ንመውስቦ ኻብ ኣምላኽ ከም እተዋህበካ ውህበት ጌርካ ርኣዮ
“ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።”—ዘፍ. 2:24።
1. የሆዋ ኽብሪ ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧
እቲ መስራቲ መውስቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብርግጽ ክብሪ ይግብኦ እዩ። ፈጣሪናን ልዑላዊ ጐይታናን ሰማያዊ ኣቦናን ስለ ዝዀነ፡ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ካብኡ እዩ። (ያእ. 1:17፣ ራእ. 4:11) እዚ ኸኣ መግለጺ እታ ዓባይ ፍቕሩ እዩ። ኵሉ እቲ ንሱ ዚምህረናን ዚሓትተናን ዚህበናን ነገራት፡ ንጥቕምና እዩ።—ኢሳ. 48:17።
2. የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር እንታይ መምርሒታት እዩ ሂብዎም፧
2 መጽሓፍ ቅዱስ ንመውስቦ ኸም ሓደ ኻብቲ “ጽቡቕ” ውህበታት ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (ሩት 1:9፣ 2:12) የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ዘመራዓወሉ እዋን፡ ሓዳሮም ጽቡቕ ንኪኸውን መምርሒታት ሂብዎም እዩ። (ማቴዎስ 19:4-6 ኣንብብ።) መምርሒታቱ እንተ ዚስዕቡ ነይሮም፡ ነባሪ ሓጐስ ምረኸቡ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ዕሽነት ተላዒሎም ትእዛዙ ጠሓሱ፡ ሕማቕ ሳዕቤናት ድማ ዓጸዱ።—ዘፍ. 3:6-13, 16-19, 23።
3, 4. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንመውስቦን ንየሆዋ ኣምላኽን ንዕቀት ዜርእዩ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኣብነታት ክንርኢ ኢና፧
3 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እውን፡ ኣብ ሓዳሮም ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ከምቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር፡ ንመምርሒታት የሆዋ ግዲ የብሎምን። ገሊኦም ብዘይ መውስቦ ተኣኻኺቦም ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ፣ ገሊኦም ከኣ ንመውስቦ ኸም ዝደለይዎ ገይሮም እዮም ዚትርጕምዎ። (ሮሜ 1:24-32፣ 2 ጢሞ. 3:1-5) መውስቦ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ምዃኑ ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። ነዚ ውህበት እዚ ምንዓቖም ከኣ፡ ነቲ ምንጪ እቲ ውህበት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝነዓቕዎ እዩ ዚቝጸር።
4 ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ካብ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ ይስሕትዎ እዮም። ገሊኦም ክርስትያን ሰብ ሓዳር ተፈላልዮም፡ ወይ ብዘይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ተፋቲሖም እዮም። እዚ ብኸመይ ኪውገድ ይከኣል፧ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 2:24 ዚርከብ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ፡ ንምርዑዋት ክርስትያናት፡ ሓዳሮም ንምድልዳል ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ እቶም ኪምርዓዉ ዚሓስቡ ዘለዉ ሰባትከ ብኸመይ ኪዳለዉ ይኽእሉ፧ ንየሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት ንነባሪ መውስቦ ኣገዳሲ ረቛሒ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሰለስተ ዕዉት ሓዳር እስከ ንርአ።
እሙን ኩን
5, 6. ንዘካርያስን ንኤልሳቤጥን እንታይ ፈታኒ ዅነታት እዩ ነይርዎም ኪኸውን ዚኽእል፧ ስለቲ ተኣማንነቶም እተባረኹኸ ብኸመይ እዮም፧
