ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/12 ገጽ 22-27
  • ተሓቢኡ ዝነበረ መዝገብ ተረኺቡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተሓቢኡ ዝነበረ መዝገብ ተረኺቡ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብቛንቋ ሩስያ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ኣድላይነት
  • ናይ ምትርጓም ጻዕርታት ተጀመረ
  • ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ዘየዳግም ጽፍዒት ድዩ ነይሩ፧
  • ናይ ፓቭስኪ ትርጕም
  • ስም ኣምላኽ ምኽባር
  • ኣርኪማንድራይት ማካርዮስ
  • ማካርዮስ ዘርኣዮ ትብዓት ዘለዎ ኣቕዋም
  • ኣብ መወዳእታ ተሓትመ!
  • ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ እዋን እዚ
  • ቃል ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ፍጻመ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘማስዉሉ ትርጕም ሓዳስ ዓለም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/12 ገጽ 22-27

ተሓቢኡ ዝነበረ መዝገብ ተረኺቡ

ዛንታ ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ

ብ1993 ሓደ ተመራማሪ ኣብቲ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ዝርከብ ናይ ሩስያ ሃገራዊ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ዝዓመለ: ዝኣረገ ኦርቶዶክስ ረቪው (እንግሊዝኛ) ዝበሃል እኩብ መጽሔታት ረኸበ። ኣብ ገጻት ናይቲ ካብ 1860 ክሳዕ 1867 ዝነበረ መጽሔታት ንልዕሊ ሓደ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝኣክል ካብቲ ናይ ሩስያ ሕብረተሰብ ተኸዊሉ ዝነበረ መዝገብ ተረኽበ። ምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ወይ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “ብሉይ ኪዳን” ብቛንቋ ሩስያ እተተርጐመ ጽሑፍ ዝሓዘ ኢዩ!

ናይቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ተርጐምቲ እቲ ኣርኪማንድራይት ማካርዮስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሚካኤል ያኮቭለቪች ግሉካረፍ ከምኡውን ግራስይም ፒትሮቪች ፓቭስኪ ኢዮም። ክልቲኣቶም ቀንዲ ኣባላት ናይ ሩስያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያንን ናይ ቋንቋ ምሁራትን ኢዮም ነይሮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ናይ መጀመርታ ክፋል ናይዚ ዝሓለፈ ክፍለ⁠-​ዘበን ዕዮኦም ክጅምሩ ከለዉ: ብቛንቋ ሩስያ እተተርጐመ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበረን።

መጽሓፍ ቅዱስ: በቲ ቅድሚ እዚ ዘመናዊ ቋንቋ ሩስያ ዝነበረ ቋንቋ ስሎቫክ ምንባሩ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ መፋርቕ ናይ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን ቋንቋ ስሎቫክ ኣብቲ ኣቕሽሽቲ ዝጥቀምሉ ሃይማኖታዊ ቅዳሴታት እንተ ዘይኰይኑ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ነበረ። ኣብቲ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ቋንቋ ላቲን ምስ ሞተ ንነዊሕ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ብቛንቋ ላቲን ጥራይ ክኸውን እትጽዕረሉ ዝነበረት ምዕራብ ኣውሮጳ እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ነበረ።

ማካርዮስን ፓቭስኪን መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ተራ ሰባት ከም ዝረኽብዎ ክገብሩ ፈተኑ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ንነዊሕ እዋን ተረሲዑ ዝነበረ ዕዮኦም ምርካቡ ነቲ ቀንዲ ክፍሊ ስነ⁠-​ጽሑፋውን ሃይማኖታውን ቅርሲ ናይ ሩስያ ኣብቲ ዝነበሮ ከም ዝምለስ ገይሩ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ማካርዮስን ፓቭስኪን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ተራ ሰባት ክትርጐም ዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ተቓውሞ ዘጋጠሞኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ ታሪኾም ንዅሎም ኣፍቀርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባህ ዘብልን እምነት ዘደልድልን ኢዩ።

