ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/2 ገጽ 28-31
  • ብዕዮኣ እትዓግብ ኣደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዕዮኣ እትዓግብ ኣደ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዴታት ስራሕ ዚወፍራሉ ዘለዋ ምኽንያት
  • ኣብ መንጎ ፈጠራን ክውንነትን ዘሎ ፍልልይ
  • ሰብኡት ኪሕግዙሉ ዚኽእሉ መገድታት
  • ክርስትያን ኣደ ዘለዋ ኣገዳሲ ግደ
  • ጽልዋ ዝገበራ ኣዴታት
  • ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዜዕግብ ምርጫ
  • ኣትን ኣዴታት፡ ካብ ኤውንቄ ተምሃራ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣኽቢርካ ዝርኣያ ንየሆዋ ዘምልኻ እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣብ ቤትኩም ሰላም ከም ዝህሉ ግበሩ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/2 ገጽ 28-31

ብዕዮኣ እትዓግብ ኣደ

ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከባ መብዛሕትአን ኣንስቲ ኻብ ቤተን ወጻኢ እየን ዚሰርሓ። ኣብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዳርጋ ማዕረ ሰብኡት ዝዀና ኣንስቲ ናብ ስራሕ ይወፍራ እየን። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣንስቲ ንስድራአን ንምንባይ ኣብ ሕርሻ ንሓያሎ ሰዓታት ይለፍዓ እየን።

ብዙሓት ኣንስቲ ኣብ መንጎ እቲ ንመነባብሮ ዜድልየን ምምእራርን ንስድራአን ኰነ ንቤተን ኪከናኸና ዘለወን ባህግን ተገማሚዐን ኣለዋ። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ምግብን ክዳንን መጽለልን ንምምላእ ዜድሊ ገንዘብ የምጽኣ ጥራይ ዘይኰናስ: ምግቢ ይኽሽና: ክዳውንቲ ይሓጽባ: ቤተን ድማ የጽርያ እየን።

ብተወሳኺ: ክርስትያን ኣዴታት ንደቀን መንፈሳዊ ስርዓታት ኪምህራኦም ይደልያ እየን። ክሪስቲና እትበሃል ኣደ ኽልተ ንኣሽቱ ኣዋልድ: “ብፍላይ ንኣሽቱ ውሉዳት ኪህልዉኻ ኸለዉ: ነቲ ናይ ስራሕን ናይ ስድራ ቤትን ሓላፍነታት ሚዛኑ ኸም ዚሕሉ ምግባር ኣዝዩ ኸቢድ እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን: “ንውሉዳት ኵሉ እቲ ዜድልዮም ቈላሕታ ምሃብ የጸግም እዩ” በለት።

ኣንስቲ ናብ ስራሕ ንኺወፍራ ዚድርኸን ዘሎ እንታይ እዩ፧ እንታይ ጸገማት የጋጥመን ኣሎ፧ ሓንቲ ኣደ ብዕዮኣ ንኽትዓግብ ዓለማዊ ስራሕ ኪህልዋ የድሊ ድዩ፧

ኣዴታት ስራሕ ዚወፍራሉ ዘለዋ ምኽንያት

ብዙሓት ኣዴታት ናይ ግድን ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ የድልየን እዩ። ገሊአን ነቲ ቝጠባዊ ጾር ዚድግፈን ሰብኣይ የብለንን። ኣብ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ከኣ ደሞዝ ናይ ሓዲኦም ጥራይ ነታ ስድራ ዜድልያ መሰረታዊ ነገራት ኣየማልእን እዩ።

ልክዕ እዩ: ኵለን እተን ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ዚወፍራ ኣዴታት ኣይኰናን ከምኡ ኺገብራ ዚግደዳ። ብዙሓት ካብ ቤተን ወጺአን ዚሰርሓ ኣዴታት: ንርእሰን ልዑል ግምት ምእንቲ ኺህልወን ኢለን እየን። ገሊአን ኣብ ኣወጻጽኣ ገንዘብ ናይ ርእሰን ውሳነ ምእንቲ ኺገብራ ኢለን ወይ ኣቕሑ ምሾት ኪዕድጋ ኢለን እየን ዚሰርሓ። ብዙሓት ከኣ ኣብ ስራሐን ንፉዓት ስለ ዝዀና: ንስራሐን ይፈትዋኦ እየን።

