ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/6 ገጽ 4
  • ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸም ትንቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸም ትንቢት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዓለም መን ኢዩ ክገዝኣ፧
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ነቲ ብዛዕባ ግዜና እተነግረ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ለ9 ዳንኤል እተነበየሎም ሓይልታት ዓለም
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ትውክልቲ ክትገብረሉ እትኽእል ትንቢት ምድላይ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/6 ገጽ 4

ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸም ትንቢት

“ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ . . . ኣይወደቐን።”—እያሱ 23:14።

መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ጥንቲ ዝነበሩ ብዛዕባ መጻኢ ዚንበዩ ሰባት፡ ዘይንጹርን ዘየተኣማምንን ትንቢት እዮም ዚንበዩ ነይሮም፣ ዘመናዊ ሆርስኮፕ እውን እንተ ዀነ ኻብኡ ኣይሓይሽን እዩ። ኣብ ህሉው ምዕባለታት ተመርኲሱ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ነገራት ዜጽንዕ መጽናዕቲ፡ ዘመናት ኣቐዲሙ ብንጹር ብዛዕባ መጻኢ ኺገልጽ ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንጹርን ዝርዝራውን እዩ፣ ዋላ እውን ‘ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ’ እንተ ተነበየ፡ እቲ እተነበዮ ዅሉ ሳዕ ይፍጸም እዩ።—ኢሳይያስ 46:10።

ኣብነት፦ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ነብዪ ዳንኤል፡ ሜዶንን ፋርስን ብቕልጡፍ ብግሪኽ ከም ዝሰዓራ ዚገልጽ ራእይ ረኣየ። ብዘይካዚ፡ እቲ ንሜዶንን ንፋርስን ዚስዕረን ንጉስ ግሪኽ “ምስ በርትዔ፡” መንግስቱ ኸም ‘እትስበር’ ገለጸ። ነዚ ንጉስ እዚ ዚትክኦ ደኣ እሞ መን እዩ፧ ዳንኤል፡ “ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስታት ኪትንስኣ እየን፡ ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረያኣን እየን” ኢሉ ጸሓፈ።—ዳንኤል 8:5-8, 20-22።

ጸሓፍቲ ታሪኽ እንታይ በሉ፧ ካብቲ ዳንኤል ዝነበረሉ እዋን ልዕሊ 200 ዓመት ጸኒሑ፡ እስክንድር እቲ ዓብዪ፡ ንጉስ ግሪኽ ኰነ። ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት፡ እስክንድር ንሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ስዒሩ፡ ንሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ክሳብ ሩባ ኢንዱስ (ሎሚ ፓኪስታን) ኣስፋሕፍሖ። ኰይኑ ግና፡ ገና ወዲ 32 ዓመት ከሎ ብሃንደበት ሞተ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ንእሽቶ እስያ ኣብ ጥቓ ኢፕሰስ እተገብረ ውግእ፡ ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ከም ዚከፋፈል ገበረ። እቶም ሽዑ እተዋግኡ ነገስታት ከኣ፡ ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ተማቐልዎ። ካብዞም ነገስታት እዚኣቶም ብሓይሊ ምስ እስክንድር ዚመዓራረ ግና ኣይነበረን።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ እተነበዮ ትንቢታት ምሉእ ብምሉእ ከም እተፈጸመ ኺገልጽ ዚኽእል ካልእ መጽሓፍ ኣሎዶ፧ ወይስ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ መጽሓፍ ስለ ዝዀነ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ . . . ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብሃንደበት ከም እተፈጸመ ጌርካ ምሕሳብ ፈጺሙ ዘይመስል እዩ።” —ኤ ሎውየር ኤግዛምንስ ዘ ባይብል፡ ብአርዊን ሊንተን

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Robert Harding Picture Library/SuperStock

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