ጀሮም ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ፈላሚ ሓድሽ መድረኽን ኣከራኻርን ዝነበረ ምሁር
እቲ ናይ ትረንት ዋዕላ ብ8 ሚያዝያ 1546 እቲ ናይ ላቲን ቩልጌት “ብቤተ-ክርስትያን [ካቶሊክ] ኣፍልጦ እተዋህበሉ . . . ብምዃኑ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ክነጽጎ ኢሉ ከይፍትን” ብምባል ኣዋጅ ኣውጽአ። ዋላ እኳ ልዕሊ ሽሕ ዓመት ይገብር እንተ ተወድአ: እቲ ናይ ቩልጌት ትርጕምን ተርጓሚኡን ቀንዲ መከራኸሪ ኣርእስቲ ኰይኖም ኢዮም። ጀሮም እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧ ንሱን እቲ ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስን ኣከራኸርቲ ዝነበሩኸ ስለምንታይ ኢዮም፧ እቲ ንሱ ዘዳለዎ ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይትንክፎ፧
ምሁር ዝዀነሉ መገዲ
ጀሮም ብላቲን ዩሲቤስ ሃይራናመስ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ኣብ ከባቢ 346 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብታ ሎሚ ኣብ ዶብ ኢጣልያን ስሎቨንያን እትርከብ ስትሪዶን: ኣብቲ ናይ ሮሜ ግዝኣት ዝነበረት ዳልማሽያ: ኢዩ ተወሊዱ።a ወለዱ ብመጠኑ ሃብታማት ብምንባሮም ገና ንእሽቶ ከሎ ጥቕሚ ገንዘብ ተመኲርዎ ኢዩ። ኣብ ሮሜ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍሉጥ ዝነበረ ናይ ሰዋስው ምሁር ዶናተስ ተማህረ። ጀሮም ናይ ሰዋስው: ቋንቋ: ከምኡውን ፍልስፍና ተውህቦ ዘለዎ ተማሃራይ ምዃኑ ኣርኣየ። ኣብዚ እዋን እዚ ግሪኽ እውን ከጽንዕ ጀመረ።
ጀሮም ብ366 ከ.ኣ.ዘ. ካብ ሮሜ ምስ ወጸ ኰለል በለ: ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ኣክዋለያ: ኢጣልያ: ተቐመጠ። ኣብኡ ኸኣ ናይ ብሕትውና ትምህርቲ ተማህረ። በዚ ሕሉፍ ዝዀነ ዓለም ናይ ምምናን ኣረኣእያ ኣዝዮም ስለ እተመሰጡ: ንሱን ገለ ኣዕሩኽቱን ከምዚ ዝኣመሰለ ናብራ እናተለማመዱ ነዊሕ ዓመታት ጸንሑ።
ብ373 ከ.ኣ.ዘ. ግን ዘይተፈልጠ ሽግር ነታ ጕጅለ በታተና። ጀሮም ከኣ ተስፋ ቈሪጹ ናብ ቢቲንያ: ገላትያ: ቂልቅያ: ደሓር ከኣ ናብ ኣንጾክያ: ሶርያ: ገጹ ኰለል በለ።
እቲ ነዊሕ ጕዕዞ ሕማቕ ውጽኢት ነበሮ። ጀሮም ደኺሙ: ጥዕናኡ ተጐዲኡ: ብረስኒ ዳርጋ ሞይቱ ነበረ። ናብ ሓደ ዓርኩ ከምዚ ብምባል ደብዳበ ጸሓፈ:- “ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ናባኻ ንኽበጽሕ እንተ ዝሕግዘኒ ክንደይ ምተሓጐስኩ። እቲ ከይሓመምኩ ከለኹ እውን ድኹም ዝዀነ ኣካላተይ ኣዝዩ ማሲኑ ኢዩ።”
