ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/10 ገጽ 10-14
  • ንጽል ምዃን—ናብ ዘይተዓናቐፈ ዕዮ ዝመርሕ ኣፍ ደገ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጽል ምዃን—ናብ ዘይተዓናቐፈ ዕዮ ዝመርሕ ኣፍ ደገ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጽል ምዃን ምሕጽንታ ተዋህበሉ
  • ንጽል ኴንካ ኽትቅጽል ዝግድድ የለን
  • ነቲ ንጽል ናይ ምዃን ህያብ ምቕባሉ
  • ብዕላማ ንጽል ምዃን
  • ዘይተዓናቐፈ ዕዮ
  • ንሓዋሩ መርዓ ንምሕራም ዝግበር ማሕላ የለን
  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕግበት ዝረኸቡ ንጽል ሰባት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን ዚኸውን ጥበባዊ ምኽሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንጽል ኴንካ ንእትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ‘ተቐበሎ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/10 ገጽ 10-14

ንጽል ምዃን​—⁠ናብ ዘይተዓናቐፈ ዕዮ ዝመርሕ ኣፍ ደገ

“ከይተናቓነቕኩም [“ከይተዓናቐፍኩም:” ‘NW’] ብጐይታ ኽትጸንዑ . . . እየ ዝብሎ ዘሎኹ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 7:​35

1. ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ዘሰንብድ ጸብጻብ ኢዩ ዝበጽሖ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቈረንቶስ: ግሪኽ: ዝነበሩ ክርስት⁠ያን ኣሕ​­ዋቱ ይሻቐል ነበረ። ቅድሚ ሓሙ​­ሽተ ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን: ኣብዛ ብርኽሰታ ፍልጥቲ ዝነበረት ሃብታም ከተማ ጉባኤ መስሪቱ ነበረ። ሕጂ ማለት: ዳርጋ ብ55 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ኤፌሶን: ንእሽቶ እስያ: ከሎ ሻርነት ንዘለዎ ምፍልላይን ንኸቢድ ናይ ርኽሰት ጕዳይ ምጽዋርን ዝምልከት ዘሰንብድ ጸብጻብ ካብ ቈረንቶስ ተቐበለ። ብተወሳኺ: ጳውሎስ ብዛዕባ ስጋዊ ርክባት: መርዓ ምሕራም: ምምርዓው: ምፍልላይ ሰብ ሓዳር: ከም​­ኡውን ብዛዕባ እንደገና ምምርዓው መምርሒ ዝሓትት ደብዳበ ካብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ተቐቢሉ ነበረ።

2. እቲ ኣብ ቈረንቶስ ገኒኑ ዝነበረ ርኽሰት ነቶም ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ክርስትያናት ተንኪፍዎም ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

2 እቲ ኣብ ቈረንቶስ ገኒኑ ዝነበረ ከቢድ ርኽሰት: ነታ ኣብኡ ዝነበረት ጉባኤ ብኽልተ መገድታት ዝተን​­ከፋ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ገለ ክርስትያናት ነቲ ዝነበረ ናይ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሸለልትነት ሃዋሁ ይሰማምዕሉ ርኽሰት ድማ ይጻወሩ ነይሮም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 5:1፣ 6:​15⁠-​17) ካልኦት ድማ: ነቲ ኣብ ኵላ እታ ከተማ ዝነበረ ናይ ስጋዊ ርክብ ባህታ ብምጽራር: ንምርዑዋት ሰብ ሓዳር እውን ከይተረፈ: ካብ ኵሉ ዓይነት ስጋዊ ርክብ ክሕረሙ ክሳዕ ኣብ ምእዛዝ በጺሖም ከም ዝነበሩ ብሩህ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:⁠5

3. ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ናይ መጀመርታ ደብዳበ ፈለማ እተዛረበሉ ነገር እንታይ ነበረ፧

