ንጽል ኴንካ ንእትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
“ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ።”—ማቴ. 19:12።
1, 2. (ሀ) የሱስን ጳውሎስን ካልኦት ሰባትን ነቲ ንጽል ብምዃን ዚንበር ናብራ ብኸመይ ረኣይዎ፧ (ለ) ገሊኦም ነቲ ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራ ኸም ውህበት ገይሮም ዘይርእይዎ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
መውስቦ ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም ኣዝዩ ኽቡር ውህበታት ምዃኑ ኣየተሓታትትን እዩ። (ምሳ. 19:14) ኰይኑ ግን፡ ብዙሓት ንጽል ክርስትያናት እውን ሓጐስን ዕግበትን ዝመልኦ ህይወት ኣለዎም። ሃሮልድ ዚበሃል ተመርዕዩ ዘይፈልጥ ወዲ 95 ዓመት ሓው፡ “ምስ ካልኦት ምዃንን ንሰባት ምእንጋድን ዜሐጕሰኒ እኳ እንተ ዀነ፡ በይነይ ክኸውን ከለኹ ግን፡ ጽምዋ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን እዩ። ንጽል ምዃን ከም ውህበት ተዋሂቡኒ ኽብል ዝኽእል ይመስለኒ” በለ።
2 ከምቲ መውስቦ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ዝዀነ፡ እቲ ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራ እውን ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ከም ዝዀነ፡ የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያ ጳውሎስን ገሊጾም ኣለዉ። (ማቴዎስ 19:11, 12፣ 1 ቈረንቶስ 7:7 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ኵሉ ዘይተመርዓወ ዘበለ፡ ብምርጫኡ ኣይኰነን ንጽል ዚኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ንዕኡ ዚዀኖ መጻምድቲ ይስእን እዩ። ወይ እውን ገሊኦም ንነዊሕ ዓመታት ሓዳር ገይሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰንኪ ፍትሕ ወይ ሞት መጻምድቶም፡ ብድንገት በይኖም ይተርፉ እዮም። እሞ ደኣ ንጽል ምዃን ከመይ ጌርካ እዩ ውህበት ኪበሃል ዚከኣል፧ ንጽል ክርስትያናትከ ንናብራኦም ብኸመይ እዮም ብዝበለጸ መገዲ ኺጥቀሙሉ ዚኽእሉ፧
ፍሉይ ውህበት
3. መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንጽል ክርስትያናት እንታይ ሓለፋታት እዩ ዘለዎም፧
3 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዘይተመርዓወ ሰብ ካብ ምርዑው ሰብ ንላዕሊ ዝያዳ ግዜን ናጽነትን ኣለዎ። (1 ቈረ. 7:32-35) እዚ ኸኣ ኣገልግሎቱ ንኼስፍሕ፡ ንኻልኦት ኣብ ዘለዎ ፍቕሪ ልቡ ንኼግፍሕ፡ ናብ የሆዋ እውን ብዝያዳ ንኪቐርብ፡ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ይኸፍተሉ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓያሎ ክርስትያናት ንጽል ምዃን ዘለዎ ጥቕምታት ስለ እተረድኡ፡ እንተ ወሓደ ንእተወሰነ ግዜ፡ ነዚ ዓይነት ናብራ ‘ኪቕበልዎ’ ወሲኖም እዮም። ገሊኦም ሰባት ንጽል ኪዀኑ እኳ እንተ ዘይመደቡ፡ ኵነታቶም ምስ ተቐየረ ግን፡ ብዛዕባኡ ብጸሎት ድሕሪ ምስትንታን፡ ብሓገዝ የሆዋ ንጽል ንምዃን ብልቦም ኪውድእዎ ኸም ዚኽእሉ ተገንዚቦም እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ኵነታቶም ዘጋጠሞም ለውጢ ተቐቢሎም፡ ንጽል ኰይኖም ኪነብሩ ኽኢሎም እዮም።—1 ቈረ. 7:37, 38።
