ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/7 ገጽ 3-4
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣካ ሓገዝ የድልየካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣካ ሓገዝ የድልየካ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፊልጶስ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን የጠምቕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ፊልጶስ ቀናእ ወንጌላዊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • “ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/7 ገጽ 3-4

መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣካ ሓገዝ የድልየካ

መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ መጽሓፍ ኢዩ። ጸሓፍቱ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ከም ዝጸሓፍዎ ኢዮም ዝገልጹ: ትሕዝቶኡ እንተ​ዀነ እውን እዚ ሓቂ ምዃኑ እኹል መርትዖ ዝህብ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝገልጾም ሓድሓደ ነገራት: ካበይ ከም ዝመጻእናን ንምንታይ ከም እተፈጠርናን ናበይ ከም እንኸይድን ኢዩ። ብርግጽ ክንምርምሮ ዘሎና መጽሓፍ ኢዩ!

ምናልባት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ፈቲንካ ምርዳእ ግን ኣብዪካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሕቶታት ከጋጥመካ ኸሎ ኣበይ መልስታት ከም እትረክብ ኣይትፈልጥን ትኸውን። እዚ ግድል እዚ ንዓኻ ጥራይ ኣይኰነን ኣጋጢሙካ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ሰብኣይ ዘጋጠሞ ግድል ኢዩ ኣጋጢሙካ። ብሰረገላ ገይሩ ካብ የሩሳሌም ናብ ዓዱ ኢትዮጵያ ይምለስ ነበረ። እዚ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን ካብታ ሸውዓተ ሚእቲ ዓመት ኣቐዲማ እተጻሕፈት ትንቢታዊት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ኢሳይያስ ዓው ኢሉ የንብብ ነበረ።

ብሃንደበት ሓደ ሰብኣይ ጐኒ ጐኒ እታ ሰረገላኡ እናጐየየ ሰላም በሎ። እቲ ሰብኣይ ፊልጶስ ዝበሃል ወደ መዝሙር የሱስ ነበረ: ነቲ ኢትዮጵያዊ ድማ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ኸኣ “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ኢሉ መለሰሉ። ንፊልጶስ ከኣ ናብታ ሰረገላ ኽድይብ ተማሕጸኖ። ድሕርዚ ፊልጶስ ትርጕም ናይቲ እቲ ሰብኣይ ዘንብቦ ዝነበረ ጥቕሲ ገለጸሉ ከምኡውን “ብዛዕባ የሱስ ወንጌል” ሰበኸሉ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠30-35

ልክዕ ከምቲ ቕድሚ ነዊሕ እዋን ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ቃል ኣምላኽ ክርዳእ ዝሓገዞ: ሎሚ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኦም ይሕግዝዎም ኢዮም። ንዓኻውን ንኽሕግዙኻ ሕጉሳት ኢዮም። መብዛሕትኡ እዋን ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ መሰረታዊ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ኣትሒዝካ ብኣገባብ ምጽንዑ እቲ ዝሓሸ ኢዩ። (እብራውያን 6:⁠1) ብፍልጠት እናዓበኻ ምስ ከድካ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ዕጹም ብልዒ” ብምባል ዝጸውዖ ዕምቝ ዝበለ ሓቂ ኽትርድኦ ትኽእል ኢኻ። (እብራውያን 5:⁠14) እቲ እተጽንዖ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ​ዀነ: ካልእ ጽሑፋት ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዘካ ጽሑፋት ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስትታት ጥቕስታት ንምርካብን ንኽትርድኦን ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝጥዕመካ ሰዓትን ቦታን መጽናዕቲ ንምግባር ሓገዝ ክወሃበካ ይኽእል ኢዩ። አረ ገሊኣቶምስ ብተሌፎን ከይተረፈ ኢዮም ዘጽንዑ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ከም ኣብ ክፍሊ ንተማሃሮ ዝወሃብ ትምህርቲ ኣይኰነን: ንኣተዓባብያኻን ደረጃ ትምህርትኻን ብሕታዊ ዅነታትካን ኣብ ግምት ብምእታው ንውልቅኻ ዝዳሎ ኢዩ። ነዚ ድማ ኽትከፍል ኣየድልየካን ኢዩ። (ማቴዎስ 10:⁠8) መርመራ ስለ ዘይትገብር ኣይክትዋጠርን ኢኻ። ሕቶታትካ መልሲ ኽትረኽበሉ: ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርብ ድማ ኽትማሃር ኢኻ። ስለምንታይ ኢኻ ግን መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ንምንታይ ኣብ ህይወትካ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልካ ዝገልጽ ገለ ምኽንያታት እስከ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