ገሊአን ኣዴታት ዓለማዊ ስራሕ ንኺሰርሓ ዜገድደን: ናይ መዛኑ ጸቕጢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስራሕ ዚወፍራ ኣዴታት ብቐጻሊ ውጥረትን ድኻምን ከም ዘለወን መብዛሕትኦም ሰባት ዚኣምኑሉ እኳ እንተ ዀኑ: ብዛዕባ እተን ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሓ ዘይደልያ ግን ብዙሕ ግዜ ግጉይ ምርዳእ የሕድሩ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን የስተናዕቕወን። ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ እዚ: “ንኻልኦት ኣብ ቤት ከም እትውዕል ክትነግሮም ቀሊል ኣይኰነን” በለት። ብተወሳኺ እውን: “ገሊኦም ሰባት ብቓላቶም ወይ በቲ ኣብ ገጾም ዚንበብ ነገራት ህይወትካ ተባኽን ኣለኻ ዚብል መልእኽቲ እዮም ዜመሓላልፉ” በለት። ሓንቲ ረበካ ዝስማ ኣደ ጓል ክልተ ዓመት ቈልዓ: “እዚ ዘለናሉ ሕብረተሰብ ኣንስቲ ንደቀን ኪከናኸና ኸም ዘለወን ዚቕበሎ እኳ እንተ ዀነ: ዓለማዊ ስራሕ ዘይሰርሓ ኣንስቲ ኣትሕት ኣቢሉ ዚርእየን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት።

ኣብ መንጎ ፈጠራን ክውንነትን ዘሎ ፍልልይ

ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም: “ንፍዕቲ ሰበይቲ” ኸም ሓንቲ ኣብቲ ዝመረጸቶ ሞያ ዕውትቲ ዝዀነት: ማለት ብዙሕ ዚኽፈላን ብሉጽ ክዳን እትኽደንን ብርእሳ ኣጸቢቓ እትተኣማመንን ሰበይቲ ጌርካ እያ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እትግለጽ። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት: ጸገማት ደቃ ንምፍታሕ: ሰብኣያ ዚገብሮ ጌጋታት ንምእራም: ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ኣብ ቤት ዜጋጥም ጸገማት ንምፍታሕ ዜኽእል ጕልበት ዘለዋ ጌርካ ትሰኣል። ከም ሓቂ ግን: ነዚ ናይ ፈጠራ ታሪኽ እዚ ዜማልኣ ብዙሓት ኣንስቲ የለዋን።

ብዙሓት ኣንስቲ ዚሰርሓኦ ዓለማዊ ስራሕ: ዜሰልክን ብተዛማዲ ብዙሕ ዘይክፈሎን እዩ። እቲ ዜሕዝን ድማ: ስራሕ ዚወፍራ ኣዴታት: ነቲ ተፈጥሮኣዊ ኽእለተን ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀማሉ ዘየኽእለን ኰይኑ ኺረኽባኦ ይኽእላ እየን። ሶሻል ሳይኮሎጂ ዘርእስታ መጽሓፍ: “ናብ ማዕርነት ገጽና እኳ እንተ ገስገስና: ሰብኡት ዝሓሸ ዚኽፈሎን ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎን ስራሓት ሒዞም ኣለዉ። እምበኣር: እተን እንታይነተን ብስራሕ ኬርእያ ዚጽዕራ ኣንስቲ: ብርኡይ ይውጽዓ እየን” ኢላ ሓበረት። ሓንቲ ኢል ፓዪስ እትበሃል ጋዜጣ ስጳኛ: “ኣንስቲ ምስ ሰብኡት ኪነጻጸራ ኸለዋ: ብሰለስተ ዕጽፊ ዚዛይድ ምስ ውጥረት እተተሓሓዘ ጭንቀት ከም ዜሳቕየን ተገምጊሙ ኣሎ፣ ከመይሲ: መብዛሕትአን ዕጽፊ እብረ እየን ዚዓያ፣ እዚ ድማ ሓደ ኣብ ስራሕ: ሓደ ኣብ ቤት እዩ” በለት።

