ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/6 ገጽ 9-14
  • ምስ ‘ክርስቶስ ተመላለሱ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ‘ክርስቶስ ተመላለሱ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ኣብ ክርስቶስ ተሰሪትካ’ ዲኻ፧
  • ‘ኣብ ክርስቶስ ትህነጽዶ’ ኣሎኻ፧
  • ‘ብእምነት እናጸናዕካ’ ትኸይድዶ ኣሎኻ፧
  • “ብምስጋና መሊእኩም”
  • ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ገላትያን ኤፌሶንን ፊልጲን ቈሎሴን ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ዝውሰድ ናይ መጀመርታ ስጕምትታት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • “ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን” ዲኹም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ቀጽል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/6 ገጽ 9-14

ምስ ‘ክርስቶስ ተመላለሱ’

“ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ: ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ።”​—⁠ቈሎሴ 2:⁠6

1, 2. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሄኖክ ኣብ ህይወቱ ምስ የሆዋ ዝገበሮ እሙን ምምልላስ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧ (ለ) ከምቲ ቈሎሴ 2:⁠6, 7 እተመልክቶ የሆዋ ምስኡ ክንመላለስ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ምስ ኣቦኡ ክኸይድ ከሎ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እቲ ንእሽቶ ቈልዓ ብምግራም ባህ እናበሎ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ኣቦኡ ምንቅስቓስ ይቐድሖ፣ ኣቡኡ ድማ ፍቕርን ስምረትን ብምርኣይ ይሕግዞ። የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዝግበር ናይ እሙን ኣገልግሎት ናብራ ንምግላጽ ልክዕ ምስዚ ዝሰማማዕ መግለጺ ኢዩ ዝጥቀም። ንኣብነት: ቃል ኣምላኽ እቲ እሙን ሰብኣይ: ሄኖክ “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ” ይብል።​—⁠ዘፍጥረት 5:⁠24፣ 6:⁠9

2 ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓላዪ ኣቦ ንንእሽቶ ውሉዱ ምስኡ ክኸይድ ዝሕግዞ: የሆዋ ድማ እቲ ዝበለጸ ሓገዝ ሂቡና ኢዩ። ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ መጺኡ ኸሎ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዘርኣዮ ምምልላስ: ንሰማያዊ ኣቡኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠9, 10፣ እብራውያን 1:⁠3) ስለዚ እምበኣር: ምስ ኣምላኽ ምእንቲ ክንመላለስ ምስ የሱስ ክንመላለስ የድልየና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ: ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም: ከምቲ እተመሀርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠6, 7

3. ብመሰረት ቈሎሴ 2:⁠6, 7 ምስ ክርስቶስ ምምልላስ ክበሃል ከሎ ካብ ምጥማቕ ንላዕሊ ኢዩ ዝሓትት ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ፍጹም ስጕምትታቱ ንምስዓብ እናጸዓሩ ምስ ክርስቶስ ክመላለሱ ስለ ዝደልዩ: ይጥመቑ ኢዮም። (ሉቃስ 3:⁠21፣ እብራውያን 10:⁠7⁠-​9) ኣብ ብዘላ ዓለም ብ1997 ጥራይ ልዕሊ 375,000 ዝዀኑ ሰባት ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ወሰዱ​—⁠እዚ ድማ ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ልዕሊ 1,000 ምዃኑ ኢዩ። እዚ ወሰኽ እዚ ዘሐጕስ ኢዩ! ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ቈሎሴ 2:⁠6, 7 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ጳውሎስ: ምስ ክርስቶስ ምምልላስ ክበሃል ከሎ ካብ ምጥማቕ ንላዕሊ ከም ዝሓትት ኢዩ ዘርኢ። እታ “ተመላለሱ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ግሲ: ንሓደ ቀጻሊ: ዘየቋርጽ ክኸውን ዘለዎ ተግባር ኢያ እትገልጽ። ኣብ ርእሲ እዚውን ጳውሎስ ምስ ክርስቶስ ምምልላስ ኣርባዕተ ነገራት ከም ዘጠቓልል ወሲኹ ይዛረብ: እዚ ድማ ኣብ ክርስቶስ ምስራት: ኣብኡ ምህናጽ: ኣብ እምነት ምጽናዕን ብምስጋና ምምላእን ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሓረግ ንመርምራ እሞ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ብቐጻሊ ንምምልላስ ብኸመይ ከም እትሕግዘና ንርአ።

