3 ንጸገማት ክትዋጽኣሉ ይሕግዝ
ኣብዚ ግዜ እዚ ኸተምልጠሉ ወይ ክትፈትሖ ዘይከኣል ጸገማት የጋጥም እዩ። ንኣብነት፡ ሰብካ እንተ ሞይቱካ ወይ ብሕዱር ሕማም እንተ ተጠቒዕካ፡ ንቓንዛኻ ኽትክእሎ ዚሕግዘካ መገድታት ከተናዲ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኣማራጺ ኣይህልወካን ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ኵነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧
ሕዱር ሕማም
ሮዝ፡ “ብርቱዕን ዘየቋርጽን ቃንዛ ዜስዕበለይ ብተወርሶ ዚመሓላለፍ ሕማም ኣሎኒ፣ በዚ ኸኣ ኣነባብራይ ኣንቈልቊሉ እዩ” ትብል። ሓድሓደ ግዜ ኣእምሮኣ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ካልእ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜተኵር ክትገብሮ ትጽገም ስለ ዝነበረት፡ ኣዝዩ እዩ ዜተሓሳስባ ነይሩ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 19:26 ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ ‘ብኣምላኽ ኵሉ ይከኣል እዩ’ ዚብል ቃላት የሱስ ግና ብዙሕ ሓጊዝዋ እዩ። ሮዝ ብኻልእ መገዲ እውን ከተጽንዕ ከም እትኽእል ተገንዘበት። ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ ቓንዛኣ ኸተንብብ ስለ ዜጸግማ፡ ብድምጺ እተቐድሐ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ክትሰምዕ ጀመረት።a ሮዝ፡ “እዚ ኣማራጺታት እንተ ዘይህልወኒ ነይሩ፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ርክብ ብኸመይ ክዕቅብ ዝኽእል እንተ ዀይነ ኣይፈልጥን እየ” በለት።
ሮዝ በቲ ኸም ቀደማ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ነገራት ክትሓዝን ከላ፡ እቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 8:12 ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ “ቅድም ድሉውነት እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ኣዝዩ ቕቡል እዩ እምበር፡ ብዘይብሉ ኣይኰነን” ዚብል ሓሳባት የጸናንዓ እዩ። እዘን ቃላት እዚአን፡ ዓቕማ ድሩት ክነሱ ኽትገብሮ እትኽእል ዘበለ ትገብር ብምህላዋ፡ ኣምላኽ በዚ ባህ ከም ዚብሎ ኣዘኻኺረናኣ እየን።
ሓዘን
እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ደልፊን፡ “እታ ጓል 18 ዓመት ጓለይ ምስ ሞተት፡ ሓዘነይ መሪር ስለ ዝነበረ ብህይወት ዝቕጽል ኰይኑ እውን ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ። ኵሉ ነገር እዩ ተቐያይሩኒ” ብምባል ተዘንቱ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ መዝሙር 94:19 ዚርከብ ሓሳባት ብዙሕ ኣጸናኒዑዋ እዩ፣ ኣብታ ጥቕሲ እቲ ዘማሪ ንኣምላኽ፡ “ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ” በሎ። ደልፊን፡ “ኬደዓዕሰኒ ዚኽእል ኣነ ዝገብሮ ነገራት ክረክብ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ናብ የሆዋ ጸልየ” ትብል።
ደልፊን ትርጉም ዘለዎ ወለንታዊ ዕዮ ብምዕያይ ንገዛእ ርእሳ ትሕዝቲ ገበረታ። ድሕሪ ግዜ ንርእሳ ምስ ኵርሽ ከተመሳስላ ኸኣለት፣ ከመይሲ፡ እተሰባበረ ዅርሽ እውን ከይተረፈ ኣብ ሰሌዳ ንምጽሓፍ ይጠቅም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ደልፊን እተሰብረት ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓ፡ ገና ንኻልኦት ክትሕግዝ ከም እትኽእል ተረድአት። “ነቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮም ሰባት ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣተሓሳስባን ገይረ ኸጸናንዖም ከለኹ፡ የሆዋ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ የደዓዕሰንን የጸናንዓንን ከም ዝነበረ ኽግንዘብ ክኢለ እየ” ድማ ትብል። ደልፊን ዝርዝር ስማት ናይቶም መሪር ሓዘን ዘጋጠሞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ኣዳለወት። ንሳ፡ “ኵላቶም ጸሎት ዜዘውትሩ ሰባት እዮም ነይሮም” ትብል። ብዘይካዚ እውን፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከየንበብካ ኽትጸናናዕ ከም ዘይትኽእል” ተማሂራ እያ።
ደልፊን መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዓ ኻልእ ነገር እውን ተማሂራ እያ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ሕሉፍ ዘይኰነስ፡ ኣብ መጻኢ ኸተተኵር ከም ዘለዋ እዩ። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ዘሎ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]” ዚብል ተስፋ የጸናንዓ እዩ። የሆዋ ንጓላ ኸም ዜተንስኣ ግና ክሳዕ ክንደይ እያ እትተኣማመን፧ ደልፊን ከምዚ ብምባል ትምልስ፦ “ንጓለይ ኣብ መጻኢ ህያው ከም እትኸውን ገይረ ብኣእምሮይ እስእላ እየ። ኣብታ የሆዋ ኣቦይ ዝመደባ ግዜ ምስኣ ተራኺብና ኸነዕልል ኢና። ከምቲ ኣብታ እተወልደትላ መዓልቲ ንዓኣ ኽርእያን ከፍቅራን ከለኹ ብንጹር ዚዝከረኒ፡ እቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዄንና እነዕልለሉ እዋን ብንጹር እዩ ዚርኣየኒ።”
a ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያሎ ቕዳሓት ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ይርከብ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተስፋ ኣብ ዜቝርጽ እዋናት እውን ከይተረፈ ምጽንናዕ ክትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