5 ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ቅኑዕ ዘበለ ይገብሩ ነበሩ። ሓዳር ኪምስርቱ ኸለዉ፡ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ እዮም ሓርዮም። ዘካርያስ ነቲ ኸም ካህን መጠን ዝነበሮ ዕዮ ብተኣማንነት ይፍጽም ነበረ። ንሱን ሰበይቱን እውን ብእተኻእሎም መጠን ሕጊ ኣምላኽ ይሕልዉ ነበሩ። ብዙሕ ዜመስግኑሉ ነገራት ከም ዝነበሮም ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግን፡ እታ ኣብ ይሁዳ እትርከብ ቤቶም፡ ሓደ ነገር ይጐድላ ነበረ። ውሉዳት ኣይነበርዎምን። ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት፣ ክልቲኦም እውን ኣረገውቲ ነበሩ።—ሉቃ. 1:5-7።
6 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ውሉድ ምውላድ ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ ነይሩ፣ መብዛሕትአን ስድራ ቤታት ድማ ብዙሓት ኣባላት እዮም ነይሮምወን። (1 ሳሙ. 1:2, 6, 10፣ መዝ. 128:3, 4) ኣብቲ ግዜ እቲ ዚነብሩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ሰብኡት፡ ኣንስቶም ውሉድ እንተ ዘይወሊደናሎም፡ ይፈትሕወን ነይሮም እዮም። ዘካርያስ ግን ንኤልሳቤጥ እሙን እዩ ነይሩ። ንሱ ዀነ ሰበይቱ ቓል ኪዳኖም ኬፍርሱ ኣይደለዩን። ውሉድ ዘይምርካቦም እኳ እንተ ኣሕዘኖም፡ ብሓባር ኰይኖም ንየሆዋ ብተኣማንነት ካብ ምግልጋል ኣየቋረጹን። ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ እርጋኖም ወዲ ኸም ዚወልዱ ብምግባር፡ ኣብዚሑ ባሪኽዎም እዩ።—ሉቃ. 1:8-14።
7. ኤልሳቤጥ ንሰብኣያ እምንቲ ምዃና ብኸመይ ኣርኣየት፧
7 ኤልሳቤጥ ብኻልእ መገዲ እውን ዚነኣድ ተኣማንነት ኣርእያ እያ። ወዳ ዮሃንስ ኣብ እተወልደሉ እዋን፡ ዘካርያስ ንመልኣኽ ኣምላኽ ብምጥርጣሩ፡ ዓባስ ኰይኑ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ዘካርያስ ንሰበይቱ፡ እቲ ሕጻን፡ “ዮሃንስ” ተባሂሉ ኺስመ ኸም ዚግባእ በቲ መልኣኽ የሆዋ ኸም እተነግሮ ብገለ መገዲ ሓቢርዋ ኪኸውን ኣለዎ። ጐረባብትን ኣዝማድን፡ ነቲ ሕጻን ብስም ኣቦኡ ኺሰምይዎ ምስ ደለዩ፡ ኤልሳቤጥ ነቲ ሰብኣያ ዝሃባ መምርሒ ብተኣማንነት ብምስዓብ፡ “ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ እዩ ዚስመ” ኢላ መለሰት።—ሉቃ. 1:59-63።
8, 9. (ሀ) ተኣማንነት ንመውስቦ ኼደልድሎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑሉ ዚኽእሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
8 ሎሚ ዘለዉ ሰብ ሓዳር እውን፡ ከም ዘካርያስን ኤልሳቤጥን፡ እተፈላለየ ዜሕዝን ነገራትን ጸገማትን የጋጥሞም እዩ። ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም እሙናት እንተ ዘይኰይኖም፡ ሓዳሮም ጽቡቕ ኣይከውንን እዩ። ሓደ ብዓል ሓዳር ምስ ካልኦት እንተ ተዃሺሙ፡ ስእለ-ጽዩፍ እንተ ርእዩ፡ ወይ እንተ ዘምዩ፡ መጻምድቱ ኣብኡ ዝነበራ እምነት ንሓዋሩ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝነበረ እምነት እንተ ጠፊኡ ኸኣ፡ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍቕሪ ኺሃስስ ይጅምር። ተኣማንነት ከም ሓደ ኣብ ቤትካ ኺኣቱ ንዘይትደልዮ ዘበለ ዚከላኸል ሓጹር ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም እሙናት እንተ ዀይኖም፡ ከይተሰከፉ ስምዒቶም ኪገላለጹ ስለ ዚኽእሉ፡ ፍቕሮም ይዓቢ እዩ። እወ፡ ተኣማንነት ኣገዳሲ እዩ።
9 የሆዋ ንኣዳም፡ “ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ” ኢሉ ነጊርዎ እዩ። (ዘፍ. 2:24) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሰብ ሓዳር ምስ ፈተውቶምን ቤተሰቦምን ኣብ ዘለዎም ርክብ ምትዕርራይ ኪገብሩ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፎም፡ ቅድሚ ዅሉ ንመጻምድቶም ግዜን ኣቓልቦን ኪህቡ ኣለዎም። ንሓዳሮም ዕሽሽ ብምባል፡ ንፈተውቶም ወይ ንቤተሰቦም ቀዳምነት ኪህቡ የብሎምን። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሓዳሮም ኣብ ዚገብርዎ ውሳነ ወይ ኣብ ዚፍጠር ዘይምስምማዕ ወለዶም ጣልቃ ንኺኣትዉ ኺፈቕዱሎም ኣይግባእን። እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኺጠብቕ ኣለዎ። ኣምላኽ ከምኡ ኺገብሩ እዩ ኣዚዙ።