‘ኣብ ክርስቶስ ተሰሪትካ’ ዲኻ፧

4. ‘ኣብ ክርስቶስ ምስራት’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

4 ብመጀመርታ: ጳውሎስ ‘ኣብ ክርስቶስ ክንስረት’ ከም ዘድልየና ኢዩ ጽሒፉ። (ምስ ማቴዎስ 13:⁠20, 21 ኣረኣእዮ።) ሓደ ሰብ ኣብ ክርስቶስ ንኽስረት ኢሉ ክዓዪ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ናይ ሓንቲ ተኽሊ ሰራውር ዘይርአ እኳ እንተዀነ ነታ ተኽሊ ብህይወት ንኽትነብር ዘድልያ ኢዩ​—⁠ጽንዓትን መግብን ይህባ። ብተመሳሳሊ: ናይ ክርስቶስ ኣብነትን ትምህርትን እውን ብመጀመርታ ደረጃ ኣብ ኣእምሮናን ኣልባብናን ብምትካል ብዘይርአ መገዲ ይትንክፈና። ኣብኡ ኣትዩ ድማ ይምግበናን የጽንዓናን። ንኣተሓሳስባና: ንተግባርናን ንውሳነታትናን ክቈጻጸሮ እንተድኣ ኣፍቂድናሉ ኸኣ ህይወትና ንየሆዋ ክንውፊ ንድረኽ።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠21

5. ንመንፈሳዊ መግቢ ‘ባህጊ’ ከነሕድር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 የሱስ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ፍልጠት ፈትይዎ ኢዩ። ምስ መግቢ ከይተረፈ እውን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:⁠4) እወ: ኣብቲ ናይ ከረን ዝርርቡ እኳ ካብ ሸሞንተ እተፈላለየ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ መጻሕፍቲ 21 ጥቕስታት ጠቒሱ ኢዩ። ኣብነቱ ንምስዓብ ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት” ንመንፈሳዊ መግቢ “ብሀግዎ” ብምባል ዝመዓደና ክንገብር ይግብኣና። (1 ጴጥሮስ 2:⁠2) ሓደ ሓድሽ እተወልደ ሕጻን ክጠቡ ኢሉ ምስ ዝብህግ: ነቲ ውሽጣዊ ባህጉ ኣጸቢቑ ኢዩ ዘግህዶ። ሕጂ ብዛዕባ መንፈሳዊ መግቢ ከምኡ ዓይነት ስምዒት እንተድኣ ዘይብልና: ቃላት ጴጥሮስ ነቲ ‘ባህጊ’ እቲ ከነሕድር የተባብዓና። ብኸመይ፧ እቲ “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን: ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ” ዝብል ኣብ መዝሙር 34:⁠8 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ንገለ ቃል የሆዋ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታውያን ኴንና መዓልቲ⁠-​መዓልቲ ብምንባብ ‘ንጥዕሞ’ እንተድኣ ኴንና ብመንፈሳዊ መገዲ ዘዐንግልን ሰናይን ከም ዝዀነ ክንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ እቲ ንዕኡ ዘሎና ባህጊ እናዓበየ ክኸይድ ኢዩ።

6. በቲ እነንብቦ ከነስተንትን ዘድልየና ስለምንታይ ኢና፧

6 ይኹን እምበር: መግቢ ሓንሳእ ምስ ወሰድናዮ ኣጸቢቑ ክሓቅቕ የድልዮ። ስለዚ እምበኣር በቲ ዘንበብናዮ ከነስተንትን የድልየና። (መዝሙር 77:⁠11, 12) ንኣብነት ነታ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዐበየ ሰብኣይ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከነንብብ ከሎና: ሓንሳእ ኣዕርፍ ኣቢልና ንገዛእ ርእስና ‘ኣብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ባህርያት የሱስ ኢየ ዝዕዘብ ዘሎኹ: ኣብ ህይወተይከ ብኸመይ ክቐድሖ እኽእል፧’ ኢልና እንተድኣ ሓቲትናያ ካብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዓቢ ጥቕሚ ኢና ክንረክብ እንኽእል። ከምኡ ገይርና ምስትንታን ነቲ እተማሃርናዮ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ድሕርዚ ውሳነ ዘድልዮ ነገር ከጋጥመና ከሎ: የሱስ እንተ ዝኸውን እንታይ ምገበረ ነይሩ ኢልና ንገዛእ ርእስና ክንውከስ ንኽእል። ብእኡ መሰረት ውሳነ ምስ እንገብር ከኣ ኣብ ክርስቶስ ብሓቂ ከም እተሰረትና መረጋገጺ ንህብ ኣሎና ማለት ኢዩ።

