ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/10 ገጽ 29-31
  • ‘ንስድራቤትካ ዘድሊ ምቕራብ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንስድራቤትካ ዘድሊ ምቕራብ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ስራሕ ናይ ምስኣን ብድሆ ምግጣም
  • ናይ ትምህርቲ ግድላት
  • ቈልዓ ናይ ምውላድ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ
  • ኣቱም ወለዲ: ንስድራቤትኩም ሕለዩሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንድሕነት ስድራቤትኩም ኣበርቲዕኩም ጽዓሩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝሓበራ ብዙሓት ውሉዳት ዘለዉወን ስድራቤታት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/10 ገጽ 29-31

‘ንስድራቤትካ ዘድሊ ምቕራብ’ ኣብተን ዘይምዕቡላት ሃገራት ንዘሎ ብድሆ ምግጣም

“ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ [“ዘድሊ ዘይቅርብ:” ትሓዓ] እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ።” እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ቃላት እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ኣብተን ሃብታማት ሃገራት ስድራቤት ምእላይ እናኸበደ ይኸይድ ካብ ሃለወ: ኣብ ሓንቲ ዘይማዕበለት ሃገር ኴንካ ስድራቤት ምእላይ እሞ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ከቢድ ጸገማት ኢዩ ዝፈጥር።

ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ጸገም ብብዝሒ ኢዩ ዘሎ። ስራሕ ኣይርከብን እዩ: እንተ ተረኺቡ ኸኣ ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን መግቢ ንምቕራብ ጥራይ ክሰርሑ ከድልዮም እዩ። ርእሲ ስድራቤታት ስራሕ ንምርካብ ኣንስቶምን ደቆምን ንኣዋርሕ⁠—​ወይ ንዓመታት⁠—​ሓዲጎም ናብ ርሑቕ ቦታታት ክጓዓዙ የድልዮም ይኸውን። እኹል መንበሪ ኣባይቲ ንምርካብ እውን ኣጸጋሚ ኢዩ። ዝበዝሓ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ስድራቤታት ብዙሓት ኣባላት ዘለዉወን እየን፣ ስለዚ ኸኣ መንበሪ ኣባይቲ: እተጨቓጨቐ: ምቾት ዝጎደሎ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ንጥዕና ዝጐድእ ኵነታት ይርአ ኢዩ።

ብተወሳኺ: ናይ ከባቢ ባህልታት: ነዊሕ ዝጸንሐ ልምድታት: ከምኡውን ብህዝቢ ተቐባልነት ንምርካብ ዝብል ኣረኣእያታት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዘሎ መንፈስ ዝጻረር ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ። ብዛዕባ መርዓን ውሉዳትን ዝምልከት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኣመለኻኽታታት ርአ። ገለ ርእሲ ስድራቤታት ሓላፍነቶም ክራይን ነቲ ግዴታዊ ዝዀነ ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊትን ምኽፋል ጥራይ ከም ዝዀነ ኢዮም ዝአምኑ። ከም እኒ መግብን ክዳንን ዝኣመሰለ ነገራት ግን ኣንስቶም⁠—​ሓድሓደ ግዜ ኸኣ እቶም ዕብይ ዝበሉ ደቆም⁠—​ክቕርብዎ ይጽበዩ።

ብተወሳኺ: ገለ ሰብኡት “ገንዘበይ ገንዘበይ ኢዩ: ገንዘብኪ ኸኣ ገንዘበይ ኢዩ” ዝብል ኣመለኻኽታ ኣለዎም። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን ብዙሕ እቶት ዝእትዋ ኣንስቲ ቅርሕንቲ ዝፈጥር ኢዩ። ሓንቲ ታንዛንያዊት ሰበይቲ ከምዚ ብምባል ተማርር:- “እቲ ገንዘብ ኣባና ወይ ኣብቶም ውሉዳት ዘይኰነስ ኣብ መስተ ኢዩ ዝጠፍእ። ኵላትና ሓቢርና ኢና እንሰርሕ: ወይ ካብኡ ዝያዳ ንሕና ኢና እንሰርሕ: ግናኸ እቲ ገንዘብ ናቱ ከም ዝዀነ⁠—​ዓስቡ ከም ዝዀነ⁠—​ብምዝራብ ብምሉእ ኢዩ ዝወስዶ።”