3 ኣብቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፎ ነዊሕ ደብዳበ: መጀመርታ ነቲ ናይ ምፍልላይ ግድል ኢዩ ተዛሪቡሉ። (1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 1⁠-​4) ካብቲ ናብ ጐዳኢ ምጕጅጃል ጥራይ ክመ​­ርሕ ዝኽእል ንሰባት ምስዓብ ክርሕቁ መዓ​­ዶም። ከም “መዓይይቲ ኣምላኽ” መጠን ድማ ክሓብሩ ነበሮም። ድሕርዚ ብስነ⁠-​ምግባራዊ መገዲ ዝመጸ ነታ ጉባኤ ንጽህቲ ገይርካ ንምሓዝ ዝጠቅም ንጹር መመርሒታት ሃቦም። (ምዕ⁠ራፍ 5 ከምኡውን 6) እቲ ሃዋርያ ቀጺሉ ቈላሕታኡ ናብቲ ዝለኣኽዎ ደብዳበ ገበረ።

ንጽል ምዃን ምሕጽንታ ተዋህበሉ

4. ጳውሎስ “ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

4 ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጀመረ:⁠- “ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፤ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ።” (1 ቈረንቶስ 7:⁠1) እቲ “ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ” ዝብል መግለጺ ንጾታዊ ርውየት ኢልካ ምስ ሰበይቲ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዘይምግባር ማለት ኢዩ። ጳውሎስ ንምንዝር ድሮ ኰኒንዎ ስለ ዝነበረ: ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ናይ መርዓ ስርዓት ዘሎ ጾታዊ ርክባት ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። ስለዚ: ጳውሎስ ንጽል ኴንካ ንምንባር ኢዩ ምሕጽንታ ዝገብር ዘሎ። (1 ቈረንቶስ 6:​9, 16, 18፣ ምስ ዘፍጥረት 20:6፣ ምሳሌ 6:​29 ኣረኣእዮ።) ውስኽ ኣቢሉ ድማ “ንዘይተመርዐዉን ንሓያማትን ግና፤ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ: ጽቡቕ እዩ: እብል አሎኹ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠8) ጳውሎስ ምርዑው ኣይነበረን: ምናልባትውን ሰበይቱ ዝሞተቶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 9:⁠5

5, 6. (ሀ) ጳውሎስ ናብራ ህይወት ገዳም ክህሉ ይምሕጸን ከም ዘይነበረ ንጹር ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ብዛዕባ ንጽል ምዃን እተማሕጸነ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት: ብዛዕባ እቲ ገለ ካብ ትምህርትታቱ ሕሉፍ ምምናን ወይ ርእስኻ ምኽሓድ ዘቃልሕ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ገለ ፍልጠት ዝነበሮም ኢዮም ዝመስሉ። ሰብ ቈረንቶስ: ክርስትያናት ካብ ኵሉ ዓይነት ስጋዊ ርክብ ከርሕቑ “ጽቡቕ” እንተ ዀይኑን እንተ ዘይኰይኑን ንጳውሎስ ከም ዝሓትዎ ዝገበሮም ምኽንያት እዚዶ ነይሩ ኽኸውን ይኽእል፧ ናይ ጳውሎስ መልሲ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ኣየንጸባረቐን። (ቈሎሴ 2:⁠8) ያኢ ንጽል ዝዀኑ ሰባት ካብ ካልኦት ሰባት ብፍላይ ቅዱሳት ከም ዝዀኑ ከምኡውን ብኣነባብራኦምን ጸሎቶምን ገይሮም ንድሕነቶም ከም ዝዓዩ ገይርካ ብምሕሳብ: ከምቶም ናይ ካቶሊክ ናይ ቲዮሎጂ ምሁራት ዝብልዎ ኣብ ሓደ ገዳም ወይ ደብሪ መርዓ እተሓርመ ናይ ምምናን ህይወት ክህሉ ኣይተማሕጸነን።

6 ጳውሎስ ንጽል ምዃን እተማሕጸነ “ብምኽንያት እቲ . . . ዘሎ ጭንቀት” ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:​26) ነቲ መርዓ ምስ ዝውሰኾ መሊሱ ዝገድድ ክርስትያናት ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ኣሸጋሪ እዋናት ኢዩ ዘመልክት ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። (1 ቈረንቶስ 7:​28) እቲ ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ዝሃቦ ምኽሪ “ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ: ጽቡቕ እዩ” ዝብል ነበረ። ነቶም ኣንስቶም ዝሞታኦም ድማ “ብሰበይትኻዶ ኣይተአሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ” በሎም። ብዛዕባ ሓንቲ መበለት ዝዀነት ክርስትያን ከኣ “ከም ሓሳበይ ግና: ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር: ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት: ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:​8, 27, 40

