ምጕዳል ፍትሒ ዘይውገድ ነገር ድዩ፧
“ዋላ እኳ ብዙሕ ነገር እንተ ኣጋጠመ ሰባት ብልቦም ብሓቂ ቅኑዓት ምዃኖም ገና እኣምን ኢየ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ሕንፍሽፍሽን ሕሰምን ሞትን ዝመልኦ መሰረት ተስፋ ክገብር ኣይክእልን ኢየ። ”— ኣና ፍራንክ
እዛ ኣን ፍራንክ እተባህለት ጓል 15 ዓመት ኣይሁዳዊት መንእሰይ: ነዘን ስምዒት ዝትንክፋ ቃላት እዚኣተን ዝጸሓፈተን ቀቅድሚ ሙማታ ኢዩ። ስድራቤታ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ሓደ ቦታ ተሓቢኦም ነበሩ። ሓደ ሓሳዊ ኣበይ ከም ዘለዉ ነቶም ኣባላት ናዚ ምስ ነገረሎም እቲ ዝሓሸ ዓለም ንምርካብ ዝነበራ ተስፋ ሃፊፉ ተረፈ። ኣና ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት: ብ1945 ብምኽንያት ሕማም ቲፎ ኣብቲ ኣብ በርገን-በልዘን ዝነበረ መዳጐኒ ደምበ ሞተት። ካልኦት ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ እውን ተመሳሳሊ ስቓይ ኣጋጠሞም።
እቲ ሂትለር ንሓደ ምሉእ ዓሌት ንምጥፋእ ዝነበሮ እኩይ ውዲት ኣብዚ ክፍለ-ዘበንና እተፈጸመ ዝኸፍአ ዓሌታዊ ምጕዳል ፍትሒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ካልእ እውን ኣሎ። ብ1994 ኣብቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝነበረ ጃምላዊ ቅትለት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀነ ኣባላት ዓሌት ቱትሲ ጠፊኦም ኢዮም። እቲ ምኽንያት ድማ ናይ “ካልእ” ዓሌት ኣባላት ስለ ዝነበሩ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ድማ ኣብቲ እተገብረ ዓሌታዊ ምጽራይ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ኣርመናውያን ሞቱ።
እቲ ዘሕዝን መልክዓት ናይ ምጕዳል ፍትሒ
ምጕዳል ፍትሒ ኣብ ዓሌታዊ ምጽናት ጥራይ ኣይኰነን ዝርአ። ኣብ ማሕበራዊ ነገራት ዝርአ ምጕዳል ፍትሒ ዳርጋ ንሓምሻይ ኣፍ ሰብኣዊ ዓሌት ብድኽነት ከም ዝድቈስ ገይርዎ ኢዩ። ገና ካብኡ ዝገደደ ኸኣ እቲ ኣንጻር ባርነት ዝቃለስ ኣህጉራዊ ማሕበር ልዕሊ 200,000,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ባርነት ከም ዘለዉ ጸብጻብ ይህብ። ኣብ ታሪኽ ካብ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ዝያዳ ባሮት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ብቓልዕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይሽየጡን ይዀኑ: እቲ ናይ ስርሖም ኵነታት ግን ካብቲ ናይቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ባሮት ዝገደደ ኢዩ።
ኣብ ሕጋዊ ነገራት ዝርአ ምጕዳል ፍትሒ ናይ ሚልዮናት ሰባት መሰረታዊ መሰል ዝገፍፍ ኢዩ። ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ ናይ 1996 ዘቕረቦ ጸብጻብ “ምርጋጽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ይፍጸም ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። “እቶም ነዚ ሽግር እዚ ኣዝዮም እተቓልዑ ድማ እቶም ድኻታትን ጽጉማትን: ብፍላይ ድማ ኣንስቲ: ቈልዑ: ኣረጋውያንን ስደተኛታትን ኢዮም።” እቲ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ርእይትኡ ይህብ:- “ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዘሎ ናይ መንግስቲ ምምሕዳራት ላሕሊሑ ኢዩ: እዚ ድማ ነቶም ድኹማት ካብቶም ሓያላት ክከላኸለሎም ዝኽእል ሕጋዊ ስልጣን ከም ዘይህሉ ዝገብር ኢዩ።”
ብ1996 ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ልዕሊ ሚእቲ ኣብ ዝዀና ሃገራት ተኣጊዶምን ተሳቕዮምን ኢዮም። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብናይ ጸጥታ ሓይልታት ወይ ብጕጅለ ፈጠርቲ ራዕዲ ተጨውዮም መእተዊኦም ከይተፈልጠ ጠፊኦም ኢዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ከም ዝሞቱ ኢዮም ዝቝጸሩ።
