የሆዋ ነቶም እሙናት መብጽዓታቱ ይፍጽመሎም
“እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ።”—እብራውያን 10:23
1, 2. ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ምሉእ እምንቶ ክህልወና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
የሆዋ ኣገልገልቱ ኣብኡን ኣብ መብጽዓታቱን ጽኑዕ እምነት ከማዕብሉን ክዕቅቡን ይሓቶም። ሓደ ሰብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት እንተድኣ ኣልያቶ እቲ ክገብሮ እተመባጽዖ ክገብሮ ምዃኑ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ክገብር ይኽእል ኢዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ከምዚ ብምባል ይእውጅ:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፤ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን: ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ።”—ኢሳይያስ 14:24
2 እቲ “እግዚአብሄር ጐይታ ሰራዊት . . . መሐለ” ዝብል ቃላት መብጽዓታቱ ንኽፍጽም ልባዊ ማሕላ ከም ዝገበረ ዘመልክት ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ቃሉ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ክብል ዝኽእል። (ምሳሌ 3:5, 6) ኣብ የሆዋ እንተድኣ ተኣሚንና ንገዛእ ርእስና ኸኣ ብጥበቡ ክትምራሕ እንተድኣ ኣፍቂድናላ: ጥበብ ኣምላኽ ‘ንዝሕዝዋ ኦም ህይወት’ ስለ ዝዀነት መገድታትና ብዓወት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክመርሓና ኢዩ።—ምሳሌ 3:18፣ ዮሃንስ 17:3
ኣብ ግዜ ጥንቲ እተራእየ ናይ ሓቂ እምነት
3. ኖህ ኣብ የሆዋ እምነት ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
3 የሆዋ ምስቶም ሓቀኛ እምነት ዝነበሮም ሰባት ብዛዕባ ዘርኣዮ ምምልላስ ዝገልጽ መዝገብ ክትውከሎ እትኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። ንኣብነት ልዕሊ 4,400 ዓመታት ይገብር: ኣምላኽ ንኖህ እታ ኣብ ግዜኡ ዝነበረት ዓለም ብማይ ኣይሂ ክትጠፍእ ምዃና ነገሮ። ናይ ሰብን እንስሳን ህይወት ንምድሓን እትኸውን ዓባይ መርከብ ክሰርሕ ድማ ኣዘዞ። ኖህ እንታይ ገበረ፧ እብራውያን 11:7 ከምዚ ብምባል ትምልሰልና:- “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ: ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ።” ኖህ ኣብቲ ቅድሚኡ ፈጺሙ ኰይኑ ዘይፈልጥ “ገና ዘይተራእየ” ነገር እምነት ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ዝበሎ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዝፍጸም ንኽግንዘብ ዘኽእሎ ምስቶም ቅድም ዝነበሩ ዓሌት ሰብ ኣምላኽ ብኸመይ ይመላለስ ከም ዝነበረ እኹል ፍልጠት ነይርዎ ኢዩ። ስለዚ ኖህ ማይ ኣይሂ እውን ከም ዝመጽእ እምንቶ ነይርዎ ኢዩ።—ዘፍጥረት 6:9-22
4, 5. ኣብርሃም ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ዝገበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ካልእ ኣብነት ናይ ሓቂ እምነት ኣብርሃም ኢዩ። ዳርጋ ልዕሊ 3,900 ዓመታት ይገብር ኣምላኽ ንኣብርሃም ነቲ ካብ ሰበይቱ ሳራ ዝወለዶ ሓደ ወዱ ይስሃቅ ክስውኣሉ ሓተቶ። (ዘፍጥረት 22:1-10) ኣብርሃም ብኸመይ መለሸሉ፧ እብራውያን 11:17 “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ: ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ” ትብል። ይኹን እምበር: ክስውኦ ምስ ተቐራረበ ኣብ መወዳእታ: መልኣኽ የሆዋ ንኣብርሃም ደው ኣበሎ። (ዘፍጥረት 22:11, 12) እንተዀነ ግን: ኣብርሃም ከምዚ ንኽገብር ዝሓሰበ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ከምቲ እብራውያን 11:19 እትብሎ “ኣምላኽ [ንይስሃቅ] ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ” ኢዩ። ኣብርሃም ዝተንስአ ሰብ ዋላ ሓደ ከይረኣየ ወይ ድማ ብዛዕባ ዝተንስኡ ሰባት ምንም ከይሰምዐ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብትንሳኤ ክኣምን ዝኸኣለ፧