4. ንጽል ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ጐደሎ ኸም ዝዀኑ ዀይኑ ኺስምዖም ዘይግባእ ስለምንታይ እዩ፧
4 ንጽል ክርስትያናት፡ ብየሆዋን ብውድቡን ኣኽቢርካ ንኺረኣዩ፡ ግድን ኪምርዓዉ ኸም ዘየድልዮም ይፈልጡ እዮም። ኣምላኽ ንዅላትና ብደረጃ ውልቀ-ሰብ የፍቅረና እዩ። (ማቴ. 10:29-31) ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። (ሮሜ 8:38, 39) ምርዑዋት ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጐደሎ ኸም ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና ኣይግባእን።
5. ሓደ ሰብ ንጽል ብምዃን ካብ ዚነብሮ ናብራ ኣጸቢቑ ንኺጥቀም እንታይ የድልዮ፧
5 ይኹን እምበር፡ ከምቲ ሙዚቃዊ ዀነ ስፖርታዊ ተውህቦ ዘለዎ ሰብ ንኽእለቱ ንኼማዕብሎ ጻዕሪ ኺገብር ዜድልዮ፡ ንጽል ኪኸውን ከም ውህበት እተዋህቦ ሰብ እውን ኣጸቢቑ ንኺጥቀመሉ ጻዕሪ ኺገብር የድልዮ እዩ። እሞ ደኣ፡ ሎሚ ዘለዉ ንጽል ክርስትያናት—ኣሕዋት ኰኑ ኣሓት፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ዀኑ ዘይደፍኡ፡ ብምርጫኦም ዘይተመርዓዉ ዀኑ ዅነታት ዘገደዶም ብዘየገድስ—ንናብራኦም ጽቡቕ ገይሮም ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ካብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከብ ዜተባብዕ ኣብነታት ንመርምር፡ ካብኡ እንረኽቦ ትምህርቲ እውን ንርአ።
ብዕድመ ንኣሽቱ
6, 7. (ሀ) እተን ደናግል ኣዋልድ ፊልጶስ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እንታይ ፍሉይ መሰል እየን ረኸበን፧ (ለ) ጢሞቴዎስ፡ ንጽል ኰይኑ ንዝነበሮ ናብራ ጽቡቕ ገይሩ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኼገልግል ፍቓደኛ ብምዃኑኸ እንታይ በረኸት ረኸበ፧
6 ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ፡ ከምቲ ንሱ ንወንጌል ዝነበሮ ቕንኣት ዝነበረን ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልድ ነበራኦ። (ግብ. 21:8, 9) ምንባይ ትንቢት ሓደ ኻብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዚርከብ ተኣምራዊ ውህበት እዩ፣ ከም መፈጸምታ እቲ ኣብ ዮኤል 2:28, 29 ዚርከብ ትንቢት ከኣ፡ እተን ኣዋልድ፡ ካብቲ ውህበት እቲ ተጠቕማ።
7 ጢሞቴዎስ፡ ሓደ ኻብቶም ንጽል ኴንካ ንዚንበር ናብራ ጽቡቕ ገይሮም እተጠቕሙሉ መንእሰያት እዩ። ኤውንቄ ኣዲኡን ሎኢስ ዓባዩን ካብ ንእስነቱ ጀሚረን “ቅዱሳት ጽሑፋት” ምሂረናኦ ነይረን እየን። (2 ጢሞ. 1:5፣ 3:14, 15) ኣዲኡን ዓባዩን ክርስትና እተቐበላ፡ ኣብ ከባቢ 47 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ንመጀመርታ እዋን ናብ ዓዶም፡ ናብ ልስጥራ፡ ምስ መጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ጳውሎስ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ዓዶም ምስ ከደ፡ ጢሞቴዎስ ኣብ መወዳእታ ዓሰርተታት ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዕድመ ንእሽቶ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዝነበሩ ክርስትያን ሽማግለታት “ጽቡቕ መስኪሮምሉ” ነበሩ። (ግብ. 16:1, 2) ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ መገላግልቱ ዀይኑ ምስኡ ኺጐዓዝ ዓደሞ። (1 ጢሞ. 1:18፣ 4:14) ጢሞቴዎስ ፈጺሙ ኸም ዘይተመርዓወ ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን፡ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ጳውሎስ ዘቕረበሉ ዕድመ ተሓጒሱ ኸም እተቐበሎ፡ ከይተመርዓወ ኸኣ ንነዊሕ ዓመታት ሚስዮናውን ሓላውን ኰይኑ ኸም ዘገልገለ ንፈልጥ ኢና።—ፊል. 2:20-22።