ብቛንቋ ሩስያ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ኣድላይነት

መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ እቶም ተራ ሰባት ክጸሓፍ ከም ዘድሊ እተረድኡ ናይ መጀመርታ ሰባት ማካርዮስን ፓቭስኪን ኣይኰኑን። ሓደ ሚእቲ ዓመት ኣቐዲሙ እቲ ናይ ሩስያ ዛር: ፒተር ቀዳማይ ወይ ድማ ፒተር ዓቢ ናይዚ ኣድላይነት ተረዲኡ ነይሩ ኢዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሩ ይርእዮ ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ: ከምዚ ዝስዕብ ምባሉ ድማ ተጠቒሱ ኣሎ:⁠- “መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኵሉ ካልእ መጻሕፍቲ ዝበልጽ መጽሓፍ ኢዩ: ኵሉ እቲ ሰብ ንኣምላኽን ንብጻዩን ክገብረሎም ዘለዎ ነገራት ድማ ሒዙ ይርከብ።”

ስለዚ ድማ ፒተር: ኣብ 1716 ብናይ ገዛእ ርእሱ ወጻኢ ኣብ ኣምስተርዳም መጽሓፍ ቅዱስ ክሕተም ነቶም ንጉሳውያን ኣማኸርቱ ኣዘዘ። ነፍሲ ወከፍ ገጽ ሓደ ዓምዲ ብቛንቋ ሩስያ ካልእ ዓምዲ ድማ ብቛንቋ ዳች እተዳለወ ጽሑፍ ክትሕዝ ነበራ። ብ1717: ድሕሪ ሓደ ዓመት: ገለ ክፍሊ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ወይ ድማ “ሓድሽ ኪዳን” ተዳለወ።

ብ1721 ብቛንቋ ዳች እተዳለወ ኣርባዕተ ጥራዛት ዝሓዘ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም እውን ተሓትመ። ጸኒሑ ብቛንቋ ሩስያ ንኽምላእ ተባሂሉ ሓደ ዓምዲ ጥርሑ ተገድፈ። ፒተር ነቲ ናይ ሕትመት ጕዳይ ንምውዳእን ነቲ ዝርጋሐ ድማ ንምምሕዳርን ኢሉ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳት ናብቲ ናይ ሩስያ ኣርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን “ቅዱስ ሲኖዶስ”​—⁠ዝለዓለ ሃይማኖታዊ በዓል ስልጣን ናይታ ቤተ⁠-​ክርስትያን​—⁠ኣቕረቦ። እንተዀነ ግን: እቲ ሲኖዶስ ነዚ ተግባር እዚ ኣይደፍኣሉን።

ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ፒተር ሞተ። መጽሓፍ ቅዱሳቱኸ እንታይ ኰነ፧ እቲ ንቛንቋ ሩስያ ተባሂሉ እተገድፈ ባዶ ዓምድታት ፈጺሙ ኣይተመልአን። እቲ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ታሕተዋይ መኽዘን ተደርዲሩ ተቐመጠ: ኣብኡ ድማ ሓንቲ ጥዕይቲ ቅዳሕ እውን ትኹን ክሳዕ ዘይትርከብ ተበላሸወ! እቲ ሲኖዶስ ከኣ “እቲ ዝተረፈ ኵሉ ናብ ነጋዶ ክሽየጥ” ወሰነ።