ጀሮም ዝነበሮ ሕማም: ጽምዋ: ከምኡውን ውሽጣዊ ወጥሪ ከይኣኽሎ ድማ: ምስ ካልእ ቅልውላው: ማለት መንፈሳዊ ቅልውላው እውን ክጋጠም ነበሮ። “ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ኣምላኽ ንኽትቀርብ ክትጕተት” ከላ ብሕልሙ ረኣየ። ጀሮም መንነቱ ክነግር ምስ ተሓተተ “ክርስትያን ኢየ” ኢሉ መለሰ። እቲ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ነቲ ፍርዲ ዝመርሕ ዝነበረ ግን “ንስኻ ሓሳዊ ኢኻ: ሰዓብ ሲሰሮ ድኣ እምበር ሰዓብ ክርስቶስ ኣይኰንካን” ብምባል መለሰሉ።
ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ጀሮም ናይ መጽናዕቲ ባህጉ ብቐዳምነት ኣብ ናይ ኣረማውያን ጥንታዊ ጽሑፍ ድኣ እምበር ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘተኰረ ኣይነበረን። ንሱ “ሕልናይ ኣሳቐየኒ” ይብል። ጀሮም ነቲ ኵነታት ንምዕራይ ብዝብል ተስፋ ብሕልሙ “ዎ ጐይታ ድሕሪ ሕጂ ዓለማዊ መጻሕፍቲ እንደገና እንተ ሒዘ ወይ እንተ ኣንቢበ: ንዓኻ ክሒደካ ማለት ኢዩ” ብምባል ተመባጽዐ።
ጸኒሑ ግን ጀሮም ብሕልሚ ዝገበሮ መብጽዓ ከም ዘየሕትቶ ተዛረበ። ገና ግን: እንተ ወሓደ ከም መምርሒ ገይሩ መብጽዕኡ ክፍጽም ወሰነ። ስለዚ ኸኣ ካብ ኣንጾክያ ወጺኡ ኣብቲ ኣብ ናይ ሶርያ ምድረ በዳ ዝርከብ ካልኪስ ባሕታዊ ኰነ። ባሕታዊ ኰይኑ እናነበረ: ንገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ሃይማኖት ጽሑፋትን ኣብ ምጽናዕ ወፈያ። “ንመጻሕፍቲ ኣምላኽ: ካብቲ ሰባት ዘዳለውዎ መጻሕፍቲ ንምንባብ ዝነበረኒ ፍቕሪ ብዝሓየለ ኢየ ኣንቢበየን” በለ። ኣብ ርእሲ እዚ ናይቲ ከባቢ ቋንቋ ሲርያክ ተማህረ: ብሓገዝ ሓደ ናብ ክርስትና እተለወጠ ኣይሁዳዊ ኸኣ ቋንቋ እብራይስጢ ክማሃር ጀመረ።
ካብ ጳጳስ መዝነት ምቕባል
ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናብራ ብሕትውና: ጀሮም ትምህርቲ ንምቕጻል ናብ ኣንጾክያ ተመልሰ። ምስ ተመልሰ ግን እታ ቤተ-ክርስትያን ኣዝያ ተጐጃጂላ ጸንሓቶ። ጀሮም ገና ኣብቲ ምድረ በዳ ከሎ እውን “እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሰለስተ ተኸፊላ ኣላ: ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ኸኣ ደጋፊኡ ክኸውን ይደልየኒ ኣሎ” ኢሉ ብምጽሓፍ ንጳጳስ ደማሰስ ምኽሪ ክህቦ ሓቲቱ ነይሩ ኢዩ።
ደሓር ግን ጀሮም ምስ ፓውሊነስ: ሓደ ካብቶም ኣቡን ኣንጾክያ ክዀኑ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት: ክጽጋዕ ወሰነ። ጀሮም ብፓውሊነስ ንኽሽየም ክልተ ነገራት ክግበረሉ ሓተተ። ቀዳማይ: ነቲ ዘለዎ ናይ ብሕትውና ብርቱዕ ባህጊ ንኽቕጽል ናጻ ክኸውን። ካልኣይ ከኣ ካብቲ ሓደ ካህን ኣብ ፍልይቲ ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ዝገብሮ ዝዀነ ይኹን ናይ ክህነት ዕዮ ናጻ ክኸውን።