8. እቲ ዮሃንስ ዚበሃል ማርቆስ፡ ንመንፈሳዊ ሸቶታት ንኺስዕብ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ ከምኡ ብምግባሩኸ እንታይ በረኸት ረኸበ፧
8 እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዮሃንስ ዚበሃል ማርቆስ እውን፡ ነቲ ንጽል ኴንካ እትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ገይሩ ተጠቒሙሉ እዩ። ንሱን ኣዲኡ ማርያምን ወዲ ሓወቦኡ በርናባስን፡ ቀዳሞት ኣባላት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ እዮም ነይሮም። ስድራ ቤቱ ኣብ ከተማ ቤትን ግዙኣትን ስለ ዝነበርዎም፡ ምሹእ ናብራ ነይርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 12:12, 13) ኰይኑ ግን፡ ዋላ እኳ እዚ ሓለፋታት እዚ እንተ ነበሮ፡ መንእሰይ ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ቃሕ ዝበሎ ዚገብር ወይ ፈታዊ ርእሱ ኣይነበረን። ወይ ድማ ሓዳር ገይሩ ምሹእ ናብራ ኺነብር ኣይበሃገን። እቲ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ምስ ሃዋርያት ዝነበሮ ርክብ፡ ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ኪካፈል ባህጊ ኣሕዲርሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣብቲ ጳውሎስን በርናባስን ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ምስኦም ሓቢሩ ኸደ፣ የገልግሎም ድማ ነበረ። (ግብ. 13:5) ድሕሪኡ፡ ምስ በርናባስ ተጓዕዘ፣ ጸኒሑ ኸኣ ምስ ጴጥሮስ ኣብ ባቢሎን የገልግል ነበረ። (ግብ. 15:39፣ 1 ጴጥ. 5:13) ማርቆስ ክሳዕ መዓስ ከይተመርዓወ ኸም ዝጸንሐ ኣይንፈልጥን ኢና። ይኹን እምበር፡ ንኻልኦት ኬገልግል ፍቓደኛ ብምዃንን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣበርቲዕካ ብምዕያይን ዝመጸ ጽቡቕ ስም ረኺቡ እዩ።
9, 10. ሎሚ ንዘይተመርዓዉ ክርስትያን መንእሰያት እንታይ ኣጋጣሚ ተኸፊትሎም ኣሎ፧ ኣብነት ሃብ።
9 ሎሚ እውን፡ ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ብዙሓት መንእሰያት፡ ኣብተን ንጽል ኰይኖም ዜሕልፍወን ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝያዳ ኣበርክቶ ኺገብሩ ይጽዕሩ እዮም። ከም ማርቆስን ጢሞቴዎስን፡ ንጽል ኴንካ እትነብሮ ናብራ ‘ብዘይ ምዝንጋዕ ንጐይታ ኼገልግሉ’ ኸም ዚሕግዞም ይግንዘቡ እዮም። (1 ቈረ. 7:35፡ ትርጕም 1990) እዚ ብሓቂ ሓለፋ እዩ። ፈላሚ ኽትከውን፡ ዝያዳ ሰበኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ኸባቢ ንኸተገልግል፡ ቋንቋ ወጻኢ ንኽትመሃር፡ ኣብ ዕዮ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ዕዮ ህንጸት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እጃምካ ንኸተበርክት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ንኽትካፈል፡ ከምኡውን ኣብ ቤትኤል ንኸተገልግል፡ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። እሞኸ ዘይተመርዓኻ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ንንእስነትካ ጽቡቕ ጌርካ ኽትጥቀመሉ ትጽዕርዶ ኣለኻ፧
