‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’
ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕግበት ዝረኸቡ ንጽል ሰባት
ሓንቲ ኣብ ስጳኛ እትነብር ክርስትያን ሰበይቲ “ሓያሎ ኻብዞም ንጽል ዘበልና ምሉእ ዘይጕዱል ሓጐስ ኣሎና” በለት። ብኸመይ እያ ዕግብቲ ኽትከውን ዝኸኣለት፧ “ንየሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ምእንቲ ኸነገልግሎ: ካብ ጭንቂ ናጻ ምዃንና ንሕጐሰሉ ኢና” በለት።
ከምዚ ዝዓይነቱ ምርዳእ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንጽል ምዃን ዚዛረበሉ መገዲ ዚሰማማዕ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓዳር ኣመልኪቱ “ንዘይተመርዐዉን ንሓያማትን ግና፤ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ: ጽቡቕ እዩ: እብል አሎኹ” ብምባል ብመንፈስ ተደሪኹ ተዛረበ። ጳውሎስ ንባዕሉ ንጽል ነበረ። ብዛዕባ ሓዳር ዘይምግባር ምሕጽንታ ኬቕርብ ከሎ ግን እንታይ ምኽንያት ኣቕረበ፧ እቲ ምርዑው ሰብ እተመቓቐለ ኪኸውን ከሎ: እቲ ዘይተመርዓወ ሰብ ግን ቈላሕታኡ “ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጕሶ” ምዃኑ ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 7:8, 32-34) ሓደ ንጽል ሰብ ሕጉስን ዕጉብን ዚዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት ንየሆዋ ስለ ዜገልግል እዩ።
ንዝለዓለ ዕላማ ንጽል ምዃን
ሓዳርን ስድራ ምንባይን ክብ ኣቢልካ ኣብ ዝረኣየሉ ባህልታት ናይ ጳውሎስ ርእይቶ ዜደንጹ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዘይምርዑው ግን ከኣ ሕጉስን ዕጉብን ዝነበረ የሱስ: ክርስትያናት ንጽል ዚዀኑሉ ዝለዓለ ዕላማ ኺጠቅስ ከሎ: “ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ: ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በለ።—ማቴዎስ 19:12
ሓያሎ ሰባት ምስዘን ቃላት እዚአን ብምስምማዕ: ንጽል ምዃን ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ንኣምላኽ ንምግልጋል ከም ዜኽእል ርእዮምዎ እዮም። (1 ቈረንቶስ 7:35) በሽሓት ዚቝጸሩ ክርስትያናት ብዘይ ሓዳር ንየሆዋ ብሓጐስ የምልኹ ኣለዉ: ንኻልኦት ብምሕጋዝ ድማ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም።a
ሓያሎ ንጽል ክርስትያናት: ሓጐስ ንሰብ ሓዳር ጥራይ እተዋህበ ኸም ዘይኰነ: እቶም ዘይተመርዓዉ ድማ ሓጐስ የብሎምን ማለት ከም ዘይኰነ ይርድኡ እዮም። ከመይሲ: ክልቲኦም ጕጅለ ሓድሓደ እዋን ሓጐስ: ካልእ ግዜ ድማ ሓዘን የጋጥሞም እዩ። ከም ሓቂ ኽንርእዮ እንተደኣ ዄንና ኸኣ: ሓዳር ንባዕሉ “ብስጋ መከራ” ምርካብ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ እዩ።—1 ቈረንቶስ 7:28
ብሰንኪ ዅነታት ንጽል ዝዀኑ
ሓያሎ ሰባት ደልዮምዎ ዘይኰነስ: ኵነታት ኣገዲድዎም እዮም ዘይምርዓዉ። ነቲ ኣብ ሓዳር ዘሎ ምውቕ ስምዒትን ምሕዝነትን ፍቕርን ይደልይዎ እዮም። ንገሊኦም ግን ቍጠባዊ ወይ ድማ ካልእ ጕዳይ ኣብዚ እዋን እዚ ንኸይምርዓዉ ይዓግቶም ይኸውን። ሓድሓደ ክርስትያናት: መብዛሕትአን ፍቑራት መንፈሳውያን ኣሓትና ዚርከባኦም: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ንኺምርዓዉ እተዋህበ ምኽሪ ስለ እተኣዘዙ: ሓዳር ካብ ምግባር ተቘጢቦም እዮም። (1 ቈረንቶስ 7:39) ብተኣማንነት ምስቶም ርእሶም ዝወፈዩን እተጠምቁን ኣምለኽቲ የሆዋ ጥራይ እዮም ዚምርዓዉ።
ሓድሓደ ግዜ እዞም ሰባት እዚኣቶም ጽምዋ ይስምዖም እዩ። ሓንቲ ንጽል ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ስምዒት ከም ዚስምዓ ኽትገልጽ ከላ: “ንሕጊ የሆዋ ንፈልጦ ኢና: ንየሆዋ ኸነጕህዮ ድማ ኣይንደልን ኢና። እቲ ኻብ ናይ ሓዳር ብጻይ ዚርከብ ምሕዝነት ንደሊ ንኸውን: እንተዀነ ግን: ዓለማውያን ሰባት ንኼማጽኡልና ኢሎም ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ: ንሕና ግን ኣብ ኣቕዋምና ኽንጸንዕ ኢና። ምስ ዘይኣምኑ ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ኽንቀራረብ እውን እንተዀነ ኣይንደልን ኢና” በለት። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርስትያናት: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምዕዶ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ከምኡውን ምእንቲ ንየሆዋ ኼሐጕስዎ ኢሎም ስምዒታዊ መጕዳእቲ እናኣጋጠሞም ክነሱ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ብምሕላዎም: ናእዳ ይግብኦም እዩ።
