ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jr ምዕ. 8 ገጽ 92-102
  • ከም ኤርምያስ “ብህይወት ክትነብር” ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከም ኤርምያስ “ብህይወት ክትነብር” ዲኻ፧
  • ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይልሙድ ትእዛዝ
  • ካብቲ ኤርምያስ ንጽል ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወት ተምሃር
  • ኣተባብዕ፡ ተተባባዕ
  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕግበት ዝረኸቡ ንጽል ሰባት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን ዚኸውን ጥበባዊ ምኽሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንጽል ምዃን—ናብ ዘይተዓናቐፈ ዕዮ ዝመርሕ ኣፍ ደገ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
ዝያዳ ርአ
ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
jr ምዕ. 8 ገጽ 92-102

ምዕራፍ ሸሞንተ

ከም ኤርምያስ “ብህይወት ክትነብር” ዲኻ፧

1, 2. ንውልቀ-ሰብ ኰነ ንስድራ ቤት ኣትኵሮ ምግባር ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እያሱ ንእስራኤላውያን፡ ንመን ከም ዜገልግሉ ኺሓርዩ ድሕሪ ምምሕጻኑ፡ “ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” በለ። (እያ. 24:15) ንኣምላኽ እሙን ኪኸውን ቈሪጹ ነበረ፣ ስድራ ቤቱ እሙናት ከም ዚዀኑ እውን ርግጸኛ ነበረ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ጥፍኣት የሩሳሌም ምስ ቀረበ፡ ኤርምያስ ንንጉስ ጼድቅያስ፡ ንባቢሎናውያን ኢዱ እንተ ሂቡ ዚረኽቦ ጥቕሚ ኺነግሮ ኸሎ፡ “ንስኻን ቤትካን ከኣ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም” በሎ። (ኤር. 38:17) እቲ ንጉስ ዝገበሮ ሕማቕ ምርጫ፡ ንዕኡን ንኣንስቱን ንደቁን ጸልይዎም እዩ። ንደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቐተልዎም፣ ድሕሪኡ ንዕኡ ኣዒንቱ ኣንቊሮም ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።—ኤር. 38:18-23፣ 39:6, 7።

2 ኣብ ክልቲኡ እዚ ብሰያፍ ፊደላት እተጻሕፈ ሓረጋት፡ ነቲ ጕዳይ ብቐጥታ ዚምልከቶ ሓደ ሰብ ተጠቒሱ ኣሎ። እንተዀነ ግን፡ ስድራ ቤቱ እውን ተጠቒሶም ኣለዉ። እዚ ግቡእ እዩ። ነፍሲ ወከፍ እኹል ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲ እዩ። ኰይኑ ግን፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን፡ ስድራ ቤት ነይርዎም እዩ። ኣብ ክርስትያናት እውን፡ ስድራ ቤት ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። ነዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብዛዕባ መውስቦን ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑን ንኣባላት ስድራ ቤት ብዛዕባ ዚግባእ ኣኽብሮትን እንመሃሮ ትምህርቲ ኺርአ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 7:36-39፣ 1 ጢሞ. 5:8።

ዘይልሙድ ትእዛዝ

3, 4. ናብራ ኤርምያስ ካብ ናይ መብዛሕትኦም እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ካብዚኸ ብኸመይ ተጠቒሙ፧

3 ኤርምያስ ሓደ ኻብቶም ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ድሒኖም ‘ብህይወት ዝነበሩ’ ሰባት እዩ ነይሩ። (ኤር. 21:9፣ 40:1-4) ልክዕ እዩ፡ ካብ ናይ መብዛሕትኦም ሰባት እተፈልየ ናብራ እዩ ነይርዎ። ኣምላኽ ንኤርምያስ፡ ከይምርዖ፡ ከይወልድ፡ ወይ ኣብ ገሊኡ መዳያት እቲ ሽዑ ልሙድ ዝነበረ ናብራ ኣይሁድ ከይካፈል ነጊርዎ ነበረ።—ኤርምያስ 16:1-4 ኣንብብ።