ናይ ምትርጓም ጻዕርታት ተጀመረ

ጆን ፓተርሰን: ኣባል ናይ ብርቲሽ ኤንድ ፎረይን ባይብል ሶሳይቲ: ብ1812 ናብ ሩስያ ኸደ። ፓተርሰን ነቶም ናይ ሰይንት ፒተርስበርግ ምሁራት: ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምስርቱ ኣነቓቕሖም። 6 ታሕሳስ 1812​—⁠ኣብቲ ናይ ሩስያ ሰራዊት ንናይ ናፖልዮን ቀዳማይ ወረርቲ ሰራዊት ዝደፍእሉ ዓመት​—⁠ዛር ኣሌክሳንደር ቀዳማይ ነቲ ናይ ሩስያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ንምቛም ዝወጸ ቻርተር ኣጽደቖ። ብ1815 ዛር ንኣቦ⁠-​መንበር ናይቲ ማሕበር ዝነበረ መስፍን ኣሌክሳንደር ጋሊትሲን “ሩስያውያን እውን ብቛንቋ ኣዲኦም ንቓል ኣምላኽ ከንብቡ ኣጋጣሚ ክረኽቡ ኣለዎም” ዝብል ሓሳባት ናብቶም ኣማሓደርቲ ሲኖዶስ ከቕርብ ኣዘዞ።

እቲ ደስ ዘብል ድማ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቕጥታ ካብቲ በዅሪ እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ሩስያ ክትርጐም ፍቓድ ረኸበ። እቲ ናይ ቀደም ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ንናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ስሎቫክ ንምትርጓም ከም መሰረት ኰይኑ ኢዩ። እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ሩስያ ክትርጕሙ ዝነበሮም ሰባት እቲ ቀንዲ ስርዓት ናይቲ ትርጕም ልክዕነት: ግልጽነት: ከምኡውን ጽፈት ክኸውን ከም ዘለዎ ተነግሮም። ነዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ሩስያ ንምትርጓም እተገብረ ናይ መጀመርታ ጻዕርታት እንታይ ኣጋጠሞ፧

ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ዘየዳግም ጽፍዒት ድዩ ነይሩ፧

ኣብቲ ቤተ⁠-​ክርስትያንን ኣብ መንግስትን ዝነበሩ ዓቃባውያን ባእታታት ብኡንብኡ ናይ ወጻኢ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ጽልዋ ከይህሉ ክጥንቀቑ ጀመሩ። ገለ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን መራሕቲ ድማ ቋንቋ ስሎቫክ​—⁠ንቕዳሴ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቋንቋ​—⁠ካብ ቋንቋ ሩስያ ንላዕሊ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ይገልጾ ኢዩ በሉ።

ስለዚ ድማ እቲ ናይ ሩስያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብ1826 ፈረሰ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማሕበር ዝሓተሞ ብኣሽሓት ዝቝጸር ትርጕማት ድማ ብሓዊ ነደደ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ደድሕሪ ወግዕን ልምድን ተሰርዐ። ነቲ ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብነት ብምስዓብ: እቲ ሲኖደስ ብ1836 ከምዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ኣውጽአ:⁠- “ዝዀነ ይኹን ውፉይ ምእመናን ቅዱሳት ጽሑፋት ክሰምዕ ይፍቀደሉ ኢዩ: ብዘይ ሓገዝ: ገለ ክፍሊ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ብፍላይ ድማ ብሉይ ኪዳን ከንብብ ግን ኣይፍቀደሉን ኢዩ።” ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ዘየዳግም ጽፍዒት ዝወረዶ መሰለ።

ናይ ፓቭስኪ ትርጕም

ኣብዚ እዋን እዚ: እቲ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ፕሮፈሰር ዝነበረ ግራስይም ፓቭስኪ ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ሩስያ ናይ ምትርጓም ዕዮ ተተሓሓዞ። ብ1821 ንመዝሙር ተርጒሙ ወድኣ። እቲ ዛር ድማ ከይደንጐየ ኣጽደቐሉ: ጥሪ 1822 ድማ መጽሓፍ መዝሙር ንህዝቢ ተዘርገሐት። ብኡንብኡ ተቐባልነት ረኸበት: ስለዚ ድማ ብድምር 100,000 ቅዳሓት ብምድላው 12 ግዜ ተሓትመት!