7. ብዛዕባ ዕጹም መንፈሳዊ መግቢ ዘሎና ኣረኣእያ ከመይ ክኸ​ውን ኣለዎ፧

7 ጳውሎስ “ዕጹም ብልዒ” ማለት ዕሙቝ ዝበለ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ክንወስድ እውን ይላበወና ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠14) በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ናይ መጀመርታ ሸቶና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድሕሪ እዚ ኸኣ ከም በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ: የሆዋ ምስ ህዝቡ ዝኣተዎ እተፈላለየ ኪዳናት: ወይ ከኣ ገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢታዊ መልእኽትታት ዝኣመሰለ ብዙሕ እተወሰነ ናይ መጽናዕቲ ኣርእስትታት ኣሎ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕጹም መንፈሳዊ መግቢ ንምውሳድን ንምሕቃቕን ዝሕግዝ ኣኽል ታርፍ ጽሑፋት ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ምጥራይ ዕላምኡ እንታይ ኢዩ፧ ንኽንጀሃር ምኽንያት ክዀነና ዘይኰነስ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ክንሃንጽን ናብኡ ንኸቕርበናን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 8:⁠1፣ ያእቆብ 4:⁠8) ነዚ ፍልጠት እዚ ብሃንቀውታ እንተድኣ ወሲድናዮ: ኣብ ተግባር እንተድኣ ኣውዒልናዮን ንኻልኦት ንምሕጋዝ እንተድኣ ተጠቒምናሉን ብሓቂ ንክርስቶስ ንቐድሖ ኣሎና ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ብግቡእ ኣብኡ ንኽንስረት ክሕግዘና ኢዩ።

‘ኣብ ክርስቶስ ትህነጽዶ’ ኣሎኻ፧

8. ‘ኣብ ክርስቶስ ምህናጽ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

8 ጳውሎስ: ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ምስ ክርስቶስ ናይ ምምልላስ መዳይ ክገልጽ ከሎ ቀልጢፉ ካብ ሓደ ዝርአ ምስሊ ናብ ካልእ​—⁠ካብ ተኽሊ ናብ ህንጻ​—⁠ይሰግር። ብዛዕባ ሓደ ዝህነጽ ዘሎ ህንጻ ክንሓስብ ከሎና: ነቲ መሰረት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ብብዙሕ ድኻምን ጻዕርን እናወሰኸ ዝኸይድ ዓቢ ህንጻ ኢና ኣብ ኣእምሮና እነመጽኦ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያትን ልምድታትን ንኸነማዕብል ብዙሕ ጻዕሪ ክንገብር ከድልየና ኢዩ። እዚ ጻዕሪ እዚ ኸኣ ከይተስተባህለሉ ዝሓልፍ ኣይኰነን: አረ ከምቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉስ ‘እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ኣብ ኵሉ ይገለጽ።’ (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠15፣ ማቴዎስ 5:⁠16) ገለ ካብቲ ዝሃንጸና ክርስትያናዊ ዕዮታት እንታይ ኢዩ፧

9. (ሀ) ንክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎትና ምእንቲ ክንቀድሖ: ገለ ካብቲ ክንገብሮ እንኽእል ተግባራዊ ሸቶታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንኣገልግሎትና ክንሕጐሰሉ ከም ዝደልየና ብኸመይ ንፈልጥ፧