ንጽል ኴንካ ኽትቅጽል ዝግድድ የለን

7, 8. ጳውሎስ ንዝዀነ ይኹን ክርስትያን ንጽል ኰይኑ ክነብር ይግድድ ከም ዘይነበረ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧

7 ጳውሎስ ነዚ ምኽሪ እዚ ክህብ ከሎ መንፈስ የሆዋ ይመርሖ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ንመርዓ ምሕራምን ምምርዓውን ዝምልከት ኣቀራርባኡ ሚዛን ምሕላውን ርእስኻ ምግታእን ዝሕብር ኢዩ። እሙን ናይ ምዃንን ዘይምዃንን ጕዳይ ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይገለጾን። ኣብ ክንድኡ: ነቶም ኣብቲ ኵነታት እቲ ንጹሃት ኰይኖም ክቕጽሉ ዝኽእሉ ሰባት ንጽል ክዀኑ ብምድጋፍ: ናይ ናጻ ምርጫ ሕቶ ኢዩ ነይሩ።

8 ጳውሎስ “ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ” ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ: ኣስዕብ ኣቢሉ “ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ: ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ” በለ። (1 ቈረንቶስ 7:​1, 2) ንዘይተመርዓዉ ሰባትን መበለታትን “ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ” ኢሉ ድሕሪ ምምካሩ: ቅጽል ኣቢሉ “ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና: ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ: ይመርዐዉ” በለ። (1 ቈረንቶስ 7:​8, 9) እንደገና: ነቶም ኣንስቶም ዝሞታኦም ዝሃቦ ምኽሪ “ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻ: ሓጢኣት ኣይገበርካን” ዝብል ነበረ። (1 ቈረንቶስ 7:​27, 28) እዚ ሚዛናዊ ምኽሪ እዚ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣብ ግምት ዘእቱ ኢዩ ነይሩ።

9. ብመሰረት እቲ የሱስን ጳውሎስን ዝበልዎ: ክልቲኡ ማለት መርዓን ንጽል ምዃንን ህያብ ኣምላኽ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ጳውሎስ ክልቲኡ ማለት መርዓን ንጽል ምዃንን ህያብ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። “ኵሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ: ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ።” (1 ቈረንቶስ 7:⁠7) ኣብ ኣእምሮኡ እቲ የሱስ እተዛረቦ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። መርዓ ኣምላኽ ከም ዝመስረቶ ድሕሪ ምርግጋጹ: የሱስ ንረብሓ እታ መንግስቲ ከተገልግል ኢልካ ብፍታው ንጽል ምዃን ፍሉይ ህያብ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ:⁠- “እዚ ነገርዚ: ብዘይ ነቶም እተዋህቦም: ንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን። ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ አለዉ: ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን አለዉ: ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ: ኪቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ።”​—⁠ማቴዎስ 19:​4⁠-​6, 11, 12

ነቲ ንጽል ናይ ምዃን ህያብ ምቕባሉ

10. ሓደ ሰብ ነቲ ንጽል ናይ ምዃን ህያብ “ኪቕበሎ” ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

10 የሱስን ጳውሎስን ንጽል ምዃን ‘ህያብ’ ምዃኑ እኳ ይዛረቡ እምበር: ሒደት ሰባት ጥራይ ዝረኽብዎ ተኣምራታዊ ህያብ ከም ዝዀነ ግን ኣይተዛረቡን። የሱስ እዚ ህያብ እዚ “ንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን” ኢዩ በለ: ነቶም ከምኡ ክገብሩ ዝኽእሉ ድማ ከምቲ የሱስን ጳውሎስን ዝገበርዎ ‘ክቕበልዎ’ ተማሕጸኖም። ሓቂ ኢዩ: ጳውሎስ “ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ: ይኹን እምበር ብዛዕባ እቶም ‘ነፍሶም ኪመልኩ ዘይተኻእሎም’ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠9) ጳውሎስ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝጸሓፎ መልእኽትታት: ክርስትያናት ብስጋ ካብ ምንዳድ ክርሕቑ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ ኢዩ። (ገላትያ 5:​16, 22⁠-​24) ብመንፈስ ምምልላስ ማለት መንፈስ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ስጕምትና ክመርሕ ምፍቃድ ማለት ኢዩ። ክርስትያን መንእሰያት ነዚ ክገብርዎ ይኽእሉዶ፧ ንቓል የሆዋ ጠቢቖም እንተድኣ ስዒቦም: እወ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ጐበዝ [ወይ ጐርዞ] ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።”​—⁠መዝሙር 119:⁠9

