ነቲ የሆዋ ዘዳልዎ መጸናንዒ ምምቓል
“ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ: ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥና: ተስፋና ኣባኻትኩም ጽንዕቲ እያ።”—2 ቈረንቶስ 1:7
1, 2. ተመክሮ ናይቶም ሎሚ ክርስትያናት ዝዀኑ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እንታይ ኢዩ፧
ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ብዙሓት ኣንበብቲ ግምቢ ዘብዐኛ: ናይ ኣምላኽ ፍልጠት ሓቂ ከይረኸቡ ዝዓበዩ ኢዮም። ምናልባት ንስኻውን ከምኡ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተድኣ ኴንካ: ናይ ምርዳእ ኣዒንትኻ ክኽፈት ክጅምር ከሎ ከመይ ይስማዓካ ከም ዝነበረ ዘክር። ንኣብነት: ምዉታት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ዘይኰነስ ምንም ሓሳብ ከም ዘይብሎም ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተረዳእካ ቅሳነት ኣይተሰማዓካንዶ፧ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክትንስኡ ምዃኖም ዝገልጽ ተስፋ ምዉታት ምስ ተማሃርካኸ ኣይተጸናናዕካንዶ ኢኻ፧—መክብብ 9:5, 10፣ ዮሃንስ 5:28, 29
2 ብዛዕባ እቲ ንእከይ መወዳእታ ንምግባር ንምድሪ ድማ ናብ ገነት ንምልዋጥ እተገብረ መብጽዓ ኣምላኽከ፧ ብዛዕባ እዚ ምስ ተማሃርካ ኣጸናኒዑካን ሃንቀውታ ብዘለዎ ትጽቢት መሊኡካንዶ ኸይኰነ፧ ከይሞትካ ናብታ እትመጽእ ዘላ ምድራዊት ገነት ብህይወት ክትኣቱ ዘሎ ኣጋጣሚ መጀመርታ ምስ ተማሃርካ ከመይ ተሰሚዑካ፧ ብሓጐስ ከም እተሰራሰርካ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እወ: ተቐባሊ ናይቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝስበኽ ዘሎ ናይ ኣምላኽ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ኴንካ ኢኻ።—መዝሙር 37:9-11, 29፣ ዮሃንስ 11:26፣ ራእይ 21:3-5
3. እቶም ነቲ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ዘማቕሉ ሰባት እውን ጸበባ ዘሕልፉ ስለምንታይ ኢዮም፧
3 ይኹን እምበር: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ንኻልኦት ከተማቕሎ ምስ ፈተንካ: “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ [ከም ዘይኰነት]” እውን ተረዲእካ ኢኻ። (2 ተሰሎንቄ 3:2) ምናልባት ገለ ካብቶም ናይ ቅድም ኣዕሩኽካ ብዛዕባ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓታት ዘሎካ እምነት ብምግላጽካ ኣላጊጾምልካ ይዀኑ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ብምቕጻልካ መስጐጕቲ እውን ከይተረፈ የሕሊፍካ ትኸውን። ናብራኻ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተሰማምዖ ለውጢ ክትገብር ምስ ጀመርካ እቲ ምጽራር በርቲዑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ሰይጣንን ዓለሙን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ኣምላኽ ዝህቦ መጸናንዒ ዝረኽቡ ሰባት ዘምጽኦ ጸበባ ክትምከሮ ጀሚርካ ኣሎኻ።
4. ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ጸበባ ምስ ዘጋጥሞም በየናይ እተፈላለየ መገድታት ኢዮም ዝምልስሉ፧