እቲ ከም ምሁር መጠን ዝገበሮ ጻዕሪ: ፓቭስኪ ብብዙሓት ናይ ቋንቋን ሃይማኖትን ምሁራት ኣኽብሮት ከም ዝረክብ ገይርዎ ኢዩ። በቲ ከቢብዎ ዝነበረ ውዲታት ዘይተጸልወ: ድሕር ዘይብልን ቅኑዕን ሰብኣይ ምንባሩ ኢዩ ዝግለጽ። ዋላ እኳ ነቲ ናይ ሩስያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ተቓውሞ እንተ ኣጋጠሞ ከምኡውን ገሊኣቶም ናይ ወጻኢ ረብሓ ዝውክል ኰይኑ እንተ ተሰምዖም: ፕሮፈሰር ፓቭስኪ ግን ኣብቲ ዝህቦ ዝነበረ ኣስተምህሮታት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ናብ ቋንቋ ሩስያ ምትርጓም ቀጸለ። እቶም ዝንእድዎ ዝነበሩ ተማሃሮኡ ነቲ ዝህቦ ዝነበረ ትርጕማት ብኢዶም ይቐድሕዎ ነበሩ: ጸኒሖም ድማ ነቲ ትርጕማት ኣብ ሓደ ክጥርንፍዎ ከኣሉ። ብ1839 ናይቶም መመይቲ ፍቓድ ከይረኸቡ 150 ዝኸውን ቅዳሓት ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ማሕተም ብትብዓት ሓተሙ።

እቲ ናይ ፓቭስኪ ትርጕም ኣብቶም ኣንበብቲ ዓሚቝ ስምዒት ኣሕደረ: ኣብ ህዝቢ ዝነበሮ ተደላይነት ድማ እናዓበየ ኸደ። ብ1841 ካብቲ ናይ ኦርቶዶክስ ሰረተ⁠-​እምነት ዝረሓቐ ኢዩ ብምባል እቲ ትርጕም ብዛዕባ ዘምጽኦ “ሓደጋ” ምንጩ ዘይተፈልጠ ምዕዝምዛማት ናብቲ ሲኖዶስ ቀረበ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ እቲ ሲኖዶስ እዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ኣውጽአ:⁠- “ኵሉ ብኢድ እተጻሕፈን ናይ ሊቶግራፊ ቅዳሓትን ናይቲ ጂ. ፓቭስኪ ዝተርጐሞ ብሉይ ኪዳን ይተሃገር: ከምኡውን ይንደድ።”

ስም ኣምላኽ ምኽባር

ይኹን እምበር: ፓቭስኪ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ዝነበረ ባህጊ እንደገና ኣበራበሮ። ብዛዕባ ካልእ ኣገዳሲ ክርክር ማለት ንስም ኣምላኽ ዝምልከት ነቶም ኣብ መጻኢ ዝህልዉ ተርጐምቲ ዕሽሽ ዘይበሃል መንጸፍ ኣንበረሎም።

ሩስያዊ ተመራማሪ ኮሩሱንስኪ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:⁠- ‘እቲ ካብ ኵሉ ኣስማቱ ኣዝዩ ቅዱስ ዝዀነ ቀንዲ ስም ኣምላኽ ብኣርባዕተ ናይ እብራይስጢ ፊደላት יהוה ዝቘመ ኢዩ: ሕጂ ድማ የሆዋ ተባሂሉ ይንበብ።’ ኣብቲ ናይ ቀደም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅዳሓት: እዚ ፍሉይ ስም ኣምላኽ እዚ ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥራይ ኣሽሓት ግዜ ይርከብ። ይኹን እምበር: እቶም ኣይሁድ እቲ መለኮታዊ ስም ኣዝዩ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ክንጽሕፎ ወይ ድማ ከነውስኦ ኣይግባእን ዝብል ጌጋ እምነት ኣሕደሩ። ብዛዕባ እዚ ኮሩሱንስኪ ከምዚ ይብል:⁠- ‘መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ዘረባ ወይ ድማ ኣብ ጽሑፍ በቲ ብሓፈሻ “ጐይታ” ተባሂሉ ዝትርጐም ኣዶናይ ዝብል ቃል ይትካእ።’

