ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/7 ገጽ 3
  • ኣምላኽ ብሽግርና ተሓታቲ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ብሽግርና ተሓታቲ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኢድ የሆዋ ርኢናያ ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣምላኽ ብሓቂ ይሓልየልካ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ይቕረ በሃሊ ዲኻ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • 3 ንጸገማት ክትዋጽኣሉ ይሕግዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/7 ገጽ 3

ኣምላኽ ብሽግርና ተሓታቲ ድዩ፧

እታ ዓባይ ጓል ማሪዮን ከቢድ ናይ ሓንጐል ጕድኣት ምስ ወረዳ: ኣዲኣ ኸምቲ መብዛሕትና እንገብሮ ሓገዝ ደልያ ናብ ኣምላኽ ጸለየት። “ከምቲ ግዜ እቲ ገይሩ ሓርቢቱንን ጽምዋ ተሰሚዑንን ኣይፈልጥን” በለት።a ጸኒሑ ዅነታት ጓላ እናኸፍአ ኸደ: ማሪዮን ከኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ጥርጣረ ኺሓድራ ጀመረ። “ንምንታይ እዩ እዚ ዚወርደኒ፧” ኢላ ኽትሓትት ጀመረት። ሓደ ፈቃርን ሓላዪን ኣምላኽ ንምንታይ ከም ዝጠንጠና ኺርድኣ ኣይከኣለን።

እቲ ንማሪዮን ዘጋጠማ ነገር ንብዙሓት እውን የጋጥሞም እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ኣብ እተሸገሩሉ እዋን ኣምላኽ ዝራሕርሖም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ሓንቲ ሊሳ እትበሃል ሰበይቲ: ወዲ ወዳ ምስ ተቐትለ: “ክሳዕ ሕጂ ‘ኣምላኽ ስለምንታይ ፈቐዶ፧’ ዚብል ሕቶ የጨንቐኒ እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላውን “ዋላ እኳ ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እምነት እንተ ዘየጥፋእኩ: እምነተይ ግን ከም ቀደም ድልድልቲ ኣይኰነትን” በለት። ብተመሳሳሊ: ሓንቲ ኣደ እቲ ሕጻን ወዳ ምስ ተጐድአ: “ኣምላኽ በቲ ዘጋጠመኒ ነገራት ኣየጸናንዓንን። ከም ዚሓልየለይ ድማ ምልክት ወይ ድንጋጽ ኣየርኣየንን” በለት። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን “ንኣምላኽ ፈጺመ ይቕረታ ኣይክገብረሉን እየ” በለት።

ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዅነታት ኪርእዩ ኸለዉ ንኣምላኽ የማርሩዎ እዮም። ብድኽነትን ጥሜትን ዚሳቐ ሕብረተሰብ: ተስፋ ዝቘረጹ ስደተኛታት ውግእ: ብሰንኪ አይድስ ዝዘኽተሙ ሓያሎ ቘልዑ: ከምኡውን ብኻልእ ሕማማት ዚሳቐዩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ይርእዩ ኣለዉ። ነዝን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ፍጻመታትን ኣብ ግምት ብምእታው: ኣምላኽ ስጕምቲ ዘይወስድ ስለ ዚመስሎም ተሓታቲ ይገብርዎ።

ከም ሓቂ ግን: ኣምላኽ በቲ ንደቅሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ሽግራት ተሓታቲ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንጸገማት ደቅሰብ ከም ዜወግዶ ኽንኣምን ዜኽእለና እኹል ምኽንያታት ኣሎና። እምበኣር: ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልና ንኽትፈልጥ ናብዛ እትቕጽል ገጽ ገንጺልካ ኸተንብብ ንዕድመካ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