ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/03 ገጽ 1
  • ‘ተቐበሎ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ተቐበሎ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጽል ኴንካ ንእትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንጽል ምዃን—ናብ ዘይተዓናቐፈ ዕዮ ዝመርሕ ኣፍ ደገ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕግበት ዝረኸቡ ንጽል ሰባት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 4/03 ገጽ 1

‘ተቐበሎ’

1 ሓደ ግዜ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኽዛረቦም ከሎ: ንጽል ኴንካ ምንባር ነቶም “እተዋህቦም” ምዃኑ ገለጸ። ድሕሪኡ “ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በለ። (ማቴ. 19:10-12) እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጽል ምዃን ብዛዕባ ዘለዎ ረብሓታት ጸሓፈ: ካልኦት ኣብነቱ ኽስዕቡ ድማ ኣተባብዐ። (1 ቈረ. 7:​7, 38 ትርጕም 1990 ) ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ንጽል ኴንካ ምንባር ‘ተቐቢሎምዎስ’ ካብቲ ዘምጽኦ ረብሓታት ይጥቀሙ ኣለዉ። ገለ ኻብቲ ረብሓታት እንታይ እዩ፧

2 “ብዘይ​ ምዝንጋዕ” ምግልጋል:- ጳውሎስ ንጽል ኰይኑ ምንባሩ ንየሆዋ “ብዘይ​ ምዝንጋዕ” ንኸገልግሎ ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፍተሉ ተረዲኡ ነይሩ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ ሓደ ንጽል ሓው ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ንኽሳተፍ ከመልክት ይኽእል እዩ። ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ኸኣ ሓደ ንጽል ሰብ ፓይነር ንምዃን: ሓድሽ ቋንቋ ንኽመሃር: ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዘድልዩሉ ቦታ ንምግዓዝ: ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል: ወይ ኣብ ካልእ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ንምስታፍ ዝያዳ ናጽነት ኣለዎ። ዓሚቝ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንኽገብር: ብዝግባእ ንኸስተንትን: ከምኡውን ንየሆዋ ካብ ልቡ ብዝመነጨ ጸሎት ንኸዘራርቦ ዝያዳ ግዜን ኣጋጣምን ኣለዎ። ዝበዝሕ ግዜ ዘይተመርዓወ ሰብ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዝሓሸ ግዜ ኣለዎ። እዚ ዅሉ ኸኣ ‘ንረብሓ ርእሱ’ እዩ።​—⁠1 ቈረ. 7:32-35 ትርጕም 1990፣ ግብ. 20:35

3 ከምዚ ዝኣመሰለ ከይዘንጋዕካ ወይ ከይተዓናቐፍካ ንኣምላኽ ዝወሃብ ኣገልግሎት ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ። ሓንቲ ንጽል ሓብቲ ን27 ዓመት ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምግልጋል ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ብዙሓት ፈተውቲ ነበሩኒ: ብዙሕ ዝዕየ ዕዮ ኸኣ ነበረ! ነዚ ብሓባር ንገብሮ ነበርና: ንሓድሕድናውን ንበጻጻሕ ነበርና። . . . ነቲ ንጽል ብምዃነይ ዝነበረኒ ኸም ድላየይ ናይ ምንቅስቓስ ኰነ ካልእ ዓይነት ናጽነት ኣብ ኣገልግሎት ትሕዝቲ ንክኸውን ኣኽኣለኒ: እዚ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጸኣለይ።” ኣስዕብ ኣቢላውን “ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ርክብ እናደልደለ መጸ” በለት።

4 ምቕባሉ:- የሱስ ሰባት ንጽል ክዀኑሉ ዘለዎም ምኽንያት “ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 19:12) ንጽል ዄንካ ምንባር ሓጐስን ረብሓታትን ዘምጽእ ንክኸውን ልክዕ ከም ካልእ ውህበት ብዝግባእ ክተሓዝ ኣለዎ። ብዙሓት ዘይተመርዓዉ ሰባት ነቲ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ከምኡውን ጥበብን ብርታዐን ንምርካብ ኣብ የሆዋ ብምውካል: ነዚ ውህበት እዚ ምቕባሉ ዘለዎ ጥቕሚ ተረዲኦም ኣለዉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