ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/6 ገጽ 3
  • እንታይነት ሓጢኣት ስሒትናዮ ዲና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እንታይነት ሓጢኣት ስሒትናዮ ዲና፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበረ ኣረኣእያ እተቐየረ ብኸመይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሞቱ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • “ሸውዓተ ውጉዝ ሓጢኣት” ወይ “ሸውዓተ ዓበይቲ ሓጢኣት” ኣሎ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሓጢኣት ዘይህልወሉ ግዜ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/6 ገጽ 3

እንታይነት ሓጢኣት ስሒትናዮ ዲና፧

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ምእመናን ቤተ-ክርስትያን፡ ሓደ ሰባኺ ብዛዕባ እቲ ብልምዲ “ሸውዓተ ውጉዝ ሓጢኣት” ተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ ማለት ብዛዕባ ህርፋን ጾታዊ ርክብ፡ ህርፋን ብልዕን መስተን፡ ቅንኢ፡ ስስዐ፡ ቍጥዓ፡ ትህኪት፡ ትዕቢት ብተደጋጋሚ ኺዛረብ ከሎ ይሰምዑ ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ እቲ ሰባኺ ብዛዕባ ሳዕቤን ሓጢኣት ይገልጽን ሰማዕቱ ንኺንስሑ ይምሕጸኖምን ነበረ። ሓደ ጸሓፊ፡ “ሕጂ ዚቐርብ መብዛሕትኡ ሃይማኖታዊ መልእኽትታት፡ ነቲ ባህ ዘየብል ሓጢኣት ገዲፉ፡ ኣብቲ ‘ባህ ከም ዚብለካ’ ዚገብር ኣርእስትታት እዩ ዜተኵር” በለ።

ጋዜጠኛታት እውን፡ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ካብ ጋዜጣታት እተወስደ ሒደት ርእይቶታት እስከ ንርአ፦

▪ “እቲ ኻብ ቀደም ኣትሒዙ ኽፍሊ ሓጢኣት ዝዀነ ንስሓን ድሕነትን ተፈታውነቱ ኺስእን ከሎ፡ ርእሰ-ተኣማንነትን ርእሰ-ፍቕርን ዜተባብዕ ትምህርቲ ድማ ብዝያዳ ይፍቶ ኣሎ።”—ስታር ቢከን፡ ኣሽታብዩል፡ ኦሃዮ።

▪ “ሰባት ብዛዕባ እቲ ብውልቆም ዚፍጽምዎ ሓጢኣት ግዲ የብሎምን።”—ኒውስዊክ።

▪ “‘ኣምላኽ እንታይ ኪገብረለይ ይኽእል፧’ ኢልና ደኣ እምበር፡ ‘ኣምላኽ ኬማልኦ ዝደልየኒ ብቕዓት እንታይ እዩ፧’ ኢልና ምሕታት ሓዲግናዮ ኢና።”—ቺካጎ ሳን-ታይምስ።

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እተፈላለየ መበቈል ዘለዎን ንኣረኣእያ ኻልኦት ዚጻወርን ሕብረተሰብ ዚነብሩ ሰባት፡ ብስነ-ምግባር ዝመጸ ንኻልኦት ካብ ምፍራድ ሰጋእ መጋእ ይብሉ እዮም። ከመይሲ፡ ብኣረኣእያ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንኻልኦት ምፍራድ ቅኑዕ ኣይኰነን። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ከም ከቢድ ሓጢኣት ጌርካ እዩ ዚርአ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ‘እትኣምነሉ ነገር ንዓኻ ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ካልኦት ንኣተሓሳስባኻ ኪቕበልዎ ግን ጸቕጢ ኽትገብረሎም የብልካን። ሎሚ፡ ሰባት ንህይወቶም ብእተፈላለየ ስርዓታት እዮም ዚመርሕዋ። ቅኑዕ ዘበለ እትፈልጥ ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን። ካልኦት ሰባት ዚስዕብዎ ስርዓታት እውን፡ ልክዕ ከምቲ ናትካ ቕኑዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ’ ዚብል ኣረኣእያ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ሰባት ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበሮም ኣረኣእያ ኸም ዚቕይሩ ገይሩ እዩ። ከይተመርዓኻ ምስ ኣንጻር ጾታ ምንባር፡ ዝሙት፡ ግብሪ ሶዶም ከም ከቢድ ሓጢኣት ኣይቍጸርን እዩ ዘሎ።

እቲ ሰባት ከም “ንቡር” ገይሮም ዚቕበልዎ ወይ ከኣ ከም “ሓጢኣት” ዚቘጽርዎ ነገራት ከም እተቐየረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ስለምንታይ እዩ ግን ኣመለኻኽታ ሰባት ተቐዪሩ፧ ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበረ ኣረኣእያ እንታይ እዩ ዚኸውን ዘሎ፧ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘሎካ ርእይቶኸ ብሓቂ ኣገዳሲ ድዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