9 የሱስ ነቲ ብስራት ክንሰብኽን ክንምህርን መዚዙና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ብትብዓትን ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገድን ብምምስካር ፍጹም ኣብነት ሰሪዑ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ልክዕ ከምቲ ዝገበሮ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጴጥሮስ እዚ ዝስዕብ ሸቶ ሰሪዑልና ኣሎ:⁠- “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር: ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።” (1 ጴጥሮስ 3:⁠15) ‘ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳለኻ’ ከም ዝዀንካ እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። በብቕሩብ ኣብቲ ደረጃ እቲ ንኽትበጽሕ ምኽንያታዊ ዝዀነ ሸቶታት ግበር። ኣቐዲምካ ምድላው ኣቀራርባኻ ንኽትቀያይር ወይ ከኣ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት ንኽትሕውስ ከኽእለካ ኢዩ። ዝያዳ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕዳል: ዝያዳ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር: ወይ ከኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ሸቶታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ትዅረት ኣብ ብዝሒ ማለት ኣብ ቍጽሪ ሰዓታት: እተዓደለ ጽሑፋት: ወይ ከኣ ቍጽሪ ጽንዓታት ዘይኰነስ ኣብ ዓይነት ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያታዊ ዝዀነ ሸቶታት ምግባርን ክትበጽሖ ኢልካ ምጽዓርን ገዛእ ርእስና ንኣገልግሎት ብምውፋይ ክንሕጐስ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ድማ ከምኡ ክንገብር ማለት “ብሓጐስ” ከነገልግሎ ኢዩ ዝደልየና።​—⁠መዝሙር 100:⁠2፣ ምስ 2 ቈረንቶስ 9:⁠7 ኣረኣእዮ።

10. ገለ ካብቲ ክንፍጽሞ ዘድልየና ካልእ ዓይነት ክርስትያናዊ ዕዮታት እንታይ ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዘና፧

10 ኣብታ ጉባኤ እንፍጽሞም ኣብ ክርስቶስ ዝሃንጹና ዕዮታት እውን ኣለዉ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ንሓድሕድካ ፍቕሪ ምርኣይ ኢዩ: ከመይሲ እዚ መለለዪ ናይ ሓቀኛ ክርስትያናት ኢዩ። (ዮሃንስ 13:⁠34, 35) መብዛሕትና ጽንዓት ክንገብር ከሎና ምስ መምህርና ንቀራረብ ኢና: እዚ ድማ ባህርያዊ ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ብምፍላጥ ነቲ “ኣግፍሑ” ዝብል ምኽሪ ጳውሎስ ክንስዕቦ ምኸኣልናዶ፧ (2 ቈረንቶስ 6:⁠13) እቶም ሽማግለታትውን ፍቕርናን ሞሳ​ናን የድልዮም ኢዩ። ምስኦም ብምትሕብባርን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሮም ብምድላይን ብምቕባልን ነቲ ከቢድ ዕዮኦም ከነቃልለሎም ንኽእል ኢና። (እብራውያን 13:⁠17) ምስናይዚውን ከምኡ ምግባርና ኣብ ክርስቶስ ንኽንህነጽ ኣበርክቶ ክህልዎ ኢዩ።

11. ብዛዕባ ጥምቀት እንታይ ክውንነታዊ ኣመለኻኽታ ኢዩ ክህልወና ዘለዎ፧

11 ጥምቀት ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኢዩ! ይኹን እምበር: ካብኡ ንድሓር ዘሎ ክፍሊ ህይወትና ልክዕ ከምቲ ናይ ሽዑ ዘሐጕስ ክኸውን ክንጽበ የብልናን። ኣብ ክርስቶስ ናይ ምህናጽና እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ‘ብሓደ መገዲ ምምልላስ’ ዘጠቓልል ኢዩ። (ፊልጲ 3:⁠16) እዚ ክበሃል ከሎ ዘሰልኪ ኣነባብራ ምንባር ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ ብሓደ ቀጥ ዝበለ መገዲ ንቕድሚት ምኻድ: ብኻልእ ኣዘራርባ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልምድታት ሃኒጽካ መዓልትታትን ዓመታትን በብዝሓለፈሉ ቍጽሪ ብእኡ ምቕጻል ማለት ኢዩ። ‘እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ክድሕን’ ምዃኑ ኣይትረስዕ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠13