11. ‘ብመንፈስ ምምልላስ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

11 እዚ ካብቲ ብመገዲ ብዙሕ ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራማት: ፊልምታት: ናይ መጽሔት ዓንቀጻት: መጻሕፍቲ: ከምኡውን ብናይ ደርፊ ግጥምታት ኣቢሉ ዝዝርጋሕ ፍኑው ኣተሓሳስባታት ምጥንቃቕ ዘጠቓልል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባታት ብስጋዊ ነገራት እተዓብለለ ኢዩ። ጾታኡ ብዘየገድስ ንጽል ምዃን ክቕበሎ ዝደሊ መንእሰይ ክርስትያን ‘ብመንፈስ እምበር: ብስጋ ኣይመላለስ: ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ: መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ።’ (ሮሜ 8:​4, 5 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ናይ መንፈስ ዝበሃሉ ነገራት: ጽድቂ: ንጽህና: ተፈታዊ ምዃን: ውርዝውና ኢዮም። ክርስትያናት: ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ: ነዚ ነገራት እዚ ‘ክሓስቡ’ ሰናይ ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 4:​8, 9

12. ነቲ ንጽል ናይ ምዃን ህያብ ምቕባል ብዓቢኡ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧

12 ነቲ ንጽል ናይ ምዃን ህያብ ምቕባል ክበሃል ከሎ: ብዓብይኡ ልብኻ ኣብቲ ሸቶ እቲ ምግባርን ሒዝካዮ ንኽትቅጽል ሓገዝ ምእንቲ ክህበካ ድማ ናብ የሆዋ ኣብ ምጽላይን እተመርኰሰ ኢዩ። (ፊልጲ 4:​6, 7) ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔ: ግዲ ዘይኰኖ: ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ: እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር [“ብድንግልንኡ ክነብር:” NW ] ብልቡ ዝቘረጾ: ጽቡቕ ይገብር። እምበኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ [“ንድንግልንኡ ንመርዓ:” NW ] ዚህብ ጽቡቕ ይገብር: እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብር።”​—⁠1 ቈረንቶስ 7:​37, 38

ብዕላማ ንጽል ምዃን

13, 14. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መንጎ ዘይምርዑዋትን ምርዑዋትን ክርስትያናት እንታይ ምንጽጻር ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) ሓደ ንጽል ዝዀነ ክርስትያን ካብቶም እተመርዓዉ “ዚሐይሽ” ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ጥራይ ኢዩ፧

13 ንጽል ምዃን ጥራይ ንበይኑ ዝነኣድ ኣይኰነን። በየናይ መገዲ ድኣ ኢዩ “ዚሐይሽ” ክኸውን ዝኽእል፧ ብሓቂ ኣብቲ ሓደ ሰብ ነቲ ንጽል ምዃን ዘምጽኦ ናጽ​­ነት ዝጥቀመሉ ኣገባብ እተመርኰሰ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዐወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጕሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዐወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጕሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። . . . እታ ዘይተመርዐወት: ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ: ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ: እታ ምርዕውቲ ግና: ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እትሐጕሶ: ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ። ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተነቓነቕኩም [“ከይተዓናቐፍኩም:” NW ] ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር: መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን: እዚ ንረብሓ ርእስኹም እየ ዝብሎ ዘሎኹ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 7:​32⁠-​35