5 ከም ዝወልዱ ክማበጽዓሎም ከሎ ሳራ ጓል 89 ዓመት ከም ዝነበረት ዘክር። ማህጸን ሳራ ህጻን ክሕዝ ኣብ ዘይክእለሉ ኵነታት ብኻልእ ኣዘራርባ ምዉት ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 18:9-14) ኣምላኽ ንማህጸን ሳራ እንደገና ህያው ገበሮ: ንይስሃቅ ድማ ወለደት። (ዘፍጥረት 21:1-3) ኣምላኽ ነቲ ምዉት ማህጸን ሳራ እንደገና ህያው ካብ ገበሮ: እንተድኣ ደልዩ ንይስሃቅ እውን ካብ ምዉታት ከተንስኦ ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ሮሜ 4:20, 21 ብዛዕባ ኣብርሃም ከምዚ ትብል:- “ንኣምላኽ ክብሪ እናሀበ ንምእማን በርትዔ እምበር: ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይ ተዋላወለን። ነታ ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ: ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ።”
6. እያሱ ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምንቶ ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ልዕሊ 3,400 ዓመታት ይገብር: እያሱ ዕድሚኡ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ምስ ኰነን ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ትውክልቲ ክግበሮ ዝከኣል ምዃኑ ኣብ ምሉእ ዕድሚኡ ምስ ረኣየን: ነቲ ዝነበሮ እምንቶ: እዚ ዝስዕብ ምኽንያት ሃበ:- “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን።”—እያሱ 23:14
7, 8. እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት እንታይ ህይወት ዘድሕን ስጕምቲ ኢዮም ዝወሰዱ: ስለምንታይከ፧
7 ገለ 1,900 ዓመታት ይገብር: ብዙሓት ትሑታት ሰባት ናይ ሓቂ እምነት ኣርእዮም ኢዮም። ካብ ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ተገንዚቦም: ንትምህርትታቱ ተቐቢሎምዎ ኢዮም። ኣብቲ ጭብጥታትን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ከምዚ ዝበለ ድልዱል መሰረት ስለ ዝነበሮም: ነቲ የሱስ ዝምህሮ ዝነበረ ኣሚኖምዎ ኢዮም። ስለዚ ድማ: የሱስ ብሰንኪ እቲ ዘርኣያኦ ዘይተኣማንነት ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌም ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዘውርድ ምስ ተዛረበ ኣሚኖምዎ ኢዮም። ህይወቶም ንኸድሕኑ እንታይ ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዘለዎም ምስ ነገሮም ድማ እቲ ስጕምቲ እቲ ወሲዶም ኢዮም።
8 የሱስ ነቶም ኣመንቲ: የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ምስ ዝርእዩ ክሃድሙ ከም ዘለዎም ነገሮም። ናይ ሮሜ ሰራዊት ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ኣንጻር የሩሳሌም መጹ። እንተዀነ ግን ሽዑ እቶም ሮማውያን ብዘይተገልጸ ምኽንያት ንድሕሪት ተመልሱ። እዚ ድማ ነታ ኸተማ ጠንጢኖምዋ ክወጹ ነቶም ክርስትያናት ምልክት ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ኢልዎም ነይሩ ኢዩ:- “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ: ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ።” (ሉቃስ 21:20, 21) እቶም ናይ ሓቂ እምነት ዝነበረቶም: ንየሩሳሌምን ከባቢኣን ጠንጢኖም ናብቲ ዕቑባ ዘለዎ ቦታ ሃደሙ።
ናይ እምነት ምጕዳል ሳዕቤናት
9, 10. (ሀ) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ የሱስ እምነት ከም ዘይነበሮም ብኸመይ ኢዮም ዝገለጹ፧ (ለ) እምነት ዘይምርኣዮምከ እንታይ ኣስዓበሎም፧