4 እቲ ዘሕዝን ግን: ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ጸበባ ንገሊኣቶም ከም ዝዕንቀፉን ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሮም ርክብ ከም ዘቋርጹን ገይርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 13:5, 6, 20, 21) ካልኦት ኣተሓሳስባኦም ኣብቲ ዝማሃርዎ ዘለዉ ዘጸናንዕ መብጽዓታት ከም ዘተኵር ብምግባር ንጸበባ ተጸሚሞምዎ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ከም ደቀ መዛሙርቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ መጠን ተጠሚቖም ኢዮም። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ማርቆስ 8:34) ርግጽ ኢዩ: ሓደ ክርስትያን ምስ ተጠምቀ ጸበባ ዘቋርጽ ኣይኰነን። ንኣብነት: ንሓደ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብራ ዝነበሮ ሰብ ጽፈቱ ሓልዩ ክመላለስ ብርቱዕ ቃልሲ ምግባር ዘድልዮ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካልኦት ድማ ምስቲ ካብ ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራቤት ዝመጽእ ቀጻሊ ምጽራር ክቃለሱ ኣለዎም። እቲ ጸበባ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ኵሎም እቶም ብተኣማንነት ንኣምላኽ እተወፈየ ህይወት ሒዞም ዝነብሩ ሰባት ብዛዕባ ሓደ ነገር ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ናይ ኣምላኽ ምጽንናዕን ደገፍን ክረኽቡ ኢዮም።
‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’
5. ጳውሎስ ኣብ ርእሲ እቲ ዘሕለፎ ብዙሕ ጸበባ: እንታይ ተመክሮ ኢዩ ዘጋጠሞ፧
5 ነቲ ኣምላኽ ዝህቦ መጸናንዒ ዓሚቝ ሞሳ ዘርኣየ ሓደ ሰብ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኣብ እስያን መቄዶንያን ዘሕለፎ ኣዝዩ ፈታኒ ዝዀነ እዋን: ጉባኤ ሰብ ቈረንቶስ ነታ ናይ ተግሳጽ ደብዳበኡ ጽቡቕ ተቐባልነት ከም ዘርኣይዋ ምስ ሰምዐ ዓቢ ዕረፍቲ ረኸበ። እዚ ድማ ካልኣይቲ ደብዳበ ንኽጽሕፈሎም ኣለዓዓሎ: ኣብታ ደብዳበ ድማ እዚ ዝስዕብ ናይ ምስጋና መግለጺ ይርከብ:- “ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ኣቦ [“ለዋህ:” NW ] ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን: ይባረኽ: . . . ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ ኢዩ።”—2 ቈረንቶስ 1:3, 4
6. ካብቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ዝርከብ ቃላት ጳውሎስ እንታይ ኢና እንማሃር፧
6 እዘን መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት እዚኣተን ብዙሕ ሓበሬታ ዝህባና ኢየን። እስከ ሓደ ብሓደ ንመርምረን። ጳውሎስ ኣብ ደብዳበታቱ ንኣምላኽ ዘለዎ ውዳሰ ወይ ምስጋና ክገልጽ ከሎ ወይ ድማ ክልምን ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ንርእሲ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ዘለዎ ዓሚቝ ሞሳ እውን ከም ዝሕውሰሉ ኢና እንርኢ። (ሮሜ 1:8፣ 7:25፣ ኤፌሶን 1:3፣ እብራውያን 13:20, 21) ስለዚ: ጳውሎስ ነዚ ናይ ውዳሰ መግለጺ እዚ ናብ “ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ” ኢዩ ዘቕርቦ ዘሎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ድሕርዚ: ኣብ ደብዳበታቱ ንመጀመርታ ግዜ ነታ ‘ለዋህ ምሕረት’ እተተርጐመት ናይ ግሪኽ ስም ተጠቕመላ። እዛ ስም እዚኣ ካብታ ብስቓይ ካልእ ሰብ ዝስመዓካ ሓዘን ንምግላጽ እትውዕል ቃል ዝመጸት ኢያ። ስለዚ ጳውሎስ ነቲ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ካብቶም እሙናት ኣገልገልቱ ጸበባ ከሕልፉ ከለዉ ዝስምዖ ለውሃት ዘለዎ ስምዒታት—ኣብ ክንድኦም ስጕምቲ ንኽወስድ ዘለዓዕሎ ለውሃት ዘለዎ ስምዒታት—ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ: ጳውሎስ ንየሆዋ ‘ኣቦ ለዋህ ምሕረት’ ኢሉ ብምጽዋዕ ምንጪ ናይዛ ተባሃጊት ባህሪ ምዃኑ ሓበረ።—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