ይኹን እምበር ክርስትያናት: ንቓል ኣምላኽ ካብ ናይ ከባቢ ባህሊ ወይ ከኣ ካብቲ ኣብ ህዝቢ ቅቡል ዝዀነ ኣመለኻኽታ ንላዕሊ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንስድራቤት ምእላይ ሓጋዚ መምርሒ ኢዩ ዝህብ። ንኣብነት: “ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር: ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን” ይብለና። (2 ቈረንቶስ 12:14) ስለዚ እምበኣር: እቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ንኣምላኽ ዝፈርሁ ኣቦታት ብስንፍና ነቲ ንስድራቤት ዘድሊ መግብን ክዳንን ናይ ምድላው ሓላፍነት ናብ ኣንስቶም ወይ ናብቶም ዓበይቲ ደቆም ኣይሓድግዎን ኢዮም፣ እቲ ሓላፍነት ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ርእሲ ስድራቤት ኢዩ ዝወድቕ።⁠—​1 ቈረንቶስ 11:3

ሓቂ እዩ: ናይቲ ሰብኣይ እቶት ንስድራቤቱ ዘድልዮም ብምሉኡ ንኸማልእ ዘይኣክል ክኸውን ይኽእል። ግናኸ እታ ሰበይቲ ካብቲ ቤት ወጻኢ ገንዘብ ተእቱ እንተድኣ ኰይና: ሓደ ክርስትያን ኣቦ ቅርሕንቲ ከሕድር የብሉን። ኣብ ክንድኡ ከም ክብርቲ ‘ብጸይቲ’ ገይሩ ኢዩ ዝርእያ። (ሚልክያስ 2: 14) ስለዚ ኸኣ: ነቲ ጽዒራ ዘምጽኣቶ ገንዘብ ብዘይድንጋጽ ኣይወስዶን: ንስምዒታታ ግዲ ብዘይምግባር ከኣ ስቕ ኢሉ ኣይዘርዎን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ንሱን ስድራቤቱን ‘ሓቢሮም ኢዮም ዝማኸሩ:’ ገንዘቦም ንጥቕሚ ምልእቲ እታ ስድራቤት ብኸመይ ከም ዝውዕል ከኣ ይውስኑ። (ምሳሌ 13:10 ትሓዓ) ኣብቲ ዝከኣለሉ ግዜ ኸኣ: እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ከምቲ እታ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረት “ደገኛ ሰበይቲ” ዝነበራ: ገንዘብ ናይ ምምሕዳር ምጡን ናጽነት የፍቅደላ እዩ። (ምሳሌ 31:10, 11, 16) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ናይ ስድራ ቤት ሓጐስን ዕግበትን ዘምጽእ ኢዩ።

ነቲ ስራሕ ናይ ምስኣን ብድሆ ምግጣም

ነቲ ስራሕ ናይ ምስኣን ግድል እውን ርአ። ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ርእሲ ስድራቤታት እቲ ዝርከብ ስራሕ ኣዝዩ ሒደት: ዝኽፈሎ ደሞዝ ከኣ ውሑድ ኰይኑ ምስ ረኸብዎ: ካብ ገዝኦም ርሒቖም ኣብ ናይ ማዕድን ቦታታት: ፋብሪካታት: ሕርሻታት: ወይ ኣብ ናይ ኣታኽልቲ ቦታታት ስራሕ ከናድዩ ተገዲዶም እዮም። ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እንተደኣ ኣልዩ: ካብቶም ኣምለኽቲ ብጾቱ ተገሊሉ: ንኣዝዩ ሕማቕ ምሕዝነት እተቓልዐ ኢዩ ዝኸውን። (ምሳሌ 18:1፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ሽሕ’ኳ ስድራቤቱ ነቲ ኵነታት ብዙሕ ከይተሸገሩ ክዋጽእሉ ዝጽዕሩ እንተዀኑ: ብመንፈሳዊ መገዲ መሪሕነት ዝወስድ ወይ ከኣ ስምዒታዊ ደገፍ ዝህቦም ኣቦ ስለ ዘይብሎም ምስቓዮም ኣይተርፍን ኢዩ። እኳ ድኣስ: ድሕሪ ነዊሕ ምፍልላይ ነቲ ንምክልኻሉ ተሓሲቡ ዝነበረ ነገር ማለት ናይ ገንዘብ ጸገም ኢዩ ዘምጽእ።

