ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/11 ገጽ 3
  • ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/11 ገጽ 3

ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧

ንድያብሎስ ከም ምንታይ ጌርካ ኢኻ እትወስዶ፧ ከም ሓደ ንሰባት እኩይ ነገራት ንኺገብሩ ዚፍትኖም ናይ ሓቂ ኣካል ዘለዎ ፍጡርዶ ወይስ ከም ንእኩይ ነገር ዜመልክት መጸውዒ፧ ድያብሎስ ናይ ብሓቂ ኺፍራህ ዘለዎ ድዩ፧ ወይስ ከም ሓደ ማሪታዊ ሃጠው ቀጠው ወይ ከም ጽውጽዋይ ጥራይ ተቘጺሩ ዕሽሽ ኪበሃል ዚግብኦ እዩ፧ እታ “ድያብሎስ” እትብል ቃል ንባዕላ ንሓደ ኣብዚ ዩኒቨርስ ዚርከብ ንኽትርድኦ ዘጸግም ኣዕናዊ ሓይሊ ጥራይ ድያ እተመልክት፧ እዛ ቓል እዚኣ ኸምቲ ሓያሎ ዘመናውያን ናይ ሃይማኖት ምሁራት ዚብልዎ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰባት ዚርከብ እኩይ ባህሪ ድያ እተመልክት፧

ወድሰብ መንነት ድያብሎስ ንምፍላጥ ኣብ ዜልዕሎ ሕቶ ምክፍፋሉ ዜገርም ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ መንነቱ ናይ ምሕባእ ክእለት እንተደኣ ኣልይዎ: ናይ ሓቂ መንነቱ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ዚኸውን። ወትሩ መንነቱ ዚሓብእ እንተደኣ ዀይኑ ድማ: ምፍላጡ ኣሸጋሪ እናዀነ እዩ ዚኸይድ። መጽሓፍ ቅዱስ ንድያብሎስ ከምኡ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ብምባል ይሕብር። (2 ቈረንቶስ 11:14) እኩይ እኳ እንተዀነ: ንሰባት ንምትላል ግን ንርእሱ ኸም ጥዑይ ገይሩ እዩ ዜቕርባ። ሰባት ብርግጽ ምህላዉ ዘይኣምኑ ምስ ዝዀኑ እሞ ኸኣ እዚ ንዕላማኡ ኣጸቢቑ እዩ ዚሰማምዖ።

ድያብሎስ ደኣ እሞ መን እዩ፧ መዓስን ብኸመይንከ እዩ ናብ ህላወ መጺኡ፧ ሎሚኸ ብኸመይ እዩ ንደቅሰብ ዚጸልዎም ዘሎ፧ ነዚ ጽልዋ እዚ ንኽንጻወሮ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድያብሎስ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ርጡብ ታሪኽ ሒዙ ይርከብ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘልዓልናዮ ሕቶታት ድማ ቅኑዕ መልሲ ይህበና።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሰብ ማስኬራ ብምግባር ወትሩ ንርእሱ ኺሓብእ ቈሪጹ እንተ ተላዒሉ: ናይ ሓቂ መንነቱ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