7. የሆዋ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
7 ናይ ኣምላኽ ‘ለዋህ ምሕረት’ ንሓደ ጸበባ ዘሕልፍ ሰብ ዕረፍቲ የምጸኣሉ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ቀጺሉ የሆዋ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ከም ዝዀነ ዝገለጸ። ስለዚ: ካብ ሕያውነት ናይ ኣመንቲ ብጾት ዝዀነ ይኹን መጸናንዒ ንርከብ ብዘየገድስ: ናይ ምጽንናዕ ምንጪ ምዃኑ ብምፍላጥ ናብ የሆዋ ክንጥምት ንኽእል ኢና። ካብ ኣምላኽ ዘይምንጭ ናይ ሓቅን ነባርን ዝዀነ መጸናንዒ የልቦን። ብተወሳኺ: ንሰብ ብምስሉ ዝፈጠሮ ንሱ ብምዃኑ መጸናናዕቲ ክንከውን ዘኽእለና ንሱ ኢዩ። ከምኡውን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ኣገልገልቱ መጸናንዒ ንዘድልዮም ሰባት ለዋህ ምሕረት ንኸርእዩ ዘለዓዕሎም ኢዩ።
መጸናናዕቲ ንምዃን እተለማመዱ
8. ኣምላኽ: ምንጪ ናይቲ ዘጋጥመና ፈተናታት እኳ እንተ ዘይኰነ: ንጸበባ ምጽማምና እንታይ ጠቓሚ ውጽኢት ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧
8 የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እሙናት ኣገልገልቱ እተፈላለየ ፈተናታት ክወርድ ዘፍቅድ እኳ እንተዀነ: ምንጪ ናይ ከምዚኣቶም ዝበሉ ፈተናታት ግን ፈጺሙ ኣይኰነን። (ያእቆብ 1:13) ይኹን እምበር: እቲ ጸበባ ክንጽመም ከሎና ዝህበና መጸናንዒ: ብዛዕባ እቲ ንኻልኦት ዘድልዮም ምጽንናዕ ዝያዳ ከም ዝስመዓና ክንከውን ከለማምደና ይኽእል ኢዩ። ምስ እንታይ ፍረኸ፧ “በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ: ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ [ንኽእል]።” (2 ቈረንቶስ 1:4) ስለዚ ንክርስቶስ ክንመስሎ ከምኡውን ‘ንዅሎም ሕዙናት ከነጸናንዕ’ ከሎና: ነቲ መጸናንዒ ንኣመንቲ ብጾትን ነቶም ኣብ ኣገልግሎትና እንረኽቦም ሰባትን ኣብ ምምቓል ኣስለጥቲ ክንከውን የሆዋ የለማምደና ኢዩ።—ኢሳይያስ 61:2፣ ማቴዎስ 5:4
9. (ሀ) ስቓይ ክንጽመም ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ግዜ ጸበባ ብተኣማንነት ክንጽመም ከሎና ካልኦት ዝጸናንዑ ብኸመይ ኢዮም፧
9 ጳውሎስ ነቲ ዘጋጠሞ ብዙሕ ስቓይ ተጸሚሙ ኢዩ: ብሓገዝ እቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ብዙሕ መጸናንዒ ምዃኑ ኣርእዩ: ምስጋና ድማ ሂቡሉ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 1:5) ንሕናውን ብዛዕባ እቲ ናይ ኣምላኽ ክቡር መብጽዓታት ብምስትንታን: ደገፍ መንፈስ ቅዱሱ ክንረክብ ብምጽላይ: ነቲ ኣምላኽ ንጸሎትና ዝሃቦ መልሲ ብምርኣይ ብዙሕ መጸናንዒ ክንረክብ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ንሉዓላውነት የሆዋ እናደገፍና ከምኡውን ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ እናኣረጋገጽና ንኽንቅጽል ክንበራታዕ ኢና። (እዮብ 2:4፣ ምሳሌ 27:11) ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸበባ ምስ እንጽመም: ልክዕ ከም ጳውሎስ ኵሉ እቲ ክብሪ ንየሆዋ ክንህቦ ኣሎና፣ እቲ ንሱ ዝህቦ መጸናንዒ ድማ ንክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ዘኽእሎም ኢዩ። እቲ እሙናት ክርስትያናት ዘርእይዎ ምጽማም: ካልኦት ‘ተመሳሳሊ ስቓይ ንኽጽመሙ’ ቈራጽነት ከም ዝወስዱ ብምግባር: ኣብ ልዕሊ ሕውነት ዘጸናንዕ ጽልዋ ኣለዎ።—2 ቈረንቶስ 1:6 NW