ሰብኡት ኪሕግዙሉ ዚኽእሉ መገድታት

ሓንቲ ክርስትያን ኣደ: ዓለማዊ ስራሕ ክትሰርሕ ወይ ከይትሰርሕ ናይ ብሕታ ውሳነ እዩ። ይኹን እምበር: እተመርዓወት እንተ ዀይና: ንሳን ሰብኣያን ነቲ ጕዳይ ምስ ተመያየጡሉን ንዅሉ ረቛሒታት ምስ ገምገሙን እዮም ኣብ ውሳነ ኺበጽሑ ዘለዎም።—ምሳሌ 14:15

ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ብምኽንያት ቍጠባዊ ኣድላይነት ክልቲኦም ምሉእ ግዜኦም ኪሰርሑ ኸም ዘለዎም እንተ ወሲኖምከ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ ነቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ ብፍላይ የተኵረሉ እዩ:- “ኣቱም ሰብኡት፥ ምስ ኣንስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ። ንሳተን ድኹማት ፍጥረት ስለ ዝኾና፥ ነቲ ጸጋ ሕይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን።” (1 ጴጥሮስ 3:7 ትርጕም 1990) ሓደ ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ ዘለዋ ኣካላውን ስምዒታውን ድሩትነት ጥንቁቕ ብምዃን የኽብራ። ብእተኻእሎ መጠን ንሰበይቱ ኣብ ዕዮ ቤት ይሕግዛ። ኣብነት የሱስ ብምስዓብ: ትሑት ዚበሃል ስራሕ ብትሕትና ንኺፍጽም ድሉው ይኸውን: ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ንኽብረቱ ዜዋርድ ኢሉ እውን ኣይንዕቆን። (ዮሃንስ 13:12-15) ኣብ ክንዳኡስ: ነዚ ዕዮ እዚ ነታ ጻዕራም ሰበይቱ ፍቕሩ ዜርእየሉ ኣጋጣሚ ገይሩ ይርእዮ። ንሳ እውን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ብዙሕ ተማስወሉ እያ።—ኤፌሶን 5:25, 28, 29

ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሑ እንተ ኣልይዎም: ኣብ ቤት ኪተሓባበሩ ኣለዎም። እታ ኤቢሲ እትበሃል ኣብ ስጳኛ እትሕተም ጋዜጣ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ እውን ነዚ ዚድግፍ እዩ። ኣብታ ጋዜጣ ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ: ትካል ጕዳያት ስድራ ቤት ብዛዕባ ዝገበሮ መጽናዕቲ ሓሳብ ክትህብ ከላ: ነቲ ኣብ ስጳኛ ዘሎ ልዑል መጠን ፍትሕ ጠንቂ ዝዀኖ: “ሃይማኖታውን ስነ-ምግባራውን መለክዒታት ምጥፋኡ” ጥራይ ዘይኰነስ: ክልተ ኻልእ ረቛሒታት እውን ጠንቂ ኸም ዝዀኖ ገለጸት። እዚ ድማ “ኣንስቲ ናብ ስራሕ ምውፋረንን ሰብኡት ኣብ ዕዮ ቤት ኪሕግዙ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖምን” እዩ።

ክርስትያን ኣደ ዘለዋ ኣገዳሲ ግደ

ንውሉዳት ብምስልጣን ዝመጸ: የሆዋ ብቐዳምነት ንኣቦታት እኳ ሓላፍነት እንተ ሃቦም: ክርስትያን ኣዴታት እውን ብፍላይ ኣብ እዋን ሕጻንነት ደቀን ኣገዳሲ ግደ ኸም እተዋህበን ይፈልጣ እየን። (ምሳሌ 1:8፣ ኤፌሶን 6:4) የሆዋ ንእስራኤላውያን: ሕጉ ንደቆም ኪምህርዎም መምርሒ ኺህቦም ከሎ: ንኣዴታትን ንኣቦታትን ብሓባር እዩ ተዛሪብዎም። ብሕልፊ ኣብቲ እቲ ውሉድ ዚቕረጸሉ እዋን: እዚ መስርሕ እዚ ግዜን ትዕግስትን ከም ዚሓትት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ኣምላኽ ንወለዲ: ንደቆም ኣብ ቤቶምን ኣብ መገድን ኣብ ምትንሳኦምን ኣብ በጥ ምባሎምን ኬሰልጥንዎም ነገሮም።—ዘዳግም 6:4-7

