ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ፊልጶስ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን የጠምቕ
ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣብ ሰረገላኡ ተወጢሑ እናኸደ ከሎ: ንግዜኡ ብጥበብ ተጠቐመሉ። ዓው ኢሉ የንብብ ነበረ። ዓው ኢልካ ምንባብ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ገየሽቲ ልሙድ ተግባሮም ኢዩ ነይሩ። እዚ ሰብኣይ እዚ: “ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ: ስልጡን” ብዓል መዚ ኢዩ ነይሩ።a “ኣዛዝ ኵሉ ገንዘባ” ስለ ዝነበረ ምኒስተር ፋይናንስ ነይሩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። እዚ በዓል ስልጣን እዚ ፍልጠት ምእንቲ ከጥሪ ካብ ቃል ኣምላኽ የንብብ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:27, 28
ኣብ ጥቕኡ ወንጌላዊ ፊልጶስ ነበረ። ሓደ መልኣኽ ናብዚ ቦታ እዚ መርሖ “ሕለፍ: ናብቲ ሰረገላ ቕረብ” ከኣ በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26, 29) ፊልጶስ ‘እዚ ሰብኣይ እዚ መን ኢዩ፧ እንታይ ኢዩ ዘንብብ ዘሎ፧ ስለምንታይ ኢየ ናብኡ ተመሪሐ፧’ ብምባል ሓሲቡ ክኸውን ከም ዝኽእል ክንግምቶ ንኽእል ኢና።
ፊልጶስ ብጐኒ እቲ ሰረገላ ክጐዪ ከሎ: እቲ ኢትዮጵያዊ ነዘን ዝስዕባ ቃላት ከንብብ ከሎ ሰምዖ:- “ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ: ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ: ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን። ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረ: ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቊሳ እያ እሞ: ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧”—ግብሪ ሃዋርያት 8:32, 33
ፊልጶስ ነቲ ሓሳባት ቀልጢፉ ተገንዘቦ። ካብ ጽሑፍ ኢሳይያስ ኢዩ ዘንብብ ነይሩ። (ኢሳይያስ 53:7, 8) እቲ ኢትዮጵያዊ ዘንብቦ ዝነበረ ሓሳባት ንኽርድኦ ጸጊምዎ ኢዩ ነይሩ። ፊልጶስ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” ኢሉ ብምሕታት ምስኡ ዝርርብ ጀመረ። እቲ ኢትዮጵያዊ “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ኢሉ መለሰ። ሽዑ ንፊልጶስ ኣብ ሰረገላኡ ክድይብ ለመኖ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31
“ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧”
እቲ ኢትዮጵያዊ ንፊልጶስ “እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዚብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብሎ ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒ: እልምነካ አሎኹ” በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:34) መንነት ናይቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ዘሎ “በጊዕ:” ወይ “ባርያ” ንነዊሕ እዋን ምስጢር ኰይኑ ስለ ዝነበረ: እቲ ኢትዮጵያዊ ክርድኦ ዘይምኽኣሉ ዘገርም ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 53:11) ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ “ብዛዕባ የሱስ ወንጌል” ምስ ሰበኸሉ: ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝበርሃሉ! ድሕርዚ እቲ ኢትዮጵያዊ “እንሆ ማይ: ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” በለ። ሽዑ ፊልጶስ ብኡንብኡ ኣብኡ ኣጠመቖ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:35-38