ብ381 ከ.ኣ.ዘ. ጀሮም ምስ ፓውሊነስ ናብ ዋዕላ ኮስታንቲኖፓል ከደ: ድሕሪኡ ድማ ምስኡ ናብ ሮሜ ቀጸለ። ጳጳስ ደማሰስ ከኣ ነቲ ጀሮም ዝነበሮ ናይ ትምህርትን ቋንቋን ክእለት ብኡንብኡ ኣስተውዓለሉ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ናይ ደማሰስ ናይ ብሕቱ ጸሓፊ ብምዃን ክብሪ ዘለዎ ቦታ ረኸበ።
ጸሓፊ ምስ ኰነውን እንተዀነ: ጀሮም ዘከራኽር ነገር ካብ ምግባር ኣይረሓቐን። ንዝርኣዮ ነገራት ሸለል ኢሉ ዝሓልፍ ኣይመስልን ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ኣብ ማእከል እቲ ምቾት ዝነበሮ መንበሪ ጳጳስ ከሎ: ናይ ብሕትውና ናብራ ምንባር ቀጸለ። ኣብ ርእሲ እዚ ጀሮም ነቲ ኣዝዩ ጽኑዕ ዝዀነ ኣገባብ ናብርኡ እናሰዓበ: ኣንጻር እቶም ሕሉፍ ዝዀነ ዓለማዊ ነገራት እናስተማቐሩ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ኣበርቲዑ ይዛረብ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ጸላእቲ ኣፍረየ።
ይኹን እምበር: ዋላ እኳ ዝወቕስዎ ሰባት እንተ ነበሩ ናይ ጳጳስ ደማሰስ ምሉእ ደገፍ ኣይተፈልዮን። እቲ ጳጳስ ንጀሮም ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ምርምር መጽሓፍ ቅዱስ ንኽቕጽሎ ከተባብዖ ጽቡቕ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ብቛንቋ ላቲን እተዳለወ ብዙሕ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ነይሩ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግን ብጽቡቕ ስለ ዘይተተርጐመ ጕሉሕ ጌጋታት ነበሮ። ካልእ ንደማሰስ ዘሻቕሎ ዝነበረ ኸኣ ቋንቋ ነታ ምብራቓዊት ቤተ-ክርስትያን ካብታ ምዕራባዊት ይፈልያ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ካብቶም ኣብ ምብራቕ ዝነበሩ ላቲን ዝፈልጡ ሒደት ኢዮም ነይሮም፣ ኣብ ምዕራብ ድማ ቋንቋ ግሪኽ ዝፈልጡ ካብኣቶም ዝወሓዱ ኢዮም ነይሮም።
ስለዚ ኸኣ ጳጳስ ደማሰስ ብቛንቋ ላቲን እተዳለወ ሓድሽ ትርጕም ናይ ወንጌላት ክህሉ ይደሊ ነበረ። ደማሰስ ምስቲ ናይ መጀመርታ ግሪኽ ብልክዕ ዝመሳሰል ኰይኑ ብቛንቋ ላቲን ክጸሓፍ ከሎ ግን ንጹርን ጽቡቕን ትርጕም ክህሉ ይደሊ ነበረ። ጀሮም ከኣ ሓደ ካብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጕም ከዳልዉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ውሑዳት ምሁራት ኢዩ ነይሩ። ጽቡቕ ዝዀነ ምልከት ቋንቋ ግሪኽ: ላቲን: ሲርያክ: ከምኡውን እኹል ፍልጠት ቋንቋ እብራይስጢ ስለ ዝነበሮ ነቲ ዕዮ ንምዕያይ ብቑዕ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ብደማሰስ ተመዚዙ ነቲ ዝቕጽል ልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ህይወቱ ዝወሰደሉ ፕሮጀክት ጀመሮ።