10 ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዕደመ ዀተቴ ኸሎ ፈላሚ ዝዀነ ማርክ ዚበሃል ሓው፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ድሕሪ ምክፋሉ፡ ኣብ እተፈላለየ ኸባቢታት ዓለም ኣገልገለ። ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፎ 25 ዓመት ምልስ ኢሉ ኺዝክር ከሎ፡ “ምስ ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎት ብምክፋል፡ ጕስነት ብምግባር፡ ኣብ ቤተይ ብምዕዳም፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘተኰረ ምትእኽኻብ ብምግባር፡ ኣብ ጉባኤ ንዚርከቡ ዅሎም ኣሕዋት ከተባብዕ ጽዒረ እየ። እዚ ዅሉ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ” በለ። ካብቲ ማርክ ዝሃቦ ሓሳብ ከም እንርድኦ፡ ምሃብ ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ሓጐስ የምጽኣልካ እዩ፣ ምሉእ ህይወትካ ንቕዱስ ኣገልግሎት ምውፋይ ከኣ ንኻልኦት ንኽትህብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልካ እዩ። (ግብ. 20:35) ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት፡ ብሕታዊ ድሌቶም፡ ክእለቶም፡ ወይ ተመክሮኦም ብዘየገድስ፡ ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—1 ቈረ. 15:58።
11. ተሃዊኽካ እንተ ዘይተመርዒኻ፡ እንታይ ጥቕምታት ትረክብ፧
11 መብዛሕትኦም መንእሰያት፡ ውዒሎም ሓዲሮም ኪምርዓዉ ዚደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ተሃዊኾም ንኸይምርዓዉ ዚሕግዞም ብቑዕ ምኽንያታት ግን ኣሎ። ጳውሎስ ንመንእሰያት፡ እንተ ወሓደ ‘ኣዝዮም ብጹሓት’ ክሳዕ ዚዀኑ፡ ማለት ጾታዊ ባህግታቶም ኣዝዩ ሓያል ዝዀነሉ ዕድመ ኽሳዕ ዚሓልፍ ኪጸንሑ ኣተባቢዕዎም ኣሎ። (1 ቈረ. 7:36) ንርእስኻ ብዝበለጸ ንኽትፈልጣን ዚዀነካ መጻምድቲ ንኽትሓሪ ዜኽእለካ ተመክሮ ንኽትረክብን ግዜ ይወስድ እዩ። ቃል ኪዳን ምእታው፡ ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ ዚቕጽል ውሳነ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ውሳነ እዩ።—መክ. 5:2-5።
ብዕድመ ዓበይቲ
12. (ሀ) እታ መበለት ዝነበረት ሃና ነቲ ሓድሽ ኵነታታ ኽኢላቶ ኽትነብር ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ሃና እንታይ ፍሉይ መሰል ረኺባ፧
12 እታ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተጠቒሳ ዘላ ሃና፡ ሓዳር ምስ ገበረት ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ሰብኣያ ብሃንደበት ኪመውት ከሎ፡ ኣዝያ ሓዚና ኽትከውን ትኽእል እያ። ቈልዑ ነይሮምዎም እንተ ዀይኖም፡ ወይ እንደገና ኽትምርዖ ሓሲባ ነይራ እንተ ዀይና፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ጓል 84 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እውን መበለት ከም ዝነበረት ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ከም እንርድኦ፡ ነቲ ሓድሽ ኵነታታ ናብ የሆዋ ንኽትቀርብ ተጠቕመትሉ። “ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።” (ሉቃ. 2:36, 37) በዚ ኸምዚ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወታ ቐዳምነት ሃበት። ከምኡ ንኽትገብር፡ ቈራጽን ጻዕረኛን ክትከውን እኳ እንተ ነበራ፡ ብዙሕ በረኸት ግን ረኺባትሉ እያ። ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ክትርኢ ኸኣለት፡ በቲ ጸኒሑ መሲሕ ዚኸውን ሕጻን ኣቢሉ ብዛዕባ ዚርከብ ሓርነት እውን ንኻልኦት መስከረት።—ሉቃ. 2:38።