ቃል ኣምላኽ ንውሉዳት: “ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ” ኢሉ ኺእዝዞም ከሎ: ነቲ ኣዴታት ዘለወን ኣገዳስን ክቡርን ግደ እዩ ኣጕሊሑ። (ምሳሌ 6:20) ልክዕ እዩ: ሓንቲ ምርዕውቲ ሰበይቲ ንደቃ ዝዀነ ይኹን ሕጊ ቕድሚ ምውጻኣ ንሰብኣያ ተማኽር እያ። ኰይኑ ግን: ከምቲ እታ ጥቕሲ ሓቢራቶ ዘላ: ኣዴታት ሕግታት ንኼውጽኣ መሰል ኣለወን። እቶም ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ኣደ ዝመሃረቶም መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ሕግታት ኣብ ልቦም ዜሕድሩ ውሉዳት: ብዙሕ ጥቕሚ ይረኽቡ እዮም። (ምሳሌ 6:21, 22) ኣደ ኽልተ ንኣሽቱ ኣወዳት ዝዀነት ቴሬሳ: ስለምንታይ ዓለማዊ ስራሕ ከም ዘይትሰርሕ ክትገልጽ ከላ: “ደቀይ ንኣምላኽ ከም ዜገልግሉ ጌርካ ምዕባዮም: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዜገድሰኒ ዕዮ እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ብዝበለጸ መገዲ እየ ኽገብሮ ዝደሊ” በለት።

ጽልዋ ዝገበራ ኣዴታት

እቲ እስራኤላዊ ዝነበረ ንጉስ ልሙኤል: ካብቲ ኣዲኡ ዝገበረቶ ዘይሕለል ጻዕሪ ተጠቒሙ እዩ። እቲ ንሳ “ዝመሃረቶ ዓቢይ ምኽሪ” ኽፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ኰይኑ ኣሎ። (ምሳሌ 31:1 ትርጕም 1990፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) እዛ ኣደ እዚኣ ብዛዕባ ደገኛ ወይ ለባም ሰበይቲ ዝሃበቶ መግለጺ: ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣወዳት ኪምርዓዉ ኺደልዩ ኸለዉ ጥበባዊ ምርጫ ኺገብሩ ይሕግዞም ኣሎ። ብዛዕባ ርኹስ ተግባራትን ብዛዕባ ምብዛሕ መስተን ዝሃበቶ መጠንቀቕታታት እውን: ከም ቀደም ሕጂ እውን ጠቓሚ እዩ።—ምሳሌ 31:3-5, 10-31

ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ሓንቲ ኤውንቄ ዝስማ ኣደ ንጢሞቴዎስ ወዳ ብምምሃር ብዝገበረቶ ሰናይ ዕዮ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነኣዳ። እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ናይ ግሪኽ ኣማልኽቲ የምልኽ ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል: ንጢሞቴዎስ ኣብ “ቅዱሳት ጽሑፋት” እምነት ንኼሕድር ከተእምኖ ነይርዋ። ኤውንቄ ንጢሞቴዎስ ካብ መዓስ ኣትሒዛ እያ ኽትምህሮ ጀሚራ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ካብ ሕጻንነቱ’ (ትርጕም 1990) ኣትሒዛ ኸም ዝመሃረቶ ይገልጽ። (2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:14, 15) እቲ ኤውንቄ ዝነበራ እምነትን ዘርኣየቶ ኣብነትን ዝመሃረቶ ትምህርትን: ንጢሞቴዎስ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝዓየዮ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ኣዳልይዎ ኪኸውን ኣለዎ።—ፊልጲ 2:19-22