10, 11. (ሀ) ገለ ካብቲ ነታ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ስቓይ ኣስዒቡላ ዝነበረ ነገራት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ጳውሎስ ንጉባኤ ቈረንቶስ ዘጸናንዓ ብኸመይ ኢዩ: እንታይ ተስፋኸ ኢዩ ዝገለጸ፧
10 ሰብ ቈረንቶስ ተማቐልቲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ዝወርድ ስቓይ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ንሓደ ዘይናሳሕ ኣመንዝራ ክውግድዎ ምኽሪ ኣድልይዎም ነበረ። (1 ቈረንቶስ 5:1, 2, 11, 13) ነዚ ስጕምቲ እዚ ካብ ምውሳድ ከምኡውን ነቲ ዝነበረ ባእስን ምፍልላይን ደው ካብ ምባል ምስናፍ ኣብ ልዕሊ እታ ጉባኤ ውርደት ኣምጺኡ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ግን: ምኽሪ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ ናይ ሓቂ ነስሓ ድማ ኣርኣዩ። ስለዚ ኸኣ: ኣጸቢቑ ነኣዶም ነታ ዝሰደዳ መልእኽቲ ሰናይ ምላሽ ስለ ዘርኣዩ ድማ ከም እተጸናንዐ ገለጸሎም። (2 ቈረንቶስ 7:8, 10, 11, 13) ጸኒሑ እቲ ተወጊዱ ዝነበረ ሰብ ከም እተናስሐ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ጳውሎስ ‘ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይወሐጥ: ይቕረ ክብልሉን ከጸናንዕዎን’ መኸሮም።—2 ቈረንቶስ 2:7
11 እዛ ናይ ጳውሎስ ካልኣይቲ ደብዳበ ንጉባኤ ቈረንቶስ ኣጸናኒዓቶም ክትከውን ኣለዋ። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ናይ ጳውሎስ ድልየት ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ብምባል ከኣ ገለጸ:- “ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ: ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥና: ተስፋና ኣባኻትኩም ጽንዕቲ እያ።” (2 ቈረንቶስ 1:7) ጳውሎስ ኣብ መደምደምታ ደብዳበኡ “ጽኑዓት ኩኑ [“ምጽንናዕ ቀጽሉ:” NW ]: . . . ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” ብምባል ኣተባብዖም።—2 ቈረንቶስ 13:11
12. ኵሎም ክርስትያናት እንታይ ኢዩ ዘድልዮም፧
12 ካብዝስ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኰን ኢና ክንማሃር እንኽእል! ኵሎም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ ኣምላኽ ብቓሉ: ብመንፈስ ቅዱሱ: ከምኡውን በታ ምድራዊት ማሕበሩ ኣቢሉ ዘዳልዎ ‘መጸናንዒ ክማቐልዎ’ የድልዮም ኢዩ። እተወገዱ ሰባት እውን ከይተረፈ: እንተድኣ ተናሲሖም: ዝወሰድዎ ጌጋ ስጕምቲ ድማ እንተድኣ ኣሪሞም መጸናንዒ የድልዮም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ንምሕጋዞም ዝኸውን ምሕረት ዝመልኦ ምድላዋት ዝገበረ። ኣብ ዓመት ሓንሳእ ክልተ ሽማግለታት ንገለ እተወገዱ ሰባት ክበጽሕዎም ይኽእሉ ኢዮም። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ድሕሪ ደጊም እቲ ዓለወኛ ኣረኣእያኦም ወይ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ምስታፍ የቋርጽዎ: ምእንቲ ክምለሱ ድማ እቲ ኣድላዪ ስጕምትታት ንምውሳድ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን።—ማቴዎስ 24:45 NW፣ ህዝቅኤል 34:16
ጳውሎስ ኣብ እስያ ዘጋጠሞ ጸበባ
13, 14. (ሀ) ጳውሎስ ነቲ ኣብ እስያ ዝነበረ ናይ ከቢድ ጸበባ እዋን ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧ (ለ) ጳውሎስ ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ ነገር ኢዩ ዝዝከሮ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል፧