ውግእ እውን ፍትሓዊ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ: እንተዀነ ግን እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ዘመናዊ ውግኣት ኣብቶም ኣንስትን ቈልዑን ሰላማውያን ሰባት ዘተኰረ ኢዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዝግበር ደብዳብ ናይ ከተማታት ኣይኰነን። ከም ሓደ ኵሉ ግዜ ዝግበር ወተሃደራዊ ስርሒት ተወሲዱ ኣንስትን ኣዋልድን ብጾታዊ ርክብ ይዕመጻ: ብዙሓት ተቓወምቲ ጕጅለታት ከኣ ቈልዑ ብሓይሊ ዓፊኖም ይወስዱ: ቀተልቲ ንክዀኑ ድማ የሰልጥንዎም። ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምዲ እቲ “ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ቈልዑ ዘለዎ ጽልዋ” ዘርእስቱ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ “ቍጽሩ እናበዝሐ ዝኸይድ ህዝቢ ስነ-ምግባር ዝበሃል ነገር ዘይፈልጥ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ይገልጽ።
እዚ ስነ-ምግባር ዝበሃል ነገር ናይ ዘይምፍላጥ ባህርይ ናብ ሓንቲ ዓሌታዊ: ማሕበራዊ: ሕጋዊ ወይ ወተሃደራዊ ምጕዳል ፍትሒ ዝዓብለላ ዓለም ይመርሕ ምህላዉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዚ ሓድሽ ነገር ከም ዘይኰነ ሓቂ ኢዩ። ልዕሊ ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመታት ይገብር ሓደ እብራዊ ነብዪ “ሕጊ ድኹምን ዘይጠቅምን ኰነ: ፍትሒውን ከቶ የለን። እቶም ረሲኣን ሰባት በቶም ጻድቃን ይረብሑ: ፍትሒ ኸኣ ቐኒኑ ይወጽእ ኣሎ” ብምባል ሓዘኑ ገለጸ። (ኣንባቆም 1:4 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን [እንግሊዝኛ]) ዋላ እኳ ምጕዳል ፍትሒ ኵሉ ግዜ ግኑን እንተ ነበረ: እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ግን ብምጕዳል ፍትሒ ሓድሽ ዝለዓለ ቦታ ብምሓዙ ብቐዳምነት ዝጥቀስ ኢዩ።
ምጕዳል ፍትሒ ዘተሓሳስብዶ ኢዩ፧
ብሰንኪ ምጕዳል ፍትሒ ብብሕትኻ ምስ እትሳቐ የተሓሳስበካ ኢዩ። ንመብዛሕትኦም ደቅሰብ ነቲ ዘለዎም ናይ ምሕጓስ መሰል ዝገፍፍ ብምዃኑ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ነቲ ምጕዳል ፍትሒ ከም ዝቕጽል ዝገብር ደማዊ ውግእ ስለ ዘለዓዕል ዘተሓሳስብ ኢዩ።
ሰላምን ሓጐስን ምስ ፍትሒ ኣጸቢቐን እተተሓሓዛ ኢየን: ምጕዳል ፍትሒ ግን ንተስፋ የህፍፎ: ንኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ድማ ዝሕምሽሾ ኢዩ። ከምቲ ኣና ፍራንክ ብዘሕዝን መገዲ ዝገለጸቶ: ሰባት ኣብ ሓደ ሕንፍሽፍሽን ሕሰምን ሞትን ዝመልኦ መሰረት ተስፋ ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። ልክዕ ከም ኣና ዝሓሸ ነገር ንምርካብ ኢና ሃንቀው እንብል።
እዚ ባህጊ እዚ ንቕኑዓት ሰባት ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ፍትሒ ንምምጻእ ከም ዝጽዕሩ ገይርዎም ኢዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ድማ እቲ ብ1948 ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ኣኼባ ዝጸድቕ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ዓለምለኻዊ ውሳነ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኵሎም ሰባት ናጻ: ብኽብርን መሰልን ከኣ ማዕረ ኰይኖም ኢዮም ተወሊዶም። ኣእምሮን ሕልናን ተዋሂብዎም ኢዩ: ስለዚ ድማ ኣብ ንሓድሕዶም ብናይ ሕውነት መንፈስ ክመላለሱ ኣለዎም።”
እዚ ብሓቂ ጽቡቕ ዝዀነ ቃላት ኢዩ: ደቅሰብ ግን ገና ነዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ማዕረ ዝዀነ መሰል ዝረኽበሉ: ንብጻዩ ድማ ከም ሓዉ ዝርእየሉ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ናይ ምምስራት ሸቶ እዚ ኣይተገንዘብዎን። እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ መእተዊ ሓሳብ ከም ዘመልክቶ: ነዚ ዕላማ እዚ ምርዳእ “ኣብ ዓለም ናጽነት: ፍትሒ: ሰላም ንምምጻእ መሰረት” ኰይኑ ከም ዘገልግል ይገልጽ።
ምጕዳል ፍትሒ ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ተሓላሊኹ ብምህላዉስ ፈጺሙ ክጠፍእ ዘይክእልዶ ኢዩ፧ ወይስ ንናጽነት: ፍትሒ: ከምኡውን ንሰላም ዝኸውን ድልዱል መሰረት ክህሉ ይኽእል ኢዩ፧ ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ: ነዚ መሰረት እዚ ክስርት: ኵሉ ሰብ ድማ ከም ዝረብሓሉ ከረጋግጽ ዝኽእል መን ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
UPI/Corbis-Bettmann