ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ጥሪ ገጽ 19
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፊልጶስ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን የጠምቕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ፊልጶስ ቀናእ ወንጌላዊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣካ ሓገዝ የድልየካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ጥሪ ገጽ 19
ፊልጶስ ኣብ ጥቓ እቲ ኢትዮጵያዊ ተቐሚጡ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጸሉ፣ ክልቲኦም ብኣፍራስ ኣብ እትሰሓብ ኣርባዕተ መንኰራዅር ዘለዋ ሰረገላ ተወጢሖም ኣለዉ።

ትፈልጥዶ፧

ፊልጶስ ናብቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ኣብ ምንታይ ዓይነት መጕዓዝያ እዩ ተወጢሑ ነይሩ፧

እታ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም “ሰረገላ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል፡ ንእተፈላለየ ዓይነት መጕዓዝያ ኸተመልክት ትኽእል እያ። (ግብ. 8:28, 29, 38) ኰይኑ ግና፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ኣብ ናይ ውግእ ሰረገላ ወይ ኣብ ናይ ቅድድም ሰረገላ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዝዓበየ ዓይነት መጕዓዝያ ተወጢሑ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ዝበጻሕናሉ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

እቲ ኢትዮጵያዊ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ ዝመጸ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን እዩ ነይሩ። “ኣብ ትሕቲ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ስልጣን ዝነበሮ” ሰብ እዩ ነይሩ። (ግብ. 8:27) ናይ ጥንቲ ኢትዮጵያ ንዘመናዊት ሱዳንን ንደቡባዊ ጫፍ ዘመናዊት ግብጽን ዘጠቓለለት እያ ነይራ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ምሉእ ጕዕዞኡ በታ መጕዓዝያ እቲኣ ጥራይ እተጓዕዘ ኸይከውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ዝዀኖ ጓዓዝ ተማሊኡ ኪኸውን ኣለዎ። ገለ ኻብተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ንገየሽቲ ዜጐዓዕዛ ዝነበራ መጕዓዝያታት፡ ኣርባዕተ መንኰራዅር ዘለወን ብላዕሊ እተሸፈና ሰረገላታት እየን ነይረን። ነዚ ብዚምልከት፡ ኣክትስ—ኣን ኤክሰጀቲካል ኮመንታሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ከምዚ ዝኣመሰለት ሰረገላ ብዙሕ ጓዓዝ ክትሕዝ ትኽእል እያ፡ ዝያዳ ምሾት እውን ኣለዋ፣ ስለዚ፡ ንዝነውሐ ጕዕዞ ተገልግል እያ።”

ፊልጶስ ናብቲ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ እቲ ኢትዮጵያዊ የንብብ ነበረ። እቲ ዛንታ፡ “ፊልጶስ ጐድኒ ጐድኑ ጐየየ፡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ ድማ ሰምዖ” ይብል። (ግብ. 8:30) ናይ ጕዕዞ ሰረገላታት ንፍጥነት ተባሂለን ኣይኰናን ዚስርሓ ነይረን። እታ ሰረገላ ቐስ ኢላ እትጕዓዝ ብምዃና ኸኣ፡ እቲ ስሉብ ኬንብብ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፡ ፊልጶስ ድማ ጐድኒ ጐድኑ ኺጐዪ ኽኢሉ እዩ።

እቲ ኢትዮጵያዊ “ንፊልጶስ . . . ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ።” (ግብ. 8:31) ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ቅድድም ሰረገላ፡ እቲ ተወጣሒ ደው ኢሉ እዩ ዚጕዓዝ። ኣብ ናይ ጕዕዞ ሰረገላ ግና፡ እቲ ስሉብን ፊልጶስን ኪቕመጡሉ ዚኽእሉ ቦታ ይህልዎም እዩ።

እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 ዚርከብ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ጽሑፍን ካልእ ታሪኻዊ መርትዖን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝወጸ ጽሑፋትና፡ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኻብ ናይ ውግእ ሰረገላ ወይ ካብ ናይ ቅድድም ሰረገላ ኣብ እትዓቢ መጕዓዝያ ኸም እተወጠሐ ጌርካ ተሳኢሉ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