13 እቲ ጉባኤ ቈረንቶስ ዘሕለፈቶ ዓይነት ስቓይ ምስቲ ጳውሎስ ክጽመሞ ዝነበሮ ብዙሕ ጸበባታት ክወዳደር ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ: ከምዚ ብምባል ከዘኻኽሮም ክኢሉ ኢዩ:- “ኣሕዋተየ: ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ: ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ: ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና: ክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር: ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ: ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ: ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና: ብእኡ ተስፋ ንገብር አሎና።”—2 ቈረንቶስ 1:8-10
14 ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት: ጳውሎስ ነቲ ህይወቱን: ህይወት ናይቶም ሰብ መቄዶንያ ዝነበሩ ክልተ መጋይሽቱ ጋይዮስን ኣርስጣርኮስን ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ናይ ኤፌሶን ናዕቢ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ ኢሎም ይኣምኑ። እዞም ክልተ ክርስትያናት እዚኣቶም ናብቲ በቶም “ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ [ኣንስተይቲ ኣምላኽ] ዓባይ እያ: እናበሉ: . . . ክልተ ሰዓት ዚኣክል [ዝጭድሩ]” መናዓብቲ መሊኡ ዝነበረ ስፍራ ጓይላ ብሓይሊ ተወስዱ። ኣብ መወዳእታ: ናይታ ከተማ ጸሓፊ ነቶም ጭፍራ ከም ዝሃድኡ ገበሮም። እዚ ንህይወት ጋይዮስን ኣርስጣኮስን ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ነገር ንጳውሎስ ኣዝዩ ኣጨኒቕዎ ክኸውን ኣለዎ። አረ: ከይዱ ምስቶም ደረቕ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም መናዓብቲ ክረዳዳእ ደልዩ ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን: በዚ ኣገባብ እዚ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ተኸልኪሉ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:26-41
15. ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:32 ከመይ ዝበለ ሕሉፍ ኵነታት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧
15 ይኹን እምበር: ጳውሎስ ካብቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣዝዩ ሕልፍ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ ዝኸውን። ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ናይ መጀመርታ ደብዳበ: “ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ: እንታይ ጥቕሚ አሎኒ፧” ብምባል ሓቲቱ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:32) እዚ: ህይወት ጳውሎስ በቶም ከም ኣራዊት ዝምሰሉ ሰባት ጥራይ ዘይኰነትስ በቶም ኣብ ናይ ኤፌሶን ስታድዩም ዝነበሩ ቃል ንቓሉ ኣራዊት እውን ኣብ ሓደጋ ኣትያ ነይራ ኢያ ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ገበነኛታት ጽምኣት ደም ዘለዎም ጭፍራ እናተዓዘብዎም ምስ ኣራዊት ክቃለሱ ብምግዳድ ይቕጽዑ ነይሮም ኢዮም። ጳውሎስ ቃል ብቓሉ ምስ ኣራዊት ተቓሊሱ ማለቱ እንተድኣ ነይሩ: ከምቲ ዳንኤል ካብቶም ናይ ሓቂ ኣናብስ ዝደሓነ: ኣብ መወዳእታ ብተኣምራታዊ መገዲ ድሒኑ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኢዩ።—ዳንኤል 6:22