እዚ ብሃወኽ እተገብረ ድዩ ነይሩ፧ ፈጺሙ ሃወኽ ኣይነበረን! እቲ ኢትዮጵያዊ ኣይሁዳዊ ጵሮሰሊትb ስለ ዝነበረ: ድሮ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዝገልጹ ትንቢታት ፍልጠት ዘለዎ ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ፍልጠቱ ምሉእ ኣይነበረን። ሕጂ ነዚ ብዛዕባ ግደ የሱስ ክርስቶስ ዝምልከት ኣድላዪ ሓበሬታ ምስ ተቐበለ: እቲ ኢትዮጵያዊ ኣምላኽ ካብኡ እንታይ ከም ዝደሊ ተረዲኡ ኢዩ: ንኽፍጽሞ ድማ ቅሩብ ነበረ። ጥምቀት ግቡእ ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 28:18-20፣ 1 ጴጥሮስ 3:21
ድሕርዚ “መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ።” ናብ ካልእ መደብ ድማ ኸደ። እቲ ኢትዮጵያዊ ኸኣ “ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ።”— ግብሪ ሃዋርያት 8:39, 40
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
ከም ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን: ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ክማሃሩ ክንሕግዞም ግዴታ ኣሎና። ብዙሓት ኣብ መገሻ ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ናይ እግረ-መገዲ ኣጋጣሚታት ንዝረኽብዎም ሰባት ነቲ ብስራት ብምንጋር ተዓዊቶም ኢዮም። ብምኽንያት ስብከት ዕዮ መንግስቲ ድማ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ንየሆዋ ዝገበርዎ ወፈያ ብጥምቀት የርእይዎ ኣለዉ።
ሓደስቲ ንጥምቀት ክህወኹ ከም ዘይብሎም ፍሉጥ ኢዩ። ብቐዳማይ ደረጃ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ርጡብ ፍልጠት ከጥርዩ ይግባእ። (ዮሃንስ 17:3) ቀጺሎም ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ምእንቲ ክኸዱ ሕማቕ ጠባያት ብምሕዳግን ብምምላስን ክናስሑ ይግብኦም። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20) እዚ: ብፍላይ ሕማቕ ኣተሓሳስባን ጠባያትን ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ምስ ዝኸውን: ግዜ ዝወስድ ኢዩ። ሓደስቲ ሰባት ክርስትያን ወደ መዝሙር ምዃን ዘምጽኦ ሓላፍነት ኣርዚኖም ክሓስቡሉ ዝግብኦም እኳ እንተዀነ: ህይወቶም ወፍዮም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ርክብ ብምግባሮም ዓቢ በረኸት ይረኽቡ ኢዮም። (ምስ ሉቃስ 9:23፣ 14:25-33 ኣረኣእዮ።) እቶም መሰኻኽር የሆዋ ዝዀኑ ድማ ነዞም ሓደስቲ ሰባት እዚኣቶም ብዉዕዉዕ ስምዒት ናብታ ኣምላኽ ፍቓዱ ንኽትገብር ዝጥቀመላ ዘሎ ማሕበር ይመርሕዎም ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:45-47) ልክዕ ከምቲ ኢትዮጵያዊ ዝገበሮ: እዞም ሓደስቲ ሰባት እዚኣቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ክማሃሩን ምስቲ ንሱ ክፍጽምዎ ዝደልዮም ነገራት ተሰማሚዖም ክኸዱን ሕጕሳት ክዀኑ ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፋት]
a “ህንደኬ” ስም ዘይኰነስ ነተን ተኸታቲለን ዝመጻ ዝነበራ ናይ ኢትዮጵያ ንግስትታት ዝወሃብ ዝነበረ (ልክዕ ከም “ፈርኦን” “ቄሳር”) ማዕርግ ኢዩ።
b ጵሮሰሊት ንሕጊ ሙሴ ክስዕቡ ዝመረጹ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ኢዮም ነይሮም።—ዘሌዋውያን 24:22
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]
ስሉብ ተባሂሉ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
ኣብ ምሉእ ጸብጻብ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 እቲ ኢትዮጵያዊ ከም “ስሉብ” ተጠቒሱ ኣሎ። ይኹን እምበር: ሕጊ ሙሴ ንሓደ ፍረ ነፍሱ እተቐጥቀጠ ወዲ ተብዓታይ ናብ ጉባኤ ክኣቱ ዘይፈቅድ ስለ ዝነበረ እዚ ሰብኣይ እዚ ቃል ብቓሉ ስሉብ ከም ዘይነበረ እተረጋገጸ ኢዩ። (ዘዳምግም 23:1) እታ “ስሉብ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ንሓደ ኣብ ናይ ስልጣን ዝለዓለ ቦታ ዘሎ ሰብ እውን ተመልክት ኢያ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ኢትዮጵያዊ ኣብ ትሕቲ ንግስቲ ኢትዮጵያ ዘገልግል ዝነበረ በዓል ስልጣን ኢዩ ነይሩ።