ትውክልቲ ክትገብረሉ እትኽእል ትንቢት ምድላይ
እቲ ኣሌክሳንደር ዓቢ ተባሂሉ እተጸውዐ ንጉስ መቄዶንያ ብ336 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝፋን ምስ ደየበ ብዙሕ ከይጸንሐ ናብቲ ኣብ ማእከላይ ግሪኽ ዝርከብ ኦራክል ደልፊ ዝበሃል ኣማልኽቲ ራእይ ዝገልጽሉ ቦታ ኸደ። ንመብዛሕትኡ ክፍሊ ዓለም ናይ ምውራር ክቱር ባህግን መደብን ነበሮ። እንተዀነ ግን: እቲ ዝዓለሞ ዓቢ ውጥን ዕላምኡ ከም ዝወቅዕ ዝገልጽ መለኮታዊ መረጋገጺ ደለየ። ኣፈ-ታሪኽ ከም ዝገልጾ: ኣብቲ ናብ ደልፊ ዝኸደሉ መዓልቲ ነታ ኣንስተይቲ ካህን ምዝርራብ ኣይፍቀድን ነበረ። ኣሌክሳንደር መልሲ ከይረኸበ ክምለስ ስለ ዘይደለየ: ክትንበ ኣገደዳ። ምስ ተጨነቐት “እንታይ ዓይነት ወዲ ኢኻ: መቸም ኣይትንብርከኽን ኢኻ!” ኢላ ጨደረት። እዚ መንእሰይ ንጉስ: ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ወተሃደራዊ ወፍርታቱ ዓወት ከም ዝረክብ ዝሕብር ጽቡቕ ፋል ገይሩ ወሰዶ።
ይኹን እምበር: ኣሌክሳንደር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ትንቢታት መርሚሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ብዛዕባ እቲ ወተሃደራዊ ወፍርታቱ ዝሓሸ ሓበሬታ ምረኸበ ነይሩ። እዚ ትንቢታት እዚ ኣዝዩ ብዘደንቕ መገዲ ብዛዕባ እቲ ብቕልጡፍ ዝገብሮ ወራራት ኣቐዲሙ ብልክዕ ገሊጹ ነይሩ። ብመሰረት ኣፈ-ታሪኽ: ኣሌክሳንደር ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ብዛዕብኡ ተመዝጊቡ ዝነበረ ትንቢት ክርኢ ኽኢሉ ኢዩ። እቲ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ ከም ዝበሎ: እዚ ንጉስ መቄዶንያ እዚ ንየሩሳሌም ምስ ሓዛ: ትንቢት ዳንኤል ኣርኣይዎ። እቲ ዘርኣይዎ ጽሑፍ ምናልባት ምዕራፍ 8 ናይታ መጽሓፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዳንኤል 8:5-8, 20, 21) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እታ ኸተማ በቶም ደምሰስቲ ሰራዊት ኣሌክሳንደር ከም ዘይጠፍአት ጸብጻብ ይገልጽ።
ውሽጣዊ ሰብኣዊ ድሌት
ንጉስ ይኹን ተራ: ናይ ጥንቲ ይኹን ዘመናዊ ሰብ: ብዛዕባ መጻኢ ትውክልቲ ክገብረሉ ዝኽእል ትንቢት ክረክብ ይደሊ ኢዩ። ደቅሰብ መስተውዓልቲ ፍጡራት ከም ምዃንና መጠን ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽ ነጽንዕ: ህሉው ኵነታት ንዕዘብ: ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ መጻኢ ንግደስ ኢና። ሓደ ናይ ቻይና ብሂል ከምዚ ብምባል ነዚ ብልክዕ ይገልጾ:- “እቲ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዝኸውን ነገራት ዝፈልጥ ሰብ: ንኣሽሓት ዓመታት ሃብታም ይኸውን።”
ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት መለኮታዊ ኢዩ ኢሎም ካብ ዝሓሰብዎ ምንጪ ብዛዕባ መጻኢ ክፈልጡ ጽዒሮም ኢዮም። ናይ ጥንቲ ግሪኻውያን ነዚ ኣብነት ክዀኑ ይኽእሉ። ንፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ከምኡውን ከም ንመገሻን መርዓን ቈልዑን ዝምልከት ብሕታዊ ጕዳያት ንኣማልኽቶም ንኽሓቱ ናብ ከም ደልፊ: ደሎስ: ከምኡውን ደዶነ ዝኣመሰለ ቅዱስ ቦታታት ይኸዱ ነበሩ። ነገስታትን ወተሃደራዊ መራሕትን ጥራይ ዘይኰኑስ ኵሎም እቶም ዓሌታትን እተን ከተማታትን በዚ ኣቢሎም ኢዮም ካብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት መምርሒ ዝደልዩ።
ሓደ ፕሮፌሰር ከም ዝበሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን “ብዛዕባ መጻኢ ግዜ መጽናዕቲ ንምክያድ ዝዓለማ ማሕበራት ብፍጥነት ይስስና ኣለዋ።” ብዙሓት ካብዚኣተን ግን ብዛዕባ እቲ ቅኑዕ ምንጪ ናይ ትንቢት ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግዲ የብለንን። ዝዀነ ይኹን ዝደልይኦ ሓበሬታ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝርከብ ደይመደይ ኢለን ይነጽግኦ። ገለ ምሁራት ሕሉፍ ሓሊፎም ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ እቶም ናይ ጥንቲ ራእይ ዝገልጹ ሰባት ዝህብዎ ትንቢታት የመዓራርይዎ ኢዮም። ኣብዚ ዘበንና ዘለዉ ተጠራጠርቲ ሰባት እውን መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ንዘሎ ትንቢታት ባዕልኻ ክትምርምር ነተባብዓካ። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ሰብ ራእያትን ብጥንቃቐ ምስ እነወዳድሮ እንታይ ኢዩ ዝሕብረና፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ካልእ ናይ ጥንቲ ራእያት ንላዕሊ ትውክልቲ ክትገብረሉዶ ትኽእል ኢኻ፧ ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ቀዳምነት ክትህቦዶ ምኸኣልካ፧
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣሌክሳንደር ዝረኸቦ ቅልጡፍ ዓወታት ተነብዩ ነይሩ ኢዩ
[ምንጪ ስእሊ]
Cortesía del Museo del Prado, Madrid, Spain
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣሌክሳንደር ዓቢ
[ምንጪ ስእሊ]
Musei Capitolini, Roma
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
COVER: General Titus and Alexander the Great: Musei Capitolini, Roma