ነዚ መለኮታዊ ስም ምጥቃም ምእባዮም በቲ ዝነበሮም ጥዑይ ኣምላኻዊ ፍርሃት ዘይኰነስ ብሰንኪ ማሪት ኢዩ ነይሩ። ንገዛእ ርእሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ነቲ ስም ከይንጥቀመሉ ዝኽልክል ኣይንረክብን ኢና። ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ነገሮ:⁠- “ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፤ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ኣምላኽ ኣቦታትኩም: . . . ናባኻትኩም ለአኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ: ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ።” (ዘጸኣት 3:⁠15) ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ “ንእግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ኣመስግኑ: ንስሙ ጸውዑ” ብምባል ንኣምለኽቲ የተባብዕ። (ኢሳይያስ 12:⁠4) ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጐምቲ ነቲ ናይ ኣይሁድ ልምዲ ክስዕቡ መረጹ: ነቲ መለኮታዊ ስም ካብ ምጥቃም ድማ ዓዲ ወዓሉ።

ፓቭስኪ ግን ነዚ ናይ ኣይሁድ ልምድታት እዚ ኣይሰዓበን። ኣብቲ ናይ መዝሙር ትርጕሙ ጥራይ እቲ የሆዋ ዝብል ስም ልዕሊ 35 ግዜ ይርከብ። እዚ ትብዓት እዚ ድማ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ርኡይ ዝዀነ ጽልዋ ነበሮ።

ኣርኪማንድራይት ማካርዮስ

እቲ ኣብ ግዜ ፓቭስኪ ዝነበረ ዘደንቕ ናይ ቋንቋ ክእለት ዝነበሮ ናይታ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ሚስዮናዊ ኣርኪማንድራይት ማካርዮስ ኢዩ። ገና ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎ ሓጸርቲ ናይ ቋንቋ ሩስያ ጽሑፋት ናብ ላቲን ምትርጓም ይኽእል ነበረ። ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ ድማ ቋንቋታት እብራይስጢ: ጀርመን: ከምኡውን ፈረንሳይ ፈለጠ። ይኹን እምበር: ናይ ትሕትና መንፈስን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮ ሓላፍነት ምርዳኡን: ነቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምትእምማን መንፈስ ንኸርሕቕ ሓገዞ። ብተደጋጋሚ ናይ ካልኦት ናይ ቋንቋ ተመራመርትን ምሁራትን ምኽሪ ድማ ይደሊ ነበረ።

ማካርዮስ ነቲ ኣብ ሩስያ ዝነበረ ናይ ሚስዮናውያን ንጥፈታት ከሐድሶ ደለየ። ክርስትና ናብቶም ኣብ ሩስያ ዝነበሩ ኣስላምን ኣይሁድን ቅድሚ ምኻዱ እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን “ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ብምቛምን ብቛንቋ ሩስያ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳት ብምዝርጋሕን ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ክትምህሮ ኣለዋ” ዝብል እምነት ነበሮ። መጋቢት 1839 ድማ ማካርዮስ ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ሩስያ ንምትርጓም ፍቓድ ክረክብ ተስፋ ብምግባር ናብ ሰይንት ፒተርስበርግ ከደ።