‘ብእምነት እናጸናዕካ’ ትኸይድዶ ኣሎኻ፧

12. ‘ኣብ እምነት ምጽናዕ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

12 ጳውሎስ ነቲ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና እንገብሮ ምምልላስ ኣብታ ሳልሰይቲ ሓረጉ ክገልጾ ከሎ “ብእምነት ጽንዑ” ብምባል ይላበወና። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ከኣ “ብዛዕባ እምነት ርግጸኛታት ኩኑ” ይብል: ከመይሲ እታ ጳውሎስ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል “ብሕጋዊ መገዲ ምርግጋጽ: ውሕስነት ምሃብ: ኣብ መደምደምታ ምብጻሕ” ዝብል ትርጕም እውን ኣለዋ። ብፍልጠት እናዓበና ብዝኸድና መጠን እታ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ጽቡቕ ገይራ እተሰረተት ምዃና: አረ ብሕጋዊ መገዲ እውን ከይተረፈ እተረጋገጸት ምዃና ንኽንርዳእ ተወሳኺ ምኽንያታት ንረክብ ኢና። እቲ ውጽኢት ከኣ ንጽንዓትና ይውስኸሉ። እታ ናይ ሰይጣን ዓለም ንኸተላግሰና እትገብሮ ፈተነ ድማ ከንቱ እናዀነ ይኸይድ። እዚ ድማ ነቲ “ናብ ፍጻሜ [“ናብ ብስለት:” NW ] ንሕለፍ” ዝብል ለበዋ ጳውሎስ የዘኻኽረና። (እብራውያን 6:⁠1) ብስለትን ጽንዓትን ሓቢሩ ዝኸይድ ኢዩ።

13, 14. (ሀ) እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ናይ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ክርስትያናት ንጽንዓቶም ኣብ ስግኣት ዘውድቕ ከመይ ዝበለ ነገራት ኢዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣሻቒልዎ ክኸውን ዝኽእል እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

13 እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ናይ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ክርስትያናት ንጽንዓቶም ኣብ ስግኣት ዘውድቕ ነገራት ኣጋጢምዎም ነይሩ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:⁠- “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን [“ብፍልስፍናን:” NW ] ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ።” (ቈሎሴ 2:⁠8) ጳውሎስ ነቶም ናይ ‘መንግስቲ ፍቑር ወዱ [ንኣምላኽ]’ ተገዛእቲ ኰይኖም ዝነበሩ ሰብ ቈሎሴ ካብቲ እተባረኸ መንፈሳዊ ኵነታቶም ክወጹ ወይ ከላግሱ ኣይደለዮምን። (ቈሎሴ 1:⁠13) ብምንታይ ኢዮም ክታለሉ ዝኽእሉ፧ ጳውሎስ ‘ፍልስፍና’ ጠቒሱ ኣሎ: እዛ ቓል እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጥራይ ኢያ እትርከብ። ብዛዕባ እቶም ከም እኒ ፕላቶን ሶቅራጥስን ዝኣመሰሉ ናይ ግሪኽ ፈላስፋታት ድዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ ኣብቲ እዋን እቲ እዚኣቶም ነቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት ስግኣት ዝፈጥሩሎም እኳ እንተ ነበሩ: እታ ‘ፍልስፍና’ እትብል ቃል ሰፊሕ ትርጕም ኢዩ ነይርዋ። ብልምዲ ነቶም ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ብዙሓት ጕጅለታት: ንሃይማኖታውያን እውን ከይተረፈ ኢያ እተመልክት። ንኣብነት: ከም ጆሰፈስን ፊሎን ዝኣመሰሉ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ: ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃይማኖት ፍልስፍና ብምባል ጸውዕዎ: እዚ ድማ ምናልባት ተቐባልነቱ ክብ ንምባል ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

14 ገለ ካብቲ ንጳውሎስ ኣሻቒልዎ ክኸውን ዝኽእል ፍልስፍናታት ሃይማኖታዊ ዓይነት ኢዩ ነይሩ። ጸኒሑ ኣብታ ንሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ: ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ነቶም “ኣይትሐዝ: ኣይትጥዐም: ኣይትተንኪ” ኢሎም ብምምሃር ናብቲ ብሞት ክርስቶስ እተፈጸመ ክፍልታት ሕጊ ሙሴ ዝእምቱ ዝነበሩ ሰባት ይዛረቦም። (ሮሜ 10:⁠4) ኣብ ርእሲ እቲ ኣረማዊ ፍልስፍናታት ንመንፈሳዊ ኵነታት ናይታ ጉባኤ ኣብ ስግኣት ዘውደቖ ጽልዋታት እውን ነይሩ ኢዩ። (ቈሎሴ 2:⁠20⁠-​22) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ክፍሊ “ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ፍልስፍና የጠንቅቕ። እዚ ናይ ሓሶት ትምህርቲ እዚ መበቈሉ ካብ ሰብ ኢዩ።

15. ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዘጋጥመና ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ከየላግሰና ወጊድ ክንብሎ እንኽእል ብኸ​መይ ኢና፧