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምእንጋደን: ንደቀን ምስ ብሉጻት ኣርኣያ ዚዀንዎም ሰባት ከም ዚራኸቡ ዝገበራ ኣዴታት ይዛረብ እዩ። ንኣብነት: እታ ሹናማዊት ሰበይቲ ንነብዪ ኤልሳእ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። ጸኒሑ ኤልሳእ ንወዳ ኻብ ሞት ኣተንስኦ። (2 ነገስት 4:8-10, 32-37) ነቲ ማርያም ኣደ ማርቆስ ዝገደፈቶ ኣብነት እሞ ንርአ። ማርቆስ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። ማርያም ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤታ: እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ኺእከቡላ ፈቒዳ ኽትከውን ኣለዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:12) ማርቆስ ካብቲ ምስቶም ኣዘውቲሮም ናብ ቤቱ ዚመጹ ዝነበሩ ሃዋርያትን ካልኦት ክርስትያናትን ዝነበሮ ምቅርራብ ተጠቒሙ ኪኸውን ኣለዎ።

እምበኣር: የሆዋ ነቲ እሙናት ኣንስቲ ስርዓታቱ ኣብ ደቀን ኪተኽላ ዚገብራኦ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። ንኣንስቲ በቲ ዜርእያኦ ተኣማንነትን በቲ ኣብ ቤተን መንፈሳዊ ሃዋህው ኪሰፍን ዚገብራኦ ጻዕርታትን የፍቅረን እዩ።—2 ሳሙኤል 22:26፣ ምሳሌ 14:1

ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዜዕግብ ምርጫ

ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ከም ዚሕብሮ: ነቲ ኣባላት ስድራ ቤት ብኣካላውን ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መዳይ ዜድልዮም ነገራት ምምላእ ፍሉይ ዓስቢ እዩ ዜምጽእ። ከምኡ ምግባር ግን ቀሊል ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣደ ኣብ ቤት እትዓዮ ዕዮ ኻብቲ ኣካያዲ ሓደ ኩባንያ ዚዓዮ ንላዕሊ ኸቢድ ኪመስል ይኽእል እዩ።

ሓንቲ ኣደ ኻብ ሰብኣያ መምርሒ ድሕሪ ምርካባ: ንዓለማዊ ስራሓ ደረት ክትገብረሉ እንተ መሪጻ: እታ ስድራ ቤት ደረጃ መነባብሮኣ ኽትንኪ: እታ ኣደ ድማ በቶም ኣተሓሳስባኣ ዘይርድኡ ኣደዳ ላግጺ ኽትከውን ከም እትኽእል ኣይከሓድን እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ ዚርከብ ዓስቢ ኻብቲ ዚኽፈል መስዋእቲ ኣጸቢቑ ዚበልጽ እዩ። ፓኪ ሰለስተ ውሉዳት ዘለውዋን ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ እትሰርሕን ክትከውን ከላ: “ደቀይ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ቤት ኪመጹ ኸለዉ ዜዛርብዎ ሰብ ምእንቲ ኺረኽቡ: ኣብ ቤተይ ክጸንሖም እደሊ እየ” በለት። ደቃ ብኸመይ ይጥቀሙ፧ “እተዋህቦም ዕዮ ቤት ኪዓዩ እሕግዞም: ጸገማት እንተ ኣጋጢሙ ኸኣ: ብኡንብኡ እፈትሖ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ: “እቲ መዓልታዊ ብሓባር እነሕልፎ ግዜ ኣብ መንጎና ዘሎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ንኪኸውን ሓጊዙ እዩ። ነዚ ምስ ደቀይ ዘሕልፎ ግዜ ኣመና ኣኽቢረ ስለ ዝርእዮ: ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ምስ ቀረበለይ ኣይተቐበልክዎን” በለት።

ብዙሓት ክርስትያን ኣዴታት ነቲ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ዜሕልፋኦ ግዜ ኺንክያኦ እንተ ኽኢለን: ኵሎም ኣባላት ስድራአን ከም ዚጥቀሙ ኣስተብሂለን እየን። እታ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናያ ክሪስቲና: “ዓለማዊ ስራሕ ምስራሕ ምስ ሓደግክዎ: ስድራ ቤትና ዝነበራ ጸገማት ዝነከየ ይመስለኒ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን: “ንደቀይ ኬዘራርበንን ንሰብኣየይ ብብዙሕ መገድታት ክሕግዞን ግዜ ረኸብኩ። ደቀይ ኪመሃራን ኪመሓየሻን ክርእየን ከለኹ: ንዓታተን ምምሃር ሓጐስ ኣምጸኣለይ” በለት። ክሪስቲና ሓደ ኣብ ኣእምሮኣ እተቐርጸ ነገር ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ድማ: “እታ በዅሪ ጓለይ ኣብ መውዓል ሕጻናት እያ እግሪ ተኺላ: እታ ኻልአይቲ ጓለይ ግን ኣነ እናሓገዝክዋ ኣብ ቤትና እያ እግሪ ተኺላ። ነተን ቀዳሞት ስጕምቲ ድሕሪ ምስጓማ: ክትወድቕ ምስ በለት ብኢደይ ሒዘያ። እታ ህሞት እቲኣ ብዙሕ ዕግበት ኣምጺኣትለይ እያ” ኢላ ተዘክሮኣ ገለጸት።