ማካርዮስ ድሮ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ዝዀነ መጽሓፍ ኢሳይያስን እዮብን ተርጒምዎ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ሲኖዶስ ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ሩስያ ንኽትርጕሞ ፍቓድ ከልኦ። አረ: ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ሩስያ ምትርጓም ዝብል ሓሳብ እውን ከይተረፈ ካብ ኣእምርኡ ክሓኮ ኢዩ ተነጊሩ። እቲ ሲኖዶስ ብ11 ሚያዝያ 1841 ማካርዮስ “ብጸሎትን ስግደትን ገይሩ ሕልንኡ ንኸንጽህ ኣብቲ ኣብ ከተማ ቶምስክ ዝርከብ ናይ ሓደ ኣቡን መንበሪ ካብ ሰለስተ ክሳዕ ሽዱሽተ ሰሙን ዝኣክል ከም እተጣዕሰ ዘርኢ ኣገልግሎት ንኽህብ” ዝእዝዝ ሕጊ ኣውጽአ።

ማካርዮስ ዘርኣዮ ትብዓት ዘለዎ ኣቕዋም

ካብ ታሕሳስ 1814 ክሳዕ ጥሪ 1842 ማካርዮስ ነቲ ጣዕስኡ ዝገልጸሉ እዋን ወድአ። እንተዀነ ግን: ነዚ ምስ ወድአ ብኡንብኡ ነቲ ዝተረፈ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትርጕም ጀመረ። ፓቭስኪ ዝተርጐሞ ቅዳሕ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ረኸበ: ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ትርጕም ኣብ ምእራም ድማ ተጠቕመሉ። ልክዕ ከም ፓቭስኪ: ንሱውን ነቲ መለኮታዊ ስም ምሽፋን ኣበየ። አረ: ኣብቲ ናይ ማካርዮስ ትርጕም እቲ የሆዋ ዝብል ስም ልዕሊ 3,500 ግዜ ኢዩ ዝርከብ!

ማካርዮስ ናይቲ ዝተርጐሞ ቅዳሓት ናብቶም ዝድግፍዎ ዝነበሩ ኣዕሩኹ ሰደደ። ዋላ እኳ ገለ ብኢድ እተጻሕፈ ቅዳሓት እንተ ተዘርገሐ: እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ነቲ ዝተርጐሞ ንኸይሕተም ምክልኻል ቀጸለት። ማካርዮስ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ወጻኢ ከሕትሞ መደባት ገበረ። እንተዀነ ግን: ድሮ እታ ዝብገሰላ መዓልቲ ሓመመ: ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ብ1847 ሞተ። ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ኣይተሓትመን።

ኣብ መወዳእታ ተሓትመ!

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝነበረ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ኵነታት ተለወጠ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓድሽ ናጽነት ሰፈነ: ብ1856 ድማ እቲ ሲኖዶስ እንደገና መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ሩስያ ንኽትርጐም ኣፍቀደ። ኣብዚ እተመሓየሸ ሃዋሁ እዚ እቲ ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትሕቲ ናብ ቋንቋ ሩስያ ናይ ምትርጓም ፈተነ ዝብል ኣርእስቲ ኣብቲ ካብ 1860 ክሳዕ 1867 ዝነበረ እዋን ኣብ ኦርቶዶክስ ረቪው እተባህለ መጽሔት ብተኸታተሊ በብኽፋሉ ተሓትመ።

እቲ ናይ ሩስያ ሃይማኖታዊ ስነ⁠-​ጽሑፍ ምሁር ዝነበረ ናይ ቸርኒጎቭ ሊቀ⁠-​ጳጳስ ፌላራ: ብዛዕባ ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዝስዕብ ናይ ምድናቕ ሓሳባት ሃበ:⁠- “እቲ ኣተረጓጕምኡ ከምቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ኢዩ: ጽፉፍን ምስቲ ትሕዝቶ ዝሰማማዕን ድማ ኢዩ።”