15 ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ጸኒዑ ዘይተመስረተ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ምስፍሕፋሕ ንክርስትያናዊ ጽንዓት ኣብ ስግኣት ከውድቖ ይኽእል ኢዩ። ሎሚ እውን ንሕና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘስግእ ነገራት ክንጥንቀቐሉ ይግብኣና። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣቱም ፍቁራተይ: . . . እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር: ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ብምባል ይላቦ። (1 ዮሃንስ 4:⁠1) ስለዚ መማህርትኻ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ግዚኡ ዘሕለፈ ከም ዝዀነ ከእምነካ እንተድኣ ፈቲኑ: ወይ ጐረቤትካ ፍቕረ⁠-​ንዋያዊ ኣረኣእያ ንኸተሕድር ክጸልወካ እንተድኣ ፈቲኑ: ወይ መሳርሕትኻ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልናኻ ንኽትጥሕሶ ብጕርሒ ድፍኢት ዝገብረልካ እንተድኣ ዀይኑ: ወይ ድማ ሓደ ኣማኒ ብጻይካ ብዛዕባ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባት ተመርኲሱ ነቐፌታውን ኣሉታውን ርእይቶታት ዘቕርብ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ዝብልዎ ኣይትቀበሎ። ነቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ዘበለ ኵሉ ወጊድ በሎ። ከምዚ እንተድኣ ገይርና ኣብቲ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና እንገብሮ ምምልላስ ጽንዓትና ክንዕቅብ ኢና።

“ብምስጋና መሊእኩም”

16. እቲ ምስ ክርስቶስ ናይ ምምልላስ ራብዓይ መዳይ እንታይ ኢዩ፧ እንታይ ሕቶኸ ክንሓትት ምኸኣልና፧

16 እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ምስ ክርስቶስ ናይ ምምልላስ ራብዓይ መዳይ ከኣ ‘ብምስጋና ክንመልእ’ ኢዩ። (ቈሎሴ 2:⁠7) እታ “መሊእኩም” እትብል ቃል ሓደ ወሰናስኑ መሊኡ ዝፈስስ ዘሎ ፈለግ ኢዩ ዘዘኻኽረና። እዚ ድማ ከም ክርስትያናት መጠን: ምስጋናና ቀጻሊ ወይ ከኣ ልምዳዊ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘመሓላልፍ። ነፍሲ ወከፍና ኸኣ ‘መማሰዊ ድየ፧’ ኢልና ክንሓትት ሰናይ ኢዩ።

17. (ሀ) ኣብቲ ዝኸፍአ እዋናት እውን ከይተረፈ ከነመስግነሉ እንኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎና ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ገለ ካብቲ ብፍላይ ከተመስግነሉ ከም ዘሎካ ዝስምዓካ ካብ የሆዋ ዝረኸብካዮ ህያባት እንታይ ኢዩ፧

17 ብሓቂ: ኵልና መዓልቲ⁠-​መዓልቲ በቲ ንየሆዋ ዘሎና ምስጋና ክንመልእ እኹል ምኽንያት ኣሎና። ኣብቲ ዝኸፍአ እዋናት እውን ከይተረፈ: ቅሳነት ዝህቡ ገለ ደቀቕቲ ነገራት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ብጻይና ድንጋጹ የርእየና። እነፍቅሮ ሰብ ሕቝፍ የብለና። እኹል ናይ ለይቲ ድቃስ የሐድሰና። ጥዑም መግቢ ንጥሜትና የዐግሶ። ናይ ኣዕዋፍ መዝሙር: ናይ ቈልዓ ሰሓቕ: ደበና ዘይብሉ ብሩህ ሰማይ: ደስ ዘብል ህዱእ ንፋስ: እዝን ካልእ ነገራትን ብምሉኡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ክንረኽቦ እንኽእል ነገር ኢዩ። ነዚ ህያባት እዚ ብኸምኡ ከም ዝረኸብካዮ ጌርካ ክትርእዮ ቀሊል ኢዩ። ኵሎም እዞም ነገራት እዚኣቶም ከነመስግነሎም ዝበቕዑዶ ኣይኰኑን፧ ኵሎም ካብቲ ምንጪ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ዝዀነ የሆዋ ዝመጹ ኢዮም። (ያእቆብ 1:⁠17) ካብዚ እተጠቕሰ ህያባት ኣዝዩ ዝዓበየ ህያብ​—⁠ህይወት​—⁠እውን ሂቡና ኢዩ። (መዝሙር 36:⁠9) ኣብ ርእሲ እዚውን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ሂቡና ኢዩ። ነዚ ህያብ እዚ ምእንቲ ከዳሉ የሆዋ ነቲ ‘ዝሕጐሰሉ’ ዝነበረ ሓደ ወዱ ብምልኣኽ ዝለዓለ መስዋእቲ ኢዩ ከፊሉ።​—⁠ምሳሌ 8:⁠30፣ ዮሃንስ 3:⁠16

