንቃቐ ዝጽናዓሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ድማ ስርዓታዊ ኰይኑ ክካፈል ጀመረ። ሕጂ ኣዋጂ መንግስትን ናይ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተጠመቐ ኣባልን ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግንቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