ይኹን እምበር: እቲ ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ሓፋሽ ህዝቢ ፈጺሙ ኣይተዘርግሐን። አረ: ተረ⁠ሲዑ ኢዩ ተሪፉ። ኣብ መወዳእታ: ብ1876 ነቲ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቅዱሳት ጽሑፋት ወሲኽካ ብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍቓድ ናይቲ ሲኖዶስ ናብ ቋንቋ ሩስያ ተተርጐመ። እዚ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ናይ ሲኖዶስ ትርጕም ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። እቲ ዘገርም ድማ: ናይ ማካርዮስ ትርጕም ምስቲ ናይ ፓቭስኪ ብሓባር ነቲ ብናይ ሩስያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን እተተርጐመ “ወግዓዊ” ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ቀንዲ ምንጪ ኰይኑ ኢዩ ኣገልጊሉ። እንተዀነ ግን: እቲ መለኮታዊ ስም ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ትርጕም ዝርከበሉ ውሑድ ቦታታት ጥራይ ኢዩ ተጠቒሱ።

ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ እዋን እዚ

ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ 1993 ተሓቢኡ ኢዩ ጸኒሑ። ኣብቲ መእተዊ ከም እተጠቕሰ: ኣብቲ እዋን እቲ ናቱ ቅዳሕ ኣብቲ ኦርቶዶክስ ረቪው ዝበሃል መጽሔት ተረኽበ: እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ናይ ሩስያ ሃገራዊ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ኣብቲ ሳሕቲ ዝርከቡ መጻሕፍቲ ዝብል ክፍሊ ኢዩ ዝርከብ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ እቲ ሕብረተሰብ ከም ዝረኽቦ ምግባር ዘለዎ ኣድላይነት ይፈልጡ ኢዮም። እቲ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ነቲ ኣብ ሩስያ ዘሎ ሃይማኖታዊ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ መጽሓፍ ንሕትመት ምእንቲ ኽዳሎ ሓደ ቅዳሕ ክወስድ ኣፍቂድሉ ኢዩ።

ድሕርዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምልእቲ ሩስያን ካልእ ቋንቋ ሩስያ ዝዝረበለን ብዙሓት ሃገራትን ምእንቲ ኽዝርጋሕ ዳርጋ 300,000 ቅዳሓት ናይዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ኢጣልያ ክሕተም መደቡ። እዚ ሕታም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ማካርዮስ ዝተርጐሞ ዝበዝሕ ክፍሊ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ነቲ ፓቭስኪ ዝተርጐሞ መዝሙርን እቲ ብስልጣን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ሲኖዶስ እተተርጐመ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋትን ሒዙ ይርከብ።

ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት እዚ: ኣብቲ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ እተገብረ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተሓቲሙ ከም ዝወጸ ተነግረ። (ገጽ 26 ርአ።) እቶም ቋንቋ ሩስያ ዘንብቡ ሰባት በዚ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ክማሃሩን ክህነጹን ምዃኖም ርግጽ ኢዩ።

ስለዚ እምበኣር: ምሕታም ናይዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሃይማኖታውን ስነ⁠-​ጽሑፋውን ዓወት ኢዩ! ብተወሳኺውን: ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:⁠8 ዘሎ “ሳዕሪ ይነቅጽ: ዕምባባ ይቕምስል: ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዝብል ቃላት ሓቅነት ብምዝኽኻር እምነት ዘደልድል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብስነ⁠-​ጽሑፋዊ ግምገማ እተናእደ መጽሓፍ ቅዱስ

“ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ: ተሓቲሙ ዝወጸ ካልእ ዓቢ ስነ⁠-​ጽሑፍ።” ነዚ መእተዊ እዚ ብምጥቃም እቲ ኮምሶሞልስካያ ፕራቭዳ እተባህለ ጋዜጣ ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ ከም ዝወጸ ገለጸ።

እዛ ጋዜጣ እዚኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ብቛንቋ ሩስያ ተሓቲሙ ዝወጸ ገለ “120 ዓመታት ይገብር” ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ከምዚ ኢላ ሓዘና ትገልጽ:⁠- “እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናብቲ ንኸተንብቦ ቀሊል ዝዀነ ቋንቋ ንኸይትርጐም ንብዙሕ ዓመታት ተቓዊማ ኢያ። ብዙሕ ትርጕማት ድሕሪ ምንጻጋ: እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ መወዳእታ ሓደ ትርጕም ክሕተም ብ1876 ተሰማምዐት: እቲ ትርጕም ድማ ናይ ሲኖዶስ ትርጕም ተባሂሉ ተጸውዐ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ክንበብ ኣይፍቀድን ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ: እቲ ዝፍለጥ እንኮ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ስሎቫክ ኢዩ ነይሩ።”