18. ንየሆዋ መመስገንቲ ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 እተን ‘ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ሰናይ ኢዩ’ ዝብላ ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ክሳዕ ክንደይ ኰን ሓቂ ኢየን። (መዝሙር 92:⁠1) ብተመሳሳሊ መገዲ: ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት “ብዅሉ ኣመስግኑ” ብምባል ኣዘኻኸሮም። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠18፣ ኤፌሶን 5:⁠20፣ ቈሎሴ 3:⁠15) ነፍሲ ወከፍና ዝያዳ መመስገንቲ ንምዃን ንውስን ንኸውን። ጸሎትና ብዛዕባ ዘድልየና ነገራት ንምሕታት እነቕርቦ ልመና ጥራይ ዝሓዘ ክኸውን የብሉን። ብዛዕብኡ ምጽላይ ግቡእ ኢዩ። ይኹን እምበር ብዛዕባ ሓደ ካባኻ ገለ ነገር ክደሊ ከሎ ጥራይ ዝዛረበካ ዓርኪ እሞ ሕሰብ! ስለዚ እምበኣር ንየሆዋ ከተመስግኖን ክትውድሶን ኢልካ ዘይትጽሊ፧ ናብዛ ዘይተመስግን ዓለም ክጥምት ከሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሶ! ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ዝርከብ ካልኣይ ጥቕሚ ኸኣ ብሓቂ ክሳዕ ክንደይ እተባረኽና ምዃንና ብምዝኽኻር ኣብቲ ኣወንታዊ መዳያት ናይ ህይወት ከነተኵር እውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

19. እቲ ኣብ ቈሎሴ 2:⁠6, 7 ዘሎ ቃላት ጳውሎስ ኣብቲ ምስ ክርስቶስ እንገብሮ ምምልላስ ብቐጻሊ ክንመሓየሽ ከም እንኽእል ዝገልጸልና ብኸመይ ኢዩ፧

19 ካብ ሓደ ክፍሊ ናይ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ከመይ ዝበለ ጥበባዊ መምርሒ ክርከብ ከም ዝከኣል ክትሓስቦ ከሎኻ ዘገርምዶ ኣይኰነን፧ እቲ ጳውሎስ ብቐጻሊ ምስ ክርስቶስ ክንመላለስ ዝሃበና ምኽሪ ነፍሲ ወከፍና ከነቕልበሉ ዝግብኣና ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ‘ኣብ ክርስቶስ ክንስረት:’ ‘ኣብኡ ክንህነጽ:’ ‘ብእምነት ክንጸንዕን’ ‘ብምስጋና ክንመልእን’ ንቝረጽ። እዚ ምኽሪ እዚ ብፍላይ ነቶም ሓደስቲ ተጠመቕቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብ ኵልና እውን ዝውዕል ኢዩ። ሓደ ሱር ከመይ ኢሉ ንታሕቲ ገጹ ኣናኣስፋሕፍሐ ከም ዝኸይድ: ሓደ ዝህነጽ ዘሎ ህንጻ ኸኣ ከመይ ኢሉ ንላዕሊ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ እሞ ሕሰብ። ስለዚ እቲ ምስ ክርስቶስ እንገብሮ ምምልላስ እውን መወዳእታ የብሉን። ኵልና ብመንፈሳዊ መገዲ ዝመጸ ብዅሉ መዳያት ህይወትና ክንዓቢ ከድልየና ኢዩ። የሆዋ ምስኡን ምስቲ ዝፈትዎ ወዱን ብዘይ ምቍራጽ ክንመላለስ ስለ ዝደልየና ክሕግዘናን ክባርኸናን ኢዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

◻ ምስ ክርስቶስ ምምልላስ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

◻ ‘ኣብ ክርስቶስ ምስራት’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

◻ ‘ኣብ ክርስቶስ ክንህነጽ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

◻ ‘ብእምነት ምጽናዕ’ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ‘ብምስጋና ክንመልእ’ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ሓደ ገረብ ሰራውር ምናልባት ዘይርአ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ይኹን እምበር ነቲ ገረብ መግቢ ይህቦ ኣጽኒዑ ድማ ይሕዞ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