9 እቶም ናይ ሓቂ እምነት ዘይነበሮም ሰባት እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧ ኣጋጣሚ ምስ ረኸቡ ኣይሃደሙን። መራሕቶም ከድሕንዎም ዝኽእሉ መሰሎም። ይኹን እምበር እቶም መራሕትን ሰዓብቶምን እውን የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ መረጋገጺ ነይርዎም ኢዩ። እሞ ነቲ ዝበሎ ድኣ ስለምንታይ ኢዮም ዘይተቐበልዎ፧ ብምኽንያት እቲ እኩይ ናይ ልቦም ኵነታት ኢዩ። እዚ ድማ ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ ንኣልኣዛር ድሕሪ ምትንስኡ ብዙሓት ሰባት ናብኡ ክውሕዙ ምስ ረኣዩ ተቓሊዑ ኢዩ። ዮሃንስ 11:47, 48 ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ [ናይ ኣይሁድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ] አኪቦም፤ እዚ ሰብኣይዚ [የሱስ] ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ: እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሐደግናዮ: ኵሉ ብእኡ ኺአምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም: በሉ።” ቍጽሪ 53 ከኣ “ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ” ትብል።
10 የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ብምትንስኡስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተኣምር ኰን ኢዩ ገይሩ! ሃይማኖታውያን መራሕቲ ግን እዚ ብምግባሩ ንየሱስ ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። “ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይአምኑ ነበሩ እሞ: ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ [ምስ] ተማኸሩ” እቲ እዚ ዘይብሃል እከዮም ኣጸቢቑ ተቓልዐ። (ዮሃንስ 12:10, 11) ኣልኣዛር ሽዑ ኢዩ ካብ ምዉታት ተንሲኡ: እቶም ካህናት ድማ እንገደገና ክቐትልዎ ደለዩ! ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን ድሕንነት እቶም ተራ ሰባት ኣይሓስቡን ኢዮም ነይሮም። ብዛዕባ ሰልጣኖምን ጥቕሞምን ዝሓስቡ ስሱዓት ኢዮም ነይሮም። “ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም [ፈተዉ]።” (ዮሃንስ 12:43) እንተዀነ ግን: እምነት ብዘይምርኣዮም ኢዶም ረኺቦም ኢዮም። ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ናይ ሮሜ ሰራዊት ተመሊሶም መጹ እሞ ንቦትኦምን ህዝቦምን ንብዙሓት ካብኣቶምን ኣጽነትዎም።
ኣብ ግዜና እተራእየት እምነት
11. ኣብ መጀመርታ ናይዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ናይ ሓቂ እምነት እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧
11 ኣብዚ ዘበን እዚውን ብዙሓት ናይ ሓቂ እምነት ዘርእዩ ሰብኡትን ኣንስትን ኣለዉ። ንኣብነት: ኣብ መጀመርታ ናይ 1900ታት: ሰባት ብሓፈሻ ጽቡቕን ብልጹግን መጻኢ ይጽበዩ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም ኣብ የሆዋ እምነት ዝነበሮም ሰባት: ደቅሰብ ገና ናብ ሓደ ዝኸፍአ ናይ ሽግር ግዜ ይኣትዉ ምህላዎም የጠንቅቑ ነበሩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24፣ 2 ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3 ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ኣቐዲሙ ዝነገሮ እዚ ኢዩ። እዞም እምነት ዝነበሮም ሰባት እዚኣቶም ዝበልዎ ካብቲ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እተላዕለሉ 1914 ጀሚሩ ተፈጺሙ ኢዩ። ዓለም ብርግጽ ኣብቲ ኣቐዲሙ እተነግረ “ክትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ” (NW ) “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣትያ ኢያ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 ) ኣብቲ ግዜ እቲ: ካልኦት ዘይተረድእዎ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ ኵነታት ዓለም ዝምልከት ሓቂ ክርድእዎ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ካብቲ የሆዋ ዝበሎ ሓንቲ ቓል እውን ትኹን ከይተፈጸመት ከም ዘይትተረፍ ከም እያሱ እምነት ነይርዎም ኢዩ።