እቲ ኽርክር ይጽዕቕ
ጀሮም ንወንጌላት ክትርጕም ከሎ ቅልጣፈ ብዘለዎ ኣገባብ እኳ ይዓዪ እንተ ነበረ: ንጹር ዝዀነ ናይ ምሁራት ሜላ ይጥቀም ነበረ። ምስቲ ሽዑ ክርከብ ዝኽእል ዝነበረ ኵሉ ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፋት ብምውድዳር: ምስቲ ናይ ግሪኽ ትሕዝቶ ከም ዝሰማማዕ ንምግባሩ ኣብቲ ናይ ላቲን ትርጕም ብኣገባብ ኣጸሓሕፋ ኰነ ብትሕዝቶ መአረምታ ገበረ።
ብሓፈሻ ክርአ ከሎ እተን ጀሮም ዝተርጐመን ኣርባዕተ ወንጌላት ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ተሞርኲሱ ዘዳለዎ ናይ ቋንቋ ላቲን መዝሙር ዳዊት: ጽቡቕ ተቐባልነት ረኸበ። ገና ግን ዝነቕፍዎ ሰባት ነይሮም ኢዮም። ጀሮም ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ገለ ጽዩፋት ፍጡራት: ብዘይ ፍቓድ ናይቶም ጥንታዎት ምሁራትን ርእይቶ ናይ መላእ ዓለም ብምጽራርን ነቲ ናይ ወንጌላት ትሕዝቶ ከዐሪ ጽዒሩ ብምባል ኰነ ኢሎም ከጥቅዑኒ ይጽዕሩ ነበሩ።” ጳጳስ ደማሰስ ብ384 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነኔ ዝያዳ በርትዐ። ጀሮም ምስቲ እተሸመ ሓድሽ ጳጳስ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዘይነበሮ ካብ ሮሜ ክወጽእ ወሰነ። እንደገና ኸኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኣምርሐ።
ናይ እብራይስጢ ምሁር ምዃን
ብ386 ከ.ኣ.ዘ. ጀሮም ኣብ ቤት-ልሄም ክቕመጥ ጀመረ። ዝተረፈ ህይወቱ ኸኣ ኣብኡ ኣሕለፎ። ነታ ካብ ናይ ሮሜ ልኡላውያን ስድራቤት ዝመጸት ፓውላ ዝስማ ሃብታም ሰበይቲ ሓዊስካ ገለ ውሑዳት እሙናት ሰዓብቱ ኣሰነይዎ። ፓውላ በቲ ናይ ጀሮም ስብከት ተመሲጣ ነቲ ናይ ብሕትውና ናብራ ህይወት ለሚዳቶ ነበረት። በቲ ትገብሮ ዝነበረት ናይ ገንዘብ ደገፍ ከኣ ብጀሮም ዝመሓደር ገዳም ተመስረተ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ናይ ምሁራት ዕዮኡ ቀጸሎ: ነቲ ዝዓበየ ዕማም ናይ ህይወቱ ኸኣ ወድአ።
ጀሮም ኣብ ጳለስጢና ምቕማጡ ነቲ ዝነበሮ ክእለት ቋንቋ እብራይስጢ ንኸመሓይሽ ኣጋጣሚ ከፈተሉ። ገለ ካብቲ ዝኸበደ ክፍልታት ናይቲ ቋንቋ ንኽርዳእ ብዙሓት ኣይሁዳውያን መምሃራን ይቘጽር ነበረ። እንተዀነ ግን: መምህር እናሓገዞ እውን ከይተረፈ ቀሊል ኣይነበረን። ብዛዕባ ሓደ ባራኔናስ እተባህለ ወዲ ጢበርዮስ መምህር ከምዚ በለ:- “ንባራኔናስ ብለይቲ ከም ዝምህረኒ ክገብሮስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሽግርን ብዙሕ ወጻኢታት ዘድልዮን ኰን ኢዩ ነይሩ።” ስለምንታይ ብለይቲ ይምህሮ ነይሩ፧ ምኽንያቱ እቶም ማሕበረሰብ ኣይሁድ ንባራኔናስ ምስ ሓደ “ክርስትያን” ክሓብር ምስ ዝርእይዎ ክህልዎም ዝኽእል ኣረኣእያ ፈሪሁ ኢዩ!
