‘ተቐበሎ’
1 ሓደ ግዜ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኽዛረቦም ከሎ: ንጽል ኴንካ ምንባር ነቶም “እተዋህቦም” ምዃኑ ገለጸ። ድሕሪኡ “ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በለ። (ማቴ. 19:10-12) እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጽል ምዃን ብዛዕባ ዘለዎ ረብሓታት ጸሓፈ: ካልኦት ኣብነቱ ኽስዕቡ ድማ ኣተባብዐ። (1 ቈረ. 7:7, 38 ትርጕም 1990 ) ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ንጽል ኴንካ ምንባር ‘ተቐቢሎምዎስ’ ካብቲ ዘምጽኦ ረብሓታት ይጥቀሙ ኣለዉ። ገለ ኻብቲ ረብሓታት እንታይ እዩ፧
2 “ብዘይ ምዝንጋዕ” ምግልጋል:- ጳውሎስ ንጽል ኰይኑ ምንባሩ ንየሆዋ “ብዘይ ምዝንጋዕ” ንኸገልግሎ ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፍተሉ ተረዲኡ ነይሩ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ ሓደ ንጽል ሓው ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ንኽሳተፍ ከመልክት ይኽእል እዩ። ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ኸኣ ሓደ ንጽል ሰብ ፓይነር ንምዃን: ሓድሽ ቋንቋ ንኽመሃር: ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዘድልዩሉ ቦታ ንምግዓዝ: ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል: ወይ ኣብ ካልእ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ንምስታፍ ዝያዳ ናጽነት ኣለዎ። ዓሚቝ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንኽገብር: ብዝግባእ ንኸስተንትን: ከምኡውን ንየሆዋ ካብ ልቡ ብዝመነጨ ጸሎት ንኸዘራርቦ ዝያዳ ግዜን ኣጋጣምን ኣለዎ። ዝበዝሕ ግዜ ዘይተመርዓወ ሰብ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዝሓሸ ግዜ ኣለዎ። እዚ ዅሉ ኸኣ ‘ንረብሓ ርእሱ’ እዩ።—1 ቈረ. 7:32-35 ትርጕም 1990፣ ግብ. 20:35
3 ከምዚ ዝኣመሰለ ከይዘንጋዕካ ወይ ከይተዓናቐፍካ ንኣምላኽ ዝወሃብ ኣገልግሎት ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ። ሓንቲ ንጽል ሓብቲ ን27 ዓመት ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምግልጋል ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ብዙሓት ፈተውቲ ነበሩኒ: ብዙሕ ዝዕየ ዕዮ ኸኣ ነበረ! ነዚ ብሓባር ንገብሮ ነበርና: ንሓድሕድናውን ንበጻጻሕ ነበርና። . . . ነቲ ንጽል ብምዃነይ ዝነበረኒ ኸም ድላየይ ናይ ምንቅስቓስ ኰነ ካልእ ዓይነት ናጽነት ኣብ ኣገልግሎት ትሕዝቲ ንክኸውን ኣኽኣለኒ: እዚ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጸኣለይ።” ኣስዕብ ኣቢላውን “ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ርክብ እናደልደለ መጸ” በለት።
4 ምቕባሉ:- የሱስ ሰባት ንጽል ክዀኑሉ ዘለዎም ምኽንያት “ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 19:12) ንጽል ዄንካ ምንባር ሓጐስን ረብሓታትን ዘምጽእ ንክኸውን ልክዕ ከም ካልእ ውህበት ብዝግባእ ክተሓዝ ኣለዎ። ብዙሓት ዘይተመርዓዉ ሰባት ነቲ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ከምኡውን ጥበብን ብርታዐን ንምርካብ ኣብ የሆዋ ብምውካል: ነዚ ውህበት እዚ ምቕባሉ ዘለዎ ጥቕሚ ተረዲኦም ኣለዉ።