12. ሎሚ: ኣገልግልቱ ምሉእ ትውክልቲ ዝገብርሉ ናይ የሆዋ መብጽዓ እንታይ ኢዩ፧
12 ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣብኡ ትውክልቲ ዝገብሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ኢዮም። ካብ ፍጻሜ ናይቲ ትንቢታዊ ቃል ኣምላኽ ብዝርእይዎ መሰረት ኣምላኽ ነዚ ዓመጽን ብልሹውናን ዝመልኦ ኣገባብ ቀልጢፉ ናብ መወዳእትኡ ከብጽሖ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:17 ዘሎ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዝብል ክርእይዎ እቲ ግዜ ቀረባ ምዃኑ ይተኣማመኑ ኢዮም። ኣገልግልቱ: የሆዋ መብጽዕኡ ከም ዝፍጽም ምሉእ ትውክልቲ ኣለዎም።
13. ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣብ የሆዋ ክትውከል እትኽእል፧
13 ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣብ የሆዋ ክትውከል እትኽእል፧ ብምሉእ ልብኻ ኣብኡ ክትውከል ትኽእል ኢኻ! ሕጂ ንዕኡ ኣብ ምግልጋል ህይወትካ እንተ ኣጥፋእካ እውን ኣብ ትንሳኤ ኣዝዩ ዝሓሸ ህይወት ክህበካ ኢዩ። የሱስ “ኣብ [“ናይ ዝኽሪ:” NW ] መቓብር [ኣብ ናይ ኣምላኽ መዘከርታ ማለት ኢዩ] ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ” ብምባል የረጋግጸልና። (ዮሃንስ 5:28, 29) ከምዚ ክገብር ዝኽእል ዝዀነ ሓኪም: ፖለቲካዊ መራሒ: ሊቅ: ነጋዳይ: ወይ እውን ካልእ ሰብ ትፈልጥዶ፧ ብዛዕብኦም ዝገልጽ ሕሉፍ መዛግብቲ ከም ዘመልክቶ ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። የሆዋ ግን ይኽእል ኢዩ: ክገብሮ ድማ ኢዩ!
ነቶም እሙናት እተነብረሎም ዘደንቕ ተስፋ
14. ቃል ኣምላኽ ነቶም እሙናት ከመይ ዘበለ ዘደንቕ መጻኢ ኢዩ ዝማባጽዓሎም፧
14 የሱስ ኣብ ትሕቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ሓንቲ ሓዳስ ዓለም ክትህሉ እተረጋገጸ ምዃኑ ከምዚ ብምባል ኣመልኪቱ ኣሎ:- “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም።” (ማቴዎስ 5:5) እዚ ነቲ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዝብል ኣብ መዝሙር 37:29 ዝርከብ መብጽዓ ኣምላኽ ዘራጕዶ ኢዩ። ቀቅድሚ ሞት የሱስ ሓደ ገባር ክፉእ ኣብኡ ዘለዎ እምነት ምስ ገለጸ: የሱስ ነቲ ሰብኣይ ‘ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ’ በሎ። (ሉቃስ 23:43) እወ: የሱስ ከም ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንጉስ መጠን እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ንኽነብር ኣብ ምድሪ ከም ዝተንስአ ከረጋግጽ ኢዩ። ሎሚ እቶም ኣብ መንግስቲ የሆዋ እምነት ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ‘ኣምላኽ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ዝደርዘሉ: ድሕሪ ደጊም ሞት ዘይህልወሉ: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ዘይህልወሉ’ ገነት ክነብሩ ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም።—ራእይ 21:4
15, 16. ህይወት ኣብታ ሓዳስ ዓለም ኣዝዩ ሰላማዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ኣእምሮና ናብታ ሓዳስ ዓለም ኣቢልና እስከ ነቃናዓዮ። ድሮ ኣብኡ ኣቲና ንነብር ከም ዘሎና ገይርና ንሕሰቦ። ብኡንብኡ: ነቶም ምሉእ ዝዀነ ሰላም ኣብ ዘለዎ ኵነታት ብሓባር ዝነብሩ ዘለዉ ሕጕሳት ሰባት ክንርእዮም ኢና እንግደድ። ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 14:7 “ኵላ ምድሪ ዐሪፋ ሀዲኣ አላ: ሰብውን እልል ይብሉ አለዉ” ብምባል ተገሊጹ ዘሎ ተመሳሳሊ ኵነታት የስተማቕሩ ኣለዉ። በዚ መገዲ እዚ ዝመላለሱ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓደ ካብቲ ምኽንያት: ናይቲ ኣባይቲ ደጌታት መሸጐሪታት ከም ዘይብሉ ኣስተብህል። ገበን ወይ ዓመጽ ስለ ዘየለ ኣየደልዮምን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ክኸውን ኢዩ ዝበሎ ኢዩ:- “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”—ሚክያስ 4:4