4 ኣብቲ ኤርምያስ ዝነበረሉ ግዜን ባህልን፡ ሓዳር ምግባርን ውሉዳት ምውላድን ንቡር እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ኣይሁዳውያን ሰብኡት ይምርዓዉን ውሉዳት ይወልዱን ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ኻብ ኣቦታቶም ዝወረስዎ መሬት ካብ ነገዶምን ካብ ማይ ቤቶምን ኣይወጽእን ነበረ።a (ዘዳ. 7:14) ኤርምያስ ከምኡ ዘይገበረ ግን ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነቲ ዚመጽእ ዝነበረ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብቲ ሓጐስ ኰነ ሓዘን ኬምጽእ ዚኽእል ንቡር ንጥፈታት ከይሳተፍ ነጊርዎ ስለ ዝነበረ እዩ። ንሓዘንቲ ኼጸናንዕ፡ ድሕሪ ቐብሪ ምስኦም ኪበልዕ፡ ወይ ኣብ ከም መርዓ ኣይሁድ ዝኣመሰለ ድግስ ኪሳተፍ ከም ዘይብሉ ተነጊርዎ ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ድግስ ኰነ ሓጐስ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ ነበረ። (ኤር. 7:33፣ 16:5-9) ኤርምያስ ብተግባራቱ ኣቢሉ መልእኽቱን እቲ ዚመጽእ ፍርድን ብዕቱብ ኪርአ ኸም ዘለዎ ኣጕሊሑ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መዓት መጸ። እቶም ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ ስጋ ሰብ ዝበልዑ ወይ ሬሳታት ዜፍቅርዎም ሰባት ዝረኣዩ እተሰምዖም ስምዒት ክትግምቶዶ ትኽእል፧ (ኤርምያስ 14:16 ኣንብብ፣ ድጕ. 2:20) ስለዚ፡ ኤርምያስ ብዘይምምርዓዉ ኣይተወጽዐን። እቲ ንዓመትን መንፈቕን ዝቐጸለ ኸበባን ህልቂትን ንስድራ ቤታት ልሕስ ኬብለን ከሎ፡ ንሱ ግን ሰበይቲ ዀነ ውሉዳት ስለ ዘይነበርዎ፡ ካብቲ ሓዘን ኣምሊጡ እዩ።

5. እቲ ኣብ ኤርምያስ 16:5-9 ዚርከብ መምርሒ፡ ንክርስትያናት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

5 እንተዀነ ግን፡ ኤርምያስ 16:5-9 ንዓና እውን እትምልከት ድያ፧ ኣይፋልን። ክርስትያናት፡ ‘ኣብ ጸበባ ንዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ኬጸናንዑን’ ‘ምስቶም ዚሕጐሱ ኺሕጐሱን’ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም እዩ። (2 ቈረ. 1:4፣ ሮሜ 12:15) የሱስ ናብ መርዓ ኸይዱ፡ ኣብቲ ሓጐስ ከኣ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዚጽበዮ ዘሎ ነገር፡ ኣርዚንካ ኺርአ ኣለዎ። ንክርስትያናት ጸበባን ሽግርን ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኻብ ይሁዳ ዝሃደሙ ኣሕዋትና ዝገበርዎ፡ ንሕና እውን ነቲ እዋን እቲ ብተኣማንነት ጸኒዕና ምእንቲ ኽንሰግሮ፡ ድሉዋት ክንከውን ከም ዜድልየና፡ የሱስ ኣጕሊሑ ኣሎ። ስለዚ፡ ንጽል ኴንካ ምጽናሕ፡ ምምርዓው፡ ወይ ውሉዳት ምውላድ ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ጕዳይ እዩ።—ማቴዎስ 24:17, 18 ኣንብብ።

Picture on page 94

6. ካብቲ ኣምላኽ ንኤርምያስ ዝሃቦ መምርሒ መን ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

6 ካብቲ ኣምላኽ ንኤርምያስ ከይምርዖ ወይ ውሉድ ከይወልድ ዝሃቦ ትእዛዝ እንታይ ንመሃር፧ ኣብዚ ግዜና፡ ከይተመርዓዉ ወይ ውሉድ ከይወለዱ ዚነብሩ እሙናት ክርስትያናት ኣለዉ። እዚኣቶም ካብ ኤርምያስ እንታይ እዮም ኪመሃሩ ዚኽእሉ፧ እተመርዓዉን ውሉዳት ዘለውዎምን ክርስትያናት እውን ከይተረፉ፡ ነዚ መዳይ ናብራ ኤርምያስ ኬተኵሩሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