እታ ሰይንት ፒተርስበርግ ኤኮ እተባህለት ጋዜጣ እውን ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ምሕታሙ ዘለዎ ጥቕሚ ከምዚ ብምባል ትገልጾ:⁠- “ኣብ ናይ ሰይንት ፒተርስበርግ ስተይት ዩኒቨርሲቲ: ሀርዘን ፔዳጎጂካል ዩኒቨርሲቲ: ከምኡውን ሰተይት ሙዝየም ኦቭ ረሊጀስ ሂስተሪ ዘለዉ ሞያውያን ምሁራት ነዚ ሓድሽ ሕታም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣዝዮም ንኢዶምዎ ኢዮም።” ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዝሓለፈ ክፍለ⁠-​ዘበን መፋርቕ ማካርዮስን ፓቭስኪን ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ሩስያ ምትርጓሞም ኣመልኪታ እታ ጋዜጣ ከምዚ ትብል:⁠- “ክሳዕ እቲ እዋን እቲ: ኣብ ሩስያ በቲ ኣባላት ቤተ⁠-​ክህነት ጥራይ ክርድእዎ ዝኽእሉ ቋንቋ ስሎቫክ ጥራይ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ክንበብ ዝኽእል ነይሩ።”

እቲ ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓቲሙ ምውጽኡ ኣብቲ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት እዚ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ እተገብረ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተነግረ። ኔቭስኮይ ቭረምያ እተባህለት ናይቲ ከባቢ መዓልታዊት ጋዜጣ ከምዚ ትብል:⁠- “ሞያውያን ምሁራት . . . እቲ ሕታም ከም ሓደ ኣብ ናይ ሩስያን ሰይንት ፒተርስበርግን ባህላዊ ህይወት ዓቢ ትርጕም ዘለዎ ሓቂ ኰይኑ ክርኣ ከም ዘለዎ ኣጕሊሖም። ብዛዕባ ንጥፈታት ናይዚ ሃይማኖታዊ ማሕበር እዚ ሓደ ሰብ እንታይ ኢሉ ከም ዝሓስብ ብዘየገድስ: ምሕታም ናይዚ ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ከይተፈልጠ ዝጸንሐ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይጥርጥር ዓቢ ረብሓ ዘለዎ ኢዩ።”

ኵሎም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት እቲ እተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ በቲ እቶም ተራ ሰባት ከንብብዎን ክርድእዎን ዝኽእሉ ቋንቋ ከም ዝርከብ ምግባሩ ከም ዘሐጕሶም ርግጽ ኢዩ። ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቋንቋ ሩስያ ዝዛረቡ ሰባት ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ምርካቦም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዘለዉ ኣፍቀርቲ መጽሓፍ ቅዱስ የሐጕሶም ኢዩ።

[ስእሊ]

ናይ ማካርዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ ከም ዝወጸ ኣብዚ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዚ ተነግረ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ተሓቢኡ ዝነበረ መዝገብ እተረኽበሉ ናይ ሩስያ ሃገራዊ ቤተ - መጻሕፍቲ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ፒተር ዓቢ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ሩስያ ክሕተም ጽዒሩ ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

Corbis-Bettmann

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ሩስያ ንኽትርጐም ኣበርክቶ ዝገበረ ግራስይም ፓቭስኪ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሓድሽ ናይ ቋንቋ ሩስያ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብስሙ እተጸውዐ ኣርኪማንድራይት ማካርዮስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