ኣብ ግዜ ጀሮም እቶም ኣይሁድ ነቶም ቋንቋ እብራይስጢ ዝዛረቡ ዝነበሩ ኣህዛብ ነቲ ብጐሮሮ ዝድመጽ ፊደላት ጽቡቕ ገይሮም ከድምጽዎ ዘይክእሉ ስለ ዝነበሩ የላግጽሎም ነበሩ። ጀሮም ግን ብርቱዕ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባሩ ነዚ ድምጽታት እዚ እውን ክመልኮ ከኣለ። ጀሮም ብዙሕ ቃላት እብራይስጢ ኣብ ላቲን ከም ዝኣቱ እውን ገይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ቃላት ክዝክሮም ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ናይ እብራይስጢ ኣደማምጻ እውን ከም ዝዕቀብ ገይሩ ኢዩ።
ብዛዕባ ጀሮም ዝነበረ ዝበርትዐ ኽርክር
እቲ ጳጳስ ደማሰስ ጀሮም ክትርጕሞ ዝደለዮ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሑ ክንደይ ምዃኑ ንጹር ኣይኰነን። ጀሮም ነቲ ዕዮ ትርጕም ብኸመይ ከም ዝረኣዮ ግን ዋላ ሓንቲ ምጥርጣር የለን። ጀሮም ኣእምሮኡ ናብቲ ስራሕ ከም ዘተኵር ብምግባር ቈሪጹ ተላዒሉ ነበረ። ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ብርቱዕ ባህጊ “ነታ ቤተ-ክርስትያንን ንመጻኢ ወለዶን ክጠቅም ዝኽእል ነገር ምግባር” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ብቛንቋ ላቲን ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ወሰነ።
ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትርጕም ከሎ ሰፕቱጀንት ክጥቀም መደበ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ግሪኽ እተተርጐመ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት: ብቐጥታ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ስለዚ ኸኣ ሰፕቱጀንት ኣብቶም ሽዑ ዝነበሩ ግሪኽኛ ዝዛረቡ ክርስትያናት ብዙሕ ተቐባልነትን ዝርጋሐን ነይርዎ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ጀሮም ስርሑ እናቐጸለ ከሎ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፋት ዘይቃዶ ነገር ረኸበ: እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ቋንቋ ላቲን እውን ኣጋጢምዎ ዝነበረ ነገር ዝመሳሰል ኢዩ። ጀሮም ዝነበሮ ሻቕሎት ዓበየ። ኣብ መወዳእታ ግን ትውክልቲ ዝግበሮ ትርጕም ከዳሉ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ ክቡር ኰይኑ ዝርአ ዝነበረ ሰፕቱጀንት እውን ሓዊስካ ንናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፋት ብምጥሓስ ብቐጥታ ካብቲ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ክትርጕም ከም ዘለዎ ደምደመ።
እዚ ውሳነ እዚ ተቓውሞ ኣልዓለ። ገሊኣቶም ንጀሮም ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ሓሶት ዝሓዋውስ: ንኣምላኽ ዝጸርፍ: ከምኡውን ንኣይሁድ ብምድጋፍ ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ልምድታት ዝኽሕድ ገይሮም ረኣይዎ። እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ፍሉጥ ናይ ሃይማኖት ምሁር ኣጉስቲን እውን ከይተረፈ ንጀሮም ናብቲ ናይ ሰፕቱጀንት ጽሑፍ ንኽምለስ ከምዚ ኢሉ ለመኖ:- “እቲ ንስኻ ዘዳለኻዮ ትርጕም ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን ክንበብ ምስ ዝጅምር: መጽሓፍ ቅዱስ ክንበብ ከሎ ኣብ መንጎ እተን ናይ ላቲን ኣብያተ-ክርስትያንን ናይ ግሪኽ ኣብያተ-ክርስትያንን ፍልልይ ክህሉ ብሓቂ ሕማቕ ነገር ኢዩ።”
እወ: ኣጉስቲን እተን ምዕራባውያን ኣብያተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ እተመርኰሰ ጀሮም ዘዳለዎ ናይ ላቲን መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ተጠቒመን: እተን ኣብ ምብራቕ ዘለዋ ናይ ግሪኽ ኣብያተ-ክርስትያን ከኣ ነቲ ሰፕቱጀንት እንተድኣ ተጠቒመን እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ክልተ ክትምቀል ኢያ ዝብል ፍርሂ ኢዩ ነይርዎ።b ኣብ ርእሲ እዚ: ኣጉስቲን ነቲ ጀሮም ጥራይ ዝጣበቐሉ ትርጕም ተቐቢልካ ንሰፕቱጀንት ሸለል ምባል ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤን ስግኣቱ ገሊጹ ኢዩ።
ጀሮም ነዞም ኵሎም ተጻረርቱ ብኸመይ መለሰሎም፧ ነቶም ዝነቕፍዎ ዝነበሩ ሸለል ኢልዎም ኢዩ: እዚ ኸኣ ምስቲ ዝነበሮ ጠባይ ዝኸይድ ኢዩ። ብቐጥታ ካብ እብራይስጢ ምትርጓም ቀጸለ: ብ405 ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ ነቲ ናይ ላቲን መጽሓፍ ቅዱስ ወድኦ። ዓመታት ጸኒሑ እቲ ትርጕም: ፍሉጥ ምንባሩ ዝሕብር ቩልጌት ዝብል ስም ተዋህቦ (ብላቲን ቩልጋተስ ማለት “ልሙድ: ፍሉጥ” ማለት ኢዩ)።
ነባሪ ዕማም
እቲ ጀሮም ዘዳለዎ ትርጕም ንሓደ ዝነበረ ጽሑፍ ስቕ ኢልካ ካብ ምቕዳሕ ንላዕሊ ኢዩ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዓመታት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግበር መጽናዕትን ትርጕምን ለውጢ ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ። ጸሓፍ ታሪኽ ዊል ዱራንት ከምዚ ይብል:- “ትርጕም ቩልጌት ካብቲ ኣብ ራብዓይ ክፈለ-ዘበን ዝነበረ እቲ ዝዓበየን ብርቱዕ ጽልዋ ዝነበሮን ስነ-ጽሑፋዊ ዕማም ኢዩ።”
ጀሮም ነግራምን ተቛያቝን እኳ እንተ ነበረ: ብዘይ ናይ ዋላ ሓደ ሰብ ደገፍ ንምርምር መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝምለስ ገይርዎ ኢዩ። ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘይርከብ ናይ ጥንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት እብራይስጥን ግሪኽን: ብንቕሓት ኣጽኒዕዎን ንሓድሕዱ ኣወዳዲርዎን ኢዩ። እቲ ዘዳለዎ ትርጕም ቅድሚ ናይቶም ኣይሁድ ማሶራውያን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ቩልጌት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ንምውድዳር ጽቡቕ መወከሲ ኢዩ።
ነቲ ዝነበሮ ሕሉፍ ጠባይ ወይ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ከይደገፍና: እቶም ኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ንዕዮ ናይዚ ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ፈላሚ ሓድሽ መድረኽን ኣከራኻርን ዝነበረ ምሁር የማስውሉ ኢዮም። እወ: ጀሮም ሸቶኡ ወቒዑ ኢዩ። “ንመጻኢ ወለዶ ክጠቅም ዝኽእል ነገር” ኣዳልዩ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ጀሮም ዝሕብር ዕለታትን መስርዕ ፍጻመታትን ኵሎም ጸሓፍቲ ታሪኽ ይሰማምዕሉ ኢዮም ማለት ኣይኰነን።
b ካብቲ ብድሕሪኡ ዝዀነ ነገራት ከም እተራእየ ኸኣ እቲ ጀሮም ዘዳለዎ ትርጕም ነታ ብምዕራብ ዝነበረት ህዝበ-ክርስትያን ቀንዲ መጽሓፍ ቅዱሳ ኰነ: እታ ብምብራቕ ዝነበረት ህዝበ-ክርስትያን ከኣ ክሳዕ ሕጂ ሰፕቱጀንት ትጥቀም ኣላ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ቤት -ልሄም ዘሎ ናይ ጀሮም ሓወልቲ
[ምንጪ ስእሊ]
Garo Nalbandian
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ላዕለዋይ ጸጋም: ናይ እብራይስጢ ኢደ-ጽሑፍ:- Courtesy of the Shrine of the Book, Israel Museum, Jerusalem; ታሕተዋይ ጸጋም: ናይ ሲርያክ ኢደ-ጽሑፍ:- Reproduced by kind permission of The Trustees of the Chester Beatty Library, Dublin; ላዕለዋይ ማእከል: ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፍ:- Courtesy of Israel Antiquities Authority