7. ካብቲ ኤርምያስ፡ ውሉድ ከይወልድ እተዋህቦ ትእዛዝ እንታይ ንመሃር፧

7 መጀመርታ፡ ነቲ ኤርምያስ፡ ውሉድ ከይወልድ እተዋህቦ ትእዛዝ ንርአ። የሱስ ንሰዓብቱ ውሉድ ከይወልዱ ኣይኣዘዞምን። ይኹን እምበር፡ ነተን ብ66-70 ድ.ክ. ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም መከራ ኣብ ዚወርደሉ እዋን ዚነብራ ጥኑሳት ወይ ዜጥብዋ “ወይለኤን” በለን። ንዅነታተን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ግዜ እቲ ብፍላይ ንዓታተን ኣጸጋሚ ነበረ። (ማቴ. 24:19) ንዓና እውን ዝዓበየ ጸበባ እዩ ዚጽበየና ዘሎ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ውሉድ ኪወልዱ ዚሓስቡ ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ቅድሚ ምውሳኖም ኣስፊሖም ኪሓስቡሉ ኣለዎም። እዚ ዘለናዮ እዋን፡ እናጸንከረ ይኸይድ ከም ዘሎስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ንመወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ሰጊሮም ‘ብህይወት ዚነብሩ’ ውሉዳት ምዕባይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይኸውን ከም ዘሎ እውን ሰብ ሓዳር ይእመኑ እዮም። ሰብ ሓዳር፡ ውሉዳት ኪወልዱ ወይ ከይወልዱ ባዕሎም ዚውስንዎ ጕዳይ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኤርምያስ ዝነበረሉ ዅነታት ግን ኣብ ግምት ኬእትውዎ ይግባእ። ካብቲ ኣምላኽ ንኤርምያስ ከይምርዖ ዝሃቦ ትእዛዝከ እንታይ ንመሃር፧

ኤርምያስ እንታይ ዘይልሙድ ትእዛዝ እዩ ተዋሂብዎ፧ እዚኸ ነየናይ ጕዳይ ንኽንሓስበሉ እዩ ኺድርኸና ዘለዎ፧

ካብቲ ኤርምያስ ንጽል ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወት ተምሃር

8. ንኣምላኽ ንምሕጓስ፡ መውስቦ ናይ ግድን ኣድላዪ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ኣምላኽ ንኤርምያስ ከይምርዖ ኺእዝዞ ኸሎ፡ ኵሎም ኣገልገልቱ ኸይተመርዓዉ ኺነብሩ ኣይኰነን ስርዓት ዜቕውም ነይሩ። መውስቦ ጽቡቕ እዩ። ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ እተገብረ ናይ መጀመርታ መውስቦ፡ የሆዋ እዩ ገይርዎ፣ ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ምድሪ ብሰባት ንኽትምላእን ደቂ ሰብ ካብ መውስቦኦም እኹል ዕግበትን ሓጐስን ንኺረኽቡን ኢሉ እዩ። (ምሳ. 5:18) ኰይኑ ግን፡ ኵሎም ኣይኰኑን ዚምርዓዉ ነይሮም። ኤርምያስ ይንበ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ፡ እተወሰኑ ስሉባት ነይሮም እዮም።b ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ መበለታትን ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡትን ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ብዘይ መጻምድቲ ዚነብር ዝነበረ ናይ ሓቂ ኣምላኺ፡ ኤርምያስ ጥራይ ኣይነበረን። ልክዕ እዩ፡ ንኸይምርዖ ምኽንያት ነይርዎ እዩ፣ ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ክርስትያናት እውን ከምኡ ምኽንያት ኣለዎም።

9. ብዛዕባ መውስቦ ንእተዋህበ እንታይ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ኢና ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧

9 ብዙሓት ክርስትያናት ዚምርዓዉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኵሎም ግን ኣይኰኑን ዚምርዓዉ። የሱስ ከም ዘይተመርዓወን ገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ ንጽል ኴንካ ምንባር ‘ኪቕበልዎ’ ዚኽእሉ ምዃኖም ከም እተዛረበን ትፈልጥ ኢኻ። ነቶም ከምዚ ኺገብሩ ዚኽእሉ ኸኣ ኣተባብዖም። (ማቴዎስ 19:11, 12 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንሓደ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝያዳ ንኺገብር ኢሉ ንጽል ኪኸውን ዝመረጸ ሰብ ክንንእዶ ደኣ እምበር፡ ክንሕጭጨሉ የብልናን። ገሊኦም ክርስትያናት ብሰንኪ ዅነታቶም ንጽል ኰይኖም ኪነብሩ ኸም ዚግደዱ ዚከሓድ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ብቑዕ ክርስትያን መጻምድቲ ኣይረኸቡን ይዀኑ፣ ነቲ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ኪምርዓዉ እተዋህቦም ስርዓት ኣምላኽ ምሕላዎም ድማ ኬንእዶም ይግባእ። (1 ቈረ. 7:39) ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከኣ፡ መጻምድቶም ብሙማቱ፡ ንጽል ይዀኑ እዮም።c እዞም ንጽል ሰባት እዚኣቶም፡ ኣምላኽን የሱስን ከም ዚሓልዩሎም ኪርስዑ የብሎምን።—ኤር. 22:3፣ 1 ቈረንቶስ 7:8, 9 ትርጕም 1990 ኣንብብ።

10, 11. (ሀ) ኤርምያስ ኣብቲ ንጽል ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወት ዕዉት ንኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ለ) ከይተመርዓዉ ዚጸንሑ ሰባት ዜዕግብ ህይወት ኪህልዎም ከም ዚኽእል፡ ዘመናዊ ተመክሮታት ብኸመይ የረጋግጽ፧

10 ኤርምያስ ንጽል ኰይኑ ኣብ ዘሕለፎ ህይወት፡ ካብ ኣምላኽ ደገፍ ይረክብ ነበረ። ብኸመይ፧ ኤርምያስ ብቓል የሆዋ ይሕጐስ ምንባሩ ትዝክሮ ትኸውን። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመዘዞ ኣገልግሎት ኣብ ዘተኰረሉ ዓመታት፡ ቃል የሆዋ ምንጪ ብርታዐን መጸናንዕን ኰይንዎ ነበረ። ብተወሳኺ፡ ካብቶም ብዘይምምርዓዉ ዜላግጹሉ ሰባት ይርሕቕ ነበረ። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ካብ ምዃን፡ ‘በይኑ ምቕማጥ’ ይመርጽ ነበረ።—ኤርምያስ 15:17 ኣንብብ።

11 ብዙሓት ንጽል ክርስትያናት—ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ፡ መንእሰያት ኰኑ ብዕድመ ዝደፍኡ—ነቲ ኤርምያስ ዝሓደጎ ጽቡቕ ኣብነት ይስዕቡ ኣለዉ። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትሑዝ ምዃንን ትርጕም ኣብ ዘለዎ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዓብዪ ኣበርክቶ ምግባርን ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ብተመክሮ ተራእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ጉባኤ ቻይንኛ እተገልግል ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ በለት፦ “ፈላምነት ንህይወተይ ዕላማ ኸም ዚህልዎ ገይሩ እዩ። ንጽል ሓብቲ ብምዃነይ፡ ህይወተይ ብስራሕ ትሑዝ እዩ፣ እዚ ኸኣ ጽምዋ ንኸይስምዓኒ ሓጊዙኒ እዩ። ሰባት ብኣገልግሎተይ ናይ ሓቂ ሓገዝ ኪረኽቡ ኽርኢ ኸለኹ፡ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዕግበት ይስምዓኒ። እዚ ኸኣ ዓብዪ ሓጐስ የምጽኣለይ።” ሓንቲ ጓል 38 ዓመት ፈላሚት ከኣ፡ “ሓጐስ ኪርከብ ዚከኣል፡ ንኣወንታዊ መዳያት እቲ ዘለኻሉ ዅነታት ካብ ምቕባል ይመስለኒ” በለት። ሓንቲ ኣብ ደቡባዊ ኤውሮጳ እትነብር ዘይተመርዓወት ክርስትያን እውን፡ “ህይወተይ ልክዕ ከምቲ ዝመደብክዎ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሕጉስቲ እየ፡ ንሓዋሩ እውን ሕጉስቲ ክኸውን እየ” ብምባል ናይ ልባ ገለጸት።