14 ነቲ ንጽል ምዃኑ ስሱዕ ሸቶታት ንምርካብ ዝጥቀመሉ ክርስትያን: ካብቶም ምርዑዋት ክርስትያናት “ዚሐ​­ይሽ” ኣይኰነን ዝገብር ዘሎ። ንጽል ኰይኑ ዘሎ “ምእንቲ መንግስተ ሰማያት” ዘይኰነስ: ምእንቲ ብሕታዊ ረብሓታት ኢዩ። (ማቴዎስ 19:12) እቲ ዘይተመርዓወ ሰብኣይ ወይ ዘይተመርዓወት ሰበይቲ ‘ብናይ ጐይታ ክሓልዩ:’ ‘ከመይ ገይሮም ንጐይታ ኸም ዘሐጕስዎ ክሓስቡ:’ ከምኡውን ‘ከይተዓናቐፉ ብጐይታ ክጸንዑ’ ይግብኦም። እዚ ድማ ንየሆዋን የሱስ ክርስቶስን ከተገልግል ኢልካ ዘይተመቓቐለ ቈላሕታ ምውፋይ ማለት ኢዩ። ከምዚ ብምግባር ጥራይ ኢዮም ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ካብቶም ምርዑዋት ክርስትያናት “ዚሐይሽ” ክገብሩ ዝኽእሉ።

ዘይተዓናቐፈ ዕዮ

15. ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 7 ከረድኦ ዝደለየ ቀንዲ ነጥቢ እንታይ ኢዩ፧

15 እቲ ጳውሎስ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ከረድኦ ዝደለየ ነጥቢ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:⁠- መርዓ ቅቡል: ኣብ ትሕቲ ገሊኡ ኵነታት ድማ ንገለ ሰባት ጽቡቕ ክኸውን ከሎ: ንጽል ምዃን ከኣ ነቶም ንየሆዋ ዝወሓደ ዓንቃፊ ነገራት ብዘለዎ መገዲ ከገልግልዎ ዝደልዩ ክርስትያን ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ጠቓሚ ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ። እቲ ምርዑው ሰብ “እተመቓቐለ” ክኸውን ከሎ: እቲ ዘይተመርዓወ ክርስትያን ግን ቈላሕታኡ ኣብቲ ‘ናይ ጐይታ’ ክገብር ናጻ ኢዩ።

16, 17. ሓደ ንጽል ዝዀነ ክርስትያን ኣብቲ ‘ናይ ጐይታ’ ብዝሓሸ ከተኵር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

16 ሓደ ዘይተመርዓወ ክርስትያን ካብቶም እተመርዓዉ ሰባት ዝያዳ ናጻ ዀይኑ ቈላሕታኡ ክገብረሎም ዝኽእል ናይ ጐይታ ነገራት ኣየኖት ኢዮም፧ የሱስ ኣብ ካልእ ጥቕሲ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ንቄሳር ክህብዎ ዘይክእሉ ‘ናይ ኣምላኽ [“ነገራት:” NW ]’ ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 22:21) እዞም ነገራት እዚኣቶም ብመሰረቱ ንናብራ: ኣምልኾ: ከምኡውን ንኣገልግሎት ናይ ሓደ ክርስትያን ዘመልክቱ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 4:​10፣ ሮሜ 14:8፣ 2 ቈረንቶስ 2:​17፣ 3:​5, 6፣ 4:⁠1

17 ንጽል ዝዀኑ ሰባት ብሓፈሻ ግዜኦም ንኣገልግሎት የሆዋ ክውፍዩ ናጻ ኢዮም: እዚ ድማ ንመንፈሳውነቶምን ኣገልግሎቶም ንምስፋሕን ክጠቕሞም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ምስትንታንን ዝያዳ ግዜ ከሕልፉ ይኽእሉ ኢዮም። ንጽል ዝዀኑ ክርስትያናት መብዛሕትኡ ግዜ ካብቶም ምርዑዋት ንላዕሊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ መደ​­ቦም ብቐሊሉ ክገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣኼባታትን ግራት ኣገልግሎትን ብዝሓሸ ክዳለዉ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ዅሉ ‘ንረብሓ ርእሶም ኢዩ።’​—⁠1 ቈረንቶስ 7:⁠35

18. ብዙሓት ንጽል ዝዀኑ ኣሕዋት ‘ከይተዓናቐፉ’ ንየሆዋ ከገልግልዎ ዝደልዩ ምዃኖም ከርእዩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