ሓንቲ ኣደ ኸምዚ ትብል:- “ብዓል ቤተይ ወርቂ ክፍሕር ከደ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ እንተበዝሐ ኸኣ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ክምለስ እዩ መዲቡ ነይሩ። ድሓር ግን ዓመት ገበረ! ኣነ ምስቶም ዝኣልዮም ሽዱሽቱ ቘልዑ ተረፍኩ። ዝኽፈል ክራይ ድማ ነበረ። ጥዕና ስለ ዘይረኸብኩ ኸአ ናይ ሆስፒታል ወጻኢታት ክኸፍል ነበረኒ። ክዳን የድልየና ነበረ: መዓልቲ መዓልቲ ድማ ክንበልዕ ነበረና። ስራሕ ኣይነበረንን። እዚ ከቢድ እዩ ነይሩ። እቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝነበረ ኸኣ ነቶም ቈልዑ ብመንፈሳዊ መገዲ ማለት ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ: ኣኼባታት: ከምኡውን ናይ ስብከት ዕዮ ምሕላይ እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ሓሊፍናዮ ኢና።”

ገሊአን ኣዴታት እውን ከይተረፋ ምእንቲ ክሰርሓ ስድራቤተን ንብዙሕ ኣዋርሕ ገዲፈናኦም ክኸዳ ተገዲደን እየን። ገሊአን ከም ገይሽቲ ነጋዶ ኰይነን ዕዮአን የካይዳ ኣብ ገዛ ድማ ሳሕቲ ኢየን ዝርከባ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ዕብይ ዝበሉ ቈልዑ ናይ ወለዲ ግደ ብምሓዝ መግቢ ከዳልዉ: ናይ ገዛ ዕዮ ክገብሩ: ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋቶም ናይ ምቕጻዕ ሓላፍነት እውን ከይተረፈ ክስከሙ ተገዲዶም ኢዮም። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምክፋል የለን። እወ: እቲ ኣብታ ስድራቤት ዘሎ ውጥረት ኣዝዩ ዓቢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ!

ርግጽ ኢዩ ቍጠባዊ ኵነታት ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ: ሓደ ኣቦ ንስድራቤቱ ዘድልዮም ምእንቲ ክቕርበሎም ናብ ርሑቕ ቦታ ኬድካ ስራሕ ካብ ምርካብ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ኣይህልዎን ይኸውን። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ደቂ ያእቆብ ዘድልዮም መግቢ ምእንቲ ክረኽቡ ስድራቤቶም ገዲፎም ናብ ግብጺ ክኸዱ ነበሮም። (ዘፍጥርት 42:1-5) ሎሚውን ተመሳሳሊ ኵነታት ከጋጥም ከሎ: ርእሲ ስድራቤታት ነቲ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኬድካ ብምስራሕ ዝርከብ ስጋዊ ጥቕምታት ምስቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ምፍልላይ ዘስዕቦ መንፈሳውን ስምዒታውን ጕድኣት ከነጻጽርዎ ይግባእ። ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ክንዲ ንነዊሕ ግዜያት ተፈላልዮም ዝነብሩ: ቍጠባዊ ጸገማት ክጽመሙ ኢዮም ዝመርጹ። ነቲ “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ዝብል ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:8 ዝርከብ ቃላት ጳውሎስ ይዝክርዎ ኢዮም።⁠—​ምስ ምሳሌ 15:17 ኣረኣእዮ።

መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ምጋሽ ዝሓሹ ኣማራጺታት ይርከቡ ኢዮም። ገሊኣቶም ተበግሶን ብልሓትን ብምርኣይ ጠቓሚ ዝዀነ ኣገልግሎት ብምሃብ ስራሕ ክፈጥሩ ክኢሎም ኢዮም።* (ምስ ምሳሌ 31:24 ኣረኣእዮ።) ወይ ከኣ ብኻልኦት ከም ትሑት ዝርአ ስራሕ: ትሕት ኢልካ ናይ ምቕባል ጕዳይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኤፌሶን 4:28) ሃዋርያ ጳውሎስ ንባዕሉ ንኻልኦት ብገንዘብ ዝመጸ ጾር ምእንቲ ከይገብረሎም ‘ለይትን መዓልትን ይጽዕር ነበረ።’ (2 ተሰሎንቄ 3:8) ሎሚውን ክርስትያን ሰብኡት ነቲ ኣብነት እቲ ክስዕብዎ ይኽእሉ ኢዮም።

ናይ ትምህርቲ ግድላት

ካልእ ግድል ከኣ ንትምህርቲ ዝምልከት ኢዩ። ኣብ ገለ ርሕቕ ዝበሉ ከባቢታት: ወለዲ ደቆም እኹል ትምህርቲ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም ንንውሕ ዝበለ ግዜያት ምስ ኣዝማድ ንኽነብሩ ክልእክዎም ልሙድ ኢዩ። መብዝሕትኡ ግዜ እዞም ውሉዳት እዚኣቶም ካብ ወለዶም ተፈልዮም: ኣኼባታት ክካፈሉን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክሳተፉን ጸገማት ኣለዎም። ዘድልዮም ተግሳጽ ስለ ዘይረኽቡ ድማ: ብቐሊሉ ኣደዳ ሕማቕ ዕርክነት ኢዮም ዝዀኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ብዙሓት ነቲ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ሓዲጎምዎ ኢዮም።

ዓለማዊ ትምህርቲ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ኣየተሓታትትን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንመንፈሳዊ ትምህርቲ ኢዩ ዝለዓለ ዋጋ ዝህቦ: ኣምላኽ ከኣ ነዚ መምርሒ እዚ ክህቡ ንወለዲ ኢዩ ሓላፍነት ሂቡዎም ዘሎ። (ዘዳግም 11:18, 19፣ ምሳሌ 3:13, 14) ይኹን እምበር: ንሓደ ውሉድ ንንውሕ ዝበለ ግዜያት ኣርሒቕካ ምስዳዱ: ነቲ ወላዲ “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ንኸዕብዮ ዝገብሮ ጻዕርታት የዳኽሞ እዩ።⁠—​ኤፌሶን 6:4*

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ጸቢብ ምስ ዝኸውን: ወለዲ ባዕላቶም መሰረታዊ ዝዀነ ክእለታት ካብ ምምሃር ሓሊፎም ክገብርዎ ዝኽእሉ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሎም ክዀኑ ይኽእሉ። በቲ ‘ዝዓበየ መምህርና’ የሆዋ እውን ሓገዝ ተዳልዩልና ኣሎ። (ኢሳይያስ 30:20) ኣብቲ ከባቢ ዘሎዋ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ብርክት ዝበለ ናይ ትምህርቲ ምድላዋት ይህባ ኢየን። ብዙሓት ጉባኤታት ምንባብን ምጽሓፍን ይምህራ ኢየን። ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እውን ብተመሳሳሊ: ሓደ ቘልዓ ኣነጺሩ ናይ ምንባብን ምዝራብን ክእለቱ ክስሕለሉ ዝኽእል ሓጋዚ ምድላው ኢዩ።

