ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/12 ገጽ 8
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እቲ ጸራቢ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ክንሰርሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ዮሃንስ ንየሱስ የጠምቖ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ሓሳብ ክርስቶስ” ምፍላጥ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/12 ገጽ 8

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ጸራቢ ኸሎ እንታይ ዓይነት ስራሕ ይሰርሕ ነበረ፧

እቲ ንየሱስ ዘዕበዮ ኣቦኡ ጸራቢ እዩ ነይሩ። የሱስ እውን ተመሳሳሊ ሞያ ተማሂሩ እዩ። “ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት” ኰይኑ ኣገልግሎቱ ኺጅምር ከሎ፡ ከም “ወዲ እቲ ጸራቢ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሱ እውን ጸራቢ ኸም ዝዀነ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ።—ሉቃስ 3:23፣ ማቴዎስ 13:55፣ ማርቆስ 6:3

ኣብታ የሱስ ዝዓበየላ ዓዲ፡ ከም ማሕረሻታትን ኣርዑትን ዝኣመሰለ ብቐዳምነት ካብ ዕንጨይቲ ዚስራሕ ዝነበረ ናውቲ ሕርሻ የድሊ ነበረ። ገለ ኻብቲ ጸረብቲ ኣዘውቲሮም ዚሰርሕዎ ነገራት፡ ከም ሰደቓታት፡ መናብር፡ ድኳታት፡ ኣቕሑ ዚቕመጠሉ ኸብሒ ዝኣመሰለ ኣቕሑ ገዛ ኸምኡውን ከም መዓጹ፡ መሳዅቲ፡ መሸጐር፡ ወርወራት ዝኣመሰለ ነገራት እዩ ነይሩ። ብርግጽ፡ እቲ ጸረብቲ ዚሰርሕዎ ስራሕ፡ ህንጸት እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።

ኣብ ሓደ ምሳሌ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኰነ ኻልኦት ጸረብቲ፡ ኣእዋም ንምቝራጽ ዚጥቀምሉ ዝነበሩ ማሕጸ ጠቒሱ ኣሎ። ነቲ ኦም ቆሪጾም ምስ ኣውደቕዎ፡ ኣብኡ ይቘራርጽዎ ወይ ከኣ ከይተቘርጸ ኸሎ ናብቲ ዚሰርሕሉ ቦታ የገዓዕዝዎ ነበሩ። እዚ ዕዮ እዚ፡ ኣካላዊ ብርታዐ ዚሓትት ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴዎስ 3:10) ኢሳይያስ ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ግዜ፡ ጸረብቲ ይጥቀምሉ ዝነበሩ ናውቲ ዘርዚሩ ኣሎ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ጸራቢ ገመድ ይግትር፡ ብመንደፊ ይነድፎ፡ ብመንደል ይነድሎ፡ ብመመዓራረዪ ይሕንጽጾ።” (ኢሳይያስ 44:13) ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ከም ዘረጋገጾ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ካብ ሓጺን እተሰርሐ መጋዝ፡ ካብ እምኒ እተሰርሐ መዶሻ፡ ከምኡውን ካብ ብሮንዞ እተሰርሐ ምስማር ይጥቀሙ ነበሩ። (ዘጸኣት 21:6፣ ኢሳይያስ 10:15፣ ኤርምያስ 10:4) እምበኣር፡ የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ይጥቀም ከም ዝነበረ ምሕሳብ ርትዓዊ እዩ።

እቶም የሱስ ኣብ ምስላኡ ዝጠቐሶም “ሸረፍቲ” እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ብኸመይከ ይዓዩ ነበሩ፧

የሱስ፡ ሓደ ጐይታ ንሓደ ሃካይ ባርያ፡ “እቲ ገንዘበይ ን[ሸ]ረፍቲ ኽትህቦም [“ኣብ ባንክ ከተእትዎ፡” ትርጕም 1990] ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ” ኢሉ ኸም ዝገንሖ ተዛሪቡ ኣሎ።—ማቴዎስ 25:27

ከምቲ ሎሚ ዘሎ ዓበይቲ ገንዘባዊ ትካላት፡ ብግዜ የሱስ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ኣለቃሕቲ ገንዘብ ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ዚኽፈል ወለድ ዘለዎ ገንዘብ ይቕበሉን ብዝለዓለ መጠን ወለድ የለቅሑን ነበሩ። ከምቲ ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት ዝበሎ፡ ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ምስ ወለዱ ዚኽፈል ልቓሕ ኣብ ግሪኽ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ብሮማውያን ተረኺቡ ዝነበረ ግዜ ሰላም ድማ፡ ኣብ መላእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ዓመታዊ መጠን ወለድ፡ ኣብ መንጎ 4ን 6ን ሚእታዊት ክብ ለጠቕ ይብል ነበረ።

ሕጊ ሙሴ ንእተሸገሩ ሰባት ብወለድ ገንዘብ ምልቃሕ ይኽልክል ነበረ። (ዘጸኣት 22:25) እዚ ሕጊ እዚ፡ ብቐዳምነት ነቶም ድኻታት ኣብ ዚወሃብ ልቓሕ ዚውዕል እዩ ዚመስል። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ኸም እተጠቕሰ፡ ኣብ ኣለቃሕቲ ገንዘብ ወይ “ሸረፍቲ” ኻብ እተቐመጠ ገንዘብ፡ ወለድ ምርካብ ልሙድ ነበረ። ስለዚ፡ የሱስ ከም ልማዱ እቶም ሰማዕቱ ዚፈልጥዎ ነገር እዩ ተጠቒሙ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