18 ድሮ ኣገልገልቲ ጉባኤ ብምዃን ዘገልግሉ ዘለዉ ብዙሓት ንጽል ኣሕዋት: ንየሆዋ “እኔኹ ልአኸኒ” ክብልዎ ናጻ ኢዮም። (ኢሳይያስ 6:⁠8) ኣብቲ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ምእንቲ ክካፈሉ ከመልክቱ ይኽእሉ ኢዮም: እዚ ድማ ነቶም ኣብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ከይዶም ከገልግሉ ናጻ ዝዀኑ ንጽል ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን እተሓዝአ ኢዩ። እቶም ጉባኤኦም ገዲፎም ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ዘይክእሉ ንጽል ኣሕዋት እውን ከይተረፈ ኣገልገልቲ ጉባኤ ወይ ሽማግለታት ብምዃን ንኣሕዋቶም ምእንቲ ከገልግሉ ገዛእ ርእሶም ቅርብቲ ክገብርዋ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ፊልጲ 2:​20⁠-​23

19. ብዙሓት ንጽል ዝዀና ኣሓት እተባረኻ ብኸመይ ኢየን: ሓደ ካብቲ ንጉባኤታት በረኸት ክዀናሉ ዝኽእላ መገዲኸ እንታይ ኢዩ፧

19 ንጽል ዝዀና ኣሓት: ዘማኽርኦን ምስጢረን ድማ ዘካፍልኦን ርእሲ ስለ ዘይብለን: ብዝያዳ ‘ጾረን ናብ እግዚኣብሄር ክድርብያ’ ይኽእላ ይዀና። (መዝሙር 55:22፣ 1 ቈረንቶስ 11:⁠3) እዚ ብፍላይ ነተን ንየሆዋ ካብ ዘለወን ፍቕሪ እተላዕለ ንጽል ዝዀና ኣሓት ኣድላዪ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ እንተድኣ ተመርዕየን ድማ ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ኢዩ:’ ማለት ንሓደ ህይወቱ ንየሆዋ ዝወፈየ ሰብ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። (1 ቈረንቶስ 7:​39) ሽማግለታት ኣብ ጉባኤታቶም ዘይተመርዓዋ ኣሓት ክህልዋኦም የመስግንሉ ኢዮም፣ እዚኣተን መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ዝሓ⁠መ⁠ሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ሰባት ይበጽሕኦምን ይድግፍ⁠ኦ⁠ምን ኢየን። እዚ ንዅሎም እቶም ዝምልከቶም ሓጐስ ዘምጽእ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:35

20. ብዙሓት ክርስትያናት ‘ከይተዓናቐፉ ብጐይታ ምጽንዖም’ ብኸመይ ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ፧

20 ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ‘ከይተዓናቐፉ ብጐይታ ንኽጸንዑ:’ ጕዳያቶም ኣተዓራርዮም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 7:​35) እዚኣቶም ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነራት ኣገልገልትን ሚስዮናውያንን ብምዃን: ወይ ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ኰይኖም ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። ከመይ ዝበሉ ሕጕሳት ጕጅለ ኰን ኢዮም! ኣብ ማእከልካ ክህልዉስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐድስ ኰን ኢዩ! ስለዚ ኸኣ ኢዮም ኣብ ኣዒንቲ የሆዋን የሱስን ‘ከም ኣውሊ’ ዝዀኑ።​—⁠መዝሙር 110:⁠3

ንሓዋሩ መርዓ ንምሕራም ዝግበር ማሕላ የለን

21. (ሀ) ጳውሎስ መርዓ ንምሕራም ዝግበር ማሕላ ከም ዘየተባብዐ ንጹር ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ‘ኣዚኻ በጽሒ’ ምዃን ክዛረብ ከሎ እንታይ ኢዩ ዘምልክት ነይሩ፧

21 ኣብቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ እቲ ቀንዲ ነጥቢ: ክርስትያናት ኣብ ህይወቶም ንጽል ምዃን ክቕበልዎ ከለዉ “ጽቡቕ” ይገብሩ ዝብል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:​1, 8, 26, 37) ይኹን እምበር: መርዓ ንምሕራም ኢሎም ክምሕሉ ፈጺሙ ኣይዓደሞምን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: ከምዚ ኢሉ ኢዩ ዝጸሓፈ:⁠- “ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ [“በቲ ድንግልንኡ:” NW ] ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ: ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት [“ኣዝዩ ኸኣ በጽሒ እንተዀነ:” NW ]: ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑ: ዝደለየ ይግበር: ሓጢኣት የብሉን: ንሰብኣይ ይሃባ [“ይመርዖ:” NW ]።” (1 ቈረንቶስ 7:​36) እታ ‘ኣዝዩ በጽሒ’ ተተርጒማ ዘላ (ሃይ ·ፐ ʹርኣክ ·ሞስ) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “ክንዮ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ” ማለት ኢያ: ነቲ ባህጊ ስጋዊ ርክብ ዝለዓለ ድፍኢት ዝገብረሉ ግዜ ምሕላፍ ድማ ኢያ እተመልክት። ስለዚ እቶም ንብዙሕ ዓመታት ንጽል ኰይኖም ዝሓለፍዎ እሞ: ኣብ መወዳእታ ድማ ክምርዓዉ ከም ዘለዎም ኰይኑ እተሰምዖም ሰባት: ንኣማኒ ብጻይ ክምርዓዉ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኢዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:​14

