ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/11 ገጽ 20
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጽል ምዃን—ናብ ዘይተዓናቐፈ ዕዮ ዝመርሕ ኣፍ ደገ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ‘ተቐበሎ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ንጽል ኴንካ ንእትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕግበት ዝረኸቡ ንጽል ሰባት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/11 ገጽ 20

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እተን ኣብ ማቴዎስ 19:10-12 ዚርከባ ቓላት የሱስ፡ እቶም ንጽል ኪዀኑ ዝወሰኑ ሰባት፡ ብተኣምራዊ መገዲ ንጽል ናይ ምዃን ውህበት ከም እተዋህቦም ድየን ዚሕብራ፧

▪ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ንጽል ምዃን እተዛረበሉ ዅነታት እስከ ንመርምሮ። ፈሪሳውያን ናብ የሱስ መጺኦም ብዛዕባ ፍትሕ ምስ ኣዘራረብዎ፡ የሱስ ነቲ ንሓዳር ዚምልከት ስርዓታት የሆዋ ብንጹር ገለጾ። ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ “ዜሕፍር ነገር” እንተ ረኺቡላ፡ መጽሓፍ መፍቲሒኣ ሂቡ ኺፈትሓ ኸም ዚኽእል ይገልጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ፈለማ ግና ኸምኡ ኣይነበረን። (ዘዳ. 24:1, 2) የሱስ ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምግላጹ፡ “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ” በለ።—ማቴ. 19:3-9።

ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ “ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን” በሉ። የሱስ ከኣ፡ “እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን። ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ አለዉ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን አለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በሎም።—ማቴ. 19:10-12።

ብምኽንያት ናይ ውልደት ጸገም፡ ወይ ከኣ ብምኽንያት ሓደጋ ወይ ምጕዳል ኣካል ቃል ብቓሉ ስሉባት ዚዀኑ ሰባት ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ብምርጫኦም ከም ስሉባት ኰይኖም ዚነብሩ እውን ኣለዉ። ኪምርዓዉ ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ‘ምእንቲ መንግስተ ሰማያት’ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ብምቍጽጻር፡ ንጽል ኰይኖም ይነብሩ። ልክዕ ከም የሱስ፡ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብተወፋይነት ምእንቲ ኺዓይዩ፡ ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራ መሪጾም እዮም። እዚ ውህበት እዚ፡ ኪውለዱ ኸለዉ ወይ ጸኒሑ እተዋህቦም ዘይኰነስ፡ እተቐበልዎ ወይ ብፍላጥ ዝመረጽዎ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ የሱስ ዝበሎ ንምጕላሕ፡ ንጽል ወይ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ዅሎም ክርስትያናት ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኼገልግልዎ ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ‘ብልቦም ዝወድእዎ’ ንጽል ግና ‘ዝሓሸ’ ኸም ዚገብሩ ገሊጹ እዩ። እቶም ንጽል ዝዀኑ ዝሓሸ ዚገብሩ ብኸመይ እዮም፧ ሰብ ሓዳር ንመጻምድቶም ንምሕጓስን ንምክንኻንን ግዜኦም ኪኸፋፍልዎ ኣለዎም። ንጽል ዝዀኑ ክርስትያናት ግና፡ ከምዚ ዓይነት ግዴታ ስለ ዘይብሎም፡ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ኣገልግሎት ጐይታ ኼውዕልዋ ይኽእሉ እዮም። ንዅነታቶም ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ‘ውህበት’ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።—1 ቈረ. 7:7, 32-38።

ስለዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሓደ ክርስትያን ብተኣምራዊ መገዲ ንጽል ናይ ምዃን ውህበት ከም ዚውሃቦ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ኸይተመርዓወ ብምንባር፡ ሓሳቡ ኸይተኸፋፈለ ንኣምላኽ ኬገልግሎ ኸም ዚመርጽ እዩ ዚገልጽ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነዚ ዕላማ እዚ ኢሎም ንጽል ኰይኖም ኪነብሩ ብልቦም ወዲኦምዎ እዮም፣ ካልኦት ከኣ ኬተባብዕዎም ይግባእ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