Picture on page 97

12, 13. (ሀ) ብዛዕባ ምምርዓውን ዘይምምርዓውን እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧ (ለ) ጳውሎስ ዘሕለፎ ህይወትን ዝሃቦ ምኽርን ብዛዕባ ንጽል ምዃን እንታይ የጕልሕ፧

12 ኤርምያስ፡ ህይወቱ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝመደቦ ኸም ዘይኰነሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሓያሎ እተመርዓዉን ውሉዳት ዝወለዱን እውን፡ ከምኡ ኸም እተሰምዖም ኣስተውዒሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ኣብ ስጳኛ እትነብር ፈላሚት፡ “ሕጉሳት ዝዀኑን ዘይኰኑን ሰብ ሓዳር እፈልጥ እየ። እዚ ኸኣ ሓጐሰይ ኣብ ምምርዓወይን ዘይምምርዓወይን እተመርኰሰ ኸም ዘይኰነ ኣእሚኑኒ እዩ” በለት። ናይ ኤርምያስ ኰነ ናይ ኣሽሓት ሰባት ተመክሮ ኸም ዚምስክሮ፡ ንጽል ሰብ ኣብ ህይወቱ ሓጐስን ዕግበትን ኪረክብ ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ንዘይተመርዓዉን ንመበላሉን ግና ኸምዚ ኸማይ ኮይኖም እንተ ነበሩ ንኣኣቶም ጽቡቕ እዩ እብል ኣሎኹ” ኢሉ ብምጽሓፍ፡ ነዚ እዩ ኣረጋጊጹልና። (1 ቈረ. 7:8 ትርጕም 1990) ጳውሎስ፡ ሰበይቱ ሞይታቶ ኽትከውን ትኽእል እያ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሚስዮናዊ ዀይኑ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ሰበይቲ ኣይነበረቶን። (1 ቈረ. 9:5) እሞኸ ንጽል ምዃኑ ጠቒምዎዶ፧ ከምኡ ብምዃኑ፡ ‘ብግቡእን ብዘይ ምዝንጋዕን ንጐይታ ኼገልግል’ ኣኽኢልዎ እዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ብዙሕ ኪዓምም ከኣለ።—1 ቈረ. 7:35 ትርጕም 1990።

“ካብቲ ኣኽቢረ ዚርእዮ ነገራት ሓደ፡ በይነይ ዘሕልፎ እዋን እዩ። ብጸሎት ምስ የሆዋ ኽዘራረብ እኽእል እየ። ናብ ካልእ ከየስገልኩ፡ ከስተንትንን ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽገብርን እኽእል እየ። . . . ንጽል ምዃነይ፡ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ።”—ባበት

13 ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ብዛዕባ እተመርዓዉ፡ “ብሥጋ መከራ ይረኽቦም እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “[ሓደ ሰብ] ብልቡ ጨኪኑ ድንግልናኡ እንተ ሓለወ ድማ ጽቡቕ ገበረ” ድሕሪ ምባል፡ “እቲ ንሕጽይቱ ዚምርዓዋ ጽቡቕ ይገብር፥ እቲ ዘይምርዖ ከኣ ዝኃሸ ይገብር” ኢሉ ደምደመ። (1 ቈረ. 7:28, 37, 38 ትርጕም 1990፡ እግረ-ጽሑፍ) ኤርምያስ ነዘን ቃላት እዚኣተን እኳ እንተ ዘየንበበን፡ ካብ ናብራኡ ግን፡ ንጽል ምዃን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ሓጐስ ንኸይትረክብ ከም ዘይዓግት ኪርአ ይከኣል እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ነቲ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘተኰረ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ብዙሕ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ንጉስ ጼድቅያስ ተመርዕዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኤርምያስ ‘ብህይወት ኪነብር’ ዝሃቦ ምኽሪ ኣይሰምዖን፣ እቲ ዘይተመርዓወ ነብዪ ዝመረጾ ናብራ ግን፡ ‘ብህይወት ኪነብር’ ኣኽኣሎ።

