ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 54
  • ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሞቱ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሞቱ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • የሱስ መድሓኒ ኢዩ—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ስለምንታይ እዩ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ሓጢኣት ዘይህልወሉ ግዜ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 54

ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሞቱ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ምናዳ እንቐርቦም ሰባት ኪሞቱ ኸለዉ፡ ስለምንታይ ሰባት ከም ዚሞቱ ምሕታት ባህርያዊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንደፍ ሞትሲ ሓጢኣት እዩ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 15:56።

ስለምንታይ እዮም ኵሎም ሰባት ዚሓጥኡን ዚሞቱን፧

እቶም ቀዳሞት ሰባት ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስለ ዝሓጥኡ፡ ህይወቶም ስኢኖም እዮም። (ዘፍጥረት 3:17-19) ካብቲ “ምንጪ ህይወት” ዝዀነ ኣምላኽ ብምዕላዎም፡ እዚ ሞት ኣስዒቡሎም እዩ።—መዝሙር 36:9፣ ዘፍጥረት 2:17።

ኣዳም ንዅሎም ዘርኡ ሓጢኣት ኣመሓላሊፉሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ” ይብል። (ሮሜ 5:12) እምበኣር፡ ኵሎም ሰባት ሓጥኣን ስለ ዝዀኑ እዮም ዚሞቱ።

ሞት ብኸመይ ይውገድ፧

ኣምላኽ ‘ንሞት ንዘለኣለም ከም ዚውሕጦ’ ኣተስፍዩ እዩ። (ኢሳይያስ 25:8) ንሞት ንምውጋድ ከኣ፡ ነቲ ሱር ጠንቁ ዝዀነ ሓጢኣት ኬወግዶ እዩ። ነዚ ድማ በቲ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ” እተባህለሉ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኺገብሮ እዩ።—ዮሃንስ 1:29፣ 1 ዮሃንስ 1:7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