10. ሰብ ሓዳር እሙናት ንኪዀኑ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
10 ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት፡ ተኣማንነት ዓስቢ ኣለዎ። ሓንቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዘለዋ ሓብቲ፡ “ንሰብኣየይ ብኸመይ ከም ዝግዝኦን ከም ዘኽብሮን ትምህርቲ ብምርካበይ፡ ንየሆዋ ኣዝየ አመስግኖ እየ። እምንቲ ምዃነይ ን47 ዓመት ተፋቒርናን ተኸባቢርናን ንኽንነብር ኣኽኢሉና እዩ” በለት። (1 ቈረ. 7:10, 11፣ 1 ጴጥ. 3:1, 2) ስለዚ፡ ኣብ መንጎኹም ምትእምማን ንኺሓድር ኣበርቲዕካ ዕየ። ካብ መጻምድትኻ ንላዕሊ ኣብሊጽካ እትርእዮ ሰብ ከም ዘየልቦ፡ ብቓልካን ብተግባርካን ግለጽ። ብኣኻ ዝመጸ፡ ዋላ ሓደ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ኪኣቱ ኣይተፍቅድ። (ምሳሌ 5:15-20 ኣንብብ።) ንልዕሊ 35 ዓመት ዜሐጕስ ሓዳር ዘሕለፉ ሮንን ጀኔትን፡ “ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓት ብተኣማንነት ስለ እነማልእ፡ ዜሐጕስን ዕዉትን ሓዳር ኪህልወና ኽኢሉ እዩ” በሉ።
ሓድነት ንመውስቦ የድልድሎ
11, 12. ኣኪላስን ጵርስኪላን፡ (ሀ) ኣብ ቤቶም፡ (ለ) ኣብ ስራሖም፡ (ሐ) ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም፡ ተሓባቢሮም ዝዓዩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
11 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቱ ዝነበሩ ኣኪላስን ጵርስኪላን ፈላልዩ ጠቒስዎም ኣይፈልጥን እዩ። እዞም ብሓድነት ዝሰመሩ ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ” ኪዀኑ ኸም ዚግባእ ኣምላኽ እተዛረቦ ዘረባ ንኽንርድኦ ዚሕግዙ ጽቡቕ ኣብነት ይዀኑና እዮም። (ዘፍ. 2:24) ኣብ ቤቶምን ኣብ ስራሖምን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶምን ወትሩ ሓቢሮም ይዓዩ ነበሩ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ንፈለማ እዋን ናብ ቈረንቶስ ምስ ከደ፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብ ቤቶም ንኺጸንሕ ብሕያውነት ዓደምዎ፣ ጳውሎስ ኣብ ቤቶም ተቐሚጡ የገልግል ከም ዝነበረ ኸኣ ርዱእ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣብታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ቤቶም ኣኼባታት ጉባኤ ይግበር ነበረ፣ ከም ኣጵሎስ ንዝኣመሰሉ ሓደስቲ ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኣብ ምሕጋዝ ድማ ሓቢሮም ይዓዩ ነበሩ። (ግብ. 18:2, 18-26) እዞም ብቕንኣት ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር፡ ናብ ሮሜ ምስ ገዓዙ እውን፡ ኣብ ቤቶም ኣኼባታት ጉባኤ ይግበር ነበረ። ድሕርዚ፡ ናብ ኤፌሶን ተመሊሶም ንኣሕዋቶም የተባብዑ ነበሩ።—ሮሜ 16:3-5።
12 ብዘይካዚ፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን ንእተወሰነ እዋን ምስ ጳውሎስ ሓቢሮም ድንኳን ይሰፍዩ ነበሩ። ኣብቲ ዕዮኦም እውን፡ ንሓድሕዶም ይወዳደሩ ወይ ይበኣሱ ኣይነበሩን፣ የግዳስ፡ ይተሓባበሩ ነበሩ። (ግብ. 18:3) ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ብሓባር ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ግዜ እዩ ንሓዳሮም ድልዱልን ዜሐጕስን ከም ዚኸውን ዝገበሮ። ኣብ ቈረንቶስ ኰነ፡ ኣብ ኤፌሶን ኰነ፡ ወይ ኣብ ሮሜ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ብክርስቶስ የሱስ መዓይይቲ” ብምዃኖም እዮም ዚፍለጡ ዝነበሩ። (ሮሜ 16:3) ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ንረብሓ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ሓቢሮም ይዓዩ ነበሩ።