ካብቲ ኤርምያስ ንሓያሎ ዓመታት ንጽል ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

ኣተባብዕ፡ ተተባባዕ

14. ኣብ መንጎ እንዳ ኣኪላስን ጳውሎስን ዝነበረ ርክብ እንታይ የጕልሕ፧

14 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ መብዛሕትኦም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ሓዳርን ስድራን ነይርዎም እዩ። ብግዜ ጳውሎስ እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ስድራ ዝነበሮም ክርስትያናት፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ኬገልግሉ ዘይክእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ከባቢኦም የገልግሉ ኸም ዝነበሩ ግን ኣየጠራጥርን እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንዘይተመርዓዉ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ምትብባዕ የጠቓልል። ጳውሎስ ናብ ቈረንቶስ ምስ ከደ፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን ናብ ቤቶም ከም እተቐበልዎን ምሳታቶም ሓቢሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረን ትዝክሮ ትኸውን። እቲ ዝገበሩሉ ነገራት ግን በዚ ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን። እንዳ ኣኪላስ ምስ ጳውሎስ ዝነበሮም ምሕዝነት፡ ኣተባባዒ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መኣድን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን ዝነበሮም ጽቡቕ ምቅርራብ እሞ ሕስብ ኣብል። ኤርምያስከ ምስ ሰባት ብተመሳሳሊ ይቀራረብ ነይሩዶ፧ ነቲ ንጽል ኰይኑ ዘሕልፎ ዝነበረ ህይወት ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ይጥቀመሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ግሉል ከም ዝነበረ ጌርና ግን ክንሓስቦ የብልናን። ምስ ስድራ ቤት ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ንኣብነት፡ ምስ እንዳ ባሩኽ፡ ዔቤድ-ሜሌክ፡ ወይ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ምቅርራብ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሮሜ 16:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 18:1-3 ኣንብብ።

15. ክርስትያን ስድራ ቤታት ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ብኸመይ እየን ብዙሕ ኪሕግዛኦም ዚኽእላ፧

15 ሎሚ ዘለዉ ንጽል ክርስትያናት እውን፡ ከምቲ እንዳ ኣኪላስ ምስ ጳውሎስ ዝነበሮም ዓይነት ምቅርራብ እንተ ረኺቦም ይጥቀሙ እዮም። ስድራ እንተ ኣልዩካ፡ ምስ ዘይተመርዓዉ ንኽትቀራረብ ጻዕሪ ትገብር ዲኻ፧ ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ናይ ልባ ገለጸት፦ “ንዓለም ሓዲገያ እየ፡ ክምለሳ እውን ኣይደልን እየ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ግን፡ ሓልዮትን ፍቕርን እደሊ እየ። የሆዋ ንንጽል ክርስትያናት ዘበልና፡ ተወሳኺ መንፈሳዊ ምግብን መተባብዕን ኪህበና እጽሊ እየ። ዕሽሽ ክንበሃል የብልናን፡ ክንምርዖ እንህንጠ እውን ኵላትና ኣይኰንናን። እንተዀነ ግን፡ ብእተወሰነ መዳይ በይንና እተሓደግና ኢና እንመስል። ልክዕ እዩ፡ ወትሩ ናብ የሆዋ ኽንጽጋዕ ንኽእል ኢና፣ ምስ ሰባት ክንቀራረብ ክንደሊ ኸለና ግን፡ ምስ መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ኽንዘራረብ ንኽእልዶ፧” ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ካብ ልቦም፡ ‘እወ’ ዚብል መልሲ ኺህቡላ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ጉባኤኦም ምስ ዘለዉ ክርስትያናት ይቀራረቡ እዮም። ምስ መዛኑኦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ይመሓዘዉ እዮም። ሰብ ስለ ዚፈትዉ፡ ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ምስ ዚርከቡ ክርስትያናት፡ እንተላይ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ኣባላት ክርስትያን ስድራ ቤታት ይቀራረቡ እዮም።