16 ኣብዛ ሓዳስ ዓለም ውግእ ስለ ዘይፍቀድ ውግእ የለን። ኵሉ ኣጽዋር ድማ ናብ ናይ ሰላም መሳርሒታት ይልወጥ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:4 ዘሎ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝብል ምሉእ ብምሉእ ይፍጸም። ሽዑ እዚ ክኸውን ኢና እንጽበዮ! ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ነበርቲ ናይታ ሓዳስ ምድሪ ኣብታ ኣረጊት ዓለም ኰይኖም ንኣምላኽ ከገልግሉ ከለዉ ከምዚ ክገብሩ ተማሂሮም ኢዮም።
17. ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ኵነታት ናብራ ኢዩ ክህሉ፧
17 ካልእ እተስተብህለሉ ነገር እውን ድኽነት ዘይምህላዉ ኢዩ። ኣብ ረሳሕን እተጨቓጨቐን ኣባይቲ ዝነብር ወይ ብጅግጃግ ክዳን ዝኽደን ወይ እውን መንበሪ ዘይብሉ ሰብ የለን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምቹእ መንበሪ: ከምኡውን ኣግራብን ዕንባባታትን ዘለዎ ብግቡእ እተታሕዘ ንብረት ኣለዎ። (ኢሳይያስ 35:1, 2፣ 65:21, 22፣ ህዝቅኤል 34:27) ጥሜት እውን የለን: ከመይሲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣኽል-ታርፍ መግቢ ክህሉ ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ፈጺምዎ ኢዩ:- “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን: ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ኪብል” ኢዩ። (መዝሙር 72:16) ብርግጽ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንግስቲ ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ኤድን ዕላማ ገይርዎ ዝነበረ ሓንቲ ግርማዊት ገነት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ተስፋሕፍሕ።—ዘፍጥረት 2:8
18. ኣብታ ሓዳስ ዓለም ከመይ ዝበለ ነገራት ኢዩ ድሕሪ ደጊም ንሰባት ዘየስግኦም፧
18 በቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ምሉእ ሓይሊ እውን ትግረም ኢኻ። ከምዚ ዝዀነሉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍጹም ኣካልን ኣእምሮን ስለ ዘለዎ ኢዩ። ሕማም: ቃንዛ: ወይ ድማ ሞት ዝበሃል የለን። ኣብ ብሽክለታ ሓንካሳት ኮፍ ዝብል ወይ ኣብ ሆስፒታላት ዝድቅስ ዋላ ሓደ የለን። እዚ ኵሉ ንዘለኣለም ኣልጊሱ ኢዩ። (ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6) ብሓይሊ ኣምላኽ ሰላማውያን ስለ ዝዀኑ ካብ እንስሳታት ዋላ ሓደ ንህይወት ሰባት ኣየስግእን ኢዩ!—ኢሳይያስ 11:6-8፣ 65:25፣ ህዝቅኤል 34:25
19. ኣብታ ሓዳስ ዓለም ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ “ደስ” እተብል እትኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
19 በቶም እሙናት ነበርቲ ናይዛ ሓዳስ ምድሪ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ምዕባለ ኰን ኢዩ ዘሎ! ሓይሎምን ክእለቶምን: ከምኡውን ሃብቲ ምድሪ ንጐዳኢ ዝዀነ ነገራት ዘይኰነስ ንኣወንታዊ ነገራት፣ ምስ ካልኦት ንምውድዳር ዘይኰነስ: ምስ ካልኦት ንምትሕብባር ኢዩ ዝውዕል። ነፍሲ ወከፍ እትረኽቦ ሰብ እውን ትውክልቲ ክትገብረሉ እትኽእል ኢዩ: ምኽንያቱ ከምቲ ኣምላኽ እተማባጽዖ ኵላቶም “ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም።” (ኢሳይያስ 54:13) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ስለ ዝምራሕ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:9) ብሓቂ ኣብዛ ሓዳስ ዓለም እዚኣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከምቲ መዝሙር 37:11 እትብሎ “ደስ” እተብል ኢያ።