13. (ሀ) ዶርቃስ ኣብ ጉባኤ ንጡፍ ተሳትፎ ትገብር ከም ዝነበረት ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ዶርቃስ ለዋህን ሕያወይትን ብምንባራ እንታይ ዓስቢ ረኸበት፧
13 ዶርቃስ ወይ ጣቢታ እትበሃል ሰበይቲ፡ ኣብታ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ የሩሳሌም እትርከብ ዝነበረት ጥንታዊት ወደባዊት ከተማ ዮጴ ትነብር ነበረት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኣይ ከም ዝነበራ ስለ ዘይገልጽ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዘይተመርዓወት ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። “ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት እያ” ነይራ። ነተን ድኻታት መበለታትን ንኻልኦትን፡ ክዳውንቲ ትሰፊ ስለ ዝነበረት፡ ኣዝያ ትፍቶ ነበረት። ስለዚ፡ ሃንደበት ሓሚማ ምስ ሞተት፡ ብምልእታ ጉባኤ ናብ ጴጥሮስ መልእኽቲ ልኢኾም፡ ነዛ ተፈታዊት ሓብቲ ኼተንስኣሎም ለመንዎ። ብዛዕባ ትንሳኤኣ ዚገልጽ ወረ ኣብ ኵላ ዮጴ ምስ ተሰምዐ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ዀኑ። (ግብ. 9:36-42) ዶርቃስ ባዕላ እውን ንገለ ኻብዞም ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ሓለፍ ዝበለ ሕያውነት ኣርእያ ኽትከውን ትኽእል እያ።
14. ንንጽል ክርስትያናት፡ ንየሆዋ ንኪቐርብዎ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧
14 ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ከም ሃናን ዶርቃስን ንጽል እዮም። ከምኡ ዝዀኑሉ ምኽንያት፡ ገሊኦም ዚሰማምዖም መጻምድቲ ብዘይምርካቦም እዩ። ገሊኦም ከኣ ስለ እተፋትሑ፡ ወይ መጻምድቶም ስለ ዝሞቶም እዩ። ሓሳቦም ዜካፍልዎ መጻምድቲ ስለ ዘይብሎም፡ መብዛሕትኡ እዋን ናብ የሆዋ ብዝያዳ ይጽግዑ እዮም። (ምሳ. 16:3) ንልዕሊ 38 ዓመት ኣብ ቤትኤል ዘገልገለት ሲልቪያ እትበሃል ንጽል ሓብቲ፡ ነዚ ኸም በረኸት ገይራ እያ ርእያቶ። “ሓድሓደ እዋን፡ ንኻልኦት ንምትብባዕ ዝገብሮ ጻዕሪ የድክመኒ እዩ። ‘ንዓይከ መን ኬተባብዓኒ እዩ፧’ ኢለ እሓስብ እየ” በለት። ወሲኻ ግን፡ “የሆዋ ኻባይ ንላዕሊ እንታይ ከም ዜድልየኒ ዚፈልጥ ምዃኑ ምእማነይ፡ ንዕኡ ንክቐርቦ ኣኽኢሉኒ እዩ። ወትሩ እውን መተባብዒ እረክብ እየ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ እዚ ኻብ ዘይተጸበኽዎ ምንጪ እዩ ዚመጽእ” በለት። ስለዚ፡ ንየሆዋ ምስ እንቐርቦ፡ ከም ዚልውሃልናን ከም ዜጸናንዓናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
15. ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ‘ልቦም ብምግፋሕ’ ፍቕሮም ኬርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
