ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/3 ገጽ 3
  • ሞት ኣብ ኵላትና ዘንጸላለወ ሓደጋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሞት ኣብ ኵላትና ዘንጸላለወ ሓደጋ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ህርፋን ስልጣን ርሓቕ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣቤሴሎም ብትዕቢት ዓለወ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ እንተ ኣሕዲርና፡ ተኣማሚንና ንነብር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኣምላኽ ሓርነት ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/3 ገጽ 3

ሞት ኣብ ኵላትና ዘንጸላለወ ሓደጋ

ኣርኖልድ ቶይንቢ ዚበሃል እንግሊዛዊ ጸሓፍ ታሪኽ: “ወድሰብ ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኪመውት ይኽእል እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ወሲኹ ድማ “ውዒሉ ሓዲሩ እዚ ኸይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ” በለ። እነፍቅሮ ኣባል ስድራቤትና ወይ እንፈትዎ ዓርክና ምስ ዚመውት: ከቢድ ሓዘን እዩ ዚስምዓና።

ሞት ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ደቅሰብ ዘንጸላለወ ሓደጋ እዩ። ሞት እንፈትዎ ሰብ ኣዝዩ እዩ ተስፋ ዜቝርጸና። እዚ ኸኣ ንዝዀነ ይኹን ሰብ እዩ ዜጋጥሞ። ንዋላ ሓደ ኣይንሕፍን እዩ። ኣብ መበል 19 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጸሓፍ ቴማ: “ዘሎና ብልሒ ኣእምሮ ብዘየገድስ: ሓዘን ንዅላትና ቘልዑ እዩ ዚገብረና። እቲ ልዕሊ ዅሉ ጥበበኛ ዝዀነ እኳ ምንም ኣይፈልጥን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ልክዕ ከም ንኣሽቱ ቘልዑ ነቲ ዅነታት ክንቅይሮ ዘይንኽእል መሳኪን ኢና እንኸውን። ሃብቲ ይኹን ስልጣን ነዚ ኪቕይሮ ኣይክእልን እዩ። ጥበበኛታት ኰኑ ምሁራት ዚህብዎ መልሲ የብሎምን። ከምቶም ድኹማት እቶም ብርቱዓት እውን ይነብዑ።

ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ወዱ ኣቤሴሎም ምስ ሞተ: ከምዚ ዓይነት ከቢድ ሓዘን ኣጋጢምዎ ነበረ። እቲ ንጉስ ወዱ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐ: “ወደይ ኣቤሴሎም: ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ: ወደይ ኣቤሴሎም: ወደይ” ኢሉ በኸየ። (2 ሳሙኤል 18:33) እቲ ንብዙሓት ብርቱዓት ጸላእቲ ዝሰዓረ ሓያል ንጉስ: ኣብ ክንዲ ወዱ ንኺመውት ብምምናይ ነቲ ናይ ‘መወዳእታ ጸላኢ: ሞት’ ኢዱ ኻብ ምሃብ ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይከኣለን።—1 ቈረንቶስ 15:26

ሞት ፍታሕ ኣለዎዶ፧ ፍታሕ እንተደኣ ኣለዎ: እቶም ዝሞቱ እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧ እቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት እንደገና ንርእዮምዶ ንኸውን፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልስታት ክትህበሉ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