13, 14. (ሀ) ኣብ መውስቦ፡ ሓድነት ኪዘርግ ዚኽእል ኵነታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ሰብ ሓዳር ከም “ሓደ ስጋ” መጠን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓድነት ንኼደልድሉ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
13 ብርግጽ፡ ሰብ ሓዳር ኣብ ሸቶኦምን ኣብ ንጥፈታቶምን ሓድነት እንተ ኣልዩዎም፡ መውስቦኦም ይድልድል እዩ። (መክ. 4:9, 10) እቲ ዜሕዝን ግን፡ ሎሚ መብዛሕትኦም ሰብ ሓዳር ሓቢሮም ብዙሕ ግዜ ኣየሕልፉን እዮም። ኣብ እተፈላለየ ስራሕ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ይሰርሑ እዮም። ገሊኦም ብስራሕ ንነዊሕ ግዜ ይገሹ፡ ወይ በይኖም ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ብምስራሕ ናብ ስድራኦም ገንዘብ ይልእኹ እዮም። ኣብ ቤት እውን እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ኣብ ተለቪዥን፡ ስፖርት፡ ጸወታታት ቪድዮ፡ ኢንተርነት፡ ወይ ካልእ መሕለፍ ግዜ ብዙሕ ሰዓታት ስለ ዜጥፍኡ፡ ንሓድሕዶም ኪቀራረቡ ኣይክእሉን እዮም። ንዓኻኸ እዚ ነገር እዚ ኣብ ሓዳርካ ሽግር ፈጢሩልካዶ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ምስ መጻምድትኻ ሓቢርኩም ግዜ ምእንቲ ኸተሕልፉ፡ ኵነታትኩም ከተተዓራርዩ ትኽእሉዶ፧ ሓቢርኩም ምግቢ ኽትሰርሑ፡ ኣቕሑ ኽትሓጽቡ፡ ወይ ኣብ ቀጽሪ ቤትኩም እተፈላለየ ዕዮታት ክትዓዪ ትኽእሉዶ፧ ብሓባር ንደቅኹም ክትከናኸኑ ወይ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለድኹም ክትኣልዩ ትኽእሉዶ፧
14 ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስ ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ዚተሓሓዝ ንጥፈታት ብቐጻሊ ሓቢርኩም ግዜ ኣሕልፉ። ብሓባር ዕለታዊ ጥቕስን ኣምልኾ ስድራ ቤትን ምግባር እውን፡ ስድራ ቤትኩም ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን ሸቶን ከም ዚህልዋ ንኽትገብሩ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልኩም እዩ። ሓቢርኩም እውን ኣገልግሉ። ኵነታትኩም ዚፈቕደልኩም እንተ ዀይኑ፡ ዋላ እውን ንሓንቲ ወርሒ ወይ ንሓደ ዓመት፡ ሓቢርኩም ፈለምቲ ኽትኰኑ ጽዓሩ። (1 ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ።) ምስ ሰብኣያ ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ሓንቲ ሓብቲ፡ “ኣገልግሎት ሓደ ኻብቲ ብሓባር ግዜ ኸነሕልፍን ናይ ልብና ኽንዘራረብን ዜኽእለና መገድታት እዩ። ክልቴና ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መገዲ ንምሕጋዝ ሸቶ ስለ ዝነበረና፡ ብሓቂ ዝሓበርና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ሰብኣየይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ቀረባ መሓዛይ ከም ዝዀነ እዩ ተሰሚዑኒ” በለት። ምስ መጻምድትኻ ሓቢርኩም እትዓዩ እንተ ዄንኩም፡ ድሌትኩምን ልማዳትኩምን ቀዳምነት እትህብዎ ነገራትን በብቝሩብ እናተመሳሰለ ይኸይድ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ከም ኣኪላስን ጵርስኪላን፡ ሓሳባትኩምን ስምዒታትኩምን ተግባራትኩምን ሕደ ስለ ዚኸውን፡ “ሓደ ስጋ” ትዀኑ።
ንመንፈሳውነት ቀዳምነት ሃብ
15. መውስቦ ዕዉት ንኪኸውን ዚሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧ ግለጽ።
15 የሱስ ነቲ ንኣምላኽ ኣብ መውስቦ ቐዳማይ ቦታ ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ይፈልጦ ነይሩ እዩ። የሆዋ ነቲ ቐዳማይ መርዓ ኣብ ዜካይደሉ እዋን፡ የሱስ ይርእዮ ነይሩ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን መምርሒ ኣምላኽ ኣብ ዝሰዓቡሉ እዋን ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ከም ዝነበሩ ተዓዚቡ እዩ። መምርሒ ኣምላኽ ዕሽሽ ምስ በሉ ግን፡ እንታይ ከም ዘስዓበሎም ብዓይኑ ርእይዎ እዩ። ስለዚ፡ ኪምህር ከሎ፡ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 2:24 ዚርከብ መምርሒ ኣቦኡ ኣቃሊሑ እዩ። “ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” ዚብል ሓሳብ እውን ወሲኹሉ እዩ። (ማቴ. 19:6) እምበኣር፡ መውስቦ ዜሐጕስን ዕዉትን ንኪኸውን ዚሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ንየሆዋ ዘለዎም ዓሚቝ ኣኽብሮት እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቶም ምድራውያን ኣቦኡን ኣዲኡን ዝነበሩ ዮሴፍን ማርያምን፡ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ሓዲጎም እዮም።
16. ዮሴፍን ማርያምን ዝነበሮም መንፈሳውነት ኣብ ናብራ ስድራ ቤቶም እተራእየ ብኸመይ እዩ፧
16 ዮሴፍ ንማርያም ብለውሃትን ብኣኽብሮትን እዩ ዚሕዛ ዝነበረ። ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ፡ መልኣኽ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝጠነሰት ከይነገሮ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ምሕረት ኪገብረላ ደልዩ ነበረ። (ማቴ. 1:18-20) ክልቲኦም ኣዋጅ ቄሳር የኽብሩ፡ ሕጊ ሙሴ እውን ተጠንቂቖም ይሕልዉ ነበሩ። (ሉቃ. 2:1-5, 21, 22) ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ዓበይቲ ሃይማኖታዊ በዓላት ናይ ግድን ኪኸዱ ዝነበሮም ሰብኡት ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ፡ ዮሴፍን ማርያምን ግን ምስ ኣባላት ስድራ ቤቶም ብሓባር ኰይኖም ኣብ ዓዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። (ዘዳ. 16:16፣ ሉቃ. 2:41) እዞም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰብ ሓዳር፡ በዝን ብኻልእ መገድታትን ንየሆዋ ኼሐጕሱን ንመንፈሳዊ ነገራት ዓሚቝ ኣኽብሮት ኬርእዩን ጸዓሩ። የሆዋ ንወዱ ኺከናኸኑ ንዓታቶም ምሕራዩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
17, 18. (ሀ) ሰብ ሓዳር ንመንፈሳውነቶም ቀዳምነት ኪህቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እዚ ብኸመይ ይጠቕሞም፧
17 እሞኸ መንፈሳውነት ኣብ ናብራ ስድራ ቤትኩም ሓያል ጽልዋ የሕድር ድዩ፧ ንኣብነት፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ክትገብሩ ኸለኹም፡ ፈለማ ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ምርምር ትገብሩ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ትጽልዩ፡ ድሕሪኡ ኻብ ብሱል ክርስትያን ምኽሪ ትሓትቱ ዲኹም፧ ወይስ ኣብ ስምዒትኩምን ስምዒት ስድራ ቤትኩምን ፈተውትኹምን ተመርኲስኩም ኢኹም ነቲ ጸገም ክትፈትሕዎ እትፍትኑ፧ ነቲ ብዛዕባ መውስቦን ናብራ ስድራ ቤትን ዚምልከት ብእሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዚወሃብ ግብራዊ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ኸተውዕልዎ ትጽዕሩ ዲኹም፧ ወይስ ባህሊ ዓድኹምን ዓለማዊ ምኽርን ኢኹም እትስዕቡ፧ ብስድራ ቤት ብሓባር ትጽልዩን ተጽንዑን መንፈሳዊ ሸቶታት ተውጽኡን ቀዳምነት ብዛዕባ እትህብዎ ነገራት ትዘራረቡን ዲኹም፧