ዘመናውያን ኣብነታት
16. (ሀ) ብዙሓት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵነታቶም ምስቲ ጳውሎስ ዘሕለፎ ጸበባ ዝመሳሰል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነቶም ምእንቲ እምነቶም ክብሉ ዝሞቱ ኣሕዋት ዝምልከት ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ (ሐ) ክርስትያናት ካብ ሞት ናይ ምምላጥ ተመክሮ ከሕልፉ ከለዉ ኣብ ልዕሊ ካልኦት እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧
16 ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት ምስቲ ጳውሎስ ዘሕለፎ ዝመሳሰል ጸበባታት ክጽመሙ ይኽእሉ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 11:23-27) ሎሚውን: ክርስትያናት ‘ሓለፋ ዓቕሞም እምብዛ ዝኸበዶም’ ጸቕጥታት ኣሕሊፎም: ብዙሓት ድማ ‘ህይወቶም ዘቕብጽ’ ኵነታት ኣጋጢምዎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:8) ገሊኣቶም ኣብ ኢድ እቶም ብጃምላ ዝቐትሉን ጨካናት መሳጐጕትን ሞይቶም ኢዮም። እቲ ዘጸናንዕ ሓይሊ ኣምላኽ ክጽመሙ ከም ዘኽኣሎምን ተስፋኦም ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ ድማ ኣልባቦምን ኣእምሮኦምን ኣብ ፍጻሜ ተስፋኦም ኣትኲሩ እናጠመተ ከሎ ከም ዝሞቱ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:13፣ ፊልጲ 4:13፣ ራእይ 2:10) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት: የሆዋ ንነገራት ተቘጻጺርዎ ኢዩ: ኣሕዋትና ድማ ካብ ሞት ድሒኖም ኢዮም። ብዘይጥርጥር እቶም ከምዚ ዝበለ ምድሓን ዝረኸቡ ሰባት: “ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ” ዘለዎም ትውክልቲ ዓብዩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:9) ድሕርዚ: ነቲ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ከማቕልዎ ከለዉ ዝያዳ ምርዳእ ረኺቦም ክዛረቡ ይኽእሉ ኢዮም።—ማቴዎስ 24:14
17-19. ኣብ ሩዋንዳ ዘለዉ ኣሕዋትና ኣብቲ ኣምላኽ ዝህቦ ምጽንናዕ ተማቐልቲ ምንባሮም ዘርኢ እንታይ ተመክሮታት ኣሎ፧
17 ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሩዋንዳ ዘለዉ ፍቑራት ኣሕዋትና ምስቲ ናይ ጳውሎስን ብጾቱን ዝመሳሰል ተመክሮ ኣሕሊፎም ኢዮም። ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም: ሰይጣን እምነቶም ንምጥፋእ ዘገበሮ ጻዕርታት ግን ፈሺሉ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ኣብቲ ሃገር እቲ ዝርከቡ ኣሕዋትና ብሕታዊ ብዝዀነ ብዙሕ መገድታት ናይ ኣምላኽ መጸናንዒ ረኺቦም ኢዮም። ኣብ እዋን ዓሌታዊ ምጽናት ናይቶም ኣብ ሩዋንዳ ዝነብሩ ቱትስን ሁቱን: ንቱትሲ ከዕቍቡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ሁቱ ከምኡውን ንሁቱ ከዕቍቡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ቱትሲ ነይሮም ኢዮም። ገሊኣቶም ነቶም ኣመንቲ ብጾቶም ምእንቲ ክከላኸሉ በቶም ኣኽረርቲ እተቐትሉ ነይሮም ኢዮም። ንኣብነት: ጋሂዘ ዝስሙ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝዀነ ምስክር ንሓንቲ ቻንታል ዝስማ ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝዀነት ሓብቲ ድሕሪ ምሕብኡ ተቐትለ። እቲ ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝዀነ ሰብኣያ ንቻንታል: ጂን: ድማ ኣብ ካልእ ቦታ ሓንቲ ሁቱ ዝዓሌታ ሻርሎት ዝስማ ሓብቲ ሓቢኣቶ ነበረት። ጂን ከምኡውን ሓደ ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝዀነ ካልእ ሓው ን40 መዓልትታት ዝኸውን ለይቲ ንሓጺር እዋን ጥራይ ብምውጻእ: ኣብ ሓደ ዓቢ መውጽእ ትኪ ተሓብኡ። ኣብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ እዋን: ሻርሎት ኣብ ጥቓ መዓስከር ሰራዊት ሁቱ እኳ ትነብር እንተ ነበረት መግብን መዕቈብን ሂባቶም ኢያ። ኣብዚ ገጽ እዚ: ናይዞም እንደገና ብህይወት እተራኸቡ ጂንን ቻንታልን ስእሊ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ: ከምቲ ጵርስኪላን ኣኪላስን ኣብ ክንዲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ክሳዶም ዘሕለፉ:” ነቶም ካብ ዓሌት ሁቱ ዝዀኑ ተመሳሳሊ ነገር ዝገበሩሎም ኣመንቲ ብጾቶም ድማ መመስገንቲ ኢዮም።—ሮሜ 16:3, 4
18 ርዋካቡቡ እተባህለ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝዀነ ካልእ ምስክር ድማ: ነቶም ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝዀኑ ኣመንቲ ብጾቱ ስለ እተኸላኸለሎም: ካብታ ኢንታራማራ እትበሃል ጋዜጣ ምስጋና ረኺቡ ኢዩ።a እታ ጋዜጣ ከምዚ በለት:- “ነቶም ኣሕዋቱ (እቶም ኣመንቲ ብጾት ኣብ ንሓድሕዶም ከምኡ ኢሎም ኢዮም ዝጸዋውዑ) ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ምሕባእ ዝቐጸለ ርዋካቦቦ እተባህለ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣሎ። ሕማም ኣዝማ እኳ እንተለዎ ምሉእ መዓልቲ ንዓኣቶም መግብን ዝስተ ማይን ከበጻጽሓሎም ይውዕል ነበረ። ኣምላኽ ግን ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ሂብዎ ኢዩ።”
19 ነኮዳም ከምኡውን ኣታናዘ ዝስሞም ካብ ዓሌት ሁቱ ዝዀኑ ተገደስቲ ሰብኣይን ሰበይትን ዝገበርዎ ድማ ርአ። እቲ ዓሌታዊ ምጽናት ቅድሚ ምጅማሩ: እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ምስ ኣልፎንስ እተባህለ ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝዀነ ምስክር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ። ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ንኣልፎንስ ኣብ ቤቶም ሓብእዎ። እቶም ካብ ዓሌት ሁቱ ዝዀኑ ጐረባብቶም ብዛዕባ እቲ ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝዀነ ዓርኮም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ቤቶም ምቹእ ከም ዘይኰነ ተገንዘቡ። ስለዚ: ነኮዳምን ኣታናዘን ንኣልፎንስ ኣብ ገበላኦም ኣብ ዘሎ ሓደ ጕድጓድ ሓብእዎ። እዚ ጽቡቕ ስጕምቲ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ እቶም ጐረባብቲ ንኣልፎንስ ክደልይዎ ዳርጋ መዓልቲ መዓልቲ ክመጹ ጀመሩ። ኣልፎንስ ን28 መዓልትታት ኣብዛ ጕድጓድ እዚኣ ተሓቢኡ ከሎ: ከምቲ ናይታ ንኽልተ እስራኤላውያን ኣብ ናሕሲ ናይቲ ኣብ ያሪኮ ዝርከብ ቤታ ዝሓብአት ረሃብ ዝኣመሰለ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ የስተንትነሉ ነበረ። (እያሱ 6:17) ነቶም ምእንትኡ ክብሉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝዀኑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮኡ ምስጋና ይብጽሓዮም: ሎሚ ኣልፎንስ ኣብ ሩዋንዳ ከም ሰባኺ ናይቲ ብስራት ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ነኮዳምን ኣታነዘንከ እንታይ ኰኑ፧ ሕጂ ጥሙቓት መሰኻኽር የሆዋ ኰይኖም ምስ ተገደስቲ ሰባት ልዕሊ 20 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይዓዩ ኣለዉ።