15 ንጽል ምዃን፡ ብፍቕሪ ዝመጸ ‘ልብኻ ንኸተግፍሕ’ ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:11-13 ኣንብብ።) ጆሊን እትበሃል ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት 34 ዓመት ዝገበረት ንጽል ሓብቲ፡ “ምስ መሳቱአይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ጽቡቕ ርክብ ክምስርት ሓያል ጻዕሪ ገይረ እየ። ንጽል ምዃን፡ ምስ የሆዋን ምስ ስድራ ቤትካን ምስ ኣሕዋትካን ምስ ኣሓትካን ምስ ጐረባብትኻን ንኽትቀራረብ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ። እናዓበኹ ብዝኸድኩ መጠን፡ ንጽል ኰይነ ዝነብሮ ናብራ ዝያዳ ኣሐጒሱኒ እዩ” በለት። ብዕድመ ዝደፍኡን ዝሓመሙን ንጽል ወለድን መንእሰያትን ካልኦት ኣባላት ጉባኤን ነቲ ንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን ጥቕሚ ርእሶም መስዋእቲ ብምግባር ዚህብዎም ደገፍ የማስዉሉ እዮም። ንኻልኦት ፍቕሪ ኸነርእዮም ከለና፡ ንርእስና ጽቡቕ እዩ ዚስምዓና። ንስኻኸ ‘ልብኻ ብምግፋሕ፡’ ንኻልኦት ፍቕሪ ኸተርኢ ትኽእልዶ፧
ኣብ ምሉእ ህይወቶም
16. (ሀ) የሱስ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንጽል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ነቲ ንጽል ኰይኑ ዚነብሮ ናብራ ብጥበብ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧
16 የሱስ ፈጺሙ ኣይተመርዓወን፣ ነቲ እተወሃቦ ኣገልግሎት ኪዳሎን ኪፍጽምን ነበሮ። ኣገልግሎቱ ንምፍጻም፡ ብዙሕ ተጓዒዙ፡ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ኣገልጊሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ህይወቱ መስዋእቲ ኽትከውን ሂቡ እዩ። ንጽል ኰይኑ ዝነበሮ ናብራ ነዚ ዅሉ ንኺፍጽም ኣኽኢልዎ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ተጓዒዙ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ድማ ብዙሕ መከራ ኣሕሊፉ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-27) ኣቐዲሙ ተመርዕዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሃዋርያ ኪኸውን ምስ ተመዘዘ ግን፡ ንጽል ኰይኑ ኺነብር እዩ መሪጹ። (1 ቈረ. 7:7፣ 9:5) የሱስን ጳውሎስን፡ ዚኽእሉ ዘበሉ ምእንቲ ኣገልግሎት ኢሎም ኣብነቶም ኪስዕቡ ኣተባቢዖም እዮም። ኰይኑ ግን፡ ኣገልገልቲ ኺምርዓዉ ኸም ዘይብሎም መምርሒ ኣይሃቡን።—1 ጢሞ. 4:1-3።
17. ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣሰር የሱስን ጳውሎስን ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧ የሆዋ ነዞም ከምዚ ዓይነት መስዋእቲ ዚገብሩ ሰባት ከም ዚንእዶም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
17 ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን እውን፡ ኣገልግሎቶም ብዝበለጸ መገዲ ምእንቲ ኺፍጽሙ ንጽል ኰይኖም ኪነብሩ መሪጾም እዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሃሮልድ ን56 ዓመት ኣብ ቤትኤል ኣገልጊሉ እዩ። ከምዚ በለ፦ “ኣብ ቤትኤል ዓሰርተ ዓመት ክሳዕ ዝመልእ፡ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ብሰንኪ ሕማም ወይ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዶም ንኺኣልዩ ኻብ ቤትኤል ኪወጹ ኸለዉ ርእየ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ወለደይ ሞይቶም እዮም ነይሮም። ንቤትኤል ኣዝየ ስለ ዝፈተኽዎ ኸኣ፡ ብሰንኪ ሓዳር ነቲ ዝረኸብክዎ ፍሉይ መሰል ኣብ ሓደጋ ኸእቱ ኣይደለኹን።” ብተመሳሳሊ፡ ማርጋሬት እትበሃል ንነዊሕ እዋን ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ሓብቲ ድሕሪ ዓመታት ከምዚ በለት፦ “ሓዳር ክገብር ዜኽእለኒ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ነበረኒ፡ ንዕኡ ዚኸውን ግዜ ግን ኣይነበረንን። የግዳስ፡ ንጽል ሳላ ዝዀንኩ ንዝረኸብክዎ ተወሳኺ ናጽነት ኣብ ኣገልግሎት ንኸተኵር ኣኽኢሉኒ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ።” የሆዋ ነቲ ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኢሉ በዚ ኸምዚ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእ ሰብ ከቶ ኣይርስዖን እዩ።—ኢሳይያስ 56:4, 5 ኣንብብ።
ንዅነታትካ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
18. ካልኦት ንንጽል ክርስትያናት ኬተባብዑን ኪድግፉን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
18 ነቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚከኣሎም ዚገብሩ ዘለዉ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት፡ ብሓቂ ኽንንእዶምን ከነተባብዖምን ይግባእ። ነፍቅሮም ኢና፣ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝገብርዎ ዝዓዘዘ ኣበርክቶ ድማ ነማስወሉ ኢና። ብመንፈሳዊ መገዲ ኸም “ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ” እንተ ዄንናዮም፡ ጽምዋ ኣይኪስምዖምን እዩ።—ማርቆስ 10:28-30 ኣንብብ።
19. ንጽል ኴንካ እትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ጌርካ ንኽትጥቀመሉ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
19 ብምርጫኻ ዘይተመርዓኻ ኹን ኵነታት ዘገደደካ ብዘየገድስ፡ እቲ ኽንርእዮ ዝጸናሕና ቕዱስ ጽሑፋውን ዘመናውን ኣብነታት፡ ዜሐጕስን ውጽኢታዊ ዝዀነን ናብራ ኽትነብር ከም እትኽእል የረጋግጸልካ እዩ። ገሊኡ ውህበታት ንኽትረኽቦ ብሃንቀውታ እትጽበዮ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ግን ፈጺምካ ኸይሓሰብካዮ እዩ ዚመጽእ። ገሊኡ ብኡንብኡ ኢኻ እተማስወሉ፡ ገሊኡ ኸኣ ድሕሪ ግዜ ኢኻ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ እትግንዘብ። መብዛሕትኡ ግን ኣብ ኣመለኻኽታና እዩ ዚምርኰስ። እሞኸ ንጽል ኴንካ እትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ጌርካ ንኽትጥቀመሉ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ናብ የሆዋ ቕረብ፡ ብዕዮ ኣምላኽ ዕዙዝ ኩን፡ ከምኡውን ልብኻ ብምግፋሕ ንኻልኦት ፍቕሪ ኣርኢ። ነቲ ንጽል ኴንና እንነብሮ ናብራ ብኣረኣእያ ኣምላኽ እንርእዮን ብጥበብ እንጥቀመሉን እንተ ዄንና፡ ከምቲ ኻብ ሓዳር ብዙሕ በረኸት ዚርከብ፡ ንጽል ብምዃን እውን በረኸት ክንረክብ ንኽእል ኢና።
ትዝክሮዶ፧
• ንጽል ምዃን ውህበት ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
• ብግዜ ንእስነት ንጽል ምዃን በረኸት ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
• ንጽል ክርስትያናት ንየሆዋ ንኪቐርብዎን ብፍቕሪ ዝመጸ ልቦም ንኼግፍሑን ዜኽእሎም እንታይ ኣጋጣሚታት እዮም ዚረኽቡ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ጽቡቕ ጌርካ ንኽትጥቀመሉ ትጽዕርዶ ኣለኻ፧