ቈልዓ ናይ ምውላድ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ

ቈልዑ ብፍላይ ብዙሓት ምስ ዝዀኑ እቲ ዘድልዮም ክትቅርበሎም ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ወለዲ መብዛሕትኡ ግዜ ቈልዑ ከም ዘፍቅሩ ይዛረቡ፣ በዚ ኸኣ ብእተኻእሎም መጠን የብዝሕዎም! ቈልዑ ከም ምንጪ እቶት ጌይርካ ዝርኣዩ እኳ እንተ ዀኑ: ብዙሓት ወለዲ ንመብዛሕትኦም ደቆም እቲ ዝኣኽሎም ክቕርቡሎም ኣይከኣሉን።

ርግጽ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር” ኢዮም ይብለና። (መዝሙር 127:⁠3) ይኹን እምበር: እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ እስራኤል ጽቡቕ ኵነታት ኣብ ዝነበረሉ ግዜያት ከም እተጻሕፉ ኣስተብህል። ጸኒሑ ግን: እቲ ዝነበረ ከቢድ ጥሜትን ውግእን ውሉድ ምዕባይ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ። (ድጕዓ ኤርምያስ 2:⁠11, 20፣ 4:⁠10) ነቲ ኣብ ብዙሓት ዘይምዕቡላት ሃገራት ብብዝሒ ዝርአ ዘሎ ኣጸጋሚ ኵነታት ብምርኣይ: ሓላፍነት ዘለዎም ክርስትያናት ንኽንደይ ዝዀኑ ቈልዑ ብሓቂ ገይሮም ክምግብዎም: ክኸድንዎም: ከጽልልዎም: ከምኡውን ከለማምድዎም ከም ዝኽእሉ ኣርዚኖም ክሓስብሉ ይግብኦም። ብዙሓት ሰብ ሓዳር ነቲ ወጻኢታት ብምግምጋም ኣንጻር እቲ ብዙሓት ውሉዳት ምዕባይ ዝድግፍ ባህሊ ምኻድ ዝሓሸ ኰይኑ ስለ ዝረኸብዎ: ቈለዑ ኣብ ምውላደ ደረት ገበሩ። a​—⁠ምስ ሉቃስ 14:⁠28 ኣረአእዮ።

እንነበረሉ ዘሎና እዋን “ንኸትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ምዃኑ ንጹር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5 ትሓዓ) እዚ ኣገባብ እዚ ናብቲ ዘይተርፍ መወዳእታኡ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ: ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ዘይምዕቡላት ሃገራት ዘለዋ ስድራቤታት ዝወረድ ጸቕጢ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ርእሲ ስደራቤታት ነቲ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ጠቢቖም ብምስዓብ: ንስድራቤቶም ብስጋውን መንፈሳውን ዘድልዮም ዘበለ ኣብ ምሕላይ ክዕወቱ ይኽእሉ ኢዮም: ከመይሲ የሆዋ ነቶም ብተኣማንነት ዘገልግልዎ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዝብል መብጽዓ ሂብዎም ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠5) እወ: ክርስትያናት ኣብተን ድኻታት ሃገራት እውን ከይተረፈ ንስድራቤቶም ዘድልዮም ዘበለ ኣብ ምቕራብ ዘጋጥም ብድሆ ብዓወት ክዋጽእሉ ይኸእሉ ኢዮም!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነቲ ኣብ ናይ 22 ጥቅምቲ 1994 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ): ካልኣይ መጽሔትና ዘሎ “ኣብተን ዘይማዕበላ ሃገራት ዕዮታት ምፍጣር” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ርአ።

ተወሳኺ ሓሳባት ንምርካብ ኣብ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ናይ 15 ነሓሰ 1982 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ርአ።

ኣብ ናይ 22 ለካቲት 1993 ንቕሑ! (እንገሊዝኛ) ዝርከብ “ውጥን ስድራቤት​—⁠ዓለምለኻዊ ብድሆ” ዝብል ተኸታታሊ ኣርእስትታት ሓጋዚ ሓበሬታ ተዳልዩ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