Picture on page 100

16. ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዉ ንጽል ክርስትያናት ንምትብባዕ እንታይ ቅልል ዝበለ ነገራት ክትገብር ትኽእል፧

16 ቍሩብ ኣርሒቕካ እንተ ሓሲብካ፡ ንንጽል ዘበሉ ኣብ ከም ኣምልኾ ስድራ ቤት ዝኣመሰለ ንጥፈታት ስድራ ቤትካ ኸም ዚመጹ ብምግባር፡ ምንጪ ምትብባዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንዘይተመርዓወ ሓው ወይ ንዘይተመርዓወት ሓብቲ ምስ እትዕድሞም፡ ካብቲ ዚቐርብ ምግቢ ንላዕሊ ትርጕም ኣለዎ። ብሓባር ናብ ኣገልግሎት ንኽትከዱ ቘጸራ ንምሓዝ ተበግሶ ኽትወስድ ትኽእልዶ፧ ንጽል ክርስትያናት ምስ ስድራ ቤትካ ብሓባር ኣብ ፕሮጀክት ክንክን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሳተፉ ወይ ሓድሓደ ግዜ ናብ ዕዳጋ ብሓባር ንኽትከዱ ኽትዕድሞም ትኽእልዶ፧ ገሊአን ስድራ ቤታት ናብ ኣኼባ ኣውራጃ ወይ ናብ ዙረት ኪኸዳ ኸለዋ፡ መበለት፡ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ፡ ወይ ንጽል ፈላሚ ይማልኣ እየን። ከምዚ ዝኣመሰለ ምቅርራብ፡ ንዅሎም እዩ ዜተባብዕ።

17-19. (ሀ) ብዕድመ ንዝደፍኡ ወይ ንዝደኸሙ ወለዲ ንምክንኻን ኣብ ዚግበር ጻዕሪ፡ ውሉዳት ብፍቕሪ ተደሪኾም ሚዛናዊ መሰናድዎ ኺገብሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ካብቲ የሱስ ንኣዲኡ ንምክንኻን ዝገበሮ ተግባር እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ንረክብ፧

17 ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ምስ ዚግበር ክንክን ብዚተሓሓዝ እውን፡ ንዘይተመርዓዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪሕሰበሎም ኣለዎ። ብግዜ የሱስ፡ ገሊኦም ምርኡያት ኣይሁድ፡ ካብቲ ንኣቦኦም ወይ ንኣዲኦም ንምክንኻን ዘለዎም ሓላፍነት ዜምልጡሉ ቐዳድ ይደልዩ ነበሩ። እቲ ባዕሎም ኣብ ርእሶም ዝጸዓንዎ ሃይማኖታዊ ግዴታ፡ ካብቲ ኣምላኽ ንወለዶም ኪከናኸኑ ዝሃቦም ግዴታ ንላዕሊ ቐዳምነት ኪወሃቦ ኸም ዘለዎ ይዛረቡ ነበሩ። (ማር. 7:9-13) ኣብ ክርስትያን ስድራ ቤታት ግን ከምኡ ኪኸውን ኣይግባእን።—1 ጢሞ. 5:3-8።

18 ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ፡ ሓያሎ ክርስትያን ውሉዳት እንተ ኣለውዎምከ፧ ሓደ ኻብቶም ውሉዳቶም ዘይተመርዓወ እንተ ዀይኑ፡ ሓለፋ ኻልኦት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ንወለዱ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ኣለዎ ድዩ፧ ሓንቲ ኣብ ጃፓን እትነብር ሓብቲ፡ “ክምርዖ ምደለኹ፡ ንወለደይ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ስለ ዘሎኒ ግን፡ ክምርዖ ኣይክእልን እየ። የሆዋ ነቲ ንወለዲ ምክንኻን ዜስዕቦ ውጥረትን ነቲ ንንጽል ሰባት ዚስምዖም ጓሂ ልብን ከም ዚርድኦ ርግጸኛ እየ” በለት። ምናልባት ንዓኣ ኸየማኸሩ ንወለዶም ክትከናኸን ዝወሰኑ እተመርዓዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ይህልውዋ ደዀን ይዀኑ፧ እዚ ተግባር እዚ፡ ምስቲ ንኤርምያስ ጽቡቕ ገይሮም ዘይሓዝዎ ኣሕዋቱ ዝገበርዎ ተግባር ይመሳሰል እዩ።—ኤርምያስ 12:6 ኣንብብ።