18 ረይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዜሐጕስ ሓዳሩ ዘሕለፎ 50 ዓመት ኪዛረብ ከሎ፡ “ንየሆዋ ኸም ክፋል እቲ ‘ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ’ ስለ ዝገበርናዮ፡ ክንሰግሮ ዘይከኣልና ጸገም ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን እዩ” በለ። (መክብብ 4:12 ኣንብብ።) ዳኒን ትሪናን እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑ እዮም። “ብሓባር ንኣምላኽ ስለ እነገልግል፡ ሓዳርና ደልዲሉ እዩ” በሉ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም፡ ንልዕሊ 34 ዓመት ዜሐጕስ ሓዳር ኣሕሊፎም እዮም። ንስኻ እውን ወትሩ ንየሆዋ ቐዳምነት እንተ ሂብካዮ፡ ንኽትዕወት ኪሕግዘካን ኣብዚሑ ኺባርኸካን እዩ።—መዝ. 127:1።
ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ውህበት ኣኽቢርካ ርኣዮ
19. ኣምላኽ ንመውስቦ ዘዳለዎ ስለምንታይ እዩ፧
19 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ ንዓታቶም ዜሐጕሶም ነገር እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባ ኻልእ ግዲ የብሎምን። ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ካብዚ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ኣምላኽ ንመውስቦ፡ ዕላማኡ ንምፍጻም ዜገልግል ውህበት ገይሩ ኸም ዘዳለዎ ይፈልጡ እዮም። (ዘፍ. 1:26-28) ኣዳምን ሄዋንን ነዚ ውህበት እዚ ኣኽቢሮም እንተ ዚርእይዎ ነይሮም፡ ምልእቲ ምድሪ ብሕጉሳትን ብጻድቃንን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝመልአት ገነት ምዀነት።
20, 21. (ሀ) ንመውስቦ ኸም ቅዱስ ጌርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ሰሙን ብዛዕባ እንታይ ውህበት ኢና ኸነጽንዕ፧
20 ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንመውስቦ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽኡሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (1 ቈረንቶስ 10:31 ኣንብብ።) ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ ተኣማንነትን ሓድነትን መንፈሳውነትን ንመውስቦ ዜደልድል ኣምላኻዊ ባህርያት እዩ። ስለዚ፡ ንመውስቦ እንዳሎ፡ ወይ ሓዳርና ንምድልዳል እንዓዪ፡ ወይ ሓዳርና ኸይበታተን እንቃለስ ዘለና ንኹን ብዘየገድስ፡ ፈለማ ንመውስቦ ኸም ኣምላኽ ዝተኸሎ ቕዱስ ትካል ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ምሓዝና፡ ምስ መውስቦ እተተሓሓዘ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ብእተኻእለና መጠን ኣብ ቃል ኣምላኽ ንኽንምርኰስ ይድርኸና እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ንውህበት መውስቦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወሃቢ እቲ ውህበት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እውን ኣኽብሮት ነርኢ።
21 ይኹን እምበር፡ መውስቦ ጥራይ ኣይኰነን ካብ የሆዋ እተዋህበና ውህበት። ኣብ ህይወትና እውን ብእኡ ጥራይ ኣይኰነን ሓጐስ ዚርከብ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣምላኽ ዝሃበና ኻልእ ክቡር ውህበት ክንርኢ ኢና። እዚ ኸኣ ንጽል ኴንካ ምንባር እዩ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ተኣማንነት ንምርዑዋት ክርስትያናት ብኸመይ ኪጸልዎም ኣለዎ፧
• ብሓባር ምዕያይ፡ ኣብ ሓዳር ሓድነት ዜምጽእ ስለምንታይ እዩ፧
• ሰብ ሓዳር ንመንፈሳውነት ቀዳማይ ቦታ ኺህቡሉ ዚኽእሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
• ነቲ መስራቲ መውስቦ ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ሰብ ሓዳር ብሓባር ዚዓይዩ እንተ ዀይኖም፡ ሓድነት ይህልዎም