ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/8 ገጽ 3-4
  • ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዘይማዕርነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዘይማዕርነት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይማዕርነት ብሓቂ ኣምላኽ ዝዓለሞ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ዓሌታዊ ማዕርነትሲ ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንምስፍሕፋሕ ዘይማዕርነት ምግትኡ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ካብ መበል 29 ደርቢ እተዋህበ ርእይቶ
    ንቕሑ!—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/8 ገጽ 3-4

ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዘይማዕርነት

“ኵሎም ደቅሰብ ማዕረ ዀይኖም ኢዮም ተፈጢሮም፣ ፈጣሪኦም ዋላ ሓደ ክነፍጎም ዘይክእል መሰላት ሂብዎም ኢዩ፣ ገለ ኻብዚኣቶም ብህይወት ናይ ምንባር: ሓርነትን ብልጽግናን ናይ ምርካብ መሰላት ኢዮም ዝብሉ ዀይኖም: ነዞም ሓቅታት እዚኦም ከም መርትዖ ዘየድልዮም ጭብጥታት ኢና እንቘጽሮም።”—እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ 1776 ዝጸደቐ ኣዋጅ ናጽነት።

“ኵሎም ደቅሰብ ናጻን ማዕረ መሰል ዘለዎምን ኰይኖም ኢዮም ዝውለዱ።”—ብሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ኣብ 1789 ዝጸደቐ ኣዋጅ መሰል ወድሰብን ዜጋን።

“ኵሎም ደቅሰብ ናጻ ከምኡውን ማዕረ ክብርን መሰላትን ዘለዎም ኰይኖም ኢዮም ዝውለዱ።”—ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1948 ዝጸደቐ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት።

ሰባት ኣብ መንጕኦም ማዕርነት ክህሉ ውሽጣዊ ባህጊ ከም ዘለዎም ዘጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ዘሕዝን ግን: ሰብኣዊ ማዕርነት ዓንገረር ይበሃለሉ ምህላዉ ጥራይ ደቅሰብ ክሳዕ ሕጂ ንማዕርነት ክጭብጥዎ ኸም ዘይከኣሉ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ኣብዚ ዘሎናዮ ምዝዛም መበል 20 ክፍለ-ዘበን እተመሓየሸ ዅነታት ኢዩ ዘሎ ኢሉ ብዕቱብ ክማጐት ዝኽእል ሰብ ኣሎዶ፧ ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፈረንሳን ወይ ድማ ዜጋታት ሓንቲ ኻብተን 185 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀና መንግስታት: ነቲ ኸም መፋጥርቶም ዝቝጸር ምዕሩይ መሰላት ብሓቂ ይረኽብዎዶ ኣለዉ ኢዮም፧

ሽሕኳ እቲ ዅሎም ደቅሰብ ማዕረ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ‘መርትዖ ዘየድልዮ ጭብጢ’ እንተዀነ: ብግብሪ ክርአ ኸሎ ግን “ብህይወት ናይ ምንባር: ሓርነትን ብልጽግናን ናይ ምርካብ” መሰላት ንዅሎም ደቅሰብ ብማዕረ ኣይባጽሖምን ኢዩ ዘሎ። ንኣብነት: ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ቘልዓ ንሓደ ሓኪም ምስ 2,569 ሰባት ክብጽሖ ኸሎ: ኣብ ኣውሮጳ ግን ሓደ ቘልዓ ንሓደ ሓኪም ምስ 289 ሰባት ጥራይ ዝብጽሖ ኻብ ኰነ: ብዛዕባ ከመይ ዝበለ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ድኣ ኢና እሞ ኣፍና መሊእና ማዕርነት ኣሎ ኽንብል እንኽእል፧ ወይ ድማ ነቲ ኣብ ሃገር ህንዲ ዘሎ ኣስታት ሓደ ሲሶ ካብ ደቂ ተባዕትዮ: ክልተ ሲሶ ድማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ከይተማህሩ ዝዓብይሉ ዅነታት ምስቲ ኣብ ከም በዓል ጃፓንን ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዝረኽቦ ዘተኣማምን ውሕስነት ትምህርቲ ኣረኣኢኻ: ከመይ ዝበለ ማዕርነት ዘለዎ ሓርነትን ብልጽግናን ናይ ምርካብ መሰል ኢዩ ኣሎ ክብሃል ዝከኣል፧

እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ 1,380 ዶላር ኣመሪካ ዝብጽሖ መጠን እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካ ዝነብር ህዝቢ ከምቲ ኣብታ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ 24,990 ዶላር ኣመሪካ ዝብጽሖ መጠን እቶት ዘለዋ ፈረንሳ ዝነብር ህዝቢ ዝረኽቦ ዓይነት ሰብኣዊ “ክብርን መሰልን” ኣለዎ ክበሃልዶ ይከኣል ኢዩ፧ እታ ብገምጋም ናይ 56 ዓመት ዕምሪ ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ናጽላ ምስታ ብገምጋም ናይ 79 ዓመት ዕምሪ ዘለዋ ሰሜን ኣመሪካዊት ሕጻን ክትወዳደር ከላ ኣየናይ ማዕርነት ኢዩ ኣለዋ ክበሃል ዝከኣል፧

ማዕርነት ዘይምህላዉ ዘረጋግጽ ብዙሕ ባህ ዘየብል መዳያት ኣሎ። ኣብ ደረጃ ናብራ ከምኡውን ኣገልግሎት ጥዕናን ዕድል ትምህርትን ኣብ ምርካብ ዝርአ ፍልልይ ገለ ገለ ካብዚ መዳያት እዚ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ፖለቲካዊ: ዓሌታዊ: ሃይማኖታዊ ፍልልያት ሰባት ክብሮም ንኸይሕለወሎምን ሓርነቶም ንኽንፈጉን ወሳኒ ግደ ኢዩ ዘለዎ። ብዛዕባ ማዕርነት ብዙሕ ዓንገረር ዝበሃል እኳ እንተ ዀነ: ኣብ ሓንቲ ዘይማዕርነት ዝሰፈና ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። ልክዕ ከም ሓደ ብርቱዕ መቕዘፍቲ ዘውርድ ለበዳ: ዘይምዕሩይ ኵነታት ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኣስፋሕ​ፊሑ ኢዩ ዘሎ። እቲ ዘይምዕሩይ ዝርጋሐ ዘስዕቦ ድኽነት: ሕማም: ድንቍርና: ሽቕለት ኣልቦነት: ኣድልዎ ኸኣ ቃንዛ ልቢ ዘምጽእ ኢዩ።

“ኵሎም ደቅሰብ ማዕረ ዀይኖም ኢዮም ተፈጢሮም።” እዝስ ክንደይ ባህ ዘብል ሓሳብ ኰን ኢዩ! እቲ ህልው ኵነታት ግርምቢጥ ምዃኑ ግን ዘሕዝን ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

UN PHOTO 152113/SHELLEY ROTNER

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