ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ትውክልቲ እትገብረሉ ምኽንያት
ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ግሪኽ እትርከብ ኢፒሩስ እትበሃል ከተማ ንጉስ ዝነበረ ፒረስ: ምስ ግዝኣት ሮሜ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ግርጭት ነበሮ። መወዳእትኡ እንታይ ከም ዝኸውን ክፈልጥ ኣዝዩ ስለ እተሃንጠየ: ናብቲ ኣብ ደልፊ ዝርከብ ራእይ ዝግለጸሉ ቦታ ከደ። እቲ እተዋህቦ መልሲ ግን ካብዚ ስዒቡ ዘሎ ክልተ መገድታት ብሓዲኡ ክትርጐም ይኽእል ነይሩ:- (1) “ኣታ ወዲ ኣኩስ ንሮማውያን ክትስዕሮም ትኽእል ኢኻ። ክትከይድ: ክትምለስ ከኣ ኢኻ: ኣብ ውግእ ኣይክትጠፍእን ኢኻ።” (2) “ኣታ ወዲ ኣኩስ ሮማውያን ክስዕሩኻ ይኽእሉ ኢዮም። ክትከይድ: ግን ኣይክትምለስን ኢኻ: ኣብ ውግእ ክትጠፍእ ኢኻ።” ፒረስ ነቲ እተዋህቦ መልሲ በቲ ቀዳማይ መገዲ ገይሩ ክርድኦ መረጸ: ኣንጻር ሮሜ ኸኣ ተዋግአ። እንተዀነ ግን: ዓቢ ስዕረት ገጠሞ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መልሲ ነቲ ካብዚ ቅዱስ ቦታታት ዝወሃብ ሓበሬታ ዘይንጹርን ዘደናግርን ኰይኑ ከም ዝፍለጥ ገበሮ። እንተዀነ ግን ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዘይሓይሽ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። እዞም ወሃብቲ ርእይቶ እዚኣቶም ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ በቶም መብዛሕትኦም ካብ ካህናት ዝዀኑ ኣዝዮም መስተውዓልትን ኣርሒቖም ዝርእዩን ሰባት ብምስትውዓል እተጻሕፈ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። እዞም ነብያት ብተመክሮ ጥራይ ወይ ፍሉይ ርክብ ስለ ዝነበሮም ናይ ገለ ኵነታት ምዕባለ ኣቐዲሞም ፈሊጦሞ እስከ ንበል። ነቲ እተፈላለየ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ናይ ኦራክል ራእያት ብምውድዳር ኣብ ሓደ ልክዕ ዝዀነ መደምደምታ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና።
ናይ መወዳደሪ ነጥብታት
ቀንዲ መለለዪ ናይ ኦራክል ራእያት ዘይንጹር ምዃኑ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ደልፊ ዘይብሩህ መልሲ ኢዩ ዝወሃብ ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቶም ካህናት ብኽልተ ወገን ክትርጐም ከም ዝኽእል ገይሮም ክጽሕፍዎ ኣድልይዎም ኢዩ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ኸኣ እቲ ክሬሰስ ንዝበሃል ንጉስ ልድያ እተዋህቦ መልሲ ኢዩ። ናብቲ ራእይ ዝግለጸሉ ቦታ ከይዱ ምስ ሓተተ ከምዚ ዝብል መልሲ ተዋህቦ:- “ክሬሰስ ንሃልይስ እንተድኣ ሰጊሩ: ንሓደ ሓያል ግዝኣት ክድምስስ ኢዩ።” ብልክዕ ክርአ ኸሎ ግን እቲ እተደምሰሰ “ሓያል ግዝኣት” ናቱ ኢዩ ነይሩ! ክሬሰስ ንርባ ሃልይስ ሰጊሩ ንቀጶዶቅያ ምስ ወረራ: ብቂሮስ ፋርሳዊ ተሳዕረ።
ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምቲ ናይ ኣረማውያን ራእያት ዘይኰነስ ቅኑዕን ንጹርን ምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ። እቲ ኣብታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ኢሳይያስ ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ ናይ ባቢሎን ምውዳቕ ዝገልጽ ትንቢት ናይዚ ኣብነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ቅድሚ ምዃኑ ገለ 200 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ሜዶ ፋርስ ንባቢሎን ክትግልብጣ ምዃና ነብዪ ኢሳይያስ ብዝርዝርን ብልክዕን ተነበየ። ስም እቲ ሰዓሪ ቂሮስ ምዃኑ: ከምኡውን እቲ ከም መከላኸሊ ዝጠቅም ዝነበረ ፈለግ ከም ዝነጽፍ ገይርካ ናብታ ከተማ በቲ ክፉት መዓጹ ምእታው ዝብል ስትራተጂ ኣብቲ ትንቢት ተገሊጹ ነይሩ ኢዩ። እዚ ዅሉ ብልክዕ ተፈጺሙ ኢዩ። (ኢሳይያስ 44:27–45:2) ኣብ መወዳእታ ባቢሎን ሰብ ዘይነብረላ ከም እትኸውን ከኣ ብልክዕ ትንቢት ተዘሪቡላ ኢዩ።—ኢሳይያስ 13:17-22
ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ብነብዪ ዮናስ እተኣወጀ መጠንቀቕታ ክሳዕ ክንደይ ንጹር ምዃኑ እውን ርአ:- “ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ።” (ዮናስ 3:4) እዚ ዋላ ሓንቲ ዘደናግር ነገር የብሉን! እቲ መልእኽቲ ሃንደበታውን ዘየማትእን ስለ ዝዀነ: ሰብ ነነዌ ብኡንብኡ “ንኣምላኽ አመኑ: ጾም ድማ አወጁ: . . . ክሻ ተኸድኑ።” ስለ እተናስሑ ኸኣ የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሰብ ነነዌ ጥፍኣት ኣየምጽአን።—ዮናስ 3:5-10
ናይ ኦራክል ራእያት ፖለቲካዊ ጽልዋ ንምግባር ይጥቀምሉ ነይሮም ኢዮም። ገዛእትን ወተሃደራውያን መራሕትን ብሕታዊ ድልየቶምን ውጥኖምን ንምስፍሕፋሕ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ባህ ዝበሎም ትርጕም ኢዮም ዝጠቕሱ። በዚ ኸኣ ነቲ እተዋህበ መልሲ “መለኮታዊ ምስጢር” ይገብርዎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ መልእኽትታት ግን ብብሕታዊ ድሌት ኣይለዋወጥን ኢዩ።
ንኣብነት: ናይ የሆዋ ነብዪ ዝነበረ ናታን ነቲ ሓጢኣት ዝገበረ ንጉስ ዳዊት ካብ ምግሳጽ ድሕር ኣይበለን። (2 ሳሙኤል 12:1-12) ብዘመን እቲ ኣብ ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ነጊሱ ዝነበረ ዳግማይ የሮብዓም: ሆሴእን ኣሞጽን ዝበሃሉ ነብያት እቲ ዓለወኛ ንጉስን ደገፍቱን ንኣምላኽ ስለ ዝኸሓዱን ዘሕሰሩን ኣበርቲዖም ነቐፍዎም። (ሆሴእ 5:1-7፣ ኣሞጽ 2:6-8) ብሕልፊ እቲ የሆዋ ብኣፍ ነብዪ ኣሞጽ እተዛረቦ ተሪር መጠንቀቕታ ከምዚ ዝብል ነበረ:- “ኣነውን ሰይፊ ሒዘ ንቤት የሮብዓም ክትንስኣ እየ።” (ኣሞጽ 7:9) ቤት የሮብዓም ጸኒታ ኢያ።—1 ነገስት 15:25-30፣ 2 ዜና መዋእል 13:20
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይ ኦራክል ራእያት ገንዘብ ከፊልካ ኢዩ ዝርከብ ነይሩ። እቲ ብዙሕ ዝኸፈለ ሰብ እቲ ዝደልዮ ዓይነት መልሲ ይረክብ። እቶም ናብ ደልፊ ከይዶም ዝሓቱ ዝነበሩ ሰባት ንዘይረብሕ ሓበሬታ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ይኸፍሉ ነይሮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ናይ ኣፖሎ ቤት መቕደስን ካልእ ህንጻታትን ብኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ መሊኡ ነበረ። ብኣንጻሩ ግን: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታትን መጠንቀቕታታትን ብዘይ ገለ ክፍሊትን ብዘይ ኣድልዎን ኢዮም ዝወሃቡ። ሓቀኛታት ነብያት ጉቦ ስለ ዘይቅበሉ ሓደ ሰብ ዝዀነ ይኹን ማዕርግ ወይ ሃብቲ ይሃልዎ ብዘየገድስ እቲ ዝኽተልዎ ኣገባብ እዚ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ነብዪን ፈራድን ዝነበረ ሳሙኤል ብቕንዕና “ዓይነይ ከዑረሉ ኢለኸ ኻብ ኢዱ መማለዲ እተቐበልክዎዶ አሎ፧” ኢሉ ክሓቶም ዝኸኣለ።—1 ሳሙኤል 12:3
እቲ ናይ ኦራክል ራእያት ኣብ ፍሉይ ቦታታት ጥራይ ይርከብ ስለ ዝነበረ ሓደ ሰብ ናብኡ ከይዱ ንኽረኽቦ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት ጕዕዞ ክገብር ነበሮ። መብዛሕትኡ እዚ ቦታታት እዚ ኣብቲ ኣብ ናይ ኢፒረስ ከረን ተማርዩስ ዝርከብ ደዶነ ከምኡውን ኣብ ኣኽራን ማእከላይ ግሪኽ ዘሎ ደልፊን ዝኣመሰለ ኣሸጋሪ ቦታታት ይርከብ ብምንባሩ ተራ ሰብ ንኽኸዶ ኣዝዩ ዘጸግም ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሃብታማትን ሓያላትን ሰባት ጥራይ ኢዮም ነቶም ኣማልኽቲ ክሓቱ ዝኽእሉ ዝነበሩ። ብተወሳኺውን “ፍቓድ ናይዞም ኣማልኽቲ” ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሒደት መዓልትታት ጥራይ ኢዩ ዝግለጽ ነይሩ። የሆዋ ኣምላኽ ግን ንነብያቱ ነቲ ሰባት ክሰምዕዎ ዘለዎም ምእንቲ ክእውጁ ብቐጥታ ናብኦም ሰደዶም። ንኣብነት: ኣይሁድ ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበርሉ እዋን: ኣምላኽ ኣብ መንጎ ህዝቡ እንተ ወሓደ ሰለስተ ነብያት ነበርዎ። ኤርምያስ ኣብ የሩሳሌም: ህዝቅኤል ምስቶም ምሩኻት: ዳንኤል ከኣ ኣብ ርእሲ ከተማ ናይ ግዝኣት ባቢሎን የገልግሉ ነበሩ።—ኤርምያስ 1:1, 2፣ ህዝቅኤል 1:1፣ ዳንኤል 2:48
እቲ ናይ ኦራክል ራእያት ብውልቂ ይንገር ስለ ዝነበረ እቲ ሓታቲ ከም ዝጥዕሞ ገይሩ ክትርጕሞ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኵሉ ሰብ ነቲ መልእኽቲ ክሰምዖን ትርጕሙ ክርድኦን ምእንቲ ክኽእል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢዩ ዝወሃብ ነይሩ። ነብዪ ኤርምያስ መልእኽቱ በቶም ሓላቑን ተቐማጦ እታ ከተማን ዘይፍቱው ምዃኑ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: ብዙሕ ግዜ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺኡ ተዛሪቡ ኢዩ።—ኤርምያስ 7:1, 2