22. ብዅሉ ጐድንታቱ ክርአ ከሎ ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ንእሽቶ ከሎ ክምርዖ ጠቓሚ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

22 እተን ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ከይተዓናቐፈ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሕልፈን ዓመታት ጥበብ ዘጥረየለን እዋናት ኢየን። እዘን ዓመታት እዚኣተን ንዕኡ ወይ ንዓኣ ተግባራዊ ጥበብ: ተመክሮ: ከምኡውን ምስትውዓል ንኽረኽቡ ዘኽእልኦም ኢየን። (ምሳሌ 1:​3, 4) ነታ መንግስቲ ክብል ንጽል ኰይኑ ዝጸንሐ ሰብ: ክምርዖ እንተድኣ ወሲኑ ነቲ ኣብ ናይ መርዓ ህይወት ዘሎ ሓላፍነታት ምናልባት ድማ ነቲ ወላዲ ናይ ምዃን ጕዳይ ንኽሓስበሉ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ኢዩ ዘሎ።

23. መርዓ ዝሓስቡ ገለ ሰባት ኣብ ኣእምሮኦም ዝሕዝዎ ነገር እንታይ ክኸውን ይኽእል: ይኹን እምበር ከመይ ዝበለ ሕቶ ኢዩ ኣብዘን ዝስዕባ ዓንቀጻት ክርአ ዘለዎ፧

23 ንጽል ኰይኖም ንየሆዋ ምሉእ ግዜ ኣብ ምግልጋል ብዙሕ ዓመታት ዘሕለፉ ገለ ክርስትያናት ኣብ ገለ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽቕጽሉ ኣንዊሖም ብምጥማት ናይ መጻኢ ግዜ ብጻዮም ብጥንቃቐ ይመርጹ ኢዮም። እዚ ድማ ብሓቂ ኣዝዩ ዝን​­ኣድ ኢዩ። አረ ገሊኣቶምሲ መርዕኦም ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንኣገልግሎቶም ክዓናቕፎ ከም ዘየፍቅድሉ ብምሕሳብ ክምርዓዉ ይምድቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር ሓደ ምርዑው ክርስትያን ወይ ሓንቲ ምርዕውቲ ክርስትያን ከምቲ ንጽል ከሎ ወይ ንጽል ከላ ዝነበሮም ኵነታት ኣብቲ ንየሆዋ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ከተኵሩ ናጻ ከም ዝዀኑ ክስምዖም ይግባእ ድዩ፧ እዚ ሕቶ እዚ ኣብዘን ዝስዕባ ዓንቀጻት ክርአ ኢዩ።

ብመልክዕ ድግማ

◻ ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ክጽሕፈላ ኣድላዪ ኰይኑ እተሰምዖ ስለምንታይ ነበረ፧

◻ ጳውሎስ ናብራ ህይወት ገዳም ክህሉ ይምሕጸን ከም ዘይነበረ እንፈልጥ ስለምንታይ ኢና፧

◻ ሓደ ሰብ ንጽል ምዃን “ኪቕበሎ” ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ንጽል ዝዀና ኣሓት: ካብቲ ንጽል ናይ ምዃን ጥቕሚ ክረኽባ ዝኽእላ ብኸመይ ኢየን፧

◻ በየናይ መገድታት ኢዮም ንጽል ዝዀኑ ኣሕዋት ንየሆዋ ‘ከይተዓናቐፉ’ ንኸገልግልዎ ዘለዎም ናጽነት ክብለጽሉ ዝኽእሉ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