ካልእ ኪሕሰበሉ ዘለዎ ረቛሒ: እቲ ሓንቲ ኣደ ዓለማዊ ስራሕ ብምሕዳጋ እትኸፍሎ መስዋእትታት ካብቲ ትጽቢት ዚግበረሉ ኣመና ዚትሕት ኪኸውን ዚኽእል ምዃኑ እዩ። ብዛዕባ እዚ ክሪስቲና: “እቲ ንመውዓል ሕጻናትን ንመጓዓዝያን እነውጽኦ ዝነበርና ወጻኢ: ብዙሕ ክፋል ደሞዘይ ይወስዶ ነበረ። ኵነታትና ተጠንቂቕና ምስ መርመርና: ስራሐይ ዚረብሕ ተወሳኺ ኣታዊ የምጽእ ከም ዘይነበረ ኣስተውዓልና” በለት።

ገሊኦም ሰብ ሓዳር ኵነታቶም ድሕሪ ምግምጋሞም: ኣደ ምሉእ ግዜኣ ንስድራኣ ኣብ ምክንኻን ምውዓላ ዘለዎ ጥቕምታት: ካብቲ ኪኸፍልዎ ዚኽእሉ ገንዘባዊ መስዋእቲ ኣመና ኸም ዚበልጽ ወሲኖም እዮም። እቲ ንክሪስቲና ሰብኣያ ዝዀነ ፖል: “ሰበይተይ ኣብ ቤት ኰይና ነተን ክልተ ንኣሽቱ ደቅና ኽትከናኸን ምውሳና ኣሐጒሱኒ እዩ። ካብ ቤት ወጻኢ ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን: ንኽልቴና ዝያዳ ውጥረት እዩ ፈጢሩልና ነይሩ” በለ። እዚ ውሳነ እዚ ኣብተን ክልተ ደቆም እንታይ ጽልዋ ኣምጺኡ፧ ፖል ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኺህብ ከሎ: “ሕጂ ዝያዳ ቕሳነት ኣብ ርእሲ ምሕዳረን: ኣብ ግዜ ሕጻንነተን ካብ ሕማቕ ጽልዋታት ዕቝባ ዀይንወን ኣሎ” በለ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ብእተኻእሎም መጠን ምስ ደቆም ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ገይሮም ዚርእይዎ ስለምንታይ እዮም፧ ፖል: “ንሕና ወለዲ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ኣልባብ ደቅና እንተ ዘይጽሒፍና: ካልእ ከም ዚጽሕፍ እኣምን እየ” በለ።

እምበኣር: ኵሎም ሰብ ሓዳር ኵነታቶም ኪምርምሩ ኣለዎም። ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ውሳነ ኺነቕፎ የብሉን። (ሮሜ 14:4፣ 1 ተሰሎንቄ 4:11) ይኹን እምበር: ሓንቲ ኣደ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ እንተ ዘይሰርሐት: ስድራ ቤታ ኽትረኽቦ እትኽእል ጥቕምታት ምምርማሩ ኣገዳሲ እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ቴሬሳ ብዛዕባ እዚ ዘለዋ ስምዒት ከተጠቓልል ከላ: “ንደቅኻ ኣብ ምክንኻንን ኣብ ምምሃርን ብእተኻእለካ መጠን ብዙሕ ግዜ ኸም ምሕላፍ ገይሩ ዜዕግብ ነገር የልቦን” በለት።—መዝሙር 127:3

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ኣዴታት ኣብቲ ንደቀን ናይ ምስልጣን ኣገዳሲ ዕዮ ይካፈላ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