ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/8 ገጽ 6-8
  • ንምስፍሕፋሕ ዘይማዕርነት ምግትኡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንምስፍሕፋሕ ዘይማዕርነት ምግትኡ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ብግቡእ ተጠቐመሉ!
  • ነቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘሎ ማዕርነት ምስትምቓሩ
  • ዘይማዕርነት ብሓቂ ኣምላኽ ዝዓለሞ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዘይማዕርነት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ዓሌታዊ ማዕርነትሲ ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ቍጠባዊ ጸገማት—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/8 ገጽ 6-8

ንምስፍሕፋሕ ዘይማዕርነት ምግትኡ

ፈጣሪ ድሕሪ ሓጺር እዋን እቲ ደቅሰብ ሃረር ዝብልዎ ማዕርነት ከም ዝሰፍን ክገብር ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ነቲ ንዓናን ንስድራቤትናን ዝትንክፍ ምስፍሕፋሕ ዘይማዕርነት እንተ ወሓደ ንምግትኡ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኔልሰን ማንዴላ “ኣብ ንሓድሕድና ዝፈላልየና: ኣጠቓቕማ እቲ ዘሎና ኣጋጣሚ ድኣ እምበር ባዕሉ እቲ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ኣይኰነን” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ።

ታሪኽ ንሓቅነት ኣበሃህልኡ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ኣብ ፈለማ ሰፊሕ ኣጋጣሚ ዘይነበሮም ነታ ዝርካባ ግን ብግቡእ እተጠቕሙላ እሞ ካብቶም ዝያዳኦም ሰፊሕ ኣጋጣሚ ነይርዎም ክኸውን ዝኽእል መዛንኦም ጸብለል ዘብሎም ዓወታት ዝሓፈሱ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ: ካልኦት ውልቀ-ሰባት ካብ ፈለማኡ ብዙሕ ሓለፋታት ነይርዎም ክነሱ ነቲ ኣጋጣሚኦም ዘርምዘርሞ ኣትሪፎምዎ ኢዮም።

ነቲ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ብግቡእ ተጠቐመሉ!

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ብጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ፍልጠት ንኽረኽቡ ክሕግዝዎም ህንጡያት ኢዮም። ይኹን እምበር: ካብ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽረብሑ ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ክኽእሉ ከም ዘለዎም ይግንዘቡ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ጥራይ ዘለዉ 23,000 ሰባት (ኣብ መፋርቕ 1990ታት) ሓዊስካ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ዝማሃሩ። ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሕብረተሰብ ዘበርክትዎ ሓለፍ ዝበለ ኣገልግሎት ኣመልኪታ ሳን ፍራንሲስኮ ኤግዛምነር ከምዚ በለት:- “ከም ብቑዓት መርኣያ ናይ ዜጋታት ገይርካ ክርኣዩ ዝግባእ ኢዩ። ቀጥ ኢሎም ግብሪ ይኸፍሉ: ንሕሙማት ይኣልዩ: መሃይምነት ንኸጥፍኡውን ይጽዕቱ።”

ብተወሳኺውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንምዝራብ ዘኽእል ቀጻሊ ትምህርቲ ገይሮም ብኣማእታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት: ኣብ ቅድሚ ሰብ ሓሳባቶም ሰጋእ ከይበሉ ክገልጹ ዝኽእሉ ብቑዓት ተዛረብቲ ክዀኑ ኣለማሚዶምዎም ኢዮም። ገለ ካብዞም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት እዚኣቶም ከቢድ ናይ ምዝራብ ጸገም ዝነበሮም ኢዮም። ነቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ዝጸሓፈ ሰብኣይ ርአ:- “ኣዝየ ወታእ ብምንባረይ መብዛሕትኡ እዋን ካልኦት ንኽዛረቡለይ ብምሕዳግ ንገዛእ ርእሰይ ከም እትጥለ ገበርክዋ። . . . ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተመዝጊበ ኣብ ቅድሚ ሒደት ሰማዕቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከቕርብ ከለኹ . . . ኣዝየ ወታእታእ ስለ ዝበልኩ ነታ ኽፍሊ ኣብ ውሽጢ እቲ ተዋሂቡኒ ዝነበረ ግዜ ክውድኣ ኣይከኣልኩን። [እቲ ምኽሪ ዝህብ] ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብሕያውነት ተግባራዊ ዝዀነ ምዕዶ ለገሰለይ። ንበይነይ ዓው ኢለ ብምንባብ ክለማመድ ሓሳብ ኣቕረበለይ። ግዜ ወሲደ ኸኣ ንኣዝዩ ብዙሕ መዓልትታት ካብ መጽሓፍ ቅዱሰይ ከምኡውን ካብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዓው ኢለ አንብብ ነበርኩ።” እዚ ሰብኣይ እዚ ጽቡቕ ዕቤት ስለ ዝገበረ ሕጂ ብኣማእታት ከምኡውን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተኣከብቲ ኣብ ዘለዉሉ ኣኼባታት ህዝባዊ ዝርርብ ይህብ ኣሎ።

ነቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘሎ ማዕርነት ምስትምቓሩ

ብትምህርቲ: ኣገልግሎት ጥዕና: ከምኡውን ቍጠባውን ማሕበራውን ደረጃ ዝመጸ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ እተፈላለየ ኢዩ። እዚ ፍልልያት እዚ ነቲ ኣብዛ ዝነብሩላ ዘለዉ ዓለም ዘሎ ዘይፍጹም ኵነታት ዘንጸባርቕ ኢዩ። ምስ ካልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ብምንጽጻር ግን ነቲ ዓሌት መሰረት ብምግባር ከምኡውን ማሕበራውን ቍጠባውን ደረጃ ብምርኣይ ዝመጽእ ኣፈላላይ ካብ ሕውነቶም ዳርጋ ኣጥፊኦምዎ ኢዮም።