19 የሆዋ ንንጽልን ፈታኒ ዅነታት ንዘለዎምን ሰባት ይርድኣሎም እዩ። (መዝ. 103:11-14) ይኹን እምበር፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ዝደኸሙን ወለዲ፡ ነቶም ዘይተመርዓዉ ውሉዳቶም ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ነቶም እተመርዓዉ ውሉዳቶም እውን ወለዶም እዮም። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ውሉዳት ተመርዕዮምን ሰዲሮምን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ እዚ ነገር እዚ ነቲ ንወለዶም ዝነበሮም ፍቕሪ ኺንክዮ፡ ካብቲ ንኺከናኸንዎም ዘለዎም ክርስትያናዊ ግዴታ ኸኣ ሓራ ኺገብሮም ኣይክእልን እዩ። የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ናብ ሞቱ ቐሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ ንኣዲኡ ኺከናኸን ከም ዘለዎ ይፈልጥ ምንባሩን ምስዚ ዚሰማማዕ ስጕምቲ ምውሳዱን ንፈልጥ ኢና። (ዮሃ. 19:25-27) ንዝኣረጉ ወይ ንዝደኸሙ ወለዲ ብኸመይ ተሓጋጊዝካ ኽንክን ኪግበረሎም ከም ዚግባእ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ሕግታት ኣይህብን እዩ፣ ዘይምርዑዋት ውሉዳት ዝያዳ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እውን ሓሳብ ኣይህብን እዩ። ኣብዚ ተኣፋፊ ጕዳይ እዚ፡ ነቲ የሱስ ንኣዲኡ ብምክንኻን ዝሓደጎ ኣብነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኵሎም እቶም ዚምልከቶም ሰባት እናተሓላለዩ፡ ሚዛናዊ መሰናድዎ ኺገብሩ ኣለዎም።

20. ምስቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ንጽል ብዛዕባ ዘሎካ ርክብ ከመይ ይስምዓካ፧

20 ኤርምያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ብጻይነትን ሕውነታዊ ርክብን ከም ዚህሉ ተነብዩ ነይሩ። (ኤር. 31:34) ብመሰረቱ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ብጻይነት ወይ ሕብረት ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሰባት፡ እንተላይ ኣብቲ ምስ ንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎ ምቅርራብ ይርአ እዩ። ምስ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ኣብ ዘሎና ርክብ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ከም እንደልን ንዓታቶም እውን ዕንቅፋታት ሰጊሮም ‘ብህይወት ኪነብሩ’ ኸም እንደልዮምን ኣየጠራጥርን እዩ።

ንገሊኦም ዘይተመርዓዉ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ንኸተተባብዖምን ብኣታቶም ንኽትተባባዕን እንታይ ተወሳኺ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል፧

a ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ከይተመርዓወ ንዚነብር እተመልክት ቃል የላን።

b ኢሳይያስ ነቶም ኣብቲ እስራኤላውያን ዜቕርብዎ ኣምልኾ ውሱን ተሳትፎ ዝነበሮም ብግዜኡ ዝነበሩ ስሉባት ተነብዩሎም እዩ። እቶም ስሉባት እዙዛት ብምዃኖም፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ “ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ . . . ዘለኣለማዊ ስም” ከም ዚረኽቡ ተነበየ።—ኢሳ. 56:4, 5።

c ገሊኦም ድማ መጻምድቶም፡ ምናልባት ዘይኣማኒ መጻምድቶም፡ ካባታቶም ስለ እተፈልየ ወይ ሕጋዊ ፍትሕ ስለ ዝፈጸመ፡ በይኖም ይነብሩ ይዀኑ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