ውሕስነት ዘለዎ ሕጕስ መጻኢ
20. ዘሐጕስ መጻኢ ምእንቲ ከነስተማቕር እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
20 ክፍሊ ናይዚ ዘሐጕስ መጻኢ ምእንቲ ክንከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ኢሳይያስ 55:6 “ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ: ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ” ትብለና። ክንደልዮ ከሎና ኣረኣእያና ከምቲ ኣብ መዝሙር 143:10 ተገሊጹ ዘሎ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ: ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ” ዝብል ክኸውን ኣለዎ። እቶም ከምዚ ዝገብሩ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዘይመንቅብ ክመላለሱ ይኽእሉ ኢዮም: ዝሓሸ መጻኢ ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም። “ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ: እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ: ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም: ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቝረጽ እዩ።”—መዝሙር 37:37, 38
21, 22. ኣምላኽ ሕጂ እንታይ ኢዩ ዝስርት ዘሎ፧ እቲ ምልምማድከ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧
21 ሕጂ የሆዋ ነቶም ፍቓዱ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ካብ ኵሎም ኣህዛብ ይጽውዖም ኣሎ። ከምቲ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት [እዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና እዋን] . . . ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር [እቲ ክብ ዝበለ ሓቀኛ ኣምልኾኡ] . . . ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና” ብምባል ኣቐዲሙ እተዛረቦ ኸኣ መሰረት ናይቲ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰቡ ይገብሮም ኣሎ።—ኢሳይያስ 2:2, 3
22 ራእይ 7:9 “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ . . . ብዙሓት ሰብ” ኢላ ትገልጾም። ቍጽሪ 14 ድማ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም” ኢላ ትገልጽ: እዚ ድማ ካብ ጥፍኣት ናይዚ ዘሎናዮ ኣገባብ ይድሕኑ ማለት ኢዩ። እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ዝውሰኽዎ መሰረት ናይ ሓዳስ ዓለም ሕጂ ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣባላት ዘለዎ ኰይኑ ኣሎ። ኵሎም እዞም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ይለማመዱ ኣለዉ። ነዛ ምድሪ እዚኣ ናብ ገነት ንምልዋጥ ዘኽእሎም መንፈሳውን ካልእ ክእለታትን ይማሃሩ ኣለዉ። ገነት ክውንቲ ከም እትኸውን ምሉእ ብምሉእ ኢዮም ዝኣምኑ: ከመይሲ “እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ።”—እብራውያን 10:23
ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት
◻ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ምጕዳል እምነት እንታይ ኢዩ ኣስዒቡ፧
◻ ኣገልግልቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ኣብኡ ክውከሉ ዝኽእሉ፧
◻ ንእሙናት ሰባት ከመይ ዝበለ መጻኢ ኢዩ ተነቢሩሎም ዘሎ፧
◻ ናይቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ዘሐጕስ መጻኢ ውሕስነት ምእንቲ ክንረክብ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ሕጂ የሆዋ መሰረት ናይ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ የዳሉ ኣሎ