20. የሆዋ ነቶም ኣብ ሩዋንዳ ዘለዉ ኣሕዋትና ዘጸናንዖም በየናይ መገዲ ገይሩ ኢዩ: ብዙሓት ግን ጌና እንታይ ቀጻሊ ዝዀነ ነገር ኢዩ ዘድልዮም፧
20 እቲ ናይ ሩዋንዳ ዓሌታዊ ምጽናት ክጅምር ከሎ: ኣብታ ሃገር 2,500 ኣወጅቲ እቲ ብስራት ነበሩ። ብኣምኣታት ዝቝጸሩ ኣሕዋት ህይወቶም ዝሰኣኑ ወይ ካብታ ሃገር ክሃድሙ እኳ እንተ ተገደዱ: ቍጽሪ እቶም መሰኻኽር ናብ ልዕሊ 3,000 ወሲኹ ኢዩ። እዚ: ኣምላኽ ንኣሕዋትና ከም ዘጸናንዖም መረጋገጺ ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ዘኽታማትን መበለታትንከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እዚኣቶም ጌና ጸበባ የሕልፉ ከም ዘለዉን ቀጻሊ መጸናንዒ ከም ዘድልዮምን ፍሉጥ ኢዩ። (ያእቆብ 1:27) ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ትንሳኤ ምስ ኰነ ጥራይ ኢዩ ንብዓቶም ምሉእ ብምሉእ ዝድረዝ። እንተዀነ ግን: ኣሕዋቶም ስለ ዝደገፍዎምን ናይቲ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ኣምለኽቲ ብምዃኖምን ንናብራ ክዋጽእሉ ክኢሎም ኢዮም።
21. (ሀ) ናይ ኣምላኽ መጸናንዒ ኣዝዩ ዘድልዮም ኣሕዋትና ኣበይ ኣበይ ኣለዉ: ሓደ ካብቲ ኵልና ክንሕግዘሉ እንኽእል መገዲኸ እንታይ ኢዩ፧ (ነቲ “ኣብ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ውግእ ዝነበረ መጸናንዒ” ዝብል ሳጹን ርአ።) (ለ) እቲ መጸናንዒ ንምርካብ ዘሎና ድልየት ምሉእ ብምሉእ ዝዓግብ መዓስ ኢዩ፧
21 ኣብ ካልእ ብዙሕ ቦታታት: ኣብ ከም በዓል ኤርትራ: ሲንጋፖር: ከምኡውን ዩጎዝላቭያ ነበር ዘለዉ ኣሕዋትና ጸበባ እናሀለወ ክነሱ ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል ቀጺሎም ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣሕዋት መጸናንዒ ምእንቲ ክረኽቡ ስርዓታውያን ኴንና ኣብ ክንድኦም ምህለላ ብምግባር ንሓግዞም። (2 ቈረንቶስ 1:11) ከምኡውን እቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ምሉእ ብምሉእ ‘ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንትና ዝደርዘሉ’ ግዜ ክሳዕ ዝመጽእ ብተኣማንነት እንጽመም ይግበረና። ሽዑ ነቲ የሆዋ ኣብታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ዝህቦ መጸናንዒ ምሉእ ብምሉእ ክንረኽቦ ኢና።—ራእይ 7:17፣ 21:4 2 ጴጥሮስ 3:13
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 1 ጥሪ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26: ተመክሮ ናይታ ጸሎታ ንጕጅለ ወተሃደራት ሁቱ ዝተንከፈን ነታ ስድራቤት ድማ ካብ ምቕታል ዘድሓነትን ዲቦራ እተባህለት ጓሉ ንርዋካቡቡ ተዘንቱ ኢያ።
ትፈልጦዶ፧
◻ የሆዋ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ንጸበባ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧
◻ ምስ መን ኢና መጸናንዒ ክንማቐል እንኽእል፧
◻ እቲ መጸናንዒ ንምርካብ ዘሎና ድልየት ምሉእ ብምሉእ ዝዓግብ ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ጂንን ቻንታልን ቱትሲ ዝዓሌቶም መሰኻኽር እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ እዋን እቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝነበረ ዓሌታዊ ምጽናት: ሁቱ ብዝዓሌቶም መሰኻኽር ኣብ ካልእ ቦታ ተሓብኡ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ኣምላኽ: ነቶም ኣብ ሩዋንዳ ዝርከቡ ጐረባብቶም ምምቓል ቀጺሎም ኢዮም