ኣምላኽ ኣብዚሑ ይባርኽ
የሆዋ ነቶም ንዘይኣምን ሰብ ብዘይ ምምርዓው ተኣማንነቶም ዜርእዩ ሰባት እሙን እዩ። ንጉስ ዳዊት ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ ተላዒሉ “ምስቶም እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” ብምባል መስከረ። (2 ሳሙኤል 22:26 ትርጕም 1990) ኣምላኽ ነቶም ብተኣማንነት ዚእዘዝዎ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም ኣሎ። (እብራውያን 13:5) ንሕናውን ንኣብነት የሆዋ ብምቕዳሕ: ነቶም ምስ ቃል ኣምላኽ ጠቢቖም ዚነብሩ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክሊ ዕድመ ዘለዉ ንጽል ክርስትያናት ሞሳና ኽንገልጸሎም ንኽእል ኢና። ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ንኺዋጽኡሉ ናብ የሆዋ ኽንጽልየሎም እውን ንኽእል ኢና።—መሳፍንቲ 11:30-40
ሓያሎ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት: ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር ዕዮ ትሑዛት ምዃኖም ህይወቶም ትርጕም ዘለዋ ኸም ዝገበራ ርእዮምዎ እዮም። ንኣብነት: ነታ ፓትሪሻ ዝስማ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ፓይነር ወይ ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት እስከ ርአ። “ንጽል ምስ ምዃን ሓቢሩ ፈተናታት ይምጻእ ደኣ እምበር: ስርዓታዊት ፓይነር ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ግን ከፊቱለይ እዩ። ንጽል ስለ ዝዀንኩ ተዓጻጻፊ መደብ ኣሎኒ: እዚ ድማ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ዝያዳ ግዜ ንኽረክብ ኣኽኢሉኒ እዩ። ብፍላይ ኣብ እዋን ጸገም ኣብ የሆዋ ኽውከል ከም ዘሎኒ እውን ተማሂረ እየ” በለት።
ከምዚ ዝዓይነቱ ኣረኣእያ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ: ኣብኡ ተወከል: ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ” ዚብል መብጽዓ እተመርኰሰ እዩ። (መዝሙር 37:5) እወ: እቶም ሰብ ሓዳር ይኹኑ ንጽል እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ: ካብተን ‘ረዲኤተይሲ ኻብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ ዚብላ መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት: ምጽንናዕን ብርታዐን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 121:2
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 2005 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓምለ/ነሓሰ ርአ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“እቲ ዘይተመርዐወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጕሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ።”—1 ቈረንቶስ 7:32
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]
ንጽል ካብ ምዃን ዓስቢ ምርካብ
እቲ ንጽል ዝነበረ የሱስ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ።—ዮሃንስ 4:34
እተን ኣርባዕተ ደናግል ደቂ ፊሊጶስ “ትንቢት” ብምንባይ ትሑዛት ነበራ።—ግብሪ ሃዋርያት 21:8, 9
እተን ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚእውጃ ዘይተመርዓዋ ክርስትያናት ኣሓት: ክፍሊ እተን “ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።”—መዝሙር 68:11