ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/4 ገጽ 3-4
  • ‘ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ውግእ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ሎሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዘለዎ ኣረኣእያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/4 ገጽ 3-4

‘ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ’

‘እዚ ውግእ እዚ ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ናይ መወዳእታ ውግእ ከም ዚኸውን ቃል እኣትወልኩም።’ —ውድሮው ዊልሰን: ፕረዝደንት ሕ.መ.ኣ. (1913-21)

ቀዳማይ ውግእ ዓለም 90 ዓመት ይገብር ኪዛዘም ከሎ: ሓደ መራሒ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ዓይነት ትጽቢት ነበሮ። እዚ ዓለምለኻዊ ውግእ እዚ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ስለ ዝነበረ: እቶም ኣብቲ ውግእ እተዓወቱ: እቲ ዝኸፈልዎ መስዋእትታት ነባሪ ጥቕሚ ኼምጽእ ድሌት ነበሮም። ይኹን እምበር: ሰብኣዊ ውግኣት: ኣሽምባይዶ ንጸገማት ኪፈትሕሲ ነቲ ሱር ዝሰደደ ጸገማት ውግእ እውን ኬጥፍኦ ኣይከኣለን።

ፕረዚደንት ዊልሰን ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሃወኽ ዝመልኦ መብጽዓ ኻብ ዚኣቱ ድሕሪ 20 ዓመት: ካልኣይ ውግእ ዓለም ተባርዐ። ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ውግእ ዚዛይድ ሞትን ዕንወትን ድማ ኣስዓበ። እቲ ንዕስራ ዓመት እተገብረ ተክኖሎጂያዊ ዕቤት: ደቂ ሰብ ብጅምላ ብምቕታል ዝመጸ ኽኢላታት ከም ዚዀኑ ገበሮም። ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም: መራሕቲ ዓለም: ውግእ መሊሱ ናይ ምጅማር ኣጋጣሚ ብዝያዳ ኸም ዝወሰኸ ተረድኡ።

ብ1945 ናይ ሕ.መ.ኣ. ጀነራል ዝነበረ ዶግላስ ማክኣርተር: “ናይ መወዳእታ ዕድል ኣምሊጡና እዩ። ዝሓሸን ፍትሓውን ስርዓት እንተ ዘይመስሪትና: ኣርማጌዶን ኬጋጥም እዩ” ዚብል ናይ ቀቢጸ-ተስፋ ርእይቶ ሃበ።

ጀነራል ማክኣርተር: ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም: እተን ክልተ ኣቶማዊ ቦምብታት ኣብ ናጋሳክን ሂሮሽማን እንታይ ከም ዘውረዳ ይፈልጥ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ እዘን ክልተ ኸተማታት ጃፓን ዝወረደ ዜስካሕክሕ ዕንወት ድማ ነታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል: ኣብዛ ፕላነትና ንዘሎ ስልጣነ ዚዛዝም ኣዝዩ ሰፊሕ ኑክልየሳዊ ውግእ ዚብል ሓድሽ ትርጕም ከም ዝወሃባ ገበረ።

እቲ ኑክልየሳዊ ህልቂት ኬጋጥም ከም ዚኽእል ዝሓደረ ፍርሂ: ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንደቂ ሰብ የጨንቖም ኣሎ። ብ1960ታት እተን ሓያላት ዚበሃላ ሃገራት: ተለኻኺምካ ምጥፋእ ዚበሃል ስልቲ ኣውጽኣ። ቀንዲ ዕላማኡ: እኹል ሚሳይል ምውናን ወይ ከኣ ነዚ ሚሳይል እዚ እትትኵሰሉ መገዲ ምንዳይ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ውግእ ዝጀመረ ይጀምሮ ብዘየገድስ: ን25 ሚእታዊት ሰላማዊ ህዝብን ን50 ሚእታዊት ኢንዱስትርያዊ ዓቕምን እቲ ጸላኢ ኼጥፍእ ዚኽእል እዩ። እዚ ስልቲ እዚ ንሰላም እዛ ዓለምና ኺዕቅብ እዩ ኢሎም ዚሓስቡ ሰባት ግን ሒደት እዮም።

ሎሚ ቝጽሪ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እናወሰኸ ይኸይድ: ኣብ ሓደ ኸባቢ ዚግበር ውግኣት ድማ ህይወት ማእለያ ዘይብሎም ሰባት የጥፍእ ኣሎ። ኑክልየሳዊ ውግእ ንኼጋጥም ዘለዎ ተኽእሎ: ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንደቂ ሰብ የስግኦም እዩ። ብዙሓት ሰባት: ውግእ ተዛዚሙ ኺርእዩ ይህንጠዩ እኳ እንተ ዀኑ: ከምዚ ኺገብር ዚኽእል: ውግእ ወይ ካልእ ስትራተጂ ኸም ዝዀነ ዚኣምኑ ሰባት ግን ሒደት እዮም።

ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ፍሉይ ውግእ ይገልጽ እዩ። ነዚ ውግእ እዚ ድማ ነታ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኑክልየሳዊ ዕንወት ዜተሓሕዝዋ ቓል ብምጥቃም “ኣርማጌዶን” ኢሉ ይጽውዖ። ኣርማጌዶን ብሓቂ ንውግእ ዚዛዝሞ ብኸመይ እዩ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶ እዚ ኽትምልሶ እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

DTRA Photo

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Nagasaki, Japan, 1945: USAF photo

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