ነዚ ክበጽሕዎ ዝኽኣሉ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝከኣሎም ብምጽዓር ኢዩ። ንኸምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ ልቦም ሓንጐፋይ ኢሎም ኢዮም ዝቕበልዎ:- “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።” (1 ሳሙኤል 16:⁠7) “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]።” (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35) “ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር: ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።”​—⁠ሮሜ 12:⁠17, 18፣ ከምኡውን 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠17-19፣ ያእቆብ 2:⁠5, 9 ርአ።

ነዚ ሓድነት ዘስፍን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቖም ብምስዓብ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሕውነቶም ዓሌታዊ: ማሕበራዊ: ቍጠባዊ ፍልልያት ዘምጽኦ ዘይማዕርነት ክህሉ ኣይፈቕዱን ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓደ ሰብ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ክወሃብ እንተድኣ ዀይኑ እዞም ረቛሒታት እዚኣቶም ኣብ ግምት ኣይኣትዉን ኢዮም። ከም ናይ ምምሃርን ምዕዛብን ዝኣመሰሉ ናይ ሓላፍነት ቦታታት: መንፈሳዊ ብቕዓታት መሰረት ብምግባር ጥራይ ኢዮም ዝወሃቡ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-13፣ ቲቶስ 1:⁠5-9

በቲ ኣብዛ ኣድልዎ ዝመልኣ ዓለም ሰፊኑ ዘሎ ዘይማዕርነት ዝሳቐዩ ውልቀ-ሰባት: ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ማዕረ ምዃኖም ብምፍላጥ ከም ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ገይሮም ዝሕዝዎም ካልኦት ሰባት ክረኽቡስ ክንደይ ኰን መንፈስካ ዘሐድስ ኢዩ! ማርቲና እዚ ሓቂ ምዃኑ ከተረጋግጸልና ትኽእል ኢያ። ኣቦኣ ንስድራቤቶም ጠንጢንዋ ምስ ከደ: ኣብ ሓንቲ ድኽነት ዘጥቀዓ ብንጽል ወላዲ እትእለ ስድራ ኢያ ዓብያ። ብዙሓት ከም ጓል ሰበይቲ ገይሮም ይርእይዋ ነበሩ: ርእሰ-ተኣማንነታ ዘጥፍአትን ምስ ካልኦት ስኒት ዘይብላን ኰይና ተረፈት። ናይ ‘ኣይግድሰንን ኢዩ’ መንፈስ ከኣ ኣማዕበለት። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂራ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነት ኵነታታ ተለወጠ። ከምዚ ብምባል ድማ ተዛረበት:- “ገና ምስ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ክቃለስ ይግብኣኒ: እንተዀነ ግን ንጸገመይ ከሰንፍ ኣብ ዝኽእለሉ ዝሓሸ ኵነታት ኢየ ዝርከብ። ንገዛእ ርእሰይ ብኽብሪ ናይ ምርኣይ ክእለተይ ተመሓይሹ ኢዩ: ብልዑል ርእሰ-ተኣማንነት ድማ እዛረብ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ሓላፍነት ከም ዝስምዓኒ ገይሩኒ ኢዩ። ሕጂ: የሆዋ ከም ዘፍቅረኒ ፈሊጠ ከምኡውን ብህይወት ምንባር እንታይ ምዃኑ ኣስተማቒረዮ ኢየ።”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ኣህጉራዊ ጕጅለ ክርስትያናት መጠን ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኰይኖም ነቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብርቂ ዝዀነ ተዛማዲ ማዕርነት የስተማቕሩ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከም ዘለዋ: ጭብጥታት ብምቕራብ ከተረጋግጽ እትኽእል ካልእ ሃይማኖታዊት ማሕበር ትህሉዶ፧

ርግጽ ኢዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክውንነት ኢዮም ዝኣምኑ። መበቈሎም ዘይፍጹም ብምዃኑ ልዕሊ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ፈቲኖም ዝፈሸሉ ሰባት ንሰብኣዊ ዘይማዕርነት ሓኺኾም ከጥፍእዎ ከም ዘይክእሉ ብዘይ ገለ ጥርጥር ይኣምኑ ኢዮም። ይኹን እምበር: እዚ ጐዳኢ ዝዀነ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ዘይማዕርነት ኣብ ውሽጢ ሕውነቶም ከም ዘይልሕም ኣብ ምግባር ብዙሕ ስለ እተዓወቱ ሕጉሳት ኢዮም። ኣብ መብጽዓ ኣምላኽ ድልዱል እምነት ብምግባር ከኣ: ነታ ዘይማዕርነት ነበረያ ነበረ ተባሂሉ ዝጽወየላ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዋ።

እወ: ኵሎም እዙዛት ደቅሰብ እቲ ኣብ ፈለማ ፈጣሪኦም ከስተማቕርዎ ዓሊምሎም ዝነበረ ናይ “ክብርን መሰልን” ማዕርነት ድሕሪ ሓጺር እዋን ክምለሰሎም ኢዩ። እዝስ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! ሽዑ ማዕርነት ዝሰፍነሉ እዋን ክኸውን ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ክኽእሉ ብምምሃር ኣንጻር መሃይምነት ይቃለሱ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንዓሌታዊ: ማሕበራዊ: ቍጠባዊ ኣድልዎ ካብ ሱሩ ንምምሓው ይሕግዝ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