“ምጽላይ ምሃረና”
‘ጐይታይ: ምጽላይ ምሃረና።’ እዚ ሕቶ እዚ ብሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ተሓቲቱ። (ሉቃስ 11:1) እዚ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወደ መዝሙር እዚ: ንጸሎት ዓሚቝ ሞሳ ዘለዎ ሰብኣይ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብተመሳሳሊ ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ኣምለኽቲውን ነቲ ናይ ጸሎት ኣድላይነት ይግንዘብዎ ኢዮም። ብርግጽ እምበኣር ጸሎት እቲ ኣብ ኣድማስ ኣዝዩ ዝለዓለ ኣካል ክሰምዓና ኣጋጣሚ እንረኽበሉ መገዲ ኢዩ! ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ነቲ ዘድልየና ነገራትን ጭንቀታትናን ብሕታዊ ኣቓልቦ ኢዩ ዝገብረሉ። (መዝሙር 65:2) ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ድማ ብጸሎት ገይርና ንኣምላኽ ምስጋናን ውዳሰን ንገልጸሉ ኢና።—ፊልጲ 4:6
ይኹን እምበር እተን “ምጽላይ ምሃረና” ዝብላ ቃላት ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት የልዕላ ኢየን። ኣብ መላእ ዓለም: እተፈላለያ ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ ዝቐርባሉ ብዙሕ ዓይነት ኣገባባት ይጥቀማ ኢየን። ግናኸ ቅኑዕን ግጉይን ኣገባብ ጸሎት ኣሎዶ ኢዩ፧ ነዚ ንምምላስ መጀመርያ ንጸሎት ዝምልከት ገለ ፍሉጥ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ልምድታት እስከ ንርአ። ኣብቶም ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘለዉ ሰባት ዝጥቀሙሎም ኣገባባት ከነተኵር ኢና።
ምስልን “ዘማልዱ ቅዱሳት”ን
ብሓፈሻ ክርኣያ ከለዋ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝወጸለን ሃይማኖታውያን ኢየን። ንኣብነት ኣብ መላእ መክሲኮ ን“ዘማልዱ ቅዱሳት” ናይ ምጽላይ ልምዲ ከም ዘሎ ማንም ሰብ ክዕዘቦ ዝኽእል ነገር ኢዩ። ብርግጽ እኳ ድኣ ከተማታት መክሲኮ ኣብ ውሱን መዓልትታት በዓላት ዝገብራሎም “ዘማልዱ ቅዱሳት” ክህልወን ልሙድ ኢዩ። ኣብ መክሲኮ ዘለዉ ካቶሊክ ናብ ብዙሓት እተፈላለዩ ዓይነት ምስልታት ይጽልዩ ኢዮም። ነየናይ “ቅዱስ” ክትጽሊ ከም ዘሎካ ዝውስኖ ግን: ኣብቲ እቲ ዘምልኽ ዘሎ ሰብ ክግበረሉ ዝሓቶ ነገር እተመርኰሰ ኢዩ። ሓደ ሰብ ክምርዖ ምስ ዝደሊ: ሽምዓ ሒዙ ናብ “ቅዱስ” ኣንጦንዮስ: ክጽሊ ይኽእል። ሓደ ብማኪና ክገይሽ ዝብገስ ሰብ ንገዛእ ርእሱ: ናብቲ ናይ ገየሽቲ ብፍላይ ድማ ናይ መራሕቲ ማካይን ዕቝባ ዝዀነ “ቅዱስ” ክሪስቶፈር ከማዕቍባ ይኽእል።
ይኹን እምበር: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት መበቈሉ ካበይ ኢዩ፧ ደቂ እስጳኛ ኣብ መክሲኮ ምስ በጽሑ: ኣብ ኣምልኾ ናይ ኣረማውያን ኣማልኽቲ እተወፈዩ ህዝቢ ከም ዝረኸቡ ታሪኽ ይነግረና ኢዩ። ቪክቶር ቮልፍጎን ቮን ሆገን: ኣብታ ሎስ ኣስቴካስ: ሆምብረ ኢ ትሪቡ (ብቛንቋ እስጳኛ) እትበሃል መጽሓፉ: ከምዚ በለ:- “ናይ ብሕቲ ኣማልኽቲ ነይሮም ኢዮም: ነፍሲ ወከፍ ገረብ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣምላኽ ነይርዋ: ነፍሲ ወከፍ ዕዮ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ወይ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ነይርዎ: ናይ ርእሰ-ቕትለት ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ነይሩ ኢዩ። ዮኮቴኩትሊ ናይ ነጋዶ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ኣብዛ ብዙሓት ኣማልኽቲ እተምልኽ ዓለም እዚኣ: ኵሎም እቶም ኣማልኽቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ዝንባለታትን ዕዮታትን ነይርዎም ኢዩ።”
እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም ምስ ናይ ካቶሊክ “ቅዱሳት” ተመሳሳልነት ከም ዘለዎም ዘርእየና: እቶም ደቂ እስጳኛ ወረርቲ ነቶም ደቂ ዓዲ “ናብ ክርስትና ክልውጥዎም” ምስ ፈተኑ: እቲ ንጣኦታት ዝነበሮም ደገፍ ከም ዘለዎ ናብ ናይ ቤተ-ክርስትያናት “ቅዱሳት” ተለወጠ። ናይ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል (እንግሊዝኛ) ሓደ ዓንቀጽ እቲ ኣብ ገለ ክፍልታት ናይ መክሲኮ ዝግበር ናይ ካቶሊክ ኣምልኾ: ኣረማዊ መበቆል ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ሃበ። ኣብ ሓደ ኣከባቢ ካብቶም ብህዝቢ ክብሪ ዝወሃቦም 64 “ቅዱሳት” መብዛሕትኦም ምስ “ፍሉያት ኣማልኽቲ ማያን” ተመሳሳልነት ከም ዘለዎም ሓበረ።
እታ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) “ኣብ መንጎ እቲ ቅዱስን እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉን ዘተኣማምን ማእሰር ናይ ማሕርሮ ርክብ ኢዩ ዘሎ . . . እዚ ማእሰር እዚ ነቲ ምስ ክርስቶስን ምስ ኣምላኽን ዘሎ ርክብ ዘዝሕሎ ዘይኰነስ ዘደልድሎን ዘዕምቘን ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። ግናኸ: ሓደ ብንጹር ኣሰር ናይ ኣረማውነት ዘለዎ ማእሰርሲ ከመይ ገይሩ ኢዩ ነቲ ሓደ ሰብ ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ዕምቈት ክውስኸሉ ዝኽእል፧ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ “ቅዱሳት” ዝወሃብ ጸሎት ብሓቂ ንኣምላኽ የሐጕሶዶ፧
ናይ መቝጸርያ መበቈል
ካልእ ፍሉጥ ዝዀነ ልምዲ ድማ ናይ መቝጸርያ ኣጠቓቕማ ዘጠቓለለ ኢዩ። ዲክስዮናርዮ ኤንሲክሎፔዲኮ ሂስፓኖ-ኣመሪካኖ (ብቛንቋ እስጳኛ) ንመቝጸርያ “ሓምሳ ወይ ሚእትን ሓምሳን ኣዕናቝ ዝሓዘ ብኻልኦት ዕብይ ዝበሉ ኣዕናቝ ድማ በብዓሰርተ እተኸፋፈለ ክልቲኡ ጫፉ ተኣሲሩ ኸኣ ደድሕሪ ሰለስተ ኣዕናቝ መስቀል እተንጠልጠለሉ ፈትሊ” ከም ዝዀነ ይገልጾ።
እቲ መቝጸሪያ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ከም ዘሎካ ሓደ ናይ ካቶሊክ ጽሑፍ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ቅዱስ መቝጸሪያ ብዛዕባ እቶም ንድሕነትና ዝቘሙ ምስጢራት እንገብሮ ናይ ቓላት ከምኡውን ናይ ኣእምሮ ጸሎት ኢዩ። ዓዓሰርተ ዕንቊ ዝሓዘ ኰይኑ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክፍልታት ዘለዎ ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ ኣዕናቝ ዝሓዘት ክፍሊ ሓንሳእ ኣቡነ ዘበሰማያት: ዓሰርተ ግዜ ኦ ማርያም: ሓንሳእ ኸኣ ስብሃት ለኣብ ትደግመሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ ኣዕናቝ ዝሓዘት ክፍሊ ሓደ ምስጢር ብምስትንታን ይጽለ።” ኣብዚ ጉዳይ እዚ እቲ ምስጢራት: ምስ ናይ ክርስቶስ የሱስ ህይወትን ስቓይን ሞትን እተተሓሓዘ ካቶሊካውያን ክፈልጥዎ ዘለዎም ሰረተ-እምነት: ወይ ትምህርቲ ዘተኵር ኢዩ።
ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ በለ:- “ኣብ ክርስትና ብመቝጸርያ ጌርካ ምጽላይ እተጀመረ: ኣብ ማእከላይ መዋእል ኢዩ: ኣዝዩ ዘስፋሕፍሐ ግን ኣብ 1400ታትን ኣብ 1500ታትን ጥራይ ኢዩ።” መቍጸሪያ ምጥቃም ኣብ ካቶሊካውያን ጥራይ እተወሰነ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ዲክስዮናርዮ ኤንሲክሎፔዲኮ ሂስፓኖ-ኣመሪካኖ (ብቛንቋ እስጳኛ) ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እስልምናን ላመይስትን ናይ ቡድሂስት ኣምልኾን ተመሳሳሊ ኣዕናቝ ይጥቀሙ ኢዮም።” ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ረሊጅንስ (ብቛንቋ እስጳኛ) ከምዚ በለ:- “መሓመዳውያን ንመቝጸሪያ ካብ ቡድሂስት ከም ዝወሰድዎ: ክርስትያናት ከኣ ብግዲኦም ኣብ እዋን ውግእ መስቀላውያን ካብ መሓመዳውያን ከም ዝወሰድዎ ርእይቶ ተዋሂቡ ኢዩ።”
ገሊኦም: መቝጸሪያ ንብዝሕ ዝበሉ ጸሎታት ምድግጋም ከድሊ ከሎ ንምዝካር ዝሕግዘካ ደጋፊ ጥራይ ኢዩ ይብሉ። ግናኸ ኣምላኽ ብእኡ ክትጥቀም ባህ ይብሎዶ ኢዩ፧
እዚ ልምድታት እዚ ግቡእ ወይ ብቑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክንግምት ወይ ክንከራኸር ኣየድልየናን ኢዩ። የሱስ ሰዓብቱ ከመይ ገይርካ ከም ዝጽለ ክምህሮም ምስ ሓተትዎ ስልጣን ብዘለዎ መገዲ መልሲ ሂብዎም ኢዩ። እቲ ንሱ ዝበሎ ሓሳብ ንገለ ኣንበብቲ ከብርሃሎም አረ ከገርሞም እውን ይኽእል ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ካቶሊካውያን ናይ መቝጸሪያ ኣዕናቝ ይጥቀሙ ኢዮም። መበቈሎም እንታይ ኢዩ፧