ሎሚ: እዚ ራእያት እዚ ከም ናይ ጥንቲ ታሪኽ ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ። ነዞም ኣብዚ ዘሎናዮ ጽንኩር እዋን ዝነብሩ ሰባት ዋላ ሓንቲ ኣይጠቕሞምን ኢዩ። እቲ ራእያት ምስዚ ህሉው ወይ መጻኢ ኵነታትና ዋላ ሓንቲ ምትሕሓዝ የብሉን። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ክፍሊ ናይቲ ‘ህያውን መስለጥን ዝዀነ ቃል ኣምላኽ ኢዩ።’ (እብራውያን 4:12) እቲ ኣቐዲሙ እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምስ ደቅሰብ ዝገብሮ ርክብ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣገዳሲ ክፍሊ ዕላማኡን ባህርይኡን ይሕብረና። ብተወሳኺውን: ኣገዳሲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜኡ ኣብ ቀረባ እዋን ክረክብ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዝኸውን ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ [ናይ ኣምላኽ ተስፋ]: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን [እታ ሰማያዊት መሲሓዊት መንግስቲ] ሓድሽ ምድርን [ጻድቕ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ] ንጽበ አሎና።”—2 ጴጥሮስ 3:13
እዚ ኣብ መንጎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ራእያትን እተገብረ ሕጽር ዝበለ ምንጽጻር ምስ ረኣኻ ምስቲ ዘ ግሬት ኣይድያስ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዝሃቦ መደምደምታ ትሰማማዕ ትኸውን:- “እቲ መዋቲ ሰብ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ዘለዎ ክእለት ብዝምልከት: እብራውያን ነብያት ፍልይ ዝበሉ ኢዮም ዝመስሉ። ከምቶም ኣረማውያን ጠንቆልቲ . . . መለኮታዊ ምስጢር ንኽፈልጡ ጥበብ ወይ ሜላ ኣየድልዮምን ነበረ። . . . ከመይሲ መብዛሕትኡ ግዜ ትንቢታቶም ከምቲ ናይ ካልኦት ገለጽቲ ራእያት ዘይንጹር ኣይኰነን። እንተ ወሓደ ሸቶኦም ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘዳለዎ ነገር ሰባት ክፈልጡ ከም ዝደሊ ንምግላጽ እምበር ንምሕባእ ኣይኰነን።”
ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ትውክልቲ ክትገብረሉዶ ኢኻ፧
ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ትውክልቲ ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። አረ ንየሆዋን ንፍጻሜ ናይ ትንቢታዊ ቓሉን ኣብ ህይወትካ ቀዳምነት ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ኵሉ እተፈጸመ እሞ ግዜ ዝሓለፎ መዝገብ ኣይኰነን። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ብዙሕ ትንቢታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ይፍጸም ኣሎ ወይ ከኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ክፍጸም ኢዩ። ንዝሓለፈ ተመክሮ ብምርኣይ: እዚውን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ትንቢታት እዚ ኣብዚ ግዜና ዘተኰረን መጻኢና ዝውስንን ብምዃኑ ኣርዚንና እንተ ርኢናዮ ሰናይ ኢዩ።
ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:2, 3 ዝርከብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ብርግጽ ትውክልቲ ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ድማ ልዕል ኪብል . . . ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: . . . ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና: ድማ ኪብሉ እዮም።” ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናብቲ ክብ ዝበለ ናይ የሆዋ ኣምልኾ ይውሕዙ ኣለዉ: ብመገድታቱ ንኽመላለሱ ኸኣ ይማሃሩ ኣለዉ። ብመገድታት ኣምላኽ ምእንቲ ክትመላለስ: ንመገድታቱ ብዝያዳ ክትፈልጦ ከምኡውን ብዛዕብኡን ብዛዕባ ዕላማታቱን ርጡብ ፍልጠት ንኽህልወካ ዘሎ ኣጋጣሚ ክትጥቀመሉዶ ኢኻ፧—ዮሃንስ 17:3
ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ናብ ፍጻሜኡ ቀሪቡ ስለ ዘሎ ብህጹጽ ስጕምቲ ክንወስድ ኣሎና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝኸውን ነገር ብትንቢት ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “እኩያት ኪጸንቱ እዮም: . . . ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ።” (መዝሙር 37:9, 10) እኩያትን እቶም ብትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘላግጹን ሰባት ድሕሪ ሓጺር እዋን ክጠፍኡ ኸለዉ ምእንቲ ክትድሕን እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ እዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ መዝሙር “ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም” ብምባል ትምልሰልና። (መዝሙር 37:9) ንየሆዋ ምጽባይ ማለት ኣብቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ምሉእ ትውክልቲ ምግባርን ንህይወትና ምስ ስርዓታቱ ኣሰማሚዕና ምምልላስን ማለት ኢዩ።—ምሳሌ 2:21, 22
እቶም ኣብ የሆዋ ተስፋ ዝገብሩ ሰባት ንምድሪ ምስ ወረስዋ እንታይ ዓይነት ህይወት ኢዩ ክህሉ፧ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንእዙዛት ደቅሰብ ኣዝዩ ዘደንቕ ተስፋ ይጽበዮም ከም ዘሎ ይገልጽ። ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል: ማያት ኣብ በረኻ: ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ።” (ኢሳይያስ 35:5, 6) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን እዚ ስዒቡ ዘሎ ዘተባብዕ ቃላት ጽሒፉ ኢዩ:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ . . . እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ: በለኒ።”—ራእይ 21:4, 5
ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መጽሓፍ ቅዱስ ክእመን ዝኽእል ትንቢት ዝሓዘ መጽሓፍ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ምስቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል እተማሕጸኖ ድማ ምሉእ ብምሉእ ይሰማምዑ ኢዮም:- “ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና: ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ: ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ: ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።” (2 ጴጥሮስ 1:19) በቲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ሒዙልና ዘሎ ብሉጽ ተስፋ ክትተባባዕ ተስፋ ንገብር!
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
እቲ ናይ ደልፊ ኦራክል ሓደ ካብቲ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዓቢ ጽንብል ዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ ኢዩ።
እታ ኣንስተይቲ ካህን ኣብዚ ሰለስተ እግሩ መንበር ኮፍ ኢላ ራእያት ትገልጽ ነበረት
[ስእልታት]
ዘስክር ሃፋ ነታ ኣንስተይቲ ካህን ኣዝያ ከም እትለዓዓል ይገብራ ነበረ
እቲ እተውጽኦ ድምጺ ካብ ኣፖሎ ዝበሃል ኣምላኽ ዝመጸ ራእይ ኣለዎ ተባሂሉ ኢዩ ዝእመን
[ምንጪ ስእሊ]
ሰለስተ እግሩ መንበር:- From the Book Dictionary of Greek and Roman Antiquities; ኣፖሎ:- The Complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኣብ ደልፊ እተገልጸ ትንቢታት ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ዘይግበሮ ኢዩ
[ምንጪ ስእሊ]
ደልፊ: ግሪኽ
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእልታት]
ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ሓዳስ ዓለም ዝሃቦ ትንቢት ምሉእ እምንቶ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